እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ኔታንያሁ፡ ‘እዚ እዋን ኲናት’ዩ’ ብምባል ምስ ሓማስ ተኹሲ ደው ምባል ነጺጕ

ትካላት ረድኤት ሕቡራት ሃገራት እቲ ኣብ ሞንጐ እስራኤልን ሓማስን ዝቕጽል ዘሎ ጐንጺ ጠጠው ክብል ይሓታ ኣለዋ። ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ግን፡ ምቁራጽ ተጻብኦ “ንሓማስ ኢድ ምሃብ’ዩ” ብምባል ነቲ ዝቐርብ ዘሎ ጻውዒታት ነጺጉ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ኤርዶሃን፡ ንቱርኪ ዓለማዊት ጐብለል ናይ ምግባር ሕልሙ ይገሃድ ዶ ይኸውን?

  2. እስራኤል፡ ኣብ ቓዛ እተካይዶ ዘላ ወራር እንታይ ዝዓለመ እዩ?

  3. እስራኤል-ቓዛ፡ ኣመሪካ ንዓለማዊ ጻውዒት ተዅሲ ደው ምባል ነጺጋ

  4. ሰራዊት እስራኤል ናብ ሰሜናዊ ቓዛ ኣትዩ

  5. ኣብ ጕዳይ እስራኤል-ጋዛ ርኢይቶ ዝሃበ ኣባል ባይቶ ተኣጊዱ፤ ሓደ ሰራሕተኛ መንግስቲ ድማ ተባሪሩ

    ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ፡ ሓደ ሰራሕተኛ መንግስቲ ብዛዕባ ኩነታት እስራኤል-ጋዛ ርእይቶ ብምሃቡ ካብ ስርሑ ክባረር እንከሎ፡ ከምኡ’ውን ሓደ ኣባል ባይቶ ሰልፊ ሌበር ተኣጊዱ።

    ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓጋዚ ሚኒስተራት ፖል ብሪስቶው ናብ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዝጽሓፎ ደብዳበ፡ “ዘላቒ ምቁራጽ ተጻብኦ” ምግባር፡ “ህይወት ሰባት ከድሕንን ሓገዝ ናብቶም ኣዝዮም ዘድልዮም ሰባት ክበጽሕ ዘኽእልን'ዩ” ኢሉ።

    ቤት ጽሕፈት እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ግን እቲ ርእይቶታት "ምስ መትከላት ሓባራዊ ሓላፍነት ዝሰማማዕ ኣይኰነን" ኢሉ።

    ኣባል ባይቶ ዕዮ ኣንዲ ማክዶናልድ ድማ ኣብ ሰልፊ ደገፍቲ ፍልስጤም ተረኺቡ ርኢይቶ ሂቡ ነይሩ።

    ኣብዚ፡ “ኣብ ሞንጐ ሩባን ባሕርን" ዝብል ሓረግ ብምጥቃሙ ካብ ኣባልነት ተኣጊዱ።

    ነቐፍቲ እቲ ሓረግ ግልጺ ብዘይኰ መገዲ ንጥፍኣት እስራኤል ዝጽውዕ ምዃኑ ይምጉቱ።

    ሰልፊ ዕዮ ድማ እቲ ርእይቶታት "ኣዝዩ ኣጸያፊ" እዩ ኢሉ።

  6. ኣብ ኲናት እስራኤልን ሓማስን 31 ጋዜጠኛታት ተቐቲሎም - ሲፒጄ

    ኣብ ሞንጐ እስራኤልን ሓማስን ዝቕጽል ዘሎ ጐንጺ ዝሽፍኑ ዝነበሩ ብውሕዱ 31 ጋዜጠኛታት ከም ዝተቐትሉ ኮሚቴ ሓለዋ ጋዜጠኛታት (ሲፒጄ) ገሊጹ።

    ካብዚኦም እቶም 26 ፍልስጤማውያን ክዀኑ እንከለው 4 እስራኤላውያን 1 ሊባኖሳውን እውን ይርከቡዎም።

    ካልኦት ሸሞንተ ጋዜጠኛታትድማ ጉድኣት ከም ዝበጽሖም ብምግላጽ፡ ትሸዓተ ድማ ከም ዝጠፍኡ ወይ ከም ዝተኣስሩ ይግመት ክብል እቲ ኮሚቴ ኣምልኪቱ።

    እቲ ትካል ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ብፍላይ ኣብ ጋዛ ዝርከቡ ጋዜጠኛታት እስራኤል ብመሬት እትፍጽሞ ዘላ መጥቃዕቲ፣ ኣዕናዊ ደብዳባት ነፈርቲ፣ ሰፊሕ ምቁራጽ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ምቁራጽ ኮምዩኒኬሽንን ኣብ ዘለወሉ ነቲ ግጭት ክሽፍኑ ኣብ ዝፍትኑሉ እዋን ልዑል ሓደጋታት የጋጥሞም ኣሎ” ኢሉ።

    ሮሽዲ ሳራጅ ዝተባህለ ፍሉጥ ፍልስጤማዊ ኣፍራዪ ፊልም ሓደ ካብቶም ግዳያት ኰይኑ ኣብ ከባቢ ዶብ ሊባኖስ ካብ ኣንፈት እስራኤል ብዝመጽአ ደብዳብ ዝተቐትለ ኣብ ቤይሩት መደብሩ ፍሉጥ ፍልስጤማዊ ሰኣሊ ሮይተርስ (ቪድዮግራፈር) ኢስማን ዓብደላን ይርከብዎም።

    ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል፡ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል ነቲ ክሲ ይምርምሮ ከም ዘሎ ሓቢሩ።

    ብተወሳኺ ኣብ ጋዛ ንዝንቀሳቐሱ ጋዜጠኛታት ውሕስነት ክህብ ከም ዘይክእል፡ ንማዕከናት ዜና ሮይተርስን ኤኤፍፒን ገሊጹ።

  7. ትካላት ጸጥታ እስራኤል ተጨውያ ንዝነበረት ወተሃደር ናጻ ኣውጺኦም

    ሓይልታት ምክልኻልን ትካል ሃገራዊ ድሕነትን እስራኤል ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ሓባር መግለጺ፡ ሓንቲ ኣብ ቓዛ ብሓማስ ጅሆ ተታሒዛ ዝጸንሐት ወተሃደር ከምዘድሓኑ ኣፍሊጦም።

    ወተሃደር ኦሪ መግዲሽ፡ ሰራዊት እስራኤል ትማሊ ለይቲ ናብ ውሽጢ እታ ወሽመጥ ብምእታው ኣብ ዘካየዶ ስርሒታት’ያ ናጻ ወጺኣ።

    “እታ ወተሃደር ሕክምናዊ መርመራ ተኻዪዱላ ኣብ ድሓን ኩነታት ትርከብ። ምስ ስድራቤታ ተረኺባ’ላ። ሓይልታት ምክልኻልን ትካል ሃገራዊ ድሕነትን ነቶም ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ንምውጻእ ኩሉ ዘድሊ ክገብሩ እዮም” ይብል እቲ ዝወጸ መግለጺ።

    ሚኒስተር ምክልኻል ዮኣቭ ጋላንት ብዛዕባ ኩነታት እታ ወተሃደር ተሓቲቱ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ ሓበሬታ ክህብ ከምዘይደሊ ገሊጹ።

    “ዝነገረትና ነገራት ኣብ መንጎኣን እቲ ዝተዛረባ ኣካልን ዝተርፍ’ዩ። ዝርዝራቱ ድማ ብሓቂ ብኸምዚ ተሰቲሩ ክዕቀብ ዘለዎ’ዩ። ምኽንያቱ፡ ብዙሓት ኣብ ኢዶም ጅሆ ዝተታሕዙ ስለዘለዉ” ኢሉ።

    ቀዳማይ ሚኒስተር በንጃሚን ነታንያሁ’ውን “እንቋዕ ናብ ገዛኺ ተመለስኪ” ክብል ሓጎሱ ገሊጹ’ሎ።

  8. ሓማስ ዘውጽኦ ቪድዮ ግዳያት ጅሆ ‘ጨካን ስነኣእምሮኣዊ ፕሮፖጋንዳ’ዩ’

    ምስ እስራኤል ዝዋጋእ ዘሎ ጉጅለ ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምኽፋት ዝጨወየን ሰለስተ ደቂኣንስትዮ ዘርኢ ቪድዮ ኣውጺኡ።

    ዋላ’ኳ ኩነታት ኣተሓሕዘአን ብንጹር ክፍለጥ ዘይክእል እንተኾነ፡ እተን ኣብቲ ቪድዮ ዝራኣያ ግዳያት ጅሆ ኣብ ድሓን ኩነታት ዘለዋ ይመስላ። ኣብ ገጸን ይኹን ቅሉዕ ክፋል ኣካላተን ዝኾነ ዝርአ መጉዳእቲ የብለንን።

    ሓንቲ ካብአን፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ነታንያሁ ዘለዋ ነቐፌታ ብምግላጽ፡ ኩሎም ግዳያት ጅሆ ክፍትሑ ክትጽውዕ ትስማዕ።

    እቲ ብሰንኪ መጥቃዕቲ ሓማስ ሓያል ነቐፌታ ክቐርበሉ ጀሚሩ ዘሎ ነታንያሁ፡ ኣስማት ናይተን ግዳያት ብምጥቃስ፡ ነቶም ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ንምፍታሕ ዝክኣሎ ይገብር ከምዘሎ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ቃል ኣትዩ።

    “ናብተን በቲ ገበናት ኲናት ዝፈጸመ ሓማስ ዝተጨውያ ኢለና ትሩፓኖቭ፡ ዳኒኤል ኣሎኒ ከምኡ’ውን ሪሞን ኪርሽት ክምለስ። እሓቚፈክን” ክብል ጓሂኡ ገሊጹ።

    “ልብና ምሳኽንን ምስቶም ካልኦት ግዳያት ጅሆን እዩ ዘሎ። ንኹሎም ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉን ሃለዋቶም ዘይተፈልጠን ንምምላስ ዝከኣለና ኩሉ ንገብር ኣለና”።

    ቢቢሲ፡ ዝህብዎ መግለጺ ብኣስገዳድ ዝግበር ክኸውን ስለዝኽእል ንቪድዮታት ምሩኻት ኲናትን ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባትን ኣይሓትምን’ዩ።

  9. ንኣይሁዳውያን ከጥቅዑ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ጠኒኖም ዝኣተዉ ዕስለ ሰባት

  10. ኣብ ቤትማእሰርቲ ኬንያ ዝጸንሑ 60 ኤርትራውያን ናብ መዓስከር ስደተኛታት ተላኢኾም

  11. ሰብ መዚ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቓዛ ‘ውሑስ ቦታ’ የለን ኢሎም

  12. እስራኤል 'ንኹሉ ስጉምቲ ክወስድ ተገድድ ኣላ' - ፕረዚደንት ኢራን

  13. እስራኤል ሙሉእ ለይቲ ብዝፈፀመቶ ከቢድ ደብዳብ፡ ኣብ ጋዛ ህውከት ሰፊኑ

    ኣብ ጋዛ ዝርከብ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ሩሽዲ ኣቡኣሉፍ፡ ብዓርቢ ምሸት ሰሜናዊ ወሽመጥ ጋዛ ክሳብ ሕዚ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መጠን፡ ብኸቢድ ከም ዝተደብደበ ገሊፁ።

    ብሰንኪ እዚ ድማ ሰሜናዊ ጋዛ ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ሕንፍሽፍሽ ጥሒላ ኣላ ኢሉ።

    ሰራዊት እስራኤል ብዓርቢ ናብ ቀዳም ኣብ ዘውግሕ ለይቲ 150 ዒላማታት ሓማስ ከም ዝደብደበ ሓቢሩ።

    ትማሊ ምሸት ዝነበረ መጥቃዕቲ፡ ብሓይሊ ኣየር፣ ታንክን እግረኛ ሰራዊትን ዝተዓጀበ ምዃኑ ተገሊፁ።

    ሓላፊ ስርሒታት ሓይሊ ኣየር እስራኤል ብርጋዲየር ጀነራል ጊላድ ኬኢናን፡ ብዓርቢ ለይቲ ኣስታት 100 ጀታት ኣብ ወሽመጥ ጋዛ ንዒላማታት ሓማስ ከም ዝደብደባ ተዛሪቡ።

    ወተሃደራዊ ክንፊ ሓማስ ብርጌድ ኣል ቃሳም ብወገኑ፡ ኣብ ሰሜናዊ ጋዛ ምስ ሰራዊት እስራኤል ይዋጋእ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

  14. ሓማስ ምስ ሰራዊት እስራኤል ይዋጋእ ከምዘሎ ገሊፁ

    ወተሃደራዊ ክንፊ ሓማስ ብርጌድ ኣል ቃሳም፡ ኣብ ሰሜናዊ ጋዛ ምስ ሰራዊት እስራኤል ይዋጋእ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

    እቲ ብርጌድ ኣብ ጋዛ ከባብታት ቤኢት ሃኑን ቡሩጄን ይዋጋእ ከም ዘሎ ካብ ምግላፅ ወፃኢ ዝሃቦ ተወሳኺ ሓበሬታ የለን።

    ሓማስ ምስ እግረኛ ሰራዊት እስራኤል ይታኾስ ከም ዘሎ ዝሓበረ፡ እስራኤል እተካይዶም ስርሒታት ከም ዘስፈሐት ድሕሪ ምግላፃ’ዩ።

    ኣፈኛ ሰራዊት እስራኤል፡ እግረኛ ሰራዊትን ታንክታትን ኣብ ወሽመጥ ጋዛ ከም ዝርከቡ ንኒውዮርክ ታይምስ ተዛሪቡ።

  15. 100 ነፈርቲ ውግእ እስራኤል ንቓዛ ክድብድባ ሓዲረን

    ሰብ መዚ እስራኤል ኣስታት 100 ነፈርቲ ውግእ፡ ንቓዛ ክድብድባ ከም ዝሓደራ ገሊፆም።

    ሓላፊ ስርሒታት ሓይሊ ኣየር እስራኤል ብርጋዲየር ጀነራል ጊላድ ኬኢናን፡ ብዓርቢ ለይቲ ኣስታት 100 ጀታት ኣብ ወሽመጥ ጋዛ ንዒላማታት ሓማስ ከም ዝደብደባ ኣፍሊጡ።

    ሰራዊት እስራኤል ንሓላፊ እቲ ሓይሊ ኣየር ብምፅራሕ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ ዕላማ እቲ መጥቃዕቲ ኣየር፡ “ዓሻራ ሓማስ ዝዓረፎ ሕድሕድ ነገር ምዕናው’ዩ” ኢሉ።

  16. ኣብ ጋዛ ኣገልግሎት ስልክን ኢንተርነትን ተቛሪፁ

    ኣብ ጋዛሙሉእ ብሙሉእ መራኸብቲ መስመራት ተቛሪፆም።

    ኩባንያ ቴሎኮምዩኒኬሽን ፍልስጤም፡ሰራዊት እስራኤል ተደጋጋሚ ደብዳብ ምፍፃሙ ስዒቡ፡ ኣብ ጋዛ ኣገልግሎት ስልክን ኢንተርነትን ከም ዝተቛረፀ ኣፍሊጡ።

    ሰራሕተኛታት ረድኤትንመራኸብቲ ሓፋሽን፡ ብሰንኪ እዚ ምቁራፅ ኣብ ጋዛ ምስ ዝርከቡ ሰራሕተኛታቶም ክራኸቡ ከም ዘይከኣሉ ይገልፁ ኣለዉ።

  17. ኣሜሪካ ኣብ ሊባኖስ ዝርከቡ ዜጋታታ ክወፅኡ ኣዚዛ

    ኣሜሪካ ኣብ ሊባኖስ ዝርከቡ ዜጋታታ ብቕልጡፍ ነታ ሃገር ለቒቖም ክወፅኡ ኣዚዛ።

    መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ኩነታት ደሕንነት ንምግማት ዘፀግም ብምዃኑ፡ ሕዚ ኣገልግሎት መጓዓዝያ እንከሎ ዜጋታቱ ካብ ሊባኖስ ክወፅኡ ሓቲቱ።

    ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍፃሙ፡ ኣብ መንጐ ሊባኖስ ዝመደበሩ ሂዝቦላሕን እስራኤልን ዝካየድ ውግእ እናወሰኸ ይመፅእ ኣሎ።

    ነዚ ስዒቡ እስራኤል ሰራዊታን ወተሃደራዊ ተሽከርከርታን ናብ ዶብ ሊባኖስ ኣፀጊዓ ትርከብ።

    ኣብ ሊባኖስ ብዘሎ ኩነታት ዝተሻቐለ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ፡ መንግስቲ ቅልውላው ኣብ ዝፍጠረሉ ኩነት ዜጋታት ከውፀአሉ ኣብ ዝኽእል ኩነታት መረጋገፂ ስለዘየለ፡ ኣሜሪካውያን ብኣጋ ካብ ሊባኖስ ክወፅኡ ኣገንዚቡ።

  18. እስራኤል ንውሳነ ዕርቂ ሕቡራት ሃገራት ነጺጋቶ

  19. ግጭት እስራኤል-ቓዛ፡ ስእላዊ መግለጺ መበል 20 መዓልቲ

  20. ተል ኣቪቭ፡ ሮኬታት ኣብ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ኣውሪዱ

    ኣብታ ዝዓበየት እስራኤላዊት ከተማ ተል ኣቪቭ ዝወደቐ ሮኬታት ኣርባዕተ ሰባት ከምዘቑሰለ ሰብመዚ እታ ከተማ ሓቢሮም።

    እቲ ካብ ቓዛ ከምዝተወንጨፈ ዝተገልጸ ሮኬታት ኣብ ሓደ ኣፓርታማ ዘለዎ ህንጻ ብምህራም ዕንወት ኣውሪዱ’ሎ።

    ምክትል ኣዛዚ ምክልኻል እታ ከተማ ዳኒ ገቫ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ክልተ ሰባት ማእከላይ መቑሰልቲ ከጋጥሞም እንከሎ፡ እቶም ካልኦት ክልተ ግን ብቐሊል ማህረምቲ ተገላጊሎም ኢሉ።

    “ዝሰዓበ ሞት ዘይምህላዉ ምኽንያት፡ ሰባት ነቲ ዝተዋህቦም መምርሒ ኣብ ግብሪ ብምውዓሎም’ዩ። ንዝተዋህበ ደወል መጠንቀቕታ ሰሚዖም. . .ናብ ኣስካላ ብምምራሕ ናብ ውሑስ ቦታ ኣትዮም፡ ስለዚ ድማ ህይወት ድሒኑ”።

    በቲ ብ7 ጥምቲ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ሓማስ 1400 እስራኤላውያን ክሞቱ እንከለዉ፡ 224 ድማ ናብ ቓዛ ከምዝተወስዱ ይፍለጥ።