ዓለምለኻዊ ምቍራጽ ኣገልግሎት ማይክሮሶፍት፡ እንታይ እዩ ተፈጢሩ?

Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ኣብ መላእ ዓለም ዘጋጠመ ከቢድ ምቍራጽ ኣገልግሎት ማይክሮሶፍት፡ ንሓያሎ ተጠቀምቲ ዝተሓላለኸ ጸገም ፈጢሩ ኣሎ። እዚ ምቍራጽ፡ ንኢመይልን ፍርያት ኪነታዊ-ብልሕን ዝሓቘፈ ምሉእ ኣገልግሎታት ኣሰናኺሉ ይርከብ።

ጸገማት ኢንተርነት ዝከታተል መርበብ 'ዳውንዲተክተር' ከም ዘመልከቶ፡ ሓሙስ ኣስታት ሰዓት 18:00 (ሰዓት ግሪንዊች)፡ ኣብ ኣውትሉክ (Outlook) ዝተራእየ ጸገም ዝጠቐሱ ተጠቀምቲ ኣብ መላእ ዓለም 140,000 በጺሖም ነይሮም።

ማይክሮሶፍት እቲ ምቍራጽ ብሰንኪ መጥቃዕቲ ሳይበር ከም ዘይኰነ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ይዅን'ምበር፡ ንምዕራዩ ዝተገብረ ጻዕርታት ዛጊት ዓቢ ውጽኢት ኣይረኸበን። ብዛዕባ'ቶም ዝተጸልዉ ኣገልግሎታትን መሰረታዊ ጠንቅን ዝምልከት ዝርዝር ሓበሬታ እዚ ዝስዕብ እዩ፤

ኣየኖት ኣገልግሎታት ተጸልዮም?

ናይ ማይክሮሶፍት 365 ኣገልግሎታት፡ ከም ቲምስ (Teams)፡ ኣውትሉክ (Outlook) ከምኡ'ውን ሶፍትዌር ኪነታዊ-ብልሒ ኮፓይለት (Copilot)፡ ብሰንኪ "ጸገም ምትእስሳር" ተሃስዮም ኣለዉ።

ተጠቀምቲ ዝተፈላለየ ደረጃ ተበጻሕነት ከም ዘለዎም ይገልጹ። ሓያሎ ሰባት ኢመይል ክሰዱን ክቕበሉን፡ ወይ ፋይላት ክኸፍቱ ኣይከኣሉን። ገሊኦም ተጠቀምቲ ግና ንቲምስ ከም ልሙድ ክጥቀምሉ ዝኸኣሉ ኰይኖም፡ ምልውዋጥ መልእኽትታትን ናይ ኢንተርነት ኣኼባታት ናይ ምክያድን ኣገልግሎትን ጽቡቕ ይሰርሓሎም ኣሎ።

ክንደይ ዝኣኽሉ ሰባት ተሃስዮም?

ምሉእ ስፍሓት እቲ ጸገም ብትኽክል እኳ እንተ ዘይተፈልጠ፡ ዳውንዲተክተር ካብ 74 ሃገራት፡140,000 ሰባት ኣብ ኣውትሉክ ጸገም ከም ዘጋጠሞም ኣፍሊጦም ኣለዉ።

ማይክሮሶፍት 365 ልዕሊ 430 ሚልዮን ተጠቀምቲ ከም ዘለዎ መርበብ ሓበሬታ እቲ ኩባንያ የመልክት። እዚ ሶፍትዌር ኣብ ዓለምለኻዊ ትካላት ብሰፊሑ ስለ ዝዝውተር፡ ኣብ ካልኦት ኣገልግሎታት'ውን ዝተወሳሰበ ሳዕቤን ከሕድር ተራእዩ እዩ።

ዓበይቲ ትካላት ቴክኖሎጂ ዝዀኑ ኦፕን-ኤኣይ (OpenAI)ን ኣንትሮፒክ (Anthropic)ን ጸገማት ከም ዘጋጠሞም ኣፍሊጦም ኣለዉ።

ወናኒት ቻት-ጂፒቲ ዝዀነት ኦፕን-ኤኣይ፡ ምስ ማይክሮሶፍት ዝነበራ ርክብ ስለ ዝተጸልወ፡ ገለ መሳርሒታታ ከምቲ ዝድለ ከይሰርሑ ምኽንያት ከም ዝዀነ ገሊጻ።

መንግስቲ ሲንጋፖርን ትካል ስለያ ኣውስትራልያን ሓዊሱ፡ ዝተፈላለዩ ትካላት መንግስቲ'ውን በዚ ጸገም ተጸልዮም ኣለዉ።

እንታይ እዩ ተፈጢሩ?

ማይክሮሶፍት መጥቃዕቲ ሳይበር ከም ዘይኰነ ኣረጋጊጹ፡ ጠንቁ ኣብ መሰረተ-ልምዓቱ ዝተኸስተ "ልዑል ጽዕነት" (Elevated load) ምዃኑ ገሊጹ። እዚ ማለት፡ ሰርቨራት ካብቲ ልሙድ ዓቕሞም ንላዕሊ ኣዝዩ ከቢድ ጽዕነት ከተኣናግዱ ስለ ዝተገደዱ እዩ።

እቲ ኩባንያ ሓያሎ ሰርቨራት ብዘይተጸበይዎ መንገዲ ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ብምዃኖም፡ ኣብቶም ዝተረፉ ሰርቨራት ተወሳኺ ጽዕነት ኣስዒቡ ጸቕጢ ፈጢሩሎም እዩ።

ዓርቢ ንግሆ ማይክሮሶፍት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ ጸገም ንምእላይ "ውሱን ምምሕያሽ" ከም ዘርኣየ ሓቢሩ። እቲ ኩባንያ ኵነታት ሰርቨራት ንምግምጋምን ዓቕሞም ንምምሕያሽ እንታይ ስጕምቲ ክውሰድ ከም ዘለዎ ንምውሳንን፡ ኣብ ኵሉ ዞባታት ዝካየድ ንጥፈታት ይከታተል ኣሎ።

ክኢላታት እንታይ ይብሉ?

ኣውስትራላዊ ክኢላ ድሕንነት ሳይበር ትሮይ ሃንት ንቢቢሲ ከም ዝበሎ፡ እቲ ምቍራጽ ግዜ ዝወስድ ሳዕቤናት ክህልዎ ይኽእል እዩ።

"ማይክሮሶፍት ዓቢ ዓንዲ-ሕቖ ኢንተርነት እዩ። እዚ ጸገም ኢመይል ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ የዘኻኽረና። ንናይ ሰባት ዓቕሚ ስራሕ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ቈጸራታት ምትሓዝን ንንግድን ምትእስሳርን ዝኣመሰሉ ጉዳያት'ውን ይጸሉ እዩ፡" ኢሉ።

ኣብ ኒውዚላንድ ዝመደበሩ 'ጎሪላ ቴክኖሎጂ' ዝሰርሕ ፖል ስፐይን ብወገኑ፡ ኢመይላትን ኣገልግሎታትን ብምቍራጾም ትካላት ብተግባር "ሓደ መዓልቲ ስራሕ ከሲረን፡" ከም ዘለዋ ገሊጹ።