እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ኵነታት - ባድመ ግን ኣብ ኢድ መን ኣላ?
ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት፡ ኣብታ ኣብ መንጎ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን እትርከብ፡ ግዝኣት ኤርትራ ምዃና ዝተወሰነት ተሃዋሲት ከተማ ባድመ፡ "ሓያል ውግእ ከም እተወልዐን፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብቲ ከባቢ ለቒቑ ከም ዝወጽአን፡ እታ ከተማ ድማ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሰራዊት ፈደራል ኢትዮጵያ ከም ዝኣተወትን..." ዝገልጹ ዘይተረጋገጹ ዜናታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክናፈሱ ቀንዮም እዮም።
ይዅን እምበር፡ ቢቢሲ ትግርኛ ኣብቲ ከባቢ ብሸነኽ ትግራይ ዘለዋ ዓድታት ንዝነበሩ ነበርትን ወሃቢ-ቓል ሓይልታት ሰላም ትግራይን ኣዘራሪቡ፡ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ካብዚ "ዝተጋነነ ወረታት" ዝተፈልየ ምዃኑ ክርዳእ ክኢሉ'ሎ።
ከም ሓበሬታ እቶም ምንጭታት፡ ኣብቲ ዞባ ሓያል ውግእ ዝተኻየደ ኣብ ከባቢታት ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ኣብ መንጎ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን (ቲዲኤፍ) እምበር፡ ኣብ ባድመ ምስ ሰራዊት ኤርትራ ዝተገብረ ዝዀነ ይዅን ግጥም ከም ዘየሎን እዩ።
ውግእ ዝተኻየደሎም ከባቢታት
ቢቢሲ ዘዘራረቦም ኣብ ከባቢታት ሸራሮ፡ ዓዲ ሃገራይን ቢያራን ዝነብሩን ዝንቀሳቐሱን ነበርቲ፡ እቲ ኣብዚ ሰሙን'ዚ ብሰሉስን ረቡዕን ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ግጥማት ብሓፈሻ ሰፊሕ ናይ ገጠርን ከባቢታት ዘጠቓለለ ምንባሩ ይሕብሩ።
ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፡ እቲ ውግእ ካብ ከተማ ሸራሮ ኣትሒዙ ክሳብ ከባቢታት ቢያራን ዓዲ ክልተን ዝተዘርግሐ እዩ ነይሩ።
ኣብ ቢያራ ዝነብርን ኣብቲ እዋን ብኣካል ኣብ ሸራሮን ዓዲ ሃገራይን ዝነበረን ሓደ ነባሪ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣብ መንጎ ሰራዊት ምክልኻልን ሓይልታት ትግራይን ዝነበረ ምንቅስቓስ ከምዚ ክብል ገሊጽዎ፤
"ኣብ ከተማ ሸራሮ ናይ መከላኸሊ ሰራዊት ዘለዎ እዩ ዋላ ሕዚ። ካብኡ ንድሕሪት ግና ናይ ባድመ ኣንፈት ምንም ዓይነት ምንቅስቓስ፡ ብናይ ገምሃሎ ከባቢ ምንም ናይ መከላኸሊ [ሰራዊት] ምንቅስቓስ የለን፡" ይብል።
"ብናይ ኣደመይቲ ዝበሃል ካብ ሸራሮ ንእሽቶ ርሕቕ ኢልካ ንኣንፈት ተከዘ ሰራዊት መከላኸሊ እዩ ዘሎ። ብኣንፈት ዓዲ ሕረት ዝበሃል ድማ ንቢያራ ኣንፈት፡ ንባድመ ኣንፈት... ብኡ ትማሊ ናይ ትግራይ ቲዲኤፍ ክንቈጻጸር ኢና ኢሎም መዳፍዕ እናተኰሱ ነይሮም። ካብኡ ግን ሎሚ ንግሆ ካብ ናይ ሕረት ናይ ባድመ ኣንፈት ዘሎ ተመሊሱ ናብ ዓዲ ሃገራይ ከባቢ መከላኸሊ [ሰራዊት] ተመሊሱ ኣሎ።"
እቲ ነባሪ ወሲኹ ከም ዘብርሆ፡ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ካብ ከተማ ሸራሮ፡ ካብ ዓዲ ነብሪኢድን ዓዲ ሓሮን ብኸቢድ ብረት፡ ሮኬታትን መዳፍዕን እናተሓገዘ ናብ ዓዲ ሕረት (ካብ ዓዲ ኣውዓላ ቀጺላ ንኣንፈት ባድመ እትርከብ) ገጹ ደብዳብ ብምክያድ ንሓይልታት ትግራይ ንምድፋእ ፈቲኑ እዩ።
ኣብ ዓዲ ቦኽራይ (ኣብ ውሽጢ ዓዲ ሃገራይ ዝርከብ) ኰይኑ ነቲ ኵነታት ይከታተል ከም ዝነበረ ዝገለጸ እቲ ነባሪ፡ ሰራዊት ፈደራል ንዓዲ ሕረት ብመዳፍዕ ደርብዩ ንግዚኡ ድሕሪ ምሓዙ፡ ሎሚ ንግሆ ግን ካብቲ ናይ ባድመ ኣንፈት ዘሎ ዓዲ ሕረት ተመሊሱ ናብ ከባቢ ዓዲ ሃገራይ ከም ዝተዓጸፈ ሓቢሩ።
ካብ ዓዲ ክልተ ናብ ከተማ ሽረ ዝተመዛበለ ካልእ ነባሪ ብወገኑ፡ ኣብ ዓዲ ክልተ ዝተኻየደ ውግእ ኣዝዩ ጽዑቕ ምንባሩ ንቢቢሲ ኣረዲኡ።
"ኣብ ዓዲ ክልተ ውግእ ነይሩ። ካብ ንግሆ ሰዓት 12፡00 [6:00 ናይ ንግሆ] ጀሚሩ ደብዳብ ውዒሉ እዩ። ብዘይ ደብዳብ እውን ናይ ቀረባ ናይ እግረኛ ውግእ ነይሩ፤ ናይ ዲሽቃን ናይ ብሬንን ተዅሲ ክስማዕ ውዒሉ እዩ። ውግእ ዝተኻየደ ኣብ መንጎ ሰራዊት ትግራይን ሰራዊት ኢትዮጵያን ጥራይ እዩ፣ ናይ ኤርትራ ሰራዊት ኣይነበረን ኣብቲ ከባቢ።"
እቲ ነባሪ ወሲኹ ከም ዝገለጾ፡ ሰራዊት ፈደራል ንዓዲ ክልተ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሩ ኣእትይዋ ኣሎ።
ባድመ ግን ኣብ ኢድ መን ኣላ?
ቢቢሲ ብወገን ባድመ ናይ ኤርትራ ዘሎ ምዕባለታት ምላሽ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይሰመረን። ንወሃቢ-ቓል ሰራዊት ምክልካል ኢትዮጵያ ዝተገብረ ተደጋጋሚ ሕቶታት እውን ምላሽ ኣይረኸበን ዘሎ።
እንተዀነ፡ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ብዓርቢ ምስ ነበርቲ ከተማ መቐለ ኣብ ዝገበሮ ዘተ፡ ሰራዊቱ "ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመት ናብቲ ዓሪድሉ ዝነበረ ግዝኣቱ ተመሊሱ ኣሎ፣ ወራሪ ሓይሊ ተሃሪሙ እዩ፡" ክብል ተሰሚዑ። እንተዀነ፡ እቲ ዳግም ሒዝዎ እዩ ዝበሎ ቦታታት ብዝርዝር ኣይገለጸን።
ካብዚ ወጻኢ፡ "ሰራዊት ኤርትራ ብመሰረት ስምምዕ ኣልጀርስ ኣብ ዝግብኦ ቦታ ናይ ኣተሓሕዛ ምምዕርራይ" ይገብር ከም ዘሎ ዝግለጽ ሓበሬታታት ኣሎ። ብዛዕባ እዚ ግን ብወገን መንግስቲ ይዅን ሰራዊት ኤርትራ ብወግዒ ዛጊት ዝተገልጸ ነገር የሎን።
እዚ ቦታኡ ኰይኑ፡ ቢቢሲ ንወሃቢ-ቓል ናይቲ ምስ ሰራዊት ምክልኻል ፈደራል ተወሃሂዱ ዝንቀሳቐስ "ሓይልታት ሰላም ትግራይ" ኮሎነል ሰሎሞን ሃይለማርያም ተወኪሱ ኣሎ፤ እቲ ብዛዕባ ባድመ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝናፈስ ዘሎ ወረታት ድማ መሰረት ዘይብሉ ምዃኑ ኣመልኪቱ።
ኮሎነል ሰሎሞን፡ "ባድመ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር መን ኣላ?" ንዝብል ዝቐረበሉ ንጹር ሕቶ ክምልስ ከሎ፤
"ባድመ ኣብ እከለ ኣላ፡ ኣብ እከለ ኣላ ምባል ዝምችእ ኣይመስለንን፤ ምኽንያቱ እቲ ከባቢ ናይ ወተሃደራዊ ምንቅስቓሳት ዝግበረሉ ስለ ዝዀነ፡ ኣብ እከለ ኣላ ምባል ኣይጠቅምን እዩ። ካብ ናይ ማሕበራዊ ሚዲያ ወረ ወጻኢ ጥሉል ነገር የለን። ዝርዝር ኣድላይ እንተዀይኑ ምስቶም መዳርግትና መከላኸሊ ሓቲትካ ምርካብ ይከኣል እዩ፡" ኢሉ።
ኮሎነል ሰሎሞን ወሲኹ፡ ሓይልታቶም ምስ ሰራዊት ኤርትራ ናይ ምግጣም ዝዀነ ይዅን ትልሚ ከም ዘይብሉ ኣስሚርሉ።
"ንሕና ምስ መከላኸሊ ኢትዮጵያ ኴንና እንደገና ምስ ኤርትራ ክንገጥም ከምኡ ዓይነት ልኡኽ የብልናን። እቲ ኣብ ዶብ ዘሎ ነገር ናይ ፈደራል ጉዳይ ስለ ዝዀነ፡ ናይ ዶብ ሓለዋን ናይ ዞባዊ መሬት ምውሓስ ኣጀንዳን ንመከላኸሊ ሰራዊት እዩ ዝምልከት፡" ይብል።
'ዲፕሎማስያዊ ምንጪታት ከ እንታይ ይብሉ?
ብኻልእ ወገን ድማ ማዕከን ዜና 'ኣዲስ ስታንዳርድ' ካብ ዲፕሎማስያዊ ምንጭታት ረኺበዮ ኢሉ ትማሊ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ዝዘርግሖ ዜና፡ ኣብ ከባቢ ባድመ ብናይ ኢትዮጵያ ደብዳብ ድሮንን ናይ ኤርትራ ተዅሲ ከቢድ ብረትን ዝተሰነየ ግጭታት ከም ዘጋጠመ ይሕብር።
እቶም ክልተ ምንጪታት ዲፕሎማሰኛታት ናይ ኣየነይቲ ሃገር ወይ ሃገራት ምዃኖም ግን ኣብቲ ዜና ኣይተጠቕሰን።
ሓደ ካብቶም ንኣዲስ ስታንዳርድ ቃል ዝሃቡ ዲፕሎማሰኛ፡ "ኣብዘን ዝሓለፋ ሰለስተ መዓልታት ኣብ ግንባር ባድመ ግጭታት ይካየድ ከም ዝነበረ ሓበሬታ ክንረክብ ጸኒሕና ኢና። ብወገን ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ድሮን፡ ብወገን ኤርትራ ድማ ተዅሲ ከቢድ ብረት ከም ዝተኻየደ ንፈልጥ፡" ኢሉ።
ካልኣይ ምንጪ እውን እቲ ግጭታት እናበርትዐ ከም ዝመጽአን፡ ማሕበረሰብ ዓለም ነዚ "ናብ ምሉእ ወተሃደራዊ ኲናት ከየምርሕ" ዝብል ስግኣት ከም ዘለዎ ኣረዲኡ።
ሓደ ነባሪ ከተማ ባድመ ንኣዲስ ስታንዳርድ ኣብ ዝሃቦ ቃል ድማ ኣብታ ከተማ ለይተ-ለይቲ ደብዳብ ከቢድ ብረት ከም ዘሎን ህዝቢ ይፋናቐል ምህላዉን ሓቢሩ።
እቲ ነባሪ ወሲኹ፡ "ቅድሚ ሒደት መዓልታት ተጋደልቲ ህወሓት (ቲዲኤፍ) ኣብ ኵሉ ኵርናዕ እታ ከተማ ይረኣዩ ነይሮም፣ ካብ ሓሙስ ኣትሒዙ ግን ሰራዊት ፈደራል መንግስቲ እዩ ዝረአ ዘሎ፡" ክብል ኣብ ባድመ ዝተራእየ ወተሃደራዊ ምቅይያር ኣሚቱ።
ቢቢሲ ነዚ ሓበሬታ'ዚ ብመንገዱ ኣየረጋገጾን፡ ካብ ወገን ኤርትራ ሓበሬታ ንምርካብ ዝተገብረ ጻዕሪ እውን ኣይሰለጠን።
ብመሰረት ትካል ክትትል ግጭታት 'ክሪቲካል ትረትስ ፕሮጀክት'፡ ሰራዊት ፈደራል ኢትዮጵያ ብ3 ሕዳር ከተማ ሸራሮ ድሕሪ ምቍጽጻሩ ኣብ መስመር ባድመ ኣብ እትርከብ ዓዲ ኣውዓላ መዓስከሩ ኣጽኒዑ ኣሎ።
ብ9 ሕዳር ድማ ኣብ ከባቢ ባድመ ግጭታት ከም ዝነበረ እቲ ትካል ሓቢሩ። ይዅን እምበር 'ፍሮንትላይንስ' ብ12 ሕዳር ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ከባቢ ባድመ ሰፊሕ ዕርዲ ከም ዘይብሉ ኣመልኪቱ።
ብሓፈሻ፡ እቲ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ኣብ መንጎ ሰራዊት ፈደራልን ሓይልታት ትግራይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ንኸባቢታት ሸራሮ፡ ዓዲ ሃገራይን ዓዲኽልተን ናብ ከቢድ ናይ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣእትይዎ ኣብ ዘለወሉ ህሞት፡ ኣብ ባድመ ዝተኻየደ ዓቢይ ውግእ ከም ዘየሎ ኣብ ባይታ ዘለዉ መርትዖታት የረጋግጹ።
ዝሰዓበ ሰብኣዊ ቅልውላውን ምምዝባልን
እቲ ኣብ መንጎ ሰራዊት ፈደራልን ሓይልታት ትግራይን ዝተኻየደ መጥቃዕትታት ከቢድ ብረትን ድሮን፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ነበርቲ እቲ ከባቢ ከቢድ ስቓይን ራዕድን ኣስዒቡ ከም ዘሎ ነበርቲ ይገልጹ።
ኣብ ቢያራ ብዝወደቐ ከቢድ ብረት ሓንቲ ግመልን 4 ክሳብ 5 ኣጣልን ከም ዝተቐትላ ዝሓበረ ነባሪ፡ እቲ ህዝቢ ዳግማይ ኲናት ከይውላዕ ብምስጋእ ንብረቱ ገዲፉ ይሃድም ምህላዉ ገሊጹ።
"ካብ ቢያራ፡ ዓደስመሮ፡ ሓድሽ ዓዲ (ናይ ገጠር ጣብያታት ባድመ) ከምኡ'ውን ደንበ ገዳሙ ዝበሃሉ ከባቢታት ተመሊሱ ዝነበረ ህዝቢ፡ ካብቲ ብቕድሚ ትማሊ ጀሚሩ ብእግርን ብዝረኸቦ መጓዓዝያን ብግማልን ናብ ዓዲ ሃገራይ፡ ሸራሮ፡ ማእከላይ ኣድያቦን ታሕታይ ኣድያቦን ይወጽእ ኣሎ።
"ካብ ሰምበል ሓድሽ ዓዲ ሓዊሱ ናይ ሰለስተ ቍሸታት ህዝቢ ብምልኡ ይፋናቐል ኣሎ። መካይን 'ድሮን ክትወቕዓና እያ' ተባሂለን ስለ ዝተኸልከላ፡ ህዝቢ ንምርኣዩ ዘስካሕክሕ ብዝዀነ መልክዕ ጓዙ [ሰኸሙ] እናጸወረ ብእግሩ ይጓዓዝ ኣሎ።"
ካብ ዓዲኽልተ ትሽዓተ ኣባላት ስድራቤቱ ሒዙ ብእግሩ ሃዲሙ ናብ ከተማ ሽረ ዝኣተወ ካልእ ዜጋ፡ ነቲ ዝነበረ ኣሰቃቒ ህሞት ክገልጽ ከሎ፤
"ኣብ ዓዲኽልተ ዝነበረ ውግእ ሰሉስን ረቡዕን ካብ ንግሆ ሰዓት 3፡00 ጀሚሩ ክሳብ ሰዓት 2፡00 ድሕሪ ቐትሪ ብዘይ ምንም ዕረፍቲ እዩ ተኻይዱ። ኣብቲ ቦታ ክንደይ ነፍሰጾራትን ክንደይ ቈልዑ ህጻናትን ኣብ ዘለውሉ፡ ሃንደበታዊ ናይ ከቢድ ብረትን ናይ ድሮንን ደብዳብ ምስ ተኸፍተ፡ ህዝቢ ብራዕዲ ተደናጊጹ ተዓኒዱ።
"ገሊኡ ንሽረ ዝኣቱ፡ ገሊኡ ንበረኻን ጸድፍን ዝወርድ ኰይኑ፣ ብጣዕሚ ዘሕዝን እዩ ነይሩ። ኣነ ንስድራይ ደርብየ ንብረት ክሕሉ ተሪፈ ነይረ፡ ጸኒሐ ግን ንብረት ገዲፈ ንስድራይ ኣብ ሽረ ረኺበየን። ኣብቲ ከባቢ ናይ ተሌፎን ኔትወርክ ገመዳት ተበጢሱ ስለ ዘሎ፡ ሰብ ንስድራቤቱ ኣበይ ከም ዘለዉ ንምፍላጥ ኣብ ዓቢ ጸበባ ይርከብ፡" ኢሉ።
ነበርቲ ወሲኾም ከም ዘረጋገጽዎ፡ እቲ ህዝቢ ውግእ ሰጊኡ ናብ ውሽጢ ከተማታት ትግራይ እምበር፡ ናብ ኤርትራ ገጹ ዝሰገረ ዝዀነ ተመዛበሊ ሰላማዊ ህዝቢ የሎን። ናብ ኤርትራ ዝሰገሩ እንተልዮም፡ ካብቶም ቅድሚ ሕጂ ዝነበሩን ብፖለቲካዊ ምኽንያት "ክንሕተት ኢና" ዝብል ስግኣት ዝነበሮም ሒደት ካድረታት ጥራይ ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ።
ኮሎነል ሰሎሞን እውን ብወገኑ፡ "እዞም ካብ ትግራይ ዝተባረሩ ተረፍ መረፍ ናይ ምእራይ ገለ ንኤርትራ ይኸዱ እንደገና ይምለሱ ይውቅዑ እንደገና ይብተኑ ከምኡታት እዩ፡" ኢሉ።
እዚ ሕጂ ኣብ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝረአ ዘሎ ወጥሪ፡ ድሕሪ'ቲ ካብ መወዳእታ መስከረም ኣትሒዙ ኣብ መንጎ ሰራዊት ፈደራልን ብህወሓት ዝምራሕ ሓይልታት ትግራይን ዳግማይ ዝተወልዐ ውግእ ዝመጽአ እዩ።
ኣብ መጀመርታ ጥቅምቲ፡ ክልተአን ሃገራት ዝነበረን ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ብምብታኽ ዲፕሎማሰኛታት ኣባሪረን እየን።
እዚ ምዕባለታት ኣብ ማሕበረሰብ ዓለም ዞባዊ ኲናት ከይክሰት ዓቢ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ። ሓሙሽተ ደሞክራስያውያን ሰነተራት ኣመሪካ፡ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ማርኮ ሩብዮ፡ ኢትዮጵያ ንወደብ ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ዝዀነ ዓሰብ ብሓይሊ ንምቍጽጻር እትገብሮ ዝዀነ ይዅን ፈተነ ብኣመሪካ ተቐባልነት ከም ዘይብሉ ብንጹር ከፍልጥ ጸዊዖም።
ምኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ሃገራት ጕጅለ ሸውዓተ (G7) ብ9ን 10ን ሕዳር ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝገበርዎ ኣኼባ፡ ኵሎም ወገናት "ዝለዓለ ግትኣት ክገብሩን ዲፕሎማስያዊ ፍታሕ ክደልዩን" ጸዊዖም።
ቻይና ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ንምህዳእ ኣብ ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ምንቅስቓስ ተጸሚዳ ኣላ።
ብተወሳኺ፡ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣመሪካን ካልኦት መሻርኽትን፡ እቲ ግጭት ብህጹጽ ደው ክብልን ኵሎም ወገናት ናብ ሰላማዊ ዘተ ክምለሱን ብጽኑዕ ኣተሓሳሲቦም ኣለዉ።