ኣብ ትግራይ ውግእን ሰላምን የለን - እቲ ዳግማይ ዝተወልዐ ግጭት ብሓቂ ኣብቂዑ ማለት ድዩ?

    • Author, ሚኪኤል ተፈሪ - ቢቢሲ ኣፍሪቃ፡ የማነ ናግሽ - ቢቢሲ ትግርኛ
  • Published
  • ንባብ: 7 ደቓይቕ

ኣብዚ እዋን፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ናይታ ብግጭት እትሕመስ ዘላ ክልል ትግራይ መቐለ፡ ናይ ጸጕሪ ትካል ምክያድ ቀሊል ኣይኮነን።

ንጓል 10 ዓመት ውላዳ ንበይና እተዕቢ፡ ወናኒት ጽባቐ ጸጕሪ ፍሩት መዓር፡ "ንደቆም ከዐንግሉ ዘይክእሉ ሰባት፡ ኣመት ነብሶም ክገብሩን ክቀናጀውን ዘይሕሰብ እዩ" ክትብል ንቢቢሲ ገሊጻ።

ከተማ መቐለ ድሕሪ ሓጺር ውግእ፡ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሃገራዊ ሰራዊት ትእቶ እምበር ገና ኵሉ ነገር ናብ ንቡር ኣይተመልሰን።

"እዚ ኵነታት ካብቲ ናይ ውግእ እዋን ዝሓሸ እዩ። ይዅን'ምበር፡ ስራሕ ስለ ዘየሎ ሰባት ገና ገንዘብ የብሎምን፡ ሞራሎም እውን ወዲቑ እዩ" ትብል።

ልዕሊ ኵሉ፡ ሰባት፡ ጽባሕ፡ እንታይ ኮን ይመጽእ ይኸውን ብማለት ኣብ ሻቕሎት ከም ዘለዉ ትገልጽ። ''ጽባሕ እንታይ ከም ዝመጽእ ኣይፍለጥን።''

ኣብ መወዳእታ መስከረም፡ ኣብ መንጎ ንትግራይ ንዓሰርተታት ዓመታት ዘመሓደረ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)ን ሃገራዊ ሰራዊት ኢትዮጵያን ዳግማይ ውግእ ተወሊዑ። እቲ ንኽልተ ዓመት ዝቐጸለ ውግእ ሓድሕድ፡ ብ2022 ብወግዒ ኣብቂዑ ነይሩ።

ኣብ ክልተ ሰሙን ዘይመልእ ግዜ ሓይልታት ፈደራል ብዓወት ናብ መቐለ ኣትዮም። ህወሓት፡ ካብ መቐለን ካልኦት ቀንዲ ከተማታት ትግራይን ''ስትራተጅያዊ ምዝላቕ'' ከም ዝገበረ ገሊጹ።

በዚ ድማ እቲ ሰራዊት ብዙሕ ተቓውሞ ኣየጋጠሞን። ብመጥቃዕቲ ድሮንን ደብዳብ ሓይሊ ኣየርን ግን ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ሰለማውያን ሰባት ዝርከቡዎም ኣብቲ ግጭት ኣማኢት ሰባት ከም ዝሞቱ ተገሊጹ።

ሰበ ስልጣንን ደገፍትን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቲ ውግእ ብግብሪ ኣብቂዑ እዩ፡ ዝተረፈ ስራሕ ድማ ነቶም ኣብ ትግራይ ዘለዉ ኣባላት ህወሓት ምውጋድ ጥራይ እዩ ይብሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ካብ ህወሓት ዝተፈልየ ላዕለዋይ ሓላፊ እቲ ውድብ ዝነበረን ህሉው ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚምኒስተርን ጌታቸው ረዳ፡ ውግእ ትግራይ ከም ዘብቅዐን ምርግጋእ እቲ ክልል ህጹጽ ቀዳምነት ክወሃቦ ከም ዘለዎን ገሊጹ።

ኣብ ጉዳያት ሰላምን ጸጥታን ኣፍሪቃ ተንታኒን ኣማኻሪን ካመሩን ሃድሰን፡ ህወሓት ብቕልጡፍ ንምስዓሩ ብዙሕ ምኽንያታት ከም ዘሎ ይገልጽ።

"ህወሓት ኣብ ትግራይ ህዝባዊ ደገፉ ስኢኑ፤ ተበታቲኑ እዩ። ንሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ክወዳደር ዘኽእሎ ዘመናዊ ወተሃደራዊ ቴክኖሎጂ የብሉን፡" ይብል።

"ብዙሓት ጀነራላቱ፡ እስትራተጅያዊ ሓሰብቱ፡ ብሉጻት ዲፕሎማሰኛታቱን ተዋጋእቱን፡ ገሊኦም [ናብ ፈደራል] ብምኻዶም ገሊኦም ድማ ስለ ዝኣሰሮም ከሲሩ እዩ። ኣብ መሪሕነት ህወሓት ዝነበረ ውሽጣዊ ፍልልይ እውን ከቢድ ጕድኣት ኣስዒቡ እዩ፡" ይብል።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ዝምህር ኣብርሃ ሓይለዝጊ ምስዚ ርእይቶ ይሰማማዕ'ዩ፤ " እቲ ሰራዊት ንጹር ፖለቲካዊ ራእይ የብሉን። ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት፡ ኣብ ግዱድ ዕስክርና፡ ሰብኣዊ ግህሰታተት፡ ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ክኣስር ስለ ዝጸንሐ ብዙሓት ሰባት ንህወሓት ኣብ ክንዲ ከም ተጣባቒ ሓይሊ ከም ተጻባኢ ክርእይዎ ጀሚሮም፡" ይብል።

ካብ ዘይተገልጸ ቦታ ብተለፎን ርእይቶኡ ዝሃበ ኣፈኛ ህወሓት ሚካኤል ኣስገዶም ግን "እቲ ውድብ ተሳዒሩ'ዩ" ንዝብል መግለጺ ይነጽጎ።

እቲ ምዝላቕ፡ ብመደብ ዝተገብረ ስልታውን ስትራተጅያውን ስጕምቲ እምበር "ስዕረት ኣይኮነን" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ህወሓት፡ ንሰራዊት ኢትዮጵያ ፈልዩን ነጺሉን ኣብ ዝጥዕሞ ቅርጺ መሬትን ኵነታትን ንምጥቃዕ ናብ ውሽጢ ትግራይ ብዕምቆት ንኽኣቱ ከም ዝፈቐደሉ፡ "ንጸላኢ ኣብ ዝጥዕሞ ኵነታት ከይንዋጋእ መሪጽና" ክብል ህወሓት፡ ንሰፊሕ ጸረ መጥቃዕቲ ይዳሎ ከም ዘሎ ሓቢሩ።

ብምቕጻል፡ እቶም ካብ ከተማታት እቲ ክልል ዘንሰሓቡ ተዋጋእቲ ህወሓት፡ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ኢትዮጵያ ኣብ ሓያሎ ቦታታት መጥቃዕቲ ከም ዝፈነዉ ገሊጹ። እዞም ስርሒታት፡ እቲ ውድብ ገና ወተሃደራዊ ዓቕሚ ከም ዘለዎ ዘርኢ እዩ ከኣ ይብል።

ካብ ትግራይ ዝተረጋገጸ ሓበሬታ ምርካብ ከቢድ ስለ ዝዀነ፡ ቢቢሲ ካብቲ ክልል ብቐጥታ ክጽብጽብ ኣይከኣለን።

እንተዀነ፡ እቲ ውግእ ምስ ተወልዐ ተቛሪጾም ዝነበረ መስመራት ተለፎንን ኢንተርነትን ሕጂ ኣገልግሎ ጀሚሩ ስለ ዘሎ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ዝነብሩ ሰባት፡ ኣብ ማእከላይ፡ ሰሜናውን ሰሜን ምዕራባውን ክፋላት እቲ ክልል ብድሮንን መዳፍዕን ዝተሰነየ ውግእ ይቕጽል ከም ዘሎ ንቢቢሲ ገሊጾም።

ናይ ዓይኒ መሰኻኽር፡ ኣብዘን ዝሓለፋ መዓልታት፡ ኣብ ጥቓ ዶብ ኤርትራ እትርከብ ከተማ ሸራሮን ከባቢኣን፡ መዳፍዕን ኣጋርን ዝተሳተፉዎ ከቢድ ውግእ ከም ዝተኻየደ ይገልጹ።

"ብወገን ሸራሮ ናይ ከቢድ ብረት ተዅሲ ንሰምዕ ነይርና። ሰባት ውሕስነት ስለ ዘይብሎም ይሻቐሉ ኣለዉ" ይብል፡ ሓደ ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ነጋዳይ።

ወተሃደራውያን መካይን ክልተኦም ወገናት ናብ ሸራሮ ከም ዝተንቀሳቐሱ ንቢቢሲ ሓቢሩ። ኣብ ደቡባዊት ከተማ የጭላ ብትራንስፖርት ነብሱ ዘመሓድር ብዓል ሞተርሳይክል ከኣ፡ ኣብቲ ከባቢ ገና ወተሃደራዊ መፈተሺ ነቝጣታት ከም ዘሎ ሓቢሩ።

እቲ ካብ 2020 ክሳዕ 2022 ዝቐጸለ ኣዕናዊ ውግእ ትግራይ፡ ኣብ ዝኽሪ ብዙሓት ነበርቲ ገና ሓድሽ እዩ።

ኣብቲ ኣማኢት ኣሻሓት ህይወት ሰባት ዝቐዘፈ ግጭት፡ ክሳብ ዓሌታዊ ጽንተት ዝመጣጠር ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝተፈጸመ ክስታት ይቐርብ እዩ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ውግእ ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ገበናት ኵናትን ዝኽሰሱ ወተሃደራት ኤርትራን ኢትዮጵያ፡ ኣብ ከተማታት ትግራይ ዳግማይ ስለ ዝተራእዩ ብዙሓት ነበርቲ፡ ነቲ ገና ዘይሓወየ ቍስሊ ከም ዘዘኻኸሮምን ዓሚቝ ፍርሕን ስክፍታን ከም ዘሕደረሎም ይገልጹ።

ምስ ሰራዊት ፈደራል ዝወግኑ ወተሃደራዊ ምንጭታት፡ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ዝካየድ ስርሒታት ይቕጽል ከም ዘሎ ይገልጹ።

ኣብ ሰሜን ትግራይ ኣብ ጥቓ ዶብ ኤርትራ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ጐቦታት ማእከላይ ትግራይ፡ ኣብ ቀረባ መዓልታት ውግእን ምንቅስቓስ ሰራዊትን ከም ዝነበረ ሓቢሮም። ወተሃደራዊ ዓቕሚ ህወሓት እናተዳኸመ ይኸይድ ከም ዘሎ እውን ይገልጹ።

ተንተንትን ተዓዘብትን ጉዳያት ጸጥታ፡ እቲ ግጭት ንገለ እዋን ክቕጽል ተኽእሎ ከም ዘሎ ይሰማምዑ።

"ኣብ ትግራይ ነዊሕ ዝጸንሕ ውግእ ክህሉ ዝኽእለሉ ዅነታት እርኢ ኣለኹ" ክብል፡ ኣብ ኣመሪካ ዝነብር ፍሉጥ ኢትዮጵያዊ ተንታኒ ያሬድ ጥበቡ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ያሬድ፡ ህወሓት ናይ ነዊሕ ዓመታት ተመኵሮ ዕጥቃዊ ቃልሲ ስለ ዘለዎ ሕጂ እውን ንነዊሕ ግጭት ይዳሎ ከም ዘሎ ይኣምን። እቲ ውድብ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ቅርጽታቱ ዳግማይ ምስ ወደበ፡ ናብ ስርሒታት መጥቃዕቲ ክምለስ ከም ዝፍትን ይግምት።

ሕጂ ግን ያሬድ፡ ብሰንኪ ውሽጣዊ ፍልልያት፡ እቲ ተግባር ንገለ እዋናት ክፍጸም ከም ዘይክእል ይኣምን። ኣፈኛ ህወሓት ሚካኤል ግን ነዚ ኣበሃህላ'ዚ ይነጽጎ።

ሃድሰን ብወገኑ፡ ትግራይ ናብ ነዊሕ ውግእ ትኣቱ ኣላ ዝብል ርእይቶ ይነጽጎ። እቲ ክልል ግን ናይ ሓቂ ሰላም ንምርካብ ገለ እዋን ከም ዘድልዮ ይሰማማዕ።

"ህወሓት ውሱን ዕጥቃዊ ቃልስን ናይ ደባይ ውግእን ክቕጽል ይኽእል'ዩ። እዚ ግን ውግእ ኣይኰነን። ኣብ መንጎ ሓይልታት ፈደራልን ህወሓትን ሰፊሕ ግጭት ዝህሉ ኣይመስለንን" ይብል።

ብመሰረት ሃድሰን፡ ሓይልታት ፈደራል ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት ኣጸቢቖም ሰፊሖምን ዘሚኖምን እዮም። ህወሓት ብወገኑ፡ ምስኦም ብዕቱብ ክገጥም ዘኽእሎ ብዝሒ ሰራዊት፡ ሓይልን ወተሃደራዊ ዓቕምን የብሉን ይብል።

ብተወሳኺ፡ "ህወሓት መብዛሕትኡ ህዝባዊ ደገፉ ስኢኑ እዩ። ሓደስቲ ተዋጋእቲ መልሚሉ ብቐሊሉ መሳርዑ ክመልእ ኣይክእልን፡" ኢሉ።

ያሬድ ብወገኑ፡ ህወሓት ኣብ ታሪኹ ዘጋጠምዎ ከበድቲ ዕንቅፋታት ሰጊሩ ምምጽኡ፡ ዳግማይ ተወዳዲቡ ነዊሕ ቃልሲ ከካይድ ከም ዝኽእል ዘርኢ እዩ ይብል።

"ህወሓት ኣብ ዝሓለፈ እዋን ብዙሓት ከበድቲ ብድሆታት ሰጊሩ እዩ። ሕጂ፡ ህዝባዊ ደገፍ የብሉን ኢልካ ምድምዳም ጌጋ እዩ። ናይ ልዕሊ 50 ዓመት ታሪኽ ዘለዎ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ እዩ" ክብል ይምጕት።

እቲ ያሬድ ከም ብርታዐ ዝርእዮ፡ ሃድሰን ከም ድኽመት እዩ ዝቖጽሮ። ህወሓት ገና "ኣብ ሕሉፍ ታሪኹ ተቐርቂሩ" ኣሎ ይብል። ኵነታት ተቐይሩ ክነሱ፡ ገና ከም ዓብላሊ ውድብ ትግራይ ይንቀሳቐስ ኣሎ ይብል።

"ምስ እዋን ዘይተለወጠ፡ ዘይዘመነን ዘይሰፍሐን ምንቅስቓስ እዩ፡" ክብል ከኣ ይገልጾ።

ሃድሰን፡ ህወሓት ዓቢ ወተሃደራዊ ወፍሪ ንምቕጻል ዘድልዮ ዕጥቅን ዓቕምን ከም ዘይብሉ ይገለጽ። ኣፈኛ ህወሓት ግን እቲ ውድብ ካብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣጽዋርን ናይ ውግእ ቀረባትን ይምንዝዕ ከም ዘሎ ይገልጽ።

"ካብ ጸላኢና ኣጽዋር ንምንዝዕ፣ እቲ ናብ ትግራይ ዝኣተወ ኣጽዋር ከኣ ውዒሉ ሓዲሩ ናትና ክኸውን እዩ" ይብል።

ኣብ መጀመርታ ጥቅምቲ፡ ወተሃደራት ኤርትራ ንህወሓት ይድግፉ ከም ዘለዉ ኣብ ዝግለጸሉ ዝነበረ እዋን፡ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ከም ዝረኣይዎም ንቢቢሲ ነጊሮም። እቶም ወተሃደራት ናብ ሃገሮም ዝተመልሱ ይመስሉ።

ሃድሰን፡ ኤርትራ ኣብቲ ግጭት ዝያዳ ከይትጥሕል ጥንቃቐ ክትገብር እያ ኢሉ ይግምት።

"ቀዳማይ፡ ኤርትራ ደረት ዘይብሉ ጸጋታት የብላን። ካልኣይ፡ ህወሓት ናይ ቀደም ወተሃደራዊ ብቕዓቱ ስለ ዘይብሉ፡ መራሕቲ ኤርትራ፡ ኣብዚ መድረኽ ምድጋፉ ርኡይ ወተሃደራዊ ረብሓ ኣየምጽኣልናን ኢሎም ክድምድሙ ይኽእሉ እዮም። ሳልሳይ፡ ኤርትራ ንህወሓት ብግልጺ እንተ ደጊፋ፡ ምስ ኢትዮጵያ ግጭት ናይ ምውላዕ ሓደጋ ኣብ ግምት ከተእቱ'ያ" ይብል።

ኣብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝርከቡ ምንጭታት፡ ላዕለዎት ኣባላት ፖለቲካዊ መሪሕነት ህወሓት ንሓጺር እዋን ኣብ ኤርትራ ምጽንሖም ንቢቢሲ ገሊጾም።

እንተዀነ ሰበስልጣን ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ ንህላወኦም ከም መመኽነይታ ተጠቒማ ንኤርትራ ከይትወርር፡ ንመራሕቲ ህወሓት፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ካብ ሩስያ ድሕሪ ምምላሱ ኣብ ሓጺር እዋን ኣብ ፈለማ ሕዳር፡ካብታ ሃገር ክወጹ ከም ዝኣዘዝዎም እቶም ምንጭታት ይገልጹ።

ሃድሰን፡ ኤርትራ ምስ ኣመሪካ ዲፕሎማስያዊ ርክባ ዳግማይ ምሕዳሳ፡ ኣስመራ ንህወሓት ርኡይ ደገፍ ንኸይትህብ ተወሳኺ ድርኺት ክኸውን ይኽእል ይብል። ምኽንያቱ፡ ዝምድና ኣመሪካን ህወሓትን ንነዊሕ እዋን ሻሕኪሩ እዩ ጸኒሑ።

ኣብ መስከረም፡ ብህወሓት ዝምርሑ ሸውዓተ ኢትዮጵያውያን ዕጡቓት ተቓወምቲ ጕጅለታት፡ ንመንግስቲ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ንምውጋድ ዝዓለመ፡ "ኪዳን ንህላወ" (Alliance for Survival) ዝተሰምየ ሓድሽ ጥምረት ምምስራቶም ኣፍሊጦም።

ያሬድ፡ እቲ ጥምረት ንህወሓት ውግእ ንምቕጻል ዘኽእሎ ሓይሊ ክህቦ ይኽእል ኢሉ ይኣምን።

"ኣባላት እቲ ጥምረት ዓቕሞም ከወሃህዱ ይኽእሉ። ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ፡ ወተሃደራዊ ክንፊ ህወሓት፡ ናይ መሪሕነት ተመኵሮን ውደባዊ ዓቕምን ኣለዎም። ዕጡቕ ሚሊሻ ብሄረ ኣምሓራ ዝዀነ ፋኖ ድማ፡ ካብ 70,000 ክሳብ 80,000 ተዋጋእቲ ከም ዘለዉዎ ይግመት።

"እቶም ሓይልታት ብኣድማዒ መንገዲ ተወሃሂዶም ክሰርሑ ዘኽእሎም ኵነታት እንተ ተፈጢሩ፡ ህልው ጸገማት ህወሓት ነዊሕ ከይጸንሐ ክስገር ይኽእል'ዩ" ይብል።

ሃድሰን ግን እቲ ጥምረት ሚዛን ሓይሊ ክቕይር ዘለዎ ተኽእሎ ኣዝዩ ውሑድ ምዃኑ ብምግላጽ ነዚ ርእይቶ ይነጽጎ።

"እዚ ጥምረት ንህወሓት ከድሕኖ ዝኽእል ኣይመስለንን። እቶም ብብሄር ዝተወደቡ ሚሊሻታት፡ በበይኖም ይዅን ብሓባር፡ ንሓይልታት ፈደራል ከቢድ ስግኣት ክፈጥሩ ዓቕሚ ከም ዘለዎም ኣየርኣዩን። ንዓቕሚ ሰራዊት ፈደራል ኣትሒትና ክንግምቶ የብልናን" ይብል።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ዝሰርሕ ኣብርሃ፡ ግጭት ትግራይ ብሓቂ መዕለቢ ዝረክብ፡ መንግስቲ ፈደራል ነቲ እዋናዊ መንግስቲ ብቝጠባን ብፖለቲካን ገሊሉና ዝብል ኣብ ትግራይ ዘሎ ስምዒት ንምፍታሕ ስጕምቲ ምስ ዝወስድ ጥራይ ምዃኑ ይገልጽ።

ብዙሓት ተጋሩ ምሁራትን ተዓዘብቲ ፖለቲካን ግን፡ ብዛዕባ ዕላማ መንግስቲ ፈደራል ገና ስክፍታ ኣለዎም። ሰበስልጣን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብሓቂ ንጸገማት ትግራይ ክፈትሑ ይጽዕሩ ኣለዉ ድዮም፡ ወይስ ብድኽመት እቲ ክልል ተጠቒሞም ጽልዋኦም ከስፍሑ እዮም ዝደልዩ ዘለዉ ክብሉ ይሓቱ ኣለዉ።

ኣብዚ እዋን፡ ብዙሓት ተራ ነበርቲ ትግራይ ቀዳምነቶም ሰላም ምዃኑ ይገልጹ።

"ሰላም ናፊቕና ኣሎና። መብዛሕትኦም ሰባት ብፖለቲካ ደኺሞም እዮም። ዝዀነ ይን፡ ናብራና ዳግማይ ንምህናጽ ዕድልን ሰላምን ጥራይ ኢና ንደሊ" ትብል ወናኒት ቍንጅና ሳሎን ፍሩት ካብ መቐለ።