እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ወጥሪ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምህዳእ ዝካየድ ዘሎ ጽዑቕ ምንቅስቓስ ቻይና
ቻይና ነቲ ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ንምህዳእ ኣብ ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ምንቅስቓስ ተጸሚዳ ኣላ።
እታ መሓዛ ክልቲአን ሃገራት ምዃና ዝንገረላ በይዢን ነቲ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ስግኣት ፈጢሩ ዝርከብ ምትፍናን ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ንምፍታሕ ክልተ ላዕለዎት ልኡኻታ ብምስዳድ ጻዕርታታ ከተዛይድ ትርአ'ላ።
ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ክልተ ወኪላት ቻይና በብተራ ናብ ክልቲአን ርእሰከተማታት ብምብጻሕ ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን እተን ሃገራት ተዘራሪቦም ነይሮም።
ፈለማ ፍሉይ ወኪል ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኰይኑ ዝተመዘዘ ኣምባሳደር ሁ ቻንግቹን ብ5 ሕዳር ናብ ኤርትራ ብምብጻሕ ምስ ሰበስልጣን እታ ሃገር ተዘራሪቡ።
ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብምርኻብ'ውን ብዛዕባ "ውሕስነት ዞባዊ ሰላምን ብልጽግናን" ከምዝተላዘበ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና የመልክት።
ኣብቲ ኣብ ኣስመራ ዝተገብረ ርክብ ፖሊሲ ቻይና ኣብ ምፍታሕ ግጭታት ኣፍሪቃ ንሰብመዚ ኤርትራ ከምዘነጸረ እቲ ሓበሬታ ይጥቅስ።
"ኣምባሳደር ሁ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ንዘሎ ግጭታት ብሃናጺ ተሳታፍነት ኵሎም ወገናት ክፍታሕ ንዝብል ብፕረዚደንት ሺ ዢንፒን ዝተበገሰ ኣርባዕተ መትከላት ኣቕሪቡ" ይብል።
ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ክኽበር ኣለዎ ዝብል መርገጺ መንግስቲ ቻይና ደጊሙ ከምዘረጋገጸ ብወገን ኣስመራ ዝወጸ ጸብጻብ የረድእ።
ብሓደ መዓልቲ ኣቐድም ኣቢሉ'ውን ፍሉይ ወኪል ቻይና ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ሊዩ ሺያንፋ ምስ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ጊዴዎን ጢሞቴዮስ ብምርኻብ ብዛዕባ "ቀርኒ ኣፍሪቃ" ከምዝተዘራረበ በይዢን ሓቢራ ነይራ።
ናብ ጂቡቲ ዝበጽሐ ላዕለዋይ ቻይናዊ ዲፕሎማሰኛ ብዛዕባ እቲ ዞባን ቀይሕ ባሕርን ምስ ፕረዚደንት ዑመር ገለ ከምዝተላዘበ'ውን ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ኣፍሊጡ ኣሎ።
መዳውብቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝዀነት ጅቡቲ እታ ፈላሚ ወተሃደራዊ መዓስከር ቻይና ኣብ ወጻኢ ዘአንገደት ሃገር ምዃና ይፍለጥ።
ሺያንፉ ብረቡዕ'ውን ናብ ግብጺ ብምምራሕ ምስ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ካይሮ ባድር ዓብደልዓጢ ተራኺቡ።
ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዋ ቊጠባዊን ዲፕሎማስያዊን ጽልዋ ከተስፍሕን ከተዕብን ዝጸንሐት ዴሳዊት ቻይና ነዚ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተፈጥረ ዘይምርግጋእ ንምፍታሕ ልኡም ዲፕሎማስያዊ ምንቅስቓስ ክትገብር ጸኒሓ'ያ።
ኣብ ዝሓለፈ ምያዝያ'ውን ፍሉይ ወኪል ቻንግቹን ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብምጻሕ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝርከቦም መራሕቲ ኤርትራ ተዘራሪቡ ነይሩ።
ኣብ ሰነ 2022 ነቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝኽሰት ዘይምርግጋእ፡ ጸጥታዊ ብድሆታትን ግጭታትን ንምፍታሕ ዝዓለመ ዋዕላ ሃገራት ናይቲ ዞባ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣካይዳ ምንባራ ይዝከር። በይዢን፡ ኣብ ትግራይ ኲናት ክልተ ዓመት ኣብ ዝቕጽለሉ ዝነበረ እዋን'ያ ኣብ ለካቲት ናይቲ ዓመት ንፈለማ እዋን ፍሉይ ወኪል ኣብቲ ዞባ መዚዛ።
ኣብቲ ባዕላ ዝሃነጸቶ ህንጻ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ካብ 20 ክሳብ 21 ሰነ ዝተጋብአ "ቀዳማይ ዋዕላ ብቝዕ ምሕደራን ልምዓትን ቻይና-ቀርኒ ኣፍሪቃ" ዝተሰምየ ኣኼባ፡ ወከልቲ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ኬንያ፡ ዩጋንዳ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ጅቡቲን ሶማልያን ተሳቲፎም ነይሮም።
እታ፡ ቻይና ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ተራኣ ክትጻወት ኣለዋ ብምባል እትምጕት ኤርትራ፡ ኣብቲ ዋዕላ ዘይምስታፋ ግን ንብዙሓት ተዓዘብቲ ግር ዘበለ ፍጻመ'ዩ ነይሩ።
ኣብ ጥሪ ናይዚ ዓመት'ውን ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ዋንግ ዪ ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምኻድ ምስ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጌዲዮን ጤሞቲዮስን ብምርኻብ ብዛዕባ ክልተኣዊን ዞባዊን ጉዳያት ዘትዩ ነይሩ።
ፖሊሲ 'ኣርባዕተ መትከላት'
ዋላ'ኳ እታ ዝያዳ ቊጠባዊ ረብሓታታ ዘገድሳ ቻይና ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት ጽዑቕ ሰላሕታዊ ዲፕሎማስያዊ ምንቅስቓሳት (quiet diplomacy) ክትገብር እንተፈተነት፡ ኣብ ምህዳእ ግጭታት እቲ ዞባ ግን ዘምጽኣቶ ዓቢ ለውጢ የለን።
ፍሉይ ወኪል ካብ እትምዝዝ ኣትሒዙ ጥራይ፡ ኣብ መንጐ ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን ዝነበረ ጥቡቕን ምውቕን ርክብ 180 ዲግሪ ተጠውዩ ናብ ዝኸፍአ መልክዑ ተቐይሩ ኣሎ።
ኣብ ሱዳን ኣብ 2023 ዝተወልዐ ኲናት ሓድሕድ'ውን ክሳብ ሎሚ ኣይሃድአን። ኤርትራን ኢትዮጵያን'ውን ነቶም ተጻባእቲ ወገናት ብምድጋፍ ንሓድሕደን ክካሰሳ ይውዕላ ኣለዋ።
ኵነታት ናይታ መረጻ ከተካይድ ትዳሎ ዘላ ደቡብ ሱዳን'ውን እንተኾነ እናንቆልቆል'ዩ ዝኸይድ ዘሎ።
ሶማልያ'ውን ክንዮ ዘለዋ ውሽጣዊ ብድሆ ጂሃዳውያን ዕጡቓት ኣል-ሸባብ፡ ጉዳይ ናይታ ብእስራኤል ከም ሃገር ኣፍልጦ ዝረኸበት ሶማሊላንድ ድቃስ ኣይረኸበትን። ውሳነ እስራኤል ንልኡላውነታ ናብ ዋጋ-ዕዳጋ ዘእቱ ጌራ'ያ ሞቓድሾ ትርእዮ።
ቻይና ኣብ ጉዳይ ሶማሊላንድ ከም መትከል ይኹን ብዓይኒ ዘለዋ ተማሳሳሊ ብድሆ ታይዋን ልኡላውነት ሃገራት ክኽበር ኣለዎ ብሃሊት እያ።
ፕረዚደንት ሺ ዢንፒን ንግጭታት ኣፍሪቃ ንምፍታሕ ኣብ ጥቅምቲ 2026 ዘነጸሮም ኣቐዲሙ ካብ ዝጸንሐ ፖሊሲኡ ዝመንጨዉ ኣርባዕተ መትከላት እዞም ዝስዕቡ እዮም፣
- ምስቲ ዳርጋ ከም ጭርሖ ኰይኑ ጥራይ ዝተረፈ "ኣፍሪቃዊ ፍታሕ ንኣፍሪቃዊ ጸገማት" ዝብል መትከል ሕብረት ኣፍሪቃ ዝሳነ ዋናታት ናይቲ ግጭት ዋናታት ናይቲ ፍታሕ ክኾኑ ኣለዎም
- ብመሰረት ውዕላት ሕቡራት ሃገራት ማዕርነት፡ ፍትሒ፡ ልኡላዊነትን ግዝኣታዊ ሓድነት ምርግጋጽን ምኽባርን
- ምቊራጽ ተጻብኦታትን ሰላምን ምድንፋዕ
- ሳዕቤናት ናይቲ ግጭታት ጥራይ ዘይኮነ ጠንቂታቱ'ውን ምፍታሕ ዝብሉ እዮም።