ብርሃኑ ጁላ፡ '800,000 መንእሰያት ትግራይ ካብ ግፋ ሃዲሞም'
ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ዝነበረ ግዱድ ወተሃደራዊ ምልመላ (ግፋ)፡ “ክሳብ 800 ሽሕ" ዝበጽሑ መንእሰያት ነበርቲ እታ ክልል ናብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባቢታት እታ ሃገርን ከምዝሃደሙ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ተዛሪቡ።
ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ነዚ ዝበለ፡ እዚ ቀረባ እዋን ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስትን ሓይልታት ትግራይን ግጭት ዳግማይ ካብ ዝለዓል ንመጀመርታ ግዜ ትማሊ ዓርቢ ኣብ ርእሰ ከተማ መቐለ ተረኺቡ ኣብ ዝገበሮ መደረ እዩ።
እቲ ሓለቓ ስታፍ ኣብ መግለጺኡ፡ ኣብታ ክልል ምስ ዝርከቡ ኣዘዝቲ ሰራዊት ገምጋም ከምዝገበሩን፡ ከምኡ’ውን “ናብ ገለ ኣሃዱታት እቲ ሰራዊት” ብምኻድ ወተሃደራት ከምዘዘራረበን ገሊጹ። ብምቕጻል፡ ነታ ክልል ናይ ምምሕዳር ግዝያዊ ሓላፍነት ካብ ዝተረከበ መሪሕነት መጕዚት ምምሕዳር ከምዝተመያየጠ ወሲኹ ሓቢሩ።
ምስ ነበርቲ ከተማ መቐለ ኣብ ዝገበሮ ዘተ፡ ካብቲ ኣብ 2013 ዓ.ም. (ግዕዝ) ዝተላዕለ ደማዊ ናይ ክልተ ዓመት ኲናት ኣትሒዙ ዝነበሩ ፍጻመታት ኣልዒሉ።
ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብታ ክልል ንዝተራእዩ ኵነታት፡ መሪሕነት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ተሓተትቲ ገይሩዎም ኣሎ። ነዚ ክሲ ዝነጽግ ህወሓት ብወገኑ፡ ፈደራል መንግስቲ ንስምምዕ ፕሪቶርያ ከምዝጠሓሰ ብምግላጽ እዩ ዝኸስስ።
እቲ ካብ መስከረም ኣትሒዙ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ውግእ “ብመሪሕነት ሻዕብያ፡ ብሎጂስቲክስን ቀረብን ግብጻውያን” ዝተጀመረ እዩ ዝብል ክሲ ዘስምዐ እቲ ሓለቓ ስታፍ፡ “ከም ናይ ቀደም ናብ ትግራይ ኣይንኣቱን ኢልና ደው ምባል ቅኑዕ ኣይኮነን ብምባል፡ ነቲ ወራሪ ሓይሊ ካብ ትግራይ ኣባሪርናዮ ኢና። ሕጂ ናብ ሻዕብያ ኸይዱ ኣሎ” ክብል ተሰሚዑ።
ወሲኹ፡ “ሕጂ ኣብቶም ቀደም ናትና ዝነበሩ ዕርድታት ኢና ዘለና። ኲናት ክኸፍቱ ተኣዚዞም ኲናት ከፊቶም ዝተሳዕሩ ሰባት ድማ ኣብ እንዳገርግስ፡ ዓዲ ዃላ፡ መንደፈራ እዮም ዘለዉ።
ገሊኦም እውን ኣስመራ እዮም ዘለዉ” ብምባል፡ መራሕቲ ህወሓት ናብ ኤርትራ ሃዲሞም ዝብል ክሲ ዳግማይ ኣቕሪቡ።
ህወሓትን መንግስቲ ኤርትራን ነዚ ናይ ሕጂ ክሲ ምላሽ እኳ እንተዘይሃቡ፡ ቅድሚ ሕጂ ‘መራሕቲ ህወሓት ናብ ኤርትራ ሰጊሮም’ ንዝብል ክሲ ውዱቕ ገይሮምዎ ነይሮም እዮም።
ምክትል ኣቦ-መንበር ህወሓት ኣማኑኤል ኣሰፋ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ (AFP) ኣብ ዝሃቦ ቃል “እቲ መሪሕነት ኣብ ውሽጢ ትግራይ ይሰርሕ ኣሎ” ኢሉ ነይሩ።
ምኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል እውን ብተመሳሳሊ “ሓሶት” ክብል ነቲ ክሲ ከምዝነጸጐ ይዝከር። መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ንዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ይድግፍ እዩ ብዝብል ዝቐረበሉ ክሲ እውን ተቓዊሙ እዩ።
ሓለቓ ስታፍ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ፡ ኣብቲ ናይ መቐለ ዘተ፡ ፈደራል መንግስቲ ቅድሚ ሕጂ ዘስምዖ 'ኲናት ተዛዚሙ' ዝብል ኣዋጅ ዳግማይ ኣቃሊሑ። ፈደራል መንግስቲ ነዚ ናይ ሕጂ “ኲናት ንምስዓር ተራ መንእሰይ ትግራይ ዓቢ” ከምዝነበረ መጕሱ።
“እቲ መንእሰይ ኣብ ጐኒ እቲ ኲናት ኣይነበረን፤ ኣብ ጐኒ ህወሓት ኣይነበረን። እቲ ዓወት ዝቐልጠፈ በዚ ምኽንያት እዩ” ዝበለ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ፡ ኣብታ ክልል ክካየድ ዝጸንሐ ተግባራት ወተሃደራዊ ግፋታት ነዚ ኣስተዋጽኦ ከምዝገበረ ጠቒሱ።
“ንመንእሰይ ትግራይ እናገፈፉ ስለዘሸገሩ፡ መብዛሕትኡ መንእሰይ ትግራይ ናብ ማእከል ሃገር፡ ናብ ኣደ ሃገሩ፡ ናብ ቤቱ ተሰዲዱ እዩ። ከም ዝዝክሮ ብዘሎኒ ዳታ ክሳብ 800 ሽሕ መንእሰይ ንትግራይ ገዲፉ ናብ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣዳማ፡ ድሬዳዋ፡ ሃዋሳ፡ ኣሶሳ፡ ጋምቤላ ፋሕ ኢሉ እዩ” ኢሉ።
ነበርቲ እታ ክልል ጐኒ ፈደራል መንግስቲ ደው ክብል እውን ጻውዒት ኣቕሪቡ። “’ደቅና እዮም’ እናተባህለ ደቅኹም ኣይተህልቑ። ህወሓት ደቅና እዮም እናበልኩም ንኽብርቲ ትዓቢ ዘላ ትግራይ ክልውጥ ዝኽእል፡ ቴክኖሎጂ ክቕበል ዝኽእል ቈልዓ ኣይተጽንቱ” ክብል ኣተሓሳሲቡ።
ተወሳኺ ንባባት፤