ዩኒቨርሲቲ መቐለ፡ ድሕሪ 9 ዓመት ብዝለዓለ ውፅኢት ዝተመረቓ ሰለስተ መሓዙት ደኳትር

Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ዩኒቨርስቲ መቐለ : 14 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም [ግ] ኣብ መበል 17 ዙር ካብ ዘመረቘም ሓካይም፡ ሰለስተ ልዑል ውፅኢት ዘመዝገባ መሓዙት ደቂ ኣንስትዮ ይርከበአን።

ዶክተር መብርሂት ግርማይ፡ ኣብ ኮሌጅ ሳይንስ ጥዕና እቲ ዩኒቨርሲቲ ዝለዓለ ነጥቢ ብምምዝጋብ፡ ማእኸላይ ነጥቢ 3.92 ኣምፂኣ ተመሪቓ።

ዶክተር ኤደን ወርቅነህ ድማ 3.90፡ ዶክተር እመቤት በሪሁ 3.77 ነጥቢ ኣመዝጊበን።

እተን ሰለስተ ዶኳትር፡ ኣብታ ካብ 2013 ዓ.ም ጀሚሩ ንኣስታት ክልተ ዓመት ኣብ ኲናት ተሸሚማ ዝፀንሐት ክልል ዝዓበያ እየን።

እቲ ዩኒቨርስቲ ብሰንኪ እቲ ዝነበረ ኲናት ንሰለስተ ዓመት ምምሃር ኣቋሪፁ ምንባሩ ይዝከር።

መጀመርታ ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19ን ካብኡ ድማ ብሰሰንኪ እቲ ኣብቲ እዋን ዝተወለዐ ኲናት ትግራይ፡ ከም ንቡር ንሽዱሽተ ዓመትን ፈረቓን ዝወስድ ትምህርቲ ሕክምና፡ ትሸዓተ ዓመት ክከታተላ ተገዲደን።

ቅድሚ 14 ዓመት ኣብ መቐለ ፍሉይ ቤት ትምህርቲ ቃላሚኖ ጀሚረን እየን ዝፋለጣ።

እቲ ቤት ትምህርቲ ካብ መላእ ክልል ትግራይ፡ ኣብ ሃገራዊ ፈተና ሻሙናይ ክፍሊ ልዑል ነጥቢ ዘመዝገቡ ተምሃሮ ይቕበል።

ዶ/ር መብርሂት ካብ መቐለ፣ ዶ/ር ኤደን ካብ ኣክሱም፣ ዶክተር እመቤት ድማ ካብ ዓድዋ መፂአን።

ኣብኡ ድማ ክሳብ 12 ክፍሊ ንኣርባዕተ ዓመት ተማሂረን፡ ኣብ ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ልዑል ነጥቢ ድሕሪ ምምዝጋብ፡ ናብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ኣትየን ሕክምና ክመሃራ ጀሚረን።

ኣብ 2010 ዓ.ም ናብቲ ኮሌጅ ሳይንስ ጥዕና ዝተፀምበራ እተን መሩቓት ተምሃሮ፡ ኣብ ራብዓይ ዓመተን እቲ ኲናት ምስ ተወለዐ፤ ካብ ትምህርቲ ንሰለስተ ዓመት ዝኣክል ርሒቐን ፀኒሐን።

ዶክተር መብርሂት አዚታት ብምዝካር፡ "ኣብ ክንዲ'ቲ ዝሓሰብናዮ ሽዱሽተ ዓመት፡ ትሽዓተ ዓመት ምውሳዱ ዘሕምም'ዩ"ትብል።

"መብራህቲ፡ ኢንተርኔት ኣብ ዘይብሉ፡ ድሕነት ኣብ ዘይስመዐካ ቦታ ምጽናሕ ከቢድ እዩ ነይሩ" እትብል መብርሂት፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮረናቫይረስ ድሕሪ ናይ ኣዋርሕ ትምህርቲ ምዕጻው፡ ዳግማይ ክጅምሩ ተስፋ ኣብ ዝገበሩሉ እዋን፡ ኲናት ትግራይ ምጅማሩ ትዝከር።

ብፍላይ ኣብ 2013ን 2014ን ብዛዕባ ብህይወት ምትራፍ ጥራይ ትሓስብ ምንባራ ትዛረብ።

ወለደን ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ኲናት ዘሕለፉ እንተዀኑ'ኳ፡ ንዓኣተን ሓድሽ ነገር ከምዝዀነ ኤደን ትዛረባ።

"እንምነዮ ዝነበርናን፡ እቲ ዝዀነን በበይኑ እዩ"።

እታ ሳልሰይቲ ዝለዓለ ነጥቢ ዘመዝገበት ጓል ኣንስተይቲ እውን፡ ትምህርቲ ምስ ተቛረፀ ናብ ዓዳ ናብ ዓድዋ ናብ ስድራኣ ከም ዝተመልሰት ትዝክር።

ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበረ ጽንኩር ኩነታት ዓቢ ጸቕጢ ፈጢሩላ፤ ካብ ውጥረት ንምውጻእ ድማ ኣብ ሆስፒታላት ነጻ ኣገልግሎት ሕክምና ትህብ ነይራ።

ኣብቲ እዋን ብሰንኪ እቲ ኲናት ግዳያት ዝዀኑ ብዙሓት ነይሮም።

እተን ተመረቕቲ፡ ብዙሓት ሆስፒታላት ሕጽረት እኹል ሰራሕተኛታት የጋጥመን ከምዝነበረ ይዝክራ።

ተማሃሮ ሕክምና ምዃናነን፡ ብወለንታአን ከገልግላ ከም ዝደልያን ዝገልጽ ደብዳበ ናብቲ ሆስፒታል ኣቕሪበን። ኣብ መቐለ፣ ኣኽሱም፣ ዓድዋ ዝርከባ ሆስፒታላት ድማ ተቐቢለንአን።

ኣብ መቐለ፡ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ንዝርከቡ ተመዛበልቲ ኣገልግሎት ሕክምና ምሃብ ዝጀመረት መብርሂት፣ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ብዝሒ ሕሙማት ምስቲ ዝነበሩ ሰብ ሞያ ሕክምና ዘይመጣጠን ከምዝነበረ ትዛረብ።

እቲ ዝበለጸ ኣማራጺ ራብዓይ ዓመት ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ምምልማልን ምቑጻርን ከምዝነበረ ትዝክር።

ንህጻናት መርመራ ኣመጋግባ ከምኡ'ውን ንልዑል ጸቕጢ ደም ዘለዎም ሕሙማት ኣገልግሎት ምክትታል ትገብር ነይራ።

ኣብቲ እዋን እቲ ፍልጠተንንን ዓቕምንን ድሩት እንተነበረ'ኳ፡ ንሰባት ዝጠቅም ነገር ክሰርሓ ከምዝኽእላ ምርኣይ፡ ኣብ መጻኢ ዝሓሸ ለውጢ ከምጽኣ ከምዝኽእላ ተስፈ ገይረን።

መጀመርታ ካብ ምዕዛብ እየን ጀሚረን፤ ካብኡ ናብ ምሕካም ምምርማርን ምሕካምን ኣምሪሐን።

ምስ ሕሙማት ኣብ ምትእስሳር፡ ሕክምናዊ ታሪኽ ኣብ ምውሳድን ኩነታት ሕሙም ኣብ ምርዳእን ክእለት ምምዕባለን ይገልፃ።

ዶክተር ኤደን፡ ኣብዚ ደረጃ ዀይና ክትሓስቦ እንከላ፡ ንኩነታት እቲ ኲናት ከም ዓቢ ናይ ትምህርቲ ዕድል ገይራ እያ እትርእዮ።

ብሰንኪ እቲ ኲናት ኣብ ዩኒቨርስቲታት ትግራይ ዝመሃሩ ዝነበሩ ተምሃሮ ናብ ካልኦት ከባቢታት ተመዲቦም ትምህርቶም ክዛዝሙ ተገይሩ።

ብመሰረት እተን ተመረቐቲ፡ ኣብ 2010 ዓ.ም ካብ ዝተፀንበሩ 110 ተምሃሮ እቲ ኮሌጅ፡ ሎሚ ዓመት እቶም 50 ተመሪቖም ኣለው።

ካልኦት 50 ተምሃሮ ኣብ ዩኒቨርስቲ ጅማ ተመዲቦም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ትምህርቶም ዛዚሞም።

እንተኾነ እቶም ዝተረፉ 10 ብዝተፈላለየ ምኽንያት ትምህርቲ ኣቋሪጾም ኣለዉ።

ገሊኦም ብሰንኪ ህልው ኩነታት ዓውዲ መፅናዕቶም ክቕይሩ ተገዲዶም ኣለው፤ ገሊኦም ድማ ናብ ካልእ ናይ ስራሐ ዓለም ኣትዮም።

እተን ተምሃሮ፡ ድጋፍ ቤተሰበን ፈተውተንን ትምህርተን ንኽዛዝሙ ኣብ ምሕጋዝ ወሳኒ ተራ ከም ዝነበረን ይዛረባ።

ሕክምና ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ከበድቲ ዓውድታት ትምህርቲ እዩ።

ይኹን እምበር ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ኣብዚ ዓውዲ ዝነጥፉ ተምሃሮ ካብ ፅዕንቶ ትምህርቶም ብተወሳኺ ምስ ኲናት፣ ምምዝባል፣ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጭንቀትን ቁጠባዊ ፀገማትን ክሓልፉ ተገዲዶም።

ድሕሪ ኲናት ናብ ንቡር ትምህርቲ ክምለሳ ተስፋ እኳ እንተነበረን፡ ትጽቢተን ግን ብቐሊሉ ኣይተማልአን።

ዶክተር መብርሂት፡ ስምምዕ ፕሪቶርያ ምስተፈረመን እቲ ኲናት ምስተዛዘመን ትምህርቲ ቀልጢፉ ክጅመርን ናብ ንቡር ንጥፈታት ክእተን ትጽቢት እኳ እንተነበራ፡ ንኣዋርሕ ክጽበያ ከምዝተገደዳ ትዝክር።

እዚ ድማ ኣብ ሂወታ ዓቢ ጽልዋ ከም ዝነበሮ ትዛረብ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ትምህርቲ ሕክምና ኣቋሪጻ ካልእ ዓውዲ ትምህርቲ ክትመርጽ ከይተረፈ ከም ዝሓሰበት ትዛረብ።

ብደገፍ ስድራኣን ፈተውታን ኣብ ኮሌጅ ሳይንስ ጥዕና ናይቲ ዩኒቨርሲቲ ዝለዓለ ነጥቢ ከም ዝረኸበት ትገልጽ።

ብቐጻሊ ጻዕርን ካብ ስርዓተ ትምህርቲ ወጻኢ ኣብ ዝገብርዎ ንጥፈታት ተሳትፎን ከምዝሓገዘን እተን ተመረቕቲ ይዛረባ።

ዶክተር ኢመቤት ኩነታት ትግራይ ተስፋ ዘቑርጽ ስለዝኾነ፡ ጻዕርን ትዕግስትን ዝሓትት ኣድላይ ምዃኑ ትዛረብ።

መብርሂት ኣብቲ ዓውዲ ኣብ ናይ መሪሕነት መደብ ክትሳተፍ ድሌት ኣለዋ፤ ዶክተር ኤደንን እመበትን ድማ ዝያዳ መፅናዕቲ ክገብራ ይምነያ።