ሩስያዊት መርከብ ኲናት ብድሮን ዩክረይን ተሃሪማ

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ሓንቲ ሩስያዊት መርከብ ኲናት ብረቡዕ ኣብ ወሽመጥ ፊንላንድ መጥቃዕቲ ከምዘጋጠማ ሰበስልጣን ፊንላንድ ኣረጋጊጾም ኣለዉ፤ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ዝፍለጥ ሓበሬታ ግን ውሑድ እዩ።

እዚ መጥቃዕቲ ነታ 'ናሮ-ፎሚንስክ' ዝተባህለት መርከብ ዝዓለመን፡ ኣካል ናይቲ ኣብ ገማግም ባልቲክ ኣብ ዝርከብ መኽዘን ሰደድ ነዳዲ ኡስት-ሉጋ ሩስያ ዝተኻየደ ሰፊሕ ስርሒት ድሮን ምዃኑን ኣገልግሎት ጸጥታ ዩክረይን ገሊጹ።

እዚ መጥቃዕቲ፡ ድሮናት ዩክረይን ኣብቲ ንስቪላዊ ምንቅስቓስ መራኽብ ክፉት ዝዀነ ክፋል ባልቲክ ባሕሪ ኣብ ልዕሊ ሩስያዊት መርከብ መጥቃዕቲ ዘካየዳሉ ናይ መጀመርታ እዋን እዩ ተባሂሉ ዝእመነሉ ክኸውን ከሎ፡ ዩክረይን መጥቃዕትታታ ከተስፍሕ ትኽእል ድያ ዝብል ሕቶታት ኣልዒሉ ኣሎ።

ሀልስንኪ ካብተን ናይ ቀረባ መሻርኽቲ ኪቭ ኣብ ኤውሮጳ ክትከውን ከላ፡ ሰበስልጣን ፊንላንድ ነዚ ፍጻመ ከም ቀጥታዊ ውጽኢት ናይቲ ሩስያ እተካይዶ ዘላ ጽዑቕ ኲናት ምዃኑ ይገልጹ።

ሰራዊት ፊንላንድ ብዛዕባ እዚ ፍጻመ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን ዘሎ፤ እንተዀነ ካብ ገማግም ባሕሪ ፊንላንድ ቍሩብ ርሕቕ ኢሉ ኣብ ዝርከብ መጻብቦ ዘጋጠመ ከም ዝመስል ይንገር።

ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኤሊና ቫልቶነን፡ እቲ ኣብ ባሕሪ ባልቲክ ዘሎ ኵነታት ርጉእን ውሑስን ከም ዘሎን ኣብ ልዕሊ ምንቅስቓስ መራኽብ ዝዀነ ይዅን ሓደጋ ከም ዘየሎን ብኣተኵሮ ገሊጻ።

ሰበስልጣን ምክልኻል ንኪቭ፡ እቲ ወሽመጥ ብተዛማዲ ጸቢብ ማያዊ መስመር ምዃኑን ብመራኽብ ጽዕነት ነዳዲን ስቪላውያን መራኽብን ከም ዝዝውተርን፡ ከምኡ'ውን ትሕቲ ባሕሪ ዝዝርጋሕ ኬብላት ዳታ ከም ዘለዎን ኣጽኒዖም ከም ዝነገሩዋ ይፍለጥ።

ኣገልግሎት ጸጥታ ዩክረይን ነታ ሩስያዊት መርከብ፡ ሚሳይላት ካሊብርን ኦኒክስን ዝጸዓነት ቦያን-ኤም ዝዓይነታ ንእሽቶ "ኮርቨት" ምዃና ገሊጽዋ ኣሎ። ብተወሳኺ ሄሊኮፕተራት ውግእ ሩስያ ከምዝዓነዋ ዝሕብሩ ዘይተረጋገጹ ጸብጻባት እውን ነይሮም እዮም።

ማርቲን ሀረም፡ ምኒስተር ምክልኻል ምስቲ ወሽመጥ እትዳወብ ኤስቶንያ፡ ንማዕከን ዜና ኢኢኣር ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እታ መርከብ ብረቡዕ ሰዓት 05:30 (03:30 GMT) ኣቢሉ ከም እተሃርመት ገሊጹ።

ብኸመይ ከም እተጠቕዐት ግን ኣይሓበረን፤ "ድሕሪኡ ካብታ መርከብ ትኪ ይወጽእ ከም ዝነበረ ንፈልጥ ኢና። እታ መርከብ ባዕላ ድማ ንድሕሪት ናብ ሴንት ፒተርስበርግ ተመሊሳ" ኢሉ።

እታ መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ሩስያ ዝበጽሓ መጠን ጉድኣት ወይ ሰብኣዊ ክሳራ ክሳብ ሕጂ ንጹር ኣይኮነን፤ ሞስኮ እውን ኣብ ከምዚ ዓይነት ፍጻመታት ዝርዝር ሓበሬታ ትህበሉ እዋን ሳሕቲ እዩ።

መዋፈሪ ሓይሊ ባሕሪ ባልቲክ ክሳብ ሕጂ ብዘይ ጉድኣት ጸኒሑ እዩ፡ እንተዀነ ንዩክረይን ዝረኸበቶ ዕድል ዝፈጠረ ኵነታት ይመስል፣ ብርዱእ መንገዲ ድማ ክትጥቀመሉ ፈቲና ኣላ" ይብል፡ ሓደ ካብ መስረቲ ናይ ምክትታል ጕጅለ ብላክ-በርድ ዝኾነ ወተሃደራዊ ተንታኒ ኤሚል ካስተሀልሚ።

ካብቲ ሩስያ ኣብ ለካቲት 2022 ዘካየደቶ ጽዑቕ ወራር ኣትሒዙ፡ ሩስያውያንን ዩክሬናውያንን መራኽብ ኣብ ጸሊም ባሕሪ ብተደጋጋሚ ዒላማ ክዀና ጸኒሐን እየን።

እዚ ኣብ ባልቲክ ባሕሪ ኣብ ልዕሊ መርከብ ዝተኻየደ ሓድሽ መጥቃዕቲ ተርእዮ ዘይነበሮ'ኳ እንተዀነ፡ ካስተሀልሚ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል ግን እዚ ከም ከቢድ ምግዳድ ኵነታት ገይሩ ከም ዘይወስዶ ገሊጹ።

ድሮናት ዩክረይን ካብ ሰሜናዊ ዩክረይን ናብ ሩስያ ብስሩዕ ይፍነዋ እየን። ኣብ መኽዘን ኡስት-ሉጋ ዝርከባ ሓያሎ ታንክታት ብረቡዕ ምሸት ከም እተሃርማ ዝእመን ክኸውን ከሎ፡ ኣብቲ ወደብ ዝተወልዐ ባርዕ ሓዊ ድማ ክሳብ ስግር ዶብ ኤስቶንያ ይረአ ነይሩ።

ድሮናት ዩክረይን ነቲ ናይ ኡስት-ሉጋ ዞባ ካብ ፍርቂ ለይቲ ክሳብ ኣስታት ሰዓት 06:00 ከም ዘጥቅዓኦ ሀረም ገሊጹ፤ መብዛሕትአን ኣብ ቀረባ ዶብ ኤስቶንያ እኳ እንተ በረራ፡ ገና ኣብ ውሽጢ ክሊ-ኣየር ሩስያ እየን ነይረን።

ሓንቲ ድሮን ካብ ላቲቭያ ብሓጺሩ ናብ ክልል ኣየር ኤስቶንያ ኣትያ ደሓር ናብ ሩስያ ከም ዘምርሐት እውን ወሲኹ ሓቢሩ።

ኣብቲ እዋን፡ ኣብ ሃገራት ባልቲክ ዝመደበረን ነፈርቲ ኔቶ ኣብ ኣየር እኳ እንተነበራ፡ ነተን ድሮናት ምውቃዐን ውሑስ ኰይኑ ስለ ዘይተረኽበ ከም ዘየዕነዋአን ሀረም ገሊጹ።

ወሃቢ ቃል ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዩክረይን ዝኾነ ሄዮርሂ ቲኺይ፡ ኪቭ ንሩስያ ንምጥቃዕ ብክሊ ኣየር ሃገራት ባልቲክ ተጠቒማ ዝብል ክሲ ሞስኮ "መሰረት ዘይብሉ" እዩ ክብል ብረቡዕ ኣማስያኡ ገሊጹ።

ይዅን እምበር፡ "ሩስያ ብኤለክትሮኒያዊ ውግእ ኣቢላ ንድሮናት ካብ ክሊ ኣየራ ከተስሕት ከላ ገለ ፍጻመታት ከጋጥም ይኽእል እዩ" ክብል ይኣምን።