ቻይና ንዩክለሳዊ ፈተነታት ዝምርምር ኣመሪካዊ ተመራማሪ ብስለያ ከሲሳቶ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ቻይና ንኣመሪካዊ ተመራማሪ ንዩክለሳዊ ምርመራታት ቼን ዩሊን ብስለያ ከሲሳ ንልዕሊ ክልተ ዓመት ዓጊታቶ ከም ዘላ ስድራቤቱ ገሊጾም።
ቼን ኣብ ሕዳር 2024 ናብ ቤጂንግ ኣብ ዝገበሮ ጕዕዞ እዩ ተታሒዙ።
ዕማም ቼን ብቐንዱ ኣብ ምርመራ ንዩክለሳዊ ፈተነታት ሰሜን ኮርያ ዘተኰረ ኰይኑ፡ ኣመሪካ ግን ቻይና ነቲ ኣመሪካ ንዩክለሳዊ መጥቃዕቲ ንምልላይ እትጥቀመሉ ሜላታት ንምስላጥ ክትጥቀመሉ ከም ዝደለየት ስክፍታ ኣለዋ።
ጕጅለ ተጣባቒ 'ግሎባል ሪች' ከም ዝገለጾ፡ ማእሰርቲ ቼን ምስቲ ቻይና ንውዕል ኵሉ-መዳያዊ እገዳ ንዩክለሳዊ ፈተነታት ብምጥሓስ እትገብሮ ዘላ ስቱር ንጥፈታት ዝተኣሳሰር ክኸውን ከም ዝኽእል ኣመሪካ ጥርጣረ ፈጢሩላ እዩ።
ብተወሳኺ፡ ቻይና ካብ ተመኵሮ ቼን ተበጊሳ ኣመሪካ ንዩክለሳዊ ፈተነታት ንምልላይ እትጥቀመሉ ስትራተጅያዊ ሜላታት ንምፍላጥን ነቲ ውዕል ንምጥሓስ ምኽንያት ክትረክብን ዕድል ክፈጥረላ ከም ዝኽእል ተጠቒሱ ኣሎ።
እዚ ናይ ቼን ማእሰርቲ፡ ቻይና ንኻልእ ሚን ዚን ዝተባህለ ኣመሪካዊ ምሁር ብስለያ ከሲሳ ድሕሪ ምእሳራ ሓደ ወርሒ ጸኒሑ ዝተሰምዐ እዩ።
ሴነተር ኤድዋርድ ማርኪ፡ እዚ በይጂንግ እትወስዶ ዘላ ስጕምቲ ነቲ ኣብ መንጎ ክልተአን ሃገራት ዘሎ ሞያዊ ምሕዝነት ከም ዘላሕልሖን ካልኦት ምሁራት ምስ ቻይናውያን መሳርሕቶም ንኸይተሓባበሩ ዕንቅፋት ከም ዝኸውንን ገሊጹ።
ብዓልቲ ቤቱ ሮንግ ዩፋንግ፡ ቼን ንልዕሊ 600 መዓልታት ተዓጽዩ ልዕሊ 100 ግዜ ከም ዝተመርመረን ብሕማም ሽኰርን ደም ብዝሕን ይሳቐ ስለ ዘሎ ጥዕናኡ ኣብ ስግኣት ከም ዘሎን ትገልጽ።
ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ብወገኑ እቲ ማእሰርቲ ሕጋዊ ምዃኑ ክገልጽ ከሎ፡ "ጌጋ ዝተፈጸመሉ ማእሰርቲ የሎን" ክብል መሊሱ ኣሎ።



