ነታንያሁ፡ ንሻብዓይ ግዜ ቀዳማይ ምኒስተር ክምረጽ ይኽእል ድዩ - ዝለዓሉ ሕቶታት?

Published
ንባብ: 8 ደቓይቕ

ኣብ እስራኤል ንዝነውሐ ግዜ ቀዳማይ ምኒስተር ኰይኑ ዘገልገለ ቤንያሚን ነታንያሁ፡ እስራኤል ብ27 ጥቅምቲ ኣብ እተካይዶ ባይቶኣዊ መረጻ፡ ንሻብዓይ ግዚኡ ስልጣን ንምሓዝ ተስፋ ይገብር ኣሎ።

እቲ 77 ዝዕድመኡ ነታንያሁ፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ንርእሱ ከም 'ናይ ጸጥታ ሰብ' እስራኤል ገይሩ ከቕርብ ጸኒሑ እዩ።

ይዅን እምበር፡ እዚ ንተወሳኺ እዋን ስልጣን ንምሓዝ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ፡ ድሕሪ'ቲ ብዙሓት እስራኤላውያን ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ዝዓበየ ውድቀት ጸጥታ ኢሎም ዝኣምኑሉ፡ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ብሓማስ ዝተመርሐ መጥቃዕቲ ዝመጸ እዩ።

ካብ ሽዑ ንደሓር፡ ኣንጻር ሓማስን መሻርኽቱ ዝዀኑ ሕዝቦላህን ኢራንን ኲናት ኣብ ምክያድ ዘተኰረ ክኸውን እንከሎ፡ ማዕረ-ማዕረኡ ድማ ንሱ ኣብ ዝነጽጎ ክስታት ብልሽውና ዝቐረበሉ ቀጻሊ ገበናዊ ፍርዳዊ መስርሕ ይገጥሞ ኣሎ።

ምክትታል ርእይቶ ህዝቢ ከም ዝሕብሮ፡ ኣብ መንጎ የማናዊ ጕጅለ ነታንያሁ፡ ከምኡ'ውን ንዕኡ ካብ ስልጣን ንምእላይ ብሓባር ዝሰርሑ ዘለዉ ጕጅለ ተቓወምቲ ሰልፍታትን ኣዝዩ ዝተቐራረበ ውድድር ክህሉ እዩ። እዞም ተቓወምቲ ንቀዳማይ ምኒስተር ነበር ናፍታሊ በኔትን ሓላፊ ሰራዊት ነበር ጋዲ ኣይዘንኮትን ዘጠቓልሉ እዮም።

ሳዕቤን ናይቲ ብ7 ጥቅምቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣብ ውሳነ ብዙሓት መረጽቲ ማእከላይ ተራ ሒዙ ክህሉ ከም ዝኽእል ይግመት።

ፖለቲካዊ ህላወ

እቶም ኣብ ስልጣኑ ሓደጋ ዘስዓቡ ኣካታዕቲ ጕዳያትን ፖለቲካዊ ቅልውላዋትን እናሃለዉ ክነሶም፡ ነታንያሁ ከም ፖለቲካዊ ተጻዋሪ ኰይኑ ዝና ኣትሪፉ እዩ።

ብሕዳር 2022 ንሻድሻይ ግዚኡ ቀዳማይ ምኒስተር ኰይኑ ድሕሪ ምምራጹ፡ ኣብ ታሪኽ እስራኤል ነቲ ዝበለጸ የማናዊ ዝዀነ ልፍንታዊ መንግስቲ ይመርሕ ኣሎ።

ናብ ስልጣን ምምላሱ፡ ድሕሪ 12 ተኸታታሊ ዓመታት ኣብ ስልጣን ምጽናሑ፡ ንሓጺር እዋን ኣብ ተቓውሞ ድሕሪ ምጽናሕ ዝመጸ ኰይኑ፡ እዚ ምምላሱ ድማ ኣብ መንጎ ደገፍቱ "ንጉስ ቢቢ" ብፖለቲካ ዘይሰዓር እዩ ዝብል እምነት ዘደልደለ እዩ ነይሩ።

ንሱ ገና ኣብ መንጎ ብዙሓት የማናውያንን ሃይማኖታውያንን መረጽቲ ህቡብነት ኣለዎ፤ እዚኣቶም ከም ሓያል መራሒ ጸጥታ ገይሮም ዝርእይዎን፡ መንግስቱ ድማ ነቶም ምሉእ ግዜኦም ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ዝከታተሉ ኣዝዮም -ኦርቶዶክሳውያን ኣይሁድ ካብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ናጻ ንክዀኑ ጸቕጢ ዝገበረን እዩ።

ግን እቲ ዝመስል ዝነበረ ዘይተሰዓርነቱ ሕጂ ኣብዚ መረጻ ብጽላሎት መጥቃዕቲ 7 ጥቅምቲ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ኣሎ።

እስራኤል - ኣብ ትሕቲ መሪሕነቱ - ኣብ ታሪኻ እቲ ዝኸፍአ ሓደጋ ዘስዓበ መጥቃዕቲ ክትገጥም ከላ፣ ኣሽሓት ብሓማስ ዝምርሑ ዕጡቓት ካብ ቓዛ ዶብ ጥሒሶም ብምእታው ኣስታት 1,200 ሰባት ክቐትሉን ንኻልኦት 251 ሰባት ከም ጅሆ ናብ ቓዛ ክወስዱን ከለዉ፡ ነታንያሁ ነቲ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ዘጋጠመ ጕዳይ ብዘይምክልኻሉ ገለ ሓላፍነት ከም ዝወስድ ኣፍሊጡ እዩ።

ግን ነቲ ናብቲ መጥቃዕቲ ዘምርሐ ውድቀታት፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ጸጥታ ሓዊሱ ብዙሓት ካልኦት እውን ሓላፍነት ክወስዱ ኣለዎም ይብል። ሰፊሕ ወፍሪ ሰራዊት እስራኤል ኣዚዙ ነቲ ኵነታት ከየጋድዶ ብምፍራህ፡ ቅድሚ እቲ ፍጻመ ኣብ ዝነበራ ሰዓታት ካብ ድቃሱ ከየተንስእዎ ምምራጾም ከሲስዎም እዩ።

ብመሰረት ሓበሬታ ምኒስትሪ ጥዕና ቓዛ (ብሓማስ ዝመሓደር) - ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ተኣማኒ ዝቝጸር ኣሃዝ - ብሰንኪ መጥቃዕቲ እስራኤል ኣብ ቓዛ እንተወሓደ 74,000 ሰባት ተቐቲሎም ኣለዉ። ስጕምትታት እስራኤል ኣብ ቓዛ ብማሕበረሰብ ዓለም ብሰፊሑ ተዀኒኑ እዩ።

ድሕሪ'ቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝነበራ ዓመታት፡ ብሓላፊ ጸጥታኡ ከምኡ'ውን ብጐረባብቲ ሃገራት ነታንያሁ መጠንቀቕታታት ተዋሂብዎ ነይሩ ዝብሉ ጸብጻባት እናወሰኹ መጺኦም እዮም - ንሱ ግን ነዚ ይነጽጎ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ጋዜጣ ሃረጽ እስራኤል፡ መራሒ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ቅድሚ እቲ መጥቃዕቲ - 10 መዓልታት ቀዲሙ - ንነታንያሁ ተሌፎን ብምድዋል፡ ሓማስ ንዓቢ ስርሒት ይውጥን ከም ዘሎ መጠንቀቕታ ሂብዎ ምንባሩ ዝገልጽ፡ ካብ ሓደ ሓድሽ መጽሓፍ እተወስደ ሓበሬታ ምርኩስ ገይራ ሓደ ጽሑፍ ኣሕቲማ ነይራ።

ቤት ጽሕፈት ነታንያሁ ነቲ ጸብጻብ "ፍጹም ሓሶት" ክብል ነጺግዎ፤ ንሱ ነታ ጋዜጣ ክኸሳ ምዃኑ'ውን ገሊጹ እዩ።

ብሕዳር 2024፡ ነታንያሁ ምስ ናይ ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ናይ ሱዳን ዑመር ኣል-በሽርን ናይ ሊብያ ሙዓመር ጋዳፊን ተመዓራርዩ፡ ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ትእዛዝ ማእሰርቲ ዝወጸሉ ራብዓይ መራሒ ዓለም ኰይኑ።

እዚን እቲ ንምኒስተር ምክልኻል እስራኤል ነበር ዮኣቭ ጋላንት ዝወጸ መእሰሪ ትእዛዝን፡ ኣብ ኵሉ ፖለቲካዊ መድረኽ እስራኤል ቍጥዐ ዝተሓወሶ ግብረ መልሲ ኣለዓዒሉ እዩ።

እዚኣቶም ምስቲ ድሕሪ ናይ 7 ጥቅምቲ መጥቃዕቲ ሓማስ፡ እስራኤል ኣብ ቓዛ ዝወሰደቶ ወተሃደራዊ ስጕምትታት ዝተኣሳሰሩ ኰይኖም፡ "ጥሜት ከም ሜላ ኲናት ምጥቃም፣ ከምኡ'ውን ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ዝፍጸም ገበናት ቅትለት፡ መስጐጕትን ካልእ ዘይሰብኣዊ ተግባራትን" ዝብሉ ክስታት ዘጠቓልሉ እዮም።

ክልቲኦም ግን ነቲ ክስታት ይነጽግዎ።

ውርሻ ሓው

ቤንያሚን ነታንያሁ ብ1949 ኣብ ተል ኣቪቭ ተወሊዱ። ብ1963 ኣቦኡ ቤንዝዮን፡ ፍሉጥ ጸሓፍ ታሪኽን ንጡፍ ጽዮናዊን፡ ኣካዳምያዊ መዝነት ምስ ተዋህቦ፡ ስድራ ቤቱ ናብ ኣመሪካ ገዓዙ።

ኣብ 18 ዓመት ዕድመኡ፡ ናብ እስራኤል ብምምላስ ኣብቲ ፍሉይ ሓይሊ ኮማንዶ ዝዀነ 'ሳየረት ማትካል' ብማዕርግ ካፕተን እናገልገለ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ሰራዊት ኣሕሊፉ። ብ1972 ብፍልስጤማውያን ዕጡቓት ተጨውያ ኣብ እስራኤል ኣብ ዝዓረፈት ነፋሪት ቤልጅዩም ኣብ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ቈሲሉ፡ ኣብ ናይ 1973 ኲናት ማእከላይ ምብራቕ'ውን ተዋጊኡ እዩ።

ብ1976 ሓዉ ንነታንያሁ ዝዀነ ጆናታን፡ ኣብ ኢንተበ፡ ኡጋንዳ ካብ ዝተጨውየት ነፋሪት ጅሆታት ንምድሓን ዝተኻየደ መጥቃዕቲ እናመርሐ ከሎ ተቐቲሉ። ሞቱ ኣብ ስድራቤት ነታንያሁ ዓሚቝ ጽልዋ ኣሕዲሩ፡ ስሙ ድማ ኣብ እስራኤል ኣዝዩ ዝተዘመረሉ ኰይኑ እዩ።

ነታንያሁ ብመዘከርታ ሓዉ ሓደ ትካል ጸረ-ሽበራ ኣቚሙ፤ ብ1982 ድማ ኣብ ዋሽንግተን ምክትል ሓላፊ ልኡኽ እስራኤል ኰይኑ።

ብቕጽበት ድማ ነታንያሁ ኣብ ህዝባዊ መድረኽ ክቕልቀል ጀሚሩ። ፍሉይ ዝዀነ ናይ ኣመሪካ ቃና ዘለዎ እንግሊዝኛ ጽቡቕ ገይሩ ዝዛረብን ብምዃኑ፡ ኣብ ተለቪዥን ኣመሪካ ልሙድ ገጽን ንእስራኤል ድማ ኣድማዒ ጠበቓን ኰይኑ እዩ።

ብ1984 ኣብ ኒው ዮርክ ዝርከብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቀዋሚ ወኪል እስራኤል ኰይኑ ተሸይሙ።

ምድያብ ናብ ስልጣን

ነታንያሁ ብ1988 ናብ እስራኤል ምስ ተመልሰ ኣብ ፖለቲካ ተጸንቢሩ፡ ንሰልፊ ሊኲድ ወኪሉ ኣብ ክኔሰት (ባይቶ) መንበር ብምርካብ፡ ምክትል ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኰይኑ።

ጸኒሑ ኣቦ መንበር ናይቲ ሰልፊ ኰይኑ፡ ብ1996 ድማ ድሕሪ ቅትለት ይስሃቕ ራቢን ስዒቡ ኣብ ዝተኻየደ ኣቐዲሙ ዝተጸውዐ መረጻ፡ ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል ኰይኑ።

ነታንያሁ እቲ ዝነኣሰ መራሒ እስራኤልን፡ ድሕሪ ምምስራት እታ ሃገር ብ1948 ዝተወልደ ቀዳማይ መራሒን'ውን እዩ ነይሩ።

ነቲ ብ1993 ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጤማውያንን ዝተገብረ ስምምዕ ሰላም - ኦስሎ ሰላም ብትሪ ዝነቐፎ እኳ እንተነበረ፡ ነታንያሁ ብ1997 ን80% ናይ ከተማ ሄብሮን ናብ ቍጽጽር በዓል ስልጣን ፍልስጤም ዘረክብ ውዕል ፈሪሙ፤ ካብቲ ተታሒዙ ዘሎ ዞባ ምዕራባዊ ገማግም ተወሳኺ ምንስሓብ ንምግባር'ውን ተሰማሚዑ እዩ። እዚ ድማ ካብ የማናውያን ሓያል ነቐፌታ ኣስዒቡሉ ነይሩ (እንተዀነ እቲ ውጥን መብዛሕትኡ ናይ እስራኤል ምንስሓብ ቅድሚ ምትግባሩ ፈሺሉ እዩ)።

ብ1999: 17 ኣዋርሕ ኣቐዲሙ መረጻ ድሕሪ ምጽዋዑ፡ ብመራሒ ሰልፊ ዕዮ ዝዀነን ናይ ቀደም ኣዛዚኡ ንዝነበረን ኤሁድ ባራክ ተሳዒሩ ስልጣኑ ስኢኑ።

ፖለቲካዊ ትንሳኤ

ነታንያሁ ካብ መሪሕነት ሰልፊ ሊኲድ ወሪዱ ብኣሪየል ሻሮን ተተኪኡ።

ብ2001 ሻሮን ቀዳማይ ምኒስተር ኰይኑ ድሕሪ ምምራጹ፡ ነታንያሁ ፈለማ ከም ምኒስተር ጕዳያት ወጻኢ፡ ቀጺሉ ድማ ከም ምኒስተር ፋይናንስ ኰይኑ ናብ መንግስቲ ተመሊሱ። ብ2005 እስራኤል ካብታ ሒዛታ ዝነበረት ዞባ ቓዛ ምስሓባ ንምቅዋም ስልጣኑ ገዲፉ።

ዕድሉ ብ2005 እንደገና ተመሊሱ፣ እዚ ኸኣ ሻሮን - ቅድሚ እቲ ናብ ሃለፍታ ዘእተዎ ብርቱዕ ወቕዒ - ካብ ሊኲድ ተነጺሉ ሓድሽ ማእከላይ ሰልፊ 'ካዲማ' ኣብ ዘቘመሉ እዋን እዩ ነይሩ።

ነታንያሁ እንደገና መሪሕነት ሊኲድ ተዓዊቱ፡ ብመጋቢት 2009 ድማ ንኻልኣይ ግዜ ቀዳማይ ምኒስተር ኰይኑ ተመሪጹ።

ምስ ፍልስጤማውያን ዝርርብ ሰላም ንምጅማር፡ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ዝግበር ህንጸት ሰፈራታት ን10 ኣዋርሕ ጠጠው ክብል (ምስ እተፈላለየ ፍሉይ ኵነታት) ዘይተራእየ ስምምዕ ገይሩ ነይሩ። ይዅን እምበር እቲ ዝርርብ ኣብ መወዳእታ 2010 ፈሺሉ።

እኳ ደኣ ብ2009 ብጐድኒ እስራኤል ሓንቲ ሃገረ-ፍልስጤም ክትህሉ ብቅድመ-ኵነት ከም ዝቕበሎ ብግህዶ እንተ ኣፍለጠ፡ ጸኒሑ ግን መርገጺኡ ኣትሪሩ እዩ። ብ2019 ኣብ ሓደ መደበር ራድዮ እስራኤል ቀሪቡ "ሃገረ-ፍልስጤም ኣይክትፍጠርን እያ፣ ከምታ ሰባት ዝዛረቡላ ዘለዉ ዓይነት ኣይክትከውንን እያ፤ ኣይክኸውንን እዩ" ኢሉ ነይሩ።

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት'ዚ፡ ኵሉ ሰብ ከምቲ "ንዓሰርተታት ዓመታት ህልውናና ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ምቛም ሃገረ-ፍልስጤም ዝዓገተ" ሰብ ገይሩ ከም ዝፈልጦ ብምግላጽ፣ "ዝዀነ ይዅን" እስራኤል ኣብ ኵሉ እቲ ብምዕራብ ሩባ ዮርዳኖስ ዝርከብ ግዝኣታት፡ ቓዛን ምዕራባዊ ገማግምን ሓዊሱ፡ ምሉእ ጸጥታዊ ቍጽጽራ ክትዕቅብ እያ ኢሉ ኣስዒቡ ገሊጹ ነይሩ።

እተን ኣብ ስልጣን ዝጸንሐለን ዓመታት፡ ኣብቲ ተታሒዙ ዘሎ ምዕራባዊ ገማግም ህንጸት መባእታዊ ሰፈራታት እስራኤል ብስፍሓት እናወሰኸ ዝኸደለን እየን፤ እዚ ኸኣ ነቐፍቲ ነቲ ፍታሕ ክልተ ሃገራት ንምርካብ ዝግበር ጻዕርታት ዘተሓላልኽ እዩ ይብሉ።

እዚ ሕጂ ዘሎ መንግስቱ ካብ 2022 ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንነጀው ልዕሊ 100 ሓደስቲ ሰፈራታት ክፍቀድ ብምግባር፡ ቅልጡፍ ምስፍሕፋሕ ዘይሕጋዊ መዓስከራትን ሕርሻታትን ተዓዚቡ እዩ።

እቲ መከታተሊ ሰፈራታት እስራኤል ዝዀነን ንፍታሕ ክልተ ሃገራት ዝድግፍ ጕጅለ ጠበቓን ዝዀነ 'ፒስ ናው'፡ እቲ መንግስቲ "ብዘይተራእየ ቅልጣፈ፡ ብተግባር ንምዕራባዊ ገማግም ናይ ምግሃስ ስጕምቲ ኣሰጕሙ ኣሎ" ኢሉ እዩ።

ኣብቲ ተታሒዙ ዘሎ ምዕራባዊ ገማግም ዝርከቡ ኵሎም ሰፈራታትን መዓስከራትን እስራኤል፡ ኣብ ትሕቲ ኣህጉራዊ ሕጊ ዘይሕጋውያን እዮም። እቶም ንኡሳን መዓስከራት እውን ኣብ ትሕቲ ሕጊ እስራኤል ዘይሕጋውያን እዮም፣ ብዙሓት ግን ደገፍ መንግስቲ ይረኽቡ እዮም።

መጥቃዕትታት ፍልስጤማውያንን ወተሃደራዊ ስጕምቲ እስራኤልን፡ ቅድሚ ነታንያሁ ኣብ 2009 ናብ ስልጣን ምምላሱን ድሕሪኡን፡ ንእስራኤል ኣብ ውሽጥን ከባቢን ዞባ ቓዛ ብተደጋጋሚ ናብ ግጭት ኣእትይዋ እዩ።

ነታንያሁ ኣብ ብምሉኡ ፖለቲካዊ ዘመኑ፡ ኢራን ንእስራኤል እቲ ዝዓበየ ሓደጋ ከም እትፈጥር ብተደጋጋሚ ኣጠንቂቑ እዩ። ንልዕሊ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ቴህራን ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ትደሊ ከም ዘላ ብምምጓት፡ መራሕቲ ዓለም ኣንጻር መንግስቲ ኢራን ዝያዳ ተሪር መርገጺ ክወስዱ ብተደጋጋሚ ጸዊዑ እዩ።

እቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ጐስጓስ፡ ኣብ ለካቲት 2026 ጥርዙ በጺሑ፡ እስራኤልን ኣመሪካን ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ብምፍጻም ንላዕለዋይ መራሒ ዓሊ ካመነይ ቀቲሎምዎ። ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል፡ መዓስከራት ሰራዊት ኣመሪካን ሃገራት ወሽመጥን መጥቃዕቲ ብምፍጻም ሕነ ክትፈዲ ኸላ፡ መጥቃዕቲ ሕዝቦላህ ድማ ናብ ሓድሽ ኲናት ኣብ ሊባኖስ ኣጋዲዱ እዩ።

ብመንጎኝነት ፓኪስታን ዝተገብረ ተዅሲ ደው ምባል ኣብ ምያዝያ ተግባራዊ ኰይኑ፤ ብሰነ ድማ ስምምዕ ምርድዳእ ኣመሪካን ኢራንን ስዒቡ። እንተዀነ ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰሙናት ፈሺሉ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣመሪካን ኢራንን መጥቃዕትታት ተለዋዊጠን ኣለዋ፣ ሓድሽ ስምምዕ እውን ክሳብ ሕጂ የለን።

ገጽ ናይቲ ፍርዳዊ መስርሕ

ድሕሪ 2016፡ ነታንያሁ መርመራ ብልሽውና ገጢምዎ፤ እዚ ድማ ኣብ ሕዳር 2019 ምስ ሰለስተ ዝተፈላለዩ ጕዳያት ብዝተኣሳሰር ብጕቦ፡ ምትላልን ምጥሓስ እምነትን ክኽሰስ ጠንቂ ኰይኑ እዩ።

ንሱ ዝዀነ ይኹን ጌጋ ከም ዘይፈጸመ ብምሕባር፡ ብተቓወምቱ ዝተዋደደ ፖለቲካዊ ድራኸ ዘለዎ "እኩይ ሃድን" ግዳይ ምዃኑ ይገልጽ። ኣብ ግንቦት 2020 ኣብ ፍርዲ ቀሪቡ፣ እዚ ድማ ነዚ ዝገበረ ቀዳማይ ኣብ ስልጣን ዘሎ ቀዳማይ ምኒስተር ገይርዎ እዩ።

ንፕረዚደንት ይስሃቕ ሄርዞግ ይቕሬታ ሓቲትዎ እኳ እንተነበረ፡ ሄርዞግ ግን ቅድም ናብ ስምምዕ ክሲ ንምብጻሕ ጻዕርታት ክግበር ኣለዎ ኢሉዎ። እቲ ጕዳይ ንልዕሊ ሽዱሽተ ዓመታት ብዘይ ፍታሕ ጸኒሑ ኣሎ። እቲ ፍርዳዊ መስርሕ እውን ይቕጽል ኣሎ።

ኣካታዒ ዝዀነ ንቤት ፍርዲ ዳግማይ ንምውዳብ ዝተታሕዘ መደባት'ውን፡ ቅድሚ መጥቃዕቲ 7 ጥቅምቲ፡ ኣብ መንነትን ደሞክራስን እስራኤል ዘሎ ዓሚቝ ምፍልላይ ዘቃልዕ ገዚፍ ናዕብታት ኣለዓዒሉ ነይሩ። እዞም ምፍልላያት እስራኤል እንደገና ናብ መረጻ ንምኻድ ኣብ ትዳለወሉ ዘላ እዋን እውን ክፍትሑ ኣይከኣሉን ዘለዉ።

ዝምድና ትራምፕ

ኣብ 2017 ፕረዚደንትነት ዶናልድ ትራምፕ ምምጻኡ፡ ኣብ መንጎ ፖሊሲታት ኣመሪካን መንግስቲ እስራኤልን ዝያዳ ቅርበት ክህሉ ገይሩ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ድማ ትራምፕ ንየሩሳሌም ከም ርእሰ ከተማ እስራኤል ኣፍልጦ ሂብዋ።

እዚ ስጕምቲ ኣብ ብምሉኡ ዓለም ዓረብ ቍጥዐ ኣለዓዒሉ፣ እዚኣቶም ነቲ ፍልስጤማውያን ኣብታ ካብ ኲናት ማእከላይ ምብራቕ 1967 ኣትሒዛ ብእስራኤል ተታሒዛ ዘላ ምብራቓዊ ክፋል የሩሳሌም ዘለዎም ዋንነት ዝድግፉ እዮም። እዚ ክርክር ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ ኰይኑ፡ ንምብራቕ የሩሳሌም ከም ተታሒዛ ዘላ መሬት ፍልስጤም እዩ ዝርእያ። እንተዀነ ነዚ ንነታንያሁ ዓቢ ውሽጣዊ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ዓወት እዩ ሂብዎ።

ኣብ ጥሪ 2020 ድማ፡ ነታንያሁ ነቲ ናይ ትራምፕ ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጤማውያንን ሰላም ንምምጻእ ዝተዳለወ ንድፊ ውጥን "ዕድል ናይዚ ዘመን" ክብል ንኢድዎ፡ እኳ ደኣ ብፍልስጤማውያን ከም ሓደ ወገን ዘዳለዎ ኰይኑ ተነጺጉን ኣብ ጠረጴዛ ተሪፉን እንተነበረ።

ነታንያሁ ብዛዕባ ኢራን'ውን ምስ ትራምፕ ተመሳሳሊ ኣረኣእያ ነይርዎ እዩ። እቲ ፕረዚደንት ኣብ 2018 ካብ ስምምዕ ኑክሌር ኢራን ንዝገበሮ ምውጻእን ዳግማይ ቍጠባዊ እገዳታት ምትእትታውን ተቐቢልዎ እዩ።

ይዅን እምበር፡ ኣብ ሕዳር 2020 ጆ ባይደን ፕረዚደንትነት ምስ ተዓወተ ናይ ዮሃና መልእኽቲ ድሕሪ ምትሕልላፉ፡ ትራምፕ ብዘይ እሙንነት ብምኽሳስ ኣብ ልዕሊ እቲ መራሒ እስራኤል ተሪር ዘረባታት ተዛሪቡ ነይሩ እዩ።

ካብ ሽዑ ንደሓር ርክብ ናይ ክልቲኦም መራሕቲ ተጸጊኑ፡ ዳግማይ'ውን ተፈቲኑ እዩ።

ኣብ ካልኣይ ዘመነ ስልጣኑ፡ ትራምፕ ኣብቲ ምስ ኢራን ዝተኻየደ ኲናት ንእስራኤል ደጊፉ፡ ነታንያሁ ብኽሲ ብልሽውና ይቕሬታ ክግበረሉ ደሪኹ። ከምኡ'ውን ብተደጋጋሚ ኣብ ዋይት ሃውስ ኣአንጊድዎ እዩ - እቲ ናይ መወዳእታ ኣብ ወርሒ ሓምለ እዩ ነይሩ።

እቲ ፕረዚደንት ኣመሪካ ኣብ ጥሪ 2025 ናብ ስልጣን ካብ ዝምለስ ንነጀው፡ ነታንያሁ ንትራምፕ ሸሞንተ ግዜ ረኺብዎ እዩ፤ እዚ ድማ ካብ ዝዀነ ይዅን መራሒ ዓለም ዝበዝሐ እዩ።

እቲ መረጻ ቅድሚ ምክያዱ ብሒደት መዓልታት፡ ነዚ ደገፉ ዳግማይ ኣስሚሩሉ ኣሎ። ትራምፕ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ ንነታንያሁ ከም "ዓቢ ተዋጋኣይ ቀዳማይ ምኒስተር" ብምምጓስ፡ "ኣብ ቅድሚ ገዚፍ ተቓውሞ፡ ሓያል፡ ተባዕን ብልህነት ዝተመልኦን" ክብል ብምግላጽ ደገፉ ሂብዎ ኣሎ።

ልዕሊ ዅሉ፡ እዚ መረጻ'ዚ ኣብ ልዕሊ ሓደ ካብቶም ሃገር ዝመቓቐሉ ፖለቲካውያን ሰባት ዝግበር ህዝበ-ውሳነ ተገይሩ እዩ ዝረአ። ንደገፍቲ፡ ቤንያሚን ነታንያሁ ድሕነት እስራኤል ንምሕላው ክሳብ ሕጂ የድሊ እዩ። ነቐፍቲ ድማ ፖለቲካዊ ቀጻልነቱ ንእስራኤል ኣብ ሓደጋ የእትዋ ይብሉ።