እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ኔታንያሁ፡ ‘እዚ እዋን ኲናት’ዩ’ ብምባል ምስ ሓማስ ተኹሲ ደው ምባል ነጺጕ

ትካላት ረድኤት ሕቡራት ሃገራት እቲ ኣብ ሞንጐ እስራኤልን ሓማስን ዝቕጽል ዘሎ ጐንጺ ጠጠው ክብል ይሓታ ኣለዋ። ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ግን፡ ምቁራጽ ተጻብኦ “ንሓማስ ኢድ ምሃብ’ዩ” ብምባል ነቲ ዝቐርብ ዘሎ ጻውዒታት ነጺጉ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. እስራኤል-ቓዛ፡ ኣብ ትሕቲ ጽንኩር ኩነታት ዝሓረሰት ኣደ

  2. ኣሜሪካ፡ ሓማስ ዳግማይ ክውደብ ዘኽእል ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል ከምዘይትድግፍ ገሊጻ

    ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሓማስ "ከዕርፍን ዳግማይ ክውደብን ከምኡ'ውን ኣንጻር እስራኤል ግብረሽበራዊ ስርሒታት መሊሱ ክቕጽል" ዘኽእል ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል ከም ዘይትድግፍ ኣፍሊጡ።

    ማቲው ሚለር ወሲኹ፡ ሓማስ ብዘይካ'ቲ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ "መዓልታዊ ሮኬታት ይውንጭፍን ኣብ እስራኤል ንዝርከቡ ሰላማውያን ዜጋታት ዒላማ ይገብርን ኣሎ" ኢሉ።

    ወሲኹ "ነቲ ስርሒታት ክቕጽሉ ዘኽእሎም ዝዀነ ዓይነት ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል ንቃወሞ" ክብል ገሊጹ።

    "ክልቲኦም ወገናት ሓገዝ ንምብጻሕ ዘኽእል ሰብኣዊ ደውታ ተኹሲ ምግባር ኣብ ግምት ከእትዉ ምደገፍናን ምሓሰብናን እብል። በዚ ድማ ነቲ ኣብ ደቡባዊ ቓዛ ዘሎ መእተዊ ራፋ ንክኽፈት ብዕቱብ ምሰራሕና" ኢሉ።

  3. ኣብ ኤርትራ መደበር እስራኤል ተጠቒዑ ድዩ? ኤርትራኸ እንታይ ትብል?

  4. ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቓዛ ቅልጡፍ ተኹሲ ደው ምባል ክፍጸም ሎሚ ዓርቢ ድምጺ ክህብ እዩ

    ኣምባሳደራት እስራኤልን ፍልስጤምን ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት መደረ ኣስሚዖም።

    ክልቲኦም ድማ ኣብ ውሽጢ'ቲ ኣስታት ሰለስተ ሰሙን ዘቝጸረ ውግእ ህዝቦም ዘጋጠሞ ስቓይ ብንጹር ኣቕሪቦም።

    ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቓዛ ቅልጡፍ ተኹሲ ደው ምባል ንክፍጸም ህጹጽ ኣኼባ ከካይድ ኣብ ዝተዳለወሉ እዩ መደረ እቶም ኣምባሳደራት ተሰሚዑ።

    እቲ ሎሚ ዓርቢ ድምጺ ክወሃቦ ትጽቢት ዝግበር ረቂቕ ውሳነ፡ ገደብ ኣልቦ ሰብኣዊ ሓገዝ ክህሉ፣ ዓለምለኻዊ ሕግታት ሰብኣውነት ክኽበሩን ተሓታትነት ክረጋገጽን ዝጽውዕ ይኸውን።

  5. እስራኤል-ሓምስ፡ እንታይ ምዕባለታት ኣሎ?

    ኣብ ኲናት እስራኤልን ቓዛን ካብ ዘለዉ ምዕባለታት ገሊኦም፡

    • ሰራዊት እስራኤል፡ ነቲ ብ7 ጥቅምቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ንምውጣን ዝሓገዘ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓማስ ከምዝቐተለ ኣፍሊጡ።
    • ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ኣብ ማእከላይ ከባቢ ምድረበዳ ቓዛ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ዝቐጸለሉ እዋን ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ዒላማታት ሓማስ ከምዝወቕዐ ይገልጽ።
    • ኣብ ቓዛ ዝርከቡ መዕቆቢታት ሕቡራት ሃገራት ሕጂ ካብቲ ትጽቢት ዝግበረሎም ዓቕሚ ብሰለስተ ዕጽፊ ተመዛበልቲ ከዕቍቡ ከምዝተገደዱ ተሓቢሩ።
    • ኣመሪካ ኣብ ምብራቓዊ ሶርያ ንዝርከቡ ክልተ ወተሃደራዊ መሳለጥያታት ብነፈርቲ ከም ዝሃረመት ብምግላጽ፡ ሓይልታት ኢራንን ምስኦም ዝዛመዱ ጕጅለታትን ዝጥቀሙሉ ምዃኖም ኣፍሊጣ። እቲ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ግን ካብቲ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ግጭት "ዝተፈልየ" ምዃኑን ምስ እስራኤል ዝዀነ ምውህሃድ ከምዘይተገብረን ኣስሚራትሉ።
    • መራሕቲ ሕብረት ኣውሮጳ ብህጹጽ ዘድሊ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ቓዛ ንምእታው "መተሓላለፊ ሰብኣዊ ረድት" ክህልዉ ንምጽዋዕ ተሰማሚዖም
    • ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቓዛ ቅልጡፍ ተዅሲ ደው ምባል ክግበር ሎሚ ዓርቢ ድምጺ ክህብ እዩ።
  6. ኣብ ሶርያ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣየር ንመኽዝናት ኣጽዋር ኢራን ወቒዑ - ሰበስልጣን ኣመሪካ

    ድሕሪ'ቲ ሰበስልጣን ኣመሪካ ብዛዕባ መጥቃዕቲ ኣየር ኣብ ሶሪያ ዝምልከት ንጋዜጠኛታት ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ተወሰኽቲ ሓበሬታ ይወጽኡ ኣለዉ።

    እቲ መጥቃዕቲ ኣየር፡ ሓይልታት ኢራን ዝጥቀሙሉ መኽዘናት ኣጽዋርን ተተኮስትን ከምዝሃረመ ሰበስልጣን ኣመሪካ ይገልጹ።

    እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ጥቓ ኣቡ ከማል ዝተባህለት ኣብ ዶብ ዒራቕ እትርከብ ከተማ ብኤፍ-16 ዝዓይነተን ነፈርቲ ውግእ ዝተፈጸመ እዩ።

    ብዛዕባ ዝወረደ ሰብኣዊ ጉድኣት ዛጊት ዝተፈለጠ ነገር የለን።

  7. እስራኤል ነቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝወጠነ ኣዛዚ ሓማስ 'ቀቲለዮ' ኢላ

    እቲ ብ7 ጥቅምቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣብ ምውጣን ዝሓገዘ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓማስ ከምዝተቐትለ ሰራዊት እስራኤል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

    ምክትል ሓላፊ ስለያ ሓማስ ዝዀነ ሻዲ ባሩድ፡ ኣብ "ዕውት ስለያ" ብዝተመርኮሰ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ከምዝተወቕዐ ሰራዊት እስራኤል ገሊጹ።

    ነቲ ቀቲልዎ ዝበልዎ መጥቃዕቲ ኣየር ዘርእይ ቪድዮ ኣብ ዝዘርግሐሉ እዋን፡ ሻዲ ባሩድ "ምስ ሓላፊ ሓማስ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ዝዀነ ያሕያ ሲንዋር ሓቢሩ ነቲ ናይ 7 ጥቅምቲ ባርባራዊ መጥቃዕቲ ከምዝወጠንዎ" ኣረዲኡ።

    ቢቢሲ ነቲ ቅትለት ብናጻ ኣካል ከረጋግጽ ኣይክኣለን፤ ሓማስ'ውን ክሳብ ሕጂ ርእይቶ ኣይሃበን።

  8. ኣመሪካ ኣብ ሶርያ ኣብ ዝርከቡ ወተሃደራዊ መሳለጥያታት መጥቃዕቲ ኣካይዳ

    ኣመሪካ ኣብ ምብራቓዊ ሶርያ ንዝርከቡ ሓይልታት ኢራንን ምስኦም ዝተኣሳሰሩ ጕጅለታትን ዝጥቀሙሎም ዝበለቶም ወተሃደራዊ መሳለጥያታት ከምዘጥቅዐት ኣፍሊጣ።

    ጸሓፊ ምክልኻል ኣመሪካ ሎይድ ኦስቲን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ "ትኽክለኛ መጥቃዕቲ ርእሰ ምክልኻል" ኣብ ዒራቕን ሶርያን ንዝርከቡ ኣባላት ኣመሪካ ንምክልኻልን ኣብ ቀረባ እዋን ብኢራን ዝድገፉ ጕጅለታት ምልሻታት ንዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ምላሽ ንምሃብን ምዃኑ ሓቢሩ።

    "እዚ ብኢራን ዝድገፍ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ኣመሪካ ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ ቅቡል ኣይኮነን፡ ደው ክብል ድማ ኣለዎ። ኢራን ኣብቶም ኣንጻር ሓይልታትና ዝተፈጸሙ መጥቃዕቲ ኢዳ ከምዘየእተወት ክትክሕድ እዩ ድልየታ" ዝበለ እቲ ጸሓፊ ምክልኻል፡ እቲ ዝፍጸም መጥቃዕቲ ደው ዘይብል እንተዀይኑ ዝወሃብ ግብረ-መልሳዊ መጥቃዕቲ እውን ከምዝቕጽል ኣጠንቂቑ።

    ኣመሪካ እቲ ኣብ ልዕሊ ሶሪያ ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ምስ ግጭት እስራኤል-ፍልስጤም ዝራኸብ ከምዘይኰነ ትገልጽ።

    ኣብቲ መጥቃዕቲ ምስ እስራኤል ከምዘይተሓባበረትን ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ኣቐዲማ ንእስራኤል ዝሃበታ ሓበሬታ ከምዘይነበረን ሓደ ላዕለዋይ በዓልስልጣን ኣመሪካ ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ።

  9. እስራኤል ኣብ ቓዛ ተካይዶ ምድራዊ ወራር ምድንጓዩ ንኣመሪካ እንታይ ረብሓ ኣለዎ?

  10. ‘ናብ ገዝኦም ምለሱዎም’- ግዳያት ጅሆ ሓማስ ክፍትሑ ዝጽውዕ ተቓውሞ መናብር

    ብሓማስ ተጨውዮም ኣብ ቓዛ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ 224 ሰባት ክፍትሑ ዝጽውዕ ተቓውሞ ኣብ ፊት ናይ ጀነራቫ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ተኻዪዱ።

    እቶም ነቲ ተቓውሞ ዝወደቡ፡ ስእልን ኣስማትን ናይቶም ግዳያት ጭውያ ዝገልጽ ፖኣስተራት ኣብ መናብር ብምልጣፍ’ዮም ጻውዒቶም ዝገልጹ ዘለዉ።

    “ናብ ገዝኦም ምለስዎም” ዝብል ጽሑፍ ዝርከቦ እቲ መናብር፡ ነቶም ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ህጻናት እስራኤል ዝውክል ዓረብያታት’ውን ቀሪቡ’ሎ።

    ኣስታት 50 ካብቶም ግዳያት ጭውያ ብደብዳ ሰራዊት እስራኤል ከምዝተቐትሉ ወተሃደራዊ ክንፊ ሓማስ ገሊጹ’ሎ። እንተኾነ ግን እቲ ሓበሬታ ብናጻ ኣካል ኣይተረጋገጸን።

    ኣብ ፊት እቲ ቤት ጽሕፈት ዝርአ ሓንካስ መንበር ኣብ 1995 ንተቓውሞ ዝቖመ ምዃኑ ይፍለጥ።

  11. “ደም ኣስላም ክፈስስ እንከሎ” ምዕራባውያን ሃገራት ሕጊ ኣይግድሰንን እዩ- ፕረዚደት ቱርኪ

    ፕረዚደንት ረሲብ ታይፕ ኤርዶጋን ምዕባራባውያን ሃገራት ነቲ ኣብ ልዕሊ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ደብዳብ እስራኤል ደው ከብላ ዘይምኽኣለን ነቒፉ።

    “ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰባዊ መሰላት እንታይ ረኸቦ?” ዝበለ ኤርዶጋን፡ ምዕራባውያን “ንረብሖኦም ዘገልግል እንተዘይኮኑ ነዛ ዓይኖም ኣይርእይዎን’ዮም። ስለምንታይ? ምኽንያቱ እቲ ዝፈስስ ዘሎ ደም ናይ ኣስላም ስለዝኾነ” ክብል ቁጠዐኡ ገሊጹ።

    እቲ ፕረዚደንት ተቓውሞኡ ንምግላጽ ነቲ ትማሊ ናብ እስራኤል ከካይዶ ዝወጠኖ ምብጻሕ ብምስራዝ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ኣኼባ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ንቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንጃሚን ነታንያሁ ኣብ ኒውዮርክ ናይ ኢድ ሰላምታ ምሃቡ ከምዘጣዕሶ ተዛሪቡ።

    ኣመሪካ ትርከበን ሃገራት ምዕራብ፡ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ጉድኣት ከይወርድ’ኳ ይምሕጸና እንተሃለዋ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሓማስ ንእተካይዶ ዘላ መጥቃዕቲ ብምድጋፍ፡ ምቁራጽ ተጻብኦ ምግባር ንረብሓ ሓማስ ምዃኑ’የን ዝከላኸላ ዘለዋ።

    ብኻልእ ወገን፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ምምሕዳር ፍልስጤም ሪያድ ኣል-ማሊኪ ኣብ ዓለምለኻዊ ገበናዊ ቤትፍርዲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንደብዳብ እስራኤል “ኲናት ሕነ ምፍዳይ” እዩ ክብል ገሊጽዎ። ምቁራጽ ተጻብኦ ክግበር’ውን ጸዊዑ’ሎ።

  12. ኣስታት 50 ካብቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ብደብዳብ እስራኤል ተቐቲሎም- ሓማስ

    ካብቶም ብመጥቃዕቲ ሓማስ ተጨውዮም ናብ ቓዛ ዝተወስዱ ልዕሊ 200 ሰባት ኣስታት 50 ዝግመቱ በቲ ድሕሪ መጥቃዕቲ 7 ጥቅምቲ ዝጀመረ ብደብዳብ እስራኤል ከምዝተቐትሉ ወተሃደራዊ ክንፊ ሓማስ ኣፍሊጡ።

    ነቲ መግለጺ ዝሃበ ኣፈኛ ናይቲ ጉጅለ ኣቡ ዖበይዳ፡ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።

    ቢቢሲ ነቲ ሓበሬታ ብናጻ ኣካል ከረጋግጾ ኣይክኣለን።

    ሰራዊት እስራኤል ከምዝብሎ ግን፡ ብውሕዱ 224 ሰባት ብሓማስ ጅሆ ተታሒዞም ኣለዉ።

  13. ጉተረዝ ብእስራኤል ንዝቐረበሉ ክሲ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ እንታይ ኢሉ?

  14. ቀረባት ዝሓዛ ልዕሊ ዓሰርተ መካይን ናብ ቓዛ ኣትየን

    ኣብ ዶብ ግብጺ ክጽበያ ዝጸንሓ 12 ኣገዳሲ ቀረባት ዝጸዓና ዓበይቲ መካይን ብኣፍደገ ራፋሕ ክኣትዋ ከምዝተፈቕደለን ማሕበር ቀይሕ ወርሒ ፍልስጤም ሓቢሩ።

    እተን ሎሚ ዝኣተዋ መካይን፡ ማይ፡ መግብን ሕክምናዊ ቀረባትን ዝሓዛ እየን።

    ብህጹጽ ዝድለ ዘሎ ነዳዲ ግን ብእስራኤል ስለዝተኸልከለ ትካላት ረዲኤት ከእትዋ ኣይክኣላን ዘለዋ።

    ካብ 21 ጥቅምቲ ጀሚሩ ብድምር 74 መካይን ናብ ቓዛ ክኣትዋ ከምዝተፈቕደለን እቲ ማሕበር ይገልጽ።

    ሕቡራት ሃገራት ከምዝበሎ፡ ቅድሚ’ዚ ብ7 ጥቅምቲ ዝተወልዐ ግጭት፡ መዓልታዊ ልዕሊ 450 መካይን ናብ ቓዛ ቀረባት የእትዋ ነይረን።

    ማሕበረሰብ ዓለም፡ ነቲ ኣብታ ዞባ ተፈጢሩ ዘሎ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምቅላል ሓጺር ምቁራጽ ተዂሲ ክግበር ይጠልብ ኣሎ።

  15. ጸረ-እስራኤል ምንቅስቓስ ሕዝቡላህ እንታይ እዩ?

  16. ቓዛ፡ ቁጽሪ ምውታት ልዕሊ 7000 በጺሑ

    ብሓማስ ዝመሓደር ትካል ጥዕና ወሽመጥ ቓዛ ከምዝበሎ፡ ቀጽሪ ናይቶም ካብ 7 ጥቅምቲ ጀሚሮም ብደብዳባት እስራኤል ዝተቐትሉ ሰባት ልዕሊ 7,000 በጺሑ።

    እዚ ማለት እቲ ቁጽሪ ካብ ትማሊ ረቡዕ ጀሚሩ ጥራይ ብ500 ወሲኹ’ሎ።

    ካብኣቶም 2,900 ቆልዑ ምዃኖም እቲ ሚኒስትሪ ጠቒሱ።

    ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት 250 ንሓማስ ዒላማ ዝገበረ ደብዳባት ኣየር ከምዝፈጸመት እስራኤል ኣፍሊጣ’ላ። ንጉጅለ ሓማስ ምሉእ ብምሉእ ንምድምሳስ መጥቃዕታ ቀጻሊ ምዃኑ’ውን ሰብመዚ እታ ሃገር ክዛረቡ ጸኒሖም’ዮም።

    ቁጽሪ ብወገን እስራኤል ዝሞቱ ኣስታት 1,400 ከምዝበጽሕ ይግለጽ።

    ልዕሊ 200 ካብ እስራኤል ዝተጨውዩ ሰባት’ውን ኣብ ኢድ ሓማስ ጅሆ ተታሒዞም ከምዘለዉ ይፍለጥ። ገለ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት ብውሕዱ ኣርባዕተ ካብኦም ከምዝተፈትሑ ይዝከር።

  17. ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ዝልኣክኹዎ ቀረባት ጥዕና ኣብ ዶባት ይጽበ ኣሎ ይብል

    ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ ስግር ዶብ ጋዛ ኣብ ግብጺ ድሉዋት ኰይኖም ናብ ጋዛ ክኣትው ይጽበዩ ኣለዉ ዝበሎም ዝርዝር ናውታት ሕክምና ወግዓዊ ገይሩ ኣሎ።

    • ን3700 ንህጹጽ መጥባሕቲ ዘድልዩ ናውቲ ሕክምና
    • ንመሰረታዊን ኣገዳስን ኣገልግሎት ጥዕና 110 ሽሕ ሰባት ዝኸውን ቀረባት
    • ብሕዱር ሕማማትን ዝሳቐዩ 20 ሽሕ ሕሙማት ዝኸውን ቀረባትን ንብረትን

    ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ነቲ ኣብ ከባቢ ጋዛ "ዝተበላሸወ ስርዓት ጥዕና" ንምሕጋዝ "ቅልጡፍን ዘይተገደበን” መገዲ ክህሉ ይጽውዕ ኣሎ።

    ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ኣብ ዶብ ራፋሕ ብዓሰርተታት ዝቑጸራ ረድኤት ዝጽዓና መካይን ናብ ጋዛ ክኣትዋ ተፈቒዱ ነይሩ- እንተዀነ ትካላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ መዓልቲ ብውሑድ 100 መካይን ከም ዘድልያ ይገልጹ።