ብዘይ ኢንተርነት'ውን ሕሙማንን ሓኪምን ብምርኻብ ዓለምለኻዊ ሽልማት ዝዓተረት ኢትዮጵያዊት

Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ኣብ ኢትዮጵያ ሕሙማን ኣገልግሎት ጥዕና ንምርካብ፡ ነዊሕ ርሕቀት ካብ ምጓዓዝ ኣትሒዙ ኣብ ሆስፒታላት ንነዊሕ ሰዓታት መስርዕ ምጽባይ ዝኣመሰሉ ብድሆታት ብቐጻሊ ዝርኣዩ እዮም።

ብፍላይ ኣብ ገጠር ዝነብሩን ኣብ ጥቓኦም ትካል ጥዕና ወይ ብዓል ሞያ ሕክምና ክረኽቡ ዘይክእሉን ሰባት ነቲ ጸገም ብዝገደደ እዮም ዝሓልፍዎ።

ነዞም ጸገማት ብቐጥታ ኣብ ሞያኣ ዝተዓዘበት ብኣምላክ ኣለማየሁ፡ ኣገልግሎት ጥዕና ብቴክኖሎጂ ብምዝማን ንሰባት ተበጻሒ ንምግባር ከም እተበገሰት ትዛረብ።

ኣብ 2022 ዝመስረተቶ 'መድሓኒት ድጂታል ሀልዝ' (Medhanit Digital Health) ዝተባህለ ትካል እውን ውጽኢት እዚ ጻዕሪ እዩ።

በዚ ስርሓ ድማ ኣብ ጽላት ጥዕናን ማሕበራዊ መዳያትን ጭቡጥ ለውጢ ዘምጽአ ምህዞታት ንዘማዕብላ ደቀንስትዮ ሰብ-ዋኒን ኣፍልጦ ዝህብ 'ባየር ፋውንዴሽን' ተዓዋቲት ሽልማት ደቀንስትዮ ሰብ-ዋኒን ኰይና ኣላ።

ብኣምላክ ካብ መላእ ዓለም ካብ ዘመልከቱ ኣስታት 2,000 ሰባት; ካብ ኣፍሪቃ፡ Aስያን ላቲን ኣመሪካን ዝተመርጻ 15 ተዓወትቲ ሓንቲ ብምዃን እያ ናይ 25,000 ዶላር ሽልማት ተዋሂብዋ።

ብኣምላክ ኣለማየሁ ብ2021 ብክሊኒካል ነርሲን ተመሪቓ። ብተወሳኺ ብማሕበራዊ ድሕነት ካልእ ዲግሪ ኣለዋ። ኣብዚ እዋን ድማ ኣብ ለንደን ስኩል ኦፍ ቢዝነስ ኤንድ ፋይናንስ ማስተርስ ትከታተል ኣላ።

ኣብ ሆስፒታላት ብሞያ ነርስነት ኣብ ትሰርሓሉ ዝነበረት እዋን፡ ሕሙማን፡ መዓልታዊ ሕክምና ንምርካብ ዘሕልፍዎ ምክልባት ምርኣያ፡ ነቲ 'መድሓኒት ድጂታል ሀልዝ' ንኽትምስርት ድርኺት ከም ዝዀና ትገልጽ።

ኣብ ጥቓኦም ኣገልግሎት ጥዕና ብዘይምርካቦም ወይ ብህጹጽ ምስ ሰብ ሞያ ሕክምና ክማኸሩ ብዘይምኽኣሎም፡ ጸገም ጥዕናኦም ናብ ዝተሓላለኸ ደረጃ ዝበጽሐ ከም ዘለዉ ትዛረብ።

መድሓኒትን ምርመራን ክገብሩ ምስ ተኣዘዘሎም፡ ነቲ ኣገልግሎት ንምርካብ ነዊሕ ግዜ ከም ዝወስደሎም እትገልጽ ብኣምላክ፡ ብፍላይ ንምርመራን ንኣገልግሎት ሪፈራልን ሕሙም ሒዝካ ብመጓዓዝያ ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ክትከላበት ምርኣይ ልሙድ ምዃኑ ተረድእ። እዚ ኵነታት ምርኣያ ነቲ "መድሓኒት" መፍትሒ ንምግባር ከም ዘለዓዓላ ትገልጽ።

ብተወሳኺ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ጽላት ቱሪዝም ሕክምና ኣብ ዝሰርሓትሉ እዋን፡ ናብ ህንዲ፡ ቱርኪን ዱባይን ኣብ ዝገበረቶ ጕዕዞታት ሕክምና፡ እዞም ጸገማት ብመተግበሪ ሞባይል፡ ብጻውዒት ተሌፎን፡ ብኻልኦት ድጂታላዊ ኣማራጺታትን ክፍትሑ ምርኣያ ኣብ ኢትዮጵያ እውን ተመሳሳሊ መፍትሒ ንምትግባር ኣበጊሱዋ።

በዚ መሰረት፡ መድረኽ መድሓኒት ድጂታል ሀልዝ ብምቛም፡ ኣገልግሎት ጥዕና ብቴክኖሎጂ ንምዝማን ክትሰርሕ ጀሚራ።

'መድሓኒት' ብመተግበሪ ሞባያል ተሌፎን፣ ብመርበብ- ሓበሬታን ብኣማራጺ ሓጺር መስመር ስልኪን ኣገልግሎት ዘቕርብ ኰይኑ፡ ዘመናዊ ስልኪ ይዅን ኣገልግሎት ኢንተርነት ዘይብሎም ሰባት እውን ብጻውዒት ተሌፎን ኣገልግሎት ክረኽቡ ኣኽኢሉ ኣሎ።

እቲ መድረኽ ኦንላይን ሕክምና፡ ቈጸራ ሓኪም ምሓዝ፡ መድሓኒት ምብጻሕ፡ ኣገልግሎት ምኽሪ ጥዕና ኣእምሮ ዝርከበሎም ቦታታት ዘጠቓለለ እዩ።

በቲ ሕክምና ኦንላይን (ተሌመዲሲን) ኣገልግሎት፡ ሰባት ካብ ዘለዉዎ ቦታ ኰይኖም ምስ ሰብ ሞያ ሕክምና ክማኸሩ ይኽእሉ። እዚ ድማ ብፍላይ ኣብ ገጠር ዝነብሩን ሕክምና ንምርካብ ነዊሕ ሰዓታት ክጓዓዙ ትጽቢት ዝግበረሎምን ሰባት ጸገሞም ንምፍታሕ ዝዓለመ እዩ።

በቲ መድሓኒት ናይ ምብጻሕ ኣገልግሎት ድማ ሕሙማን መአዘዚ መድሓኒት ኣብቲ መድረኽ ብምጽዓን ወይ ብስልኪ ብምድዋል ዝተኣዘዘሎም መድሓኒት ክረኽቡ ከም ዘኽእል እያ ብኣምላክ ትገልጽ።

ኣብቲ ቈጸራ መትሓዚ ኣገልግሎት ካብ 500 ዝበዝሑ ሓካይም ስፔሻሊስት ከም ዘለዉ ብኣምላክ ትዛረብ። ምስ መሻርኽቲ ሆስፒታላት ብምትሕብባር፡ ሕሙማን ናብ ብዓል ሞያ ሕክምና ዝቐርብሉ ሰዓታት፡ መዓልታትን ኣዋርሕን ካብ ምጽባይ ኣብ ጥቓኦም ዝርከብ ትካል ጥዕና ሓኪምን ሰዓት ቈጸራን መሪጾም ኣገልግሎት ክረኽቡ ከም ዘመቻችእ ትገልጽ።

ኣብ ጽላት ጥዕና ኣእምሮ እውን ካብ 17 ንላዕሊ ሰብ ሞያ ክንክን ጥዕና ኣእምሮ ብምስታፍ ናይ ኦንላይን ኣገልግሎት ይህብ።

"ሕጂ ካብ 300,000 ንላዕሊ ሰባት ብዅሎም ኣርባዕተ ኣገልግሎታት ተጠቀምቲ ገይርና ኣለና" እትብል ብኣምላክ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ እውን ሰባት ሕክምናን ምኽርን ጥዕና ኣእምሮ ንምርካብ ተሌፎን ከም ዝድውሉ ትገልጽ።

እቲ ኣገልግሎት ኣብ ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን እውን ቋንቋን ባህልን ኣብ ግምት ዘእተወ ክንክን ጥዕና ኣእምሮ ንምርካብ ምስ ኢትዮጵያውያን ክኢላታት ጥዕና ኣእምሮ ብኦንላይን ኣገልግሎት ንኽረኽቡ ዕድል ከም ዝፈጠረ ትገልጽ።

እዚ ውጽኢት ስራሕ ዓለምለኻዊ ተፈላጥነት እውን ኣምጺኡ እዩ። ካብ ዝምስረት ልዕሊ 100 ዓመት ዝገበረ ባየር ፋውንዴሽን ኣብ 2026 ኣብ ጽላት ጥዕናን ለውጢ ክሊማን ምህዞኣዊ ፍታሕ ንዘቕርባ ደቀንስትዮ ሰብ-ዋኒን ኣብ ዘዳለዎ ውድድር ሽልማት፡ 'መድሓኒት' ብምስታፍ ተዓዊቱ።

ኣብቲ ውድድር ኣስታት 2,000 ኣመልከቲ ዝተሳተፉ ክዀኑ እንከለዉ፡ ብዝተፈላለየ መስርሕ ውድድርን ገምጋማትን ሓሊፈን ንሰብ ሞያ ነቲ ዝተፈላለየ ጽላታት ስርሐን ድሕሪ ምቕራብ ከም ዝተዓወታ ትዛረብ።

እዚ ኣፍልጦ ካብ ሽልማት ሓሊፉ ነቲ ትካል ሓያሎ ዕድላት ከፊትሉ እዩ። ዓለምለኻዊ ተፈላጥነት ካብ ምምጻእ ብተወሳኺ፡ ኣብ ወፍርን መሻርኽቲ ስራሕን ሓደስቲ ዕድላት ፈጢሩ እዩ።

ብፍላይ ምስ 'ባየር ፋርማሲዩቲካልስ' ብምትሕብባር ኣብ ጥዕና ኣደታትን ህጻናትን ብምትኳር ኣብ ገጠር ዝነብሩ ማሕበረሰባት ኣገልግሎት ጥዕና ንኽረኽቡ ዘኽእል ናይ ገጠር ተበጻሕነት ስራሕ ንምስራሕ ዕድል ከም ዝተፈጠረሎም ትገልጽ።

ካብዚ ሓሊፉ እውን ምስ ዓለምለኻውያን ትካላት ብኣካል ተራኺበን ስርሐን ንኸቕርባ ዕድል ተመቻቺኡ ኣሎ። ነቲ ትካል እውን 25,000 ዶላር ገንዘባዊ ሽልማት ተዋሂብዎ።

ካብቲ ገንዘባዊ ደገፍ ብተወሳኺ፡ እቲ ትካል ስትራተጂ ስርሑ ንምምሕያሽ፡ ወፍሪ ንምርካብን ተበጻሕነት ኣገልግሎቱ ንምስፋሕን ዝሕግዙ ቴክኒካዊ ደገፋትን ስልጠናታትን ይረክብ ኣሎ።

እቲ ትካል ተሳትፎን ዓቕምን ደቀንስትዮ ንምዕባይ እውን ትዅረት ምሃቡ እትዛረብ ብኣምላክ፡ ኣብዚ እዋን 22 ሰራሕተኛታት ዘለዉዎ ኰይኑ፡ መብዛሕትአን ደቀንስትዮ እየን።

ኣብታ ሃገር ብሕክምና ይዅን ብቴክኒካዊ መዳይ ብቕዓት ዘለወን ደቀንስትዮ ከም ዘለዋ እትገልጽ ብኣምላክ፡ "ኣነ ስኢነዮ ዝነበርኩ ዕድል ንኻልኦት ከጣጥሕ እደሊ" ትብል።

"ሓደ ሰብ እውን እንተኾነ ክረኽቦ ኣብ ዝግበኦ ሰዓት ሕክምናዊ ኣገልግሎት ብዘይምርካቡ ህይወቱ ከይትሓልፍ ምግባር እዩ ሕልመይ። ነዚ ክገብር እንተኽኢለ ዝዓበየ ዓወት ናይ ህይወተይ ክኸውን እዩ" ትብል።

ኣብ ቀጻሊ ሓሙሽተ ዓመታት ልዕሊ ፍርቂ ህዝቢ ኢትዮጵያ ምግልጋል ናይቲ ትካል ዓቢ ዕላማ ምዃኑ ብኣምላክ ትዛረብ። ኣብ ቀጻሊ ዓሰርተ ዓመታት ድማ ቋንቋ፡ ድጂታዊ ፍልጠት ወይ ዓቕሚ ገንዘብ ከይደገቦ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ዘመናዊ ድጂታዊ ኣገልግሎት ጥዕና ከተባጽሕ ከም እትደሊ ትገልጽ።

"ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ሓኪም፡ ኣብ ትግራይ ንዘላ ኣደ፣ ኣብ ኦሮምያ ንዘሎ ሓረስታይ ሕክምና ክህበሉ ዝኽእል ተበጻሕነት ምምጻእ እዩ" ክትብል ናይ ነዊሕ ግዜ ራእያ ተረድእ።

እቲ ትካል ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ናብ ዛምብያን ሩዋንዳን ናይ ምስፋሕ ንጥፈታት ከም ዝጀመረን ብተወሳኺ እውን ኣብ ቀረባ ግዜ ብዝተረኽቡ ዕድላት ናብ ካናዳን ኣመሪካን ንምስፋሕን ዓለምለኻዊ ድጂታዊ መድረኽ ጥዕና ንምዃንን ይሰርሕ ከም ዘሎ ብኣምላክ ትገልጽ።