ኣመሪካን ኢራንን መጥቃዕቲ ደው ምባለን ስዒቡ ዋጋ ነዳዲ ጐዲሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዘይተጻረየ ነዳዲ፡ ብሓደ ግዜ ልዕሊ 9 ሚእታዊት ዝነከየ ኮይኑ ዋጋ ሓደ በርሚል ናብ ትሕቲ 88 ወሪዱ።
እዚ ምንካይ ዋጋ፡ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡ "ንዝርርባት ገለ ቦታ" ንምሃብ፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝፍጸም ዝነበረ መጥቃዕቲ ንኻልኣይ ተኸታታሊ ምሸት ደው ከምዝበለ ድሕሪ ምግላጹ'ዩ።
ወሃቢ ቃል ሰራዊት ኢራን ትማሊ ሰንበት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ቴህራን ግብረ መልሲ ንምሃብ ኣብቲ ዞባ ዝፍጸም ዝነበረ "ሕነ ምፍዳይ" መጥቃዕቲ ደው ከምዘበለት ሓቢሩ።
ምጅማር ኲናት ኢራን፡ እቲ ግጭት ነቲ መብዛሕትኡ ግዜ ኣስታት 20 ሚእታዊት ካብ ነዳድን ፈሳሲ ተፈጥሮኣዊ ጋዝን ዓለም ዝስከም ቁልፊ መስመር መራኽብ መጻብቦ ሆርሙዝ ብኣድማዒ መንገዲ ክዕጾ ስለዝገበረ፡ ዋጋ ነዳዲ ብሓያል ወሰኽ ኣበጊሱ ነይሩ።
ኢራንን ኣመሪካን ኣብ ወርሒ ሰነ ወተሃደራዊ ግጭት ደው ንምባልን ነቲ መጻብቦ ዳግማይ ንምኽፋትን ስምምዕ ምስ ፈረማ፡ ዋጋ ነዳዲ ናብቲ ቅድሚ ኲናት ዝነበረ ደረጃ ኣስታት 70 ዶላር ንሓደ በርሚል ተመሊሱ ከምዝነበረ ይዝከር።
ይኹን እምበር፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ዝፈረሰ ውዕል ምቁራጽ ተኹሲ ስዒቡ፡ ኣብ ልዕሊ ዓለማዊ ቀረብ ጸዓት ዝነበረ ስግኣት ዳግማይ ኣበጊሱ፡ ዋጋ ነዳዲ ዳግማይ ክብርኽ ገይሩ ነይሩ።




