ኣንዲ በርናም፡ መራሕቲ ተቓወምቲ ሰልፍታት ዝህብዎ ዘለዉ መግለጺታት
መራሕቲ ተቓወምቲ ሰልፊ ብሪጣንያን ብዛዕባ ኣንዲ በርናም ስልጣን ድሕሪ ምርካቡ ገብረመልሲ ይህቡ ኣለዉ።
መራሒ ቀንዲ ተቓዋሚ ሰልፊ ዓቃባውያን ከሚ ባደኖክ፡ ነቲ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ዘለዋ ሰናይ ትምኒት ብምግላጽ፡ "ጌጋታት ቀዳማይ ሚኒስተርነት ኪር ስታርመር ከይደግም" ተማሕጺና።
መራሒ ናይቲ ብካልኣይ ደረጃ ዝስራዕ ተቓዋሚ ሰልፊ ሊበራላዊ ደሞክራሲ ኢድ ዴቪ ብወገኑ፡ በርናም ብዛዕባ "ማሕበራዊ ሓልዮት፡ ኣውሮጳ ወይ ምዕቃብ ክቡር ተፈጥሮኣዊ ኣከባቢና" ዘይምዝራቡ ነቒፉ።
መራሒ ሓምላይ ሰልፊ ዛክ ፖላንስኪ ድማ "ፕላነት እናቃጸልካ" ዝምለስ ተስፋ የለን ክብል ጽሒፉ'ሎ። እዚ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ሰሜናዊ ባሕሪ ዝግበር ኲዕታ ነዳዲ ከምዘስፍሕ ብምዝራቡ'ዩ እቲ ቀንዲ ፖለቲካዊ ዕላማኡ ምዕቃብ ኣከባቢን ክሊማ ዓለምን ዝኾነ ሰልፊ ነቲ ነቐፌታ ኣቕሪቡ ዘሎ።
እቲ ፖለቲካዊ ጽልዋኡ ኣብታ ሃገር እናሓየለ ዝኸይድ ዘሎ መራሒ 'ሪፎርም ዩ-ከይ' ናይጃል ፋራጅ ብወገኑ፡ እቲ ብዘይሃገራዊ ምርጫ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ህዝቢ ሓላፍነት ከይሃቦ ዓበይቲ ውሳነታት ክገብር የብሉን ኢሉ'ሎ።
እዚ ሎሚ ዝተፈጸመ ለውጢ መሪሕነት ብሃገር ደረጃ'ኳ እንተኾነ፡ ብቐንዱ ኣብ ውሽጢ ገዛኢ ሰልፊ ዕዮ ብዘጋጠመ ፍልልይ'ዩ ተኸሲቱ ዘሎ።
እቲ ሎሚ ስልጣኑ ዘረከበ ኪር ስታርመር ሰልፊ ዕዮ ኣብቲ 2024 ዝተኻየደ ሃገራዊ ፓርላመንታዊ ምርጫ ብገፊሕ ብምዕዋት ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ናብ ስልጣን ክምለስ ዝገበረ'ዩ።
ኣብ ኣባላት እቲ ሰልፊ ዝነበሮ ተቐባልነት ንኣባላት ባይቶ ዝኾኑ ብጾቱ ስለዝጸለወ ድማ'ዩ ካብ ናይ ሰልፊ መሪሕነቱ ወሪዱ፡ ስልጣኑ ክረክብ ተገዲዱ።
ኣብ ፓርላማ ብዝርከቡ ኣባላት እቲ ሰልፊ ብዘካየድዎ ውሳነ ድማ ኣንዲ በርናም መራሒ ሰልፊ ዕዮን ቀዳማይ ሚኒስተርን ክኸውን በቒዑ።









