ወሃቢ ቃል ህወሓት ብዛዕባ ህልው ኵነታት ህወሓትን ኲናትን ምስ ቢቢሲ ዝገበሮ ቃለመሕተት

Published
ንባብ: 8 ደቓይቕ

ብ13 መስከረም ዳግማይ ውግእ ምስ ተወልዐ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ሓይልታት ትግራይ ካብ መቐለን ሓያሎ ካልኦት ከተማታትን ኣንሳሒቦም፡ ፈደራላውያን ሓይልታትን መሻርኽቶምን ንሓያሎ ዓበይቲ ከተማታት እቲ ክልል ክቈፃፀርወን ኣኽኢልዎም እዩ።

መንግስቲ ፌደራል ካብ ሽዑ ኣትሒዙ "እቲ ግጭት ተዛዚሙ እዩ" ብምባል ንትግራይ ዘመሓድር ግዝያዊ መጕዚት ምምሕዳር ዘቘመ እኳ እንተዀነ፡ ጸጥታዊ ስግኣታትን ብዛዕባ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኵነታት ዝለዓል ዝገራጮ ክስታትን ግና ቀፂሉ ኣሎ።

ወተሃደራውያን ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ፡ ህወሓት ናብ ጥቓ ዶብ ኤርትራ ዝርከብ ከባቢታት ንድሕሪት ከም ዝተደፍአን ምስ ኤርትራ ርክብ ከም ዘለዎን ይኸሱ። ህወሓት ግን፡ ተዋጋእቱ ኣብ መላእ ትግራይ ብንጥፈት ከም ዝንቀሳቐሱን ካብ ውሽጢ መሬት ኢትዮጵያ ጥራይ ስርሒታቶም ከም ዘካይዱን ብምግላጽ፡ ነዚ ክስታት ይነጽጎ።

ጋዜጠኛ ቢቢሲ ትግርኛ የማነ ናግሽ ምስ ኣፈኛ ህወሓት ሚኪኤለ ኣስገዶም ካብ ዘይተገልፀ ቦታ ኣብ ዘካየዶ ሰፊሕ ቃለመሕትት፡ ብዛዕባ ወተሃደራዊ ኵነታት እቲ ጕጅለ፡ ምስ ኤርትራ ዘለዎ ዝምድና፡ "ህዝባዊ ደገፍኩም ይጐድል ኣሎ" ተባሂሉ ንዝቐርብ ነቐፌታን ክስታትን ብዛዕባ መጻኢ ዕድል እቲ ዕጥቃዊ ቃልሶምን ተላዒሉ'ሎ። ምሉእ ትሕዝቶኡ እንሆ፤

ቢቢሲ፤ ንምጅማር ዝኣክል፡ ኣይተ ሚኪኤል፡ ምስ ብፆትካ ኣበይን ኣብ ምንታይን ኵነታትን ኴንካ ኢኻ ተዛርበኒ ዘለኻ?

ኣቶ ሚኪኤል ኣስገዶም፤ ኣነን ብፆተይን፡ ኣብ በረኻታት ትግራይ ኢና ዘለና። ኣብ ምግዳል ኢና ዘለና። እቲ ኵነታት ምስ ገጠመ፡ ከተማታት ለቒቕና፡ ናብ ምግዳል ካብ እንወፅእ ጀሚሩ፡ ንስራሕ ብዝጥዕመና ቦታ ምስ ህዝብና'ውን ብቐሊሉ ኣብ እንራኸበሉ ኵነታት፡ ኣብ ስሉጥ ውዳበን ቃልስን ኣለና።

ቢቢሲ፤ ካብ መስከረም ጀሚሩ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንኣብዝሓ ከባቢታት ትግራይ ተቘፃፂሮም እዮም ዝርከቡ። ኣብ ከምዚ ኵነታት ክንወድቕ ኢና ኢልኩም ገሚትኩም ዶ ነይርኩም?

ኣቶ ሚኪኤል ኣስገዶም፤ ግጭት ቅድሚ ምጅማሩ፡ ብመሰረት ፀላኢ ሒዝዎ ዝነበረ ዓላማ፡ ትልምታት ተውፅእ ኢኻ፡ ክስዕር እየ ኢልካ ኢኻ ትልሚ ተውፅእ፤ ግን ድማ ቃልሲ ብፍላይ ድማ ኲናት ናይ ባዕሉ መልከዓትን ጥበባትን ኣለዎ። ንዝገጥመካ ስነ-ኣእምሮኣዊ ምድላዋት'ውን ኣሎ ትገብር ኢኻ፤ ንዓና ሓድሽ ነገር ኣይኰነን ልሙድ እዩ፤ ናይ ነዊሕ ዘበን ናይ ቃልሲ ልምዲ ዘለና ሰባት ኢና። ብዙሕ 'ሳርፕራዝ ዝገብር/ዝገርም ' ኣይኰነን።

ቢበሲ፤ እንድሕር ዘይገርም ኰይኑ፡ እቲ ጐንፂ ኣብ ደቡብ ትግራይ ምስተጀመረ፡ ብቐሊሉ ኣብ ከምዚ ዓይነት ሓፂር ግዜ ክትድፍእሉ ዝኸኣልኩምሉ ኵነታት እንታይ እዩ?

ኣቶ ሚኪኤል ኣስገዶም፤ ቀዳማይ ነገር፡ ፀላኢ ምስቶም ሸፋቱ ኰይኑ፡ ብዙሕ ከባብታት ትግራይ ተቘፃፂሩ እዩ ዝበልካዮ፡ ልክዕ ኣይኰነን፤ ፀሊም ፅርግያ ሒዙ ናብ ብዙሕ ከባብታት ሓሊፉ እዩ ልክዕ ፡ ብዙሕ ከባብታት ትግራይ ተቘፃፂሩ ማለት ኣይኮነን።

ናትና ድማ ብናቱ ተቓራኒ እዩ፤ ኣብ መላእ ትግራይ ኢና ዘለና፤ ፀላኢ ኣብ ውቕሮ እንተሎ መላእ ዙርያ ከተማ ውቕሮ ኣብ ኢድና ኣሎ። ትግራይ መመላእታ ንሕና ንቃለሰላ ኣለና፡ ሽንጥሮታትን ጎቦታትን ትግራይ ምሳና ኣብ ኢድና እዮም ዘለዉ፤ ቃልስና ድማ ህዝባዊ ዓላማ ዘለዎ ስለዝዀነ ንሕና ኢና ከምድላይና ተንቀሳቒስና ንንቃሳቐሰሉ። ንሕና ኢና ምስ ህዝብና ንራኸበሉ ዘለና።

ካብ መቐለ ተደፊእኹም ዝብል፡ ኣንሳሒብና 'ምበር ተደፊእና ኣይኰነን፤ ምኽንያት ድማ ኣለና፤ ሓደ ኣብ ቃልሲ ዓንቀፍቀፍ ዘሎ እዩ፤ ከም ብሓድሽ ምውዳብ ኣድላይ ኰይኑ ረኺብናዮ፤ ካልኣይ ድማ ተሃንዲዱ ዝመፅአ ፀላኢ ስለዝዀነ፡ ድሕነት ህዝብና ስለዘገድሰና እዩ፤ ሳልሳይ ድማ ኣብ ሓፂር እዋን ክንዕወት ስለ እንደሊ፡ ንፀላኢ ምችው ኵነታት ከይህሉ ሓሲብና ዝገበርናዮ እዩ። እግሪ ተኺሉ ከይዋጋእ ምእንታን ኣብ ግምት ዘእተወ እዩ፤ ኪሳራ ብዝንኪ መልክዑ ንምዕዋት ዘለና። ግድን ኣብ ሓደ ሰሙን ኣብ ኣላማጣ ክንዕወት ኢልና ኣይኰነን ናብ ውግእ ኣቲና። ብትልምናን ብድሌትና ኢና ንኸይድ ዘለና።

ቢቢሲ፤ ኣብቲ ዝሓለፈ ኲናት 'ተሳትፎ ኤርትራን ከምኡ'ውን ኣፅዋር ውግእ ድሮን' ዘይገመትክሞ ምንበሩ ኢኹም ገሊፅኩም ነይርኩም፤ ሕዚኸ፡ ኣብቲ ውግእ እንታይ እዩ ዘይተደለኹምሉ ነገር ገጢምኩም?

ኣቶ ሚኪኤለ፤ ኣነ ዝብለካ ዘለኹ ኲናት ክትገብር እንከለኻ ምዕባለታት ናይቲ ኲናት ኵነታት ርኢኻ ትልውጦም ሓሳባት ክህልዉ ይኽእሉ እዮም- ዝብል እዩ። ዝርዝር ወተሃደራዊ ነገር ኣብዚ ከውግዕ እውን ድሌት የብለይን። ንሰራዊት ኮማንድ ዝሕተት ሕቶ ኢኻ ትሓትት ዘለኻ። ዝገበርናዮ ምንስሓብሲ ንህዝቢ ትግራይን ንዓወት ትግራይን ንኣጠቓላይ ምንቅስቓሱ ወሳኒ ንዝዀኑ፡ ፕላንና ብዘማዕብል መልክዑ ክንከይድ ስለዝደለና እዩ ዝብል ነገር እየ ዘቐምጠልካ ዘለኹ እምበር ተሳዒሩ ዝብል እውን ኣበየናይ ኲናት እዩ ተሳዒሩ? ክንደይ መዓልቲ ተዋጊእና ኢና ተሳዒርና? ጸላዒ ክሳራ እናበጽሖ ከምዝነበረ እውን ይፍለጥ እዩ። ሶ፡ ንምንታይ ካብ መቐለ ወጺእኹም፡ ንምንታይ ካብ ከተማ ወጺእኹም ዝብልሲ ንናይ ባዓልትና ኣድቫንቴጅ እዩ ከምኡ ጌርና። ዘይንፈልጦ ነገር ነይሩ ዝብል ኣይወጽኣንን።

ቢቢሲ፤ ኣብ ትግራይ ኵነታት ጥሜት፡ ድርቂ ሰፊሕ ቍጠባዊ ሃሰያ ኣሎ፤ 'ኲናት ኣይንደልን፡ ይኣኽለና' ዝብል ስምዒታት ይንፀባረቕ ኣሎ፡ ናይ እማን ናይ ህዝቢ ድጋፍ ኣለና፡ ኢልኩም ትኣምኑ'ዶ?

ኣቶ ሚኪኤለ፤ ህዝባዊ ቃልሲ እዩ፡ ህዝቢ ዝደገፎ ቃልሲ እዩ። ህዝቢ ትግራይ እዩ ዘካይዶ ዘሎ እቲ ቃልሲ፡ እቶም እተልዕሎም ዘለኻ ሓሳባት ናይ ህዝቢ ትግራይ ኣይኰኑን። መበገሲ ኣለኒ፡ ቲዲኤፍ ዝበሃል ሰራዊት ናይ ህዝቢ ሰራዊት እዩ። ዝቃለሰሎም ዘሎ ዕላማታት ድማ ናይ ህዝቢ ትግራይ ዕላማታት እዮም። ነዚ ሰራዊት እዚ መሪቑ ዝሰደዶ፡ ነዚ ሰራዊት እዚ ዝኸድኖ ዘሎ ድማ ህዝቢ ትግራይ እዩ። እቲ ኣበሃህላ ጌጋ እዩ። . . .

ከምቲ ዝበልካዮ ድርቂ ኣሎ ጸገም ኣሎ፤ እቲ ህዝብና እውን ይጽገም ከምዘሎ ንርዳእ ኢና። ምኽንያቱ ምስኡ ኢና ዘለና። ይዅን ዳኣምበር ቀለብ ሰራዊት ዘቕርብ ዘሎ፡ ኵለመዳይ ምድላው ነቲ ሰራዊት ዘድልዮ እታወታት ዘእቱ ዘሎ ህዝብና እዩ፣ ነቲ ቃልሲ፡ ህዝቢ ትግራይ እዩ ዝመርሖ ዘሎ።

ቢቢሲ፤ ሓደሓደ ሰባት፡ ህወሓት ህዝባዊ ዓላማ የብላን፡ ምናልባት እቲ ዝመጽእ ዘሎ መንግስቲ ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕዚ ግፍዒ ዝፍጽም እንተዀይኑ፡ ዝተፈላለየ ጌጋታት ዝፍጸም እንተዀይኑ ካብኡ መንእሰይ ተቘጢዑ ክመጸና እዩ ኢሎም እዮም ዝጽበዩ ዘለዉ ይብልኹም?

ኣቶ ሚኪኤለ፤ ብጭቡጥ እንድየ ኣቕሪበልካ። ወይ ክንከራኸር እንተዀይንና ዝብለካ ዘለኹ መርትዖታት እዮም ክቐርቡ ዘለዎም እምበር። . . . ንሕና ንልኣላዊነት፣ ንክብርን መንነትን ትግራይ ኢና ንቃለስ፤ እዚ ድማ ህዝባዊ ቃልሲ እዩ።

ቢቢሲ፤ ምስ ዕጡቓት ኣምሓራን ምስ ኤርትራን ሓቢርኩም ከምዘለኹም እዩ ዝንገር፡ ንኽብርን ሉዓላውነትን ህዝቢ ትግራይ ንቃለስ ኣለና ትብለኒ ኣለኻ። እዞም ሓይልታት ኣብ ትግራይ ብዙሕ ክስታት ዝቐረበሎም እዮም? ብኸመይ ይሳነ እዚ ነገር እዚ?

ኣቶ ሚኪኤለ፤ እንታይ መሲሉካ? መርትዖታት እንተሃልዮም እዚ እዚ ብዝብል ክመጽእ ኣለዎ እምበር ምስ ናይ ኤርትራ ሰራዊት ሓቢሮም ይሰርሑ ኣለዉ ዝብልሲ ኣሉባልታ እዩ፡ ሚእቲ ብሚእቲ ሓሶት እዩ። ኣይሰራሕናን። ዝዀነ ሰብ፡ ክሳዕ ሕዚ መርትዖ ከምጽእ ኣይኽእልን ይብለካ ኣለኹ።

ቢቢሲ፤ እሞ ናብ ኤርትራ ጠቕሊልና ኣይኣተናን ዲኻ ትብል?

ኣቶ ሚኪኤለ፤ ንሕና ዘቃለሱና ሩባታት ዓድና እዮም፤ ኣብ መላእ ትግራይ ኣለና እኮ ኢለካ። ናይ ህወሓት ታሪኽስ ትፈልጥ ኢኻ። ናይ 17 ዓመት ዕጥቃዊ ቃልሲ ትፈልጥ ኢኻ። ናይ 2013 ቃልሲ ትፈልጥ ኢኻ። ትግራይ ሰፋሕ እያ ንዓና። ንዓና መሬት ጸቢቡናሲ ናብ ዝዀነ ከባቢ እንኸደሉ ምንም ዕድል የለን። እንታይ ኰይንና ኢልና? እንታይ ስዒንና? ህዝብና እንታይ ኣስኢኑና? መራሕቲ ህወሓት እማ ኣጠቓላሊ ዕድሎም ምስ ህዝቦም፡ ቃልሶም ምስ ህዝቦም፡ መስዋእቲ እንተጋጢሙ እውን ምስ ህዝቦም እዮም ዝስውኡ። ምስ ህዝብና ኢና ንቃለስ፡ ምስ ህዝብና ኢና ንስዋእ፡ ምኽንያቱ ህዝባዊ ዕላማ ሒዝና ኢና ንቃለስ ዘለና። ንናይ ካልእ ዓዲ ነጻነትን ህልውናን ኣይኮነን ንቃለስ ዘለና። ናይ ህዝብና እዩ።

ቢቢሲ፤ ካብ ሓይልታት ሰላም ትግራይ ዝተለዓለ ክሲ'ውን ነይሩ። ካብ መቐለ ክትወጹ እንተለኹምን ቅድሚኡን ልዕሊ 800 መካይን ወርቂ ዝርከቦ ዝተፈላለየ ሃፍቲ ትግራይ ጽዒነን ናብ ኤርትራ ከምዝገዓዛ። ብዛዕባ'ዚ ምላሽኩም እንታይ እዩ?

ኣቶ ሚኪኤለ፤ 'ክበልዕዋ ዝደለዩ እንታይሲ. .' ዝበሃል ምስላ ትፈልጥ ዲኻ? ናብ ትግራይ መጺኦም ንብረት ብዝተዋደደ መልክዑ ክዘርፉ ምስ ደለዩ 'ህወሓት ሒዛቶ ከይዳ' ዝብል ክሲ ኣልዒሎም። ብጽባሒቱ ድማ ንብረት ናብ ውሑስ ቦታ ኢና ንወስዶ ዘለና ክብል ረዳኢ ሓለፎም ዲግ ኣቢሉ ብሚድያ ተዛሪቡ። ፋብሪካ ነቒሉ መካይን ነቒሉ፡ ማሽናት ነቒሉ ኣጠቓላሊ ንብረት ካብ መላእ ትግራይ ክግዕዝ እናገበሩ፡ 'ንብልጽግና ሰራዊት ከይትነኽኡልና፡ ንዓኹም ክሕሉ ዝመጸ እዩ፡ ሓላዊና እዩ፡ እንተነኪዕኹም ናብ ካልእ ጸገም ክትኣትዉ ኢኹም' ኢሉ ኣፈራሪሑ 'ናብ ውሑስ ቦታ ንወስዶ ኣለና' ኢሉ። ካውኡ ብዚኣ ከይኽሰስ ድማ ብቕድሚኣ እንታይ ናሬሽን ሰሪሑ፡ 'ህወሓትስ መካይን ሒዛ ከይዳ' ዝብል። ህወሓት እማ ህዝባዊ ውድብ ስለዝዀነት፡ ኣይወሰደትን እምበር እንተትወስዶ እውን ናብቲ ህዝቢ እያ እተውዕሎ። ንረብሓ ህዝቢ እዩ ዝውዕል።

ቢቢሲ፤ ካብ መቐለ ክትወጹ እንከለኹም፡ ብዝተፈላለየ ገበን ተኣሲሮም ዝነበሩ እሱራት ፈቲሕኹም ወጺኹም፡ ምምሕዳር ደጀን ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ከይተረፈ፡ ኮምሽን ፖሊስ፡ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ክዝረፍ ኣመቻቺኹም ወጺእኹም፡ ብዙሕ ንብረት'ውን ኣዕንዮሞ ወጺኦም ዝብሉ ክስታት እውን ኣሎ።

ኣቶ ሚኪኤለ፤ ምስቲ ክበልዕዎ ዝደልይዎ ዝብልማ ምስኣ ኣተሓሒዝካ ውሰደለይ። ኣጠቓላሊ ኣብ ትግራይ ከብጽሕዎ ዝኽእሉ ጉድኣት ኣቐዲሞም ንካልእ ኣካል ኣሕሊፎም ክህቡን ንካልእ ኣካል ወንጂሎም በዓልቶም እዮም።

ቢቢሲ፤ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ፡ ካብ መቐለ ክትወጹ ከለኹም ሓይልታት ሰላም ትግራይን ሰራዊት ኢትዮጵያን ናብ መቐለ ከይኣተዉ፡ እሱራት ተፈቲሖም ከምዝነበሩ፡ ሰይሮም ከምዘይወጹ ዘመልክት እዩ። መን እዩ ከፊትዎም? መን እዩ ከምኡ ገይሩ?

ኣቶ ሚኪኤለ፤ እዚ ኮ ግልፂ እዩ። ጦርነት ተላዒሉ ጸላኢ ናብ ከተማ መቐለ እናኣተወስ።

ቢቢሲ፤ ቅድሚ ምእታዎምኸ?

ኣቶ ሚኪኤለ፤ እዚ እሞ ቴክኒካል እዩ። ዝዀነ ሰብ ቁልፊ ክሰብር ይኽእል። እሞ ናይ ውድብ ኣመራርሓ ድዩ ዋርድያ ናይ እሱራት ነይሩ?

ቢቢሲ፤ "ህወሓት ንልዕሊ 50 ዓመት ዓብሊሉ ኣብ ዝጸንሓሉ ልዕሊ ሓሙሽተ ኲናታት ተኻይዶም ኣለዉ። ህዝቢ ትግራይስ 'ንሕና ሰላም ኢና ንደሊ። ኵናት ኣይንደልን፡ ኲናት ዝጽውዓልና ኣካል ኣይንደልን፡ ክነዕርፍ ኢና ንደሊ" ንዝብል ሰብ፡ እንታይ እዩ መልስኻ?

ኣቶ ሚኪኤለ፤ ህዝቢ ትግራይ ንዝዀነ ማሕበረሰብ፡ ንዝዀነ ብሄር ንዝዀነ ዓዲ ንዝኾነ ንባይ ባዕሉ ድሌት ክዋጋእ ደልዩ፡ ክወርር ደልዩ፡ ክብድል ደልዩ ኲናት ገይሩ ኣይፈልጥን። እዚ እዩ ባህሪኡ፤ ግን ድማ ጸላእቲ ኣለውዎ። ብጥንካረኡ ብውዳበኡ ብሓድነቱ ብኣጠቓላሊ ጀግንነቱ ዘይድቅሱ፣ ኵሉ ግዜ ጸላእቲ ይገጥምዎ፡ ተንበርከኽ ይብልዎ፣ ድነን ይብልዎ፡ ክንገዝኣካ ይብልዎ። እምብለይ ኣነ ኣይንብርከኽን፡ ርእሰይ ኣየድንንን፡ መሰለይ ኣሕሊፈ ኣይህብን፡ ዓርሰይ ንዓርሰይ ከማሓድር ማንም ሰብ ኣይዓግተንን፤ ብምስለኔ ኣይመሓደርን ኣነስ ትግራዋይ እየ ኢሉ ጅግንነቱ ዓቂቡ፡ ዓርስ ብዓርሱ እናተመሓደረ ዝመጸ ብታሪኽ ዝፍለጥ ህዝቢ ስለዝዀነ።

ትኽኽል እወ፡ ተሃንዲዶም መጺኦም ክንገዝኣካ ኢና ንዝብልዎ ይኽርትሞም፡ ይቃለስ፡ ይጋደል። ብጅግንነቱ ይነብር። ናብ ውድብ መጺእኻ እንተዀይንካ ድማ ውድብ ብሰላም ይፈታሕ ጸገም ትብል ኩሉ ግዜ። ኵናት ኣየድልን፡ ጸገም እንተሃልዩ ኮፍ ኢልና ኣብ ጠረጴዛ ዙርያ ንፍተሓዮ ኢላ። እቲ ኲናት ብሰላም ክውዳእ ሓቲታ፡ ውዕሊ ፕሪቶርያ ክፍረም ቅድሚያ ወሲዳ፣ ንውዕሊ ፕሪቶርያ ተገዛኢት ኰይና እውን ህዝቢ ትግራይ እናተጎድአ ሰለስተ ኣርባዕተ ዓመት ተጸሚማ ሰሪሓ፡ ሰላም ይሕሸና ኢላ። ኣብ መጨረሽትኡ ተሃንዲዱ ምስ መጸካ ኢድካ ምሃብ ግን ፍጹም ናይ ትግራዋይ ባህሪ ኣይኰነን። ህወሓት ድማ ህዝባ ተቃልስ ኣላ።

ህዝቢ ከምኡ ከምዝበለ፡ መርትዖታት ከተቕርበለይ ኣይትኽእልን።

ቢቢሲ፤ መርትዖ ኣቕርበለይ ስለዝበልካኒ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብዕጡቓት - ብውሳነ ልዕሊ ኮር ኣዘዝቲ - እንትፈርስ፤ ህዝቢ ሕጕስ ኣይነበረን። ናይ ግፋ ኣዋጅ ኣውጺእኹም፡ መናእሰይ ብሓይሊ ክትወስዱ ከለኹም ሕዚ'ውን ህዝቢ ቅሬታ ነይርዎ። ፀገምኩም ብዝርርብ ፍትሑ ይብል ነይሩ፤ ነበርቲ ገለ ከተማታት፡ ንሹመኛታት ብልፅግና ክቕበል'ውን ተራእዩ ኣሎ፤ ናይ ህዝቢ ስምዒት እየ ዘልዕለልካ ዘለኹ፥

ኣቶ ሚኪኤለ፤ እታ ናይ ህዝቢ ሕቶ እዩ ትብል ረጊጽካ ሒዝካ ኣለኻ። ሽግር የብሉን። ኣብ ገለገሊኡ ከኣ ንስኻ ዝረኸብኻዮ ሓበሬታን ዝረኸብካዮም ሰባትን ጌርካስ ምሉእ ብምሉእ፡ ከም ናይ ህዝቢ ኣቋም ምቕራብ ትኽኽል ኣይመስለንን። ኣብ ዝተፈላለየ ንኣሽተይ መናእሰይ ተወዲቦም፡ ኣብ ጽርግያ ወጺኦም ሆ ስለዝበሉ፡ ህዝቢ ትግራይ ንብልጽግና ተቐቢልዎ እዩ ዝብል እውን ኣቐሚጥካ ኣለኻ። ነቶም ምስሌነታት እውን ህዝቢ ትግራይ ከምዝተቐበሎም ጌርካ ኣቐሚጥካ ኣለኻ። እዚ እውን ጌጋ እዩ። ካልኣይ ልዕሊ ኮር እዩ ኣፍሪስዎ ዝብል ኣገላልፃ ልክዕ ኣይኰነን፡ ሰራዊት ትግራይ እኳ እንተትብሎ ንእሽተይ ምኸደ። እዚ እውን ጌጋ እዩ። . . .

ግዝያዊ መንግስቲ ዘፍረሰ ስርዓት ብልጽግና እዩ። እዚኣ ሓንቲ ሓዘለይ። እዚኣ ድማ ህወሓት ኣዊጁ ንማሕበረሰብ ዓለም ኣፍሊጡ እዩ። ነባር መንግስትን ቤት ምኽሪን ዝመለሰ ድማ ህዝቢ ትግራይ እዩ። ምሉእ ህዝቢ ትግራይ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ተነቓኒቑ፡ ተኣኪቡ ውሳነ ኣሕሊፉ፡ ፓርላማይ መልሱለይ ቤት ምኽረይ መልሱለይ ኢሉ፣ ናይ ህዝቢ ውሳነ እዩ። ስለዚ ህዝቢ ከምዚ ገይሩ ጸሊእኩም እዩ ዝብል ብተደጋጋሚ ተቕርቦ ዘለኻሲ፡ እቲ ኢፕምረሽን እሱ ናይ ባዕልኻ ወይ ናይ ጸላእቲ ኢፕምረሽን እዩ እምበር ህዝቢስ ከምኡ ኣይበለን። ኲናት ኣይዋጋእን ዘይኰነስ ተወዲቡ መኸተ ዝመርሕ መንግስቲ ቶሎ ኢልኩም መስርቱለይ ኢሉ፡ መኸተ ዝመርሕ መንግስቲ መስሪቱ፡ ሕዚ እውን ኣብ ጎኒ መኸተ ኮሚቴ ዓሲሉ ይቃለስ ኣሎ።

ቢቢሲ፤ ኣብ ውሽጢ ህወሓትን ኣብ መንጎ ኣዘዝትን እውን ፍሕፍሕ ኣሎ ዝበሃል ነገር ኣሎ። ምናልባት እቲ ናይ ጀነራል ጆን መዲድ ኢድ ምሃብ ናይዚ ውጽኢት እዩ ዝብሉ ሰባት ኣለዉ። ናይ እማን ኣብ ውሽጢ ሰነያ ኣሎ ድዩ? ዝገበርክምዎ ገምጋም ኣሎ ድዩ?

ኣቶ ሚኪኤለ፤ እዚ ዝምልከቶ ኣካል ይመልሶ። ናይ ኮማንድ ሕቶ ኢኻ ሓቲትካኒ። ኣነ ዝምልሶ ሕቶ ኣይኮነን። ከዲዖም ዝኸዱ ሓይልታት ኣለዉ፡ ብናይ ባዕሎም ምኽንያት ዝኸዱ እዮም። እቶም እተልዕሎም ዘለኻ ገምጋም ኣሎ ምኽፍፋል ኣሎ ግዛዕ ኣሎ ዝብል ግን ከምዚ ዝኣመሰለ ሓበሬታ የብለይን። ብጭቡጥ እውን ኣብ ባይታ ኣብቲ ቃልሲ ከምዚ ዝመሰለ ነገር የለን። ኣነ ኣይፈልጥን። ፋርዘር እትደልዮ ሓበሬታ እንተሃልዩ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ብጭቡጥ ኣብቲ ኣነ ዝቃለሰሉ ዘለኹ ግንባር ግን ኣብቲ ኣጠቓላሊ ፌድናን ግን ከምኡ ዝኣመሰለ ኣፈላላይን ንትርኽን ከምዘየለ እየ ዝፈልጥ ኣነ። ኮነ ተባሂሉ ቃልስና ክጎትም፡ ፋሕ ፋሕ ክንብል፡ ክንበታተን ብዙሕ ዲስኩር ናይ ፖለቲካ ስራሕቲ፡ ብዙሓት ኣሉባልታታት ይመጹ እዮም። ናይ ጸላኢ ፕሮፖጋንዳ እዩ፡ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ኣይኮነን።

ቢቢሲ፤ ህወሓት፡ ፖለቲካውን ወተሃደራዊ ዓቕምታቱ ተዳኺሙ እዩ ዝብል ሓሳባት ኣሎ፡ ናይ ብሓቂ ንሰራዊት ኢትዮጵያ ክገጥም ዝኽእል ሓይሊ ኣለና ኢልኩም ዲኹም ትኣምኑ?

ኣቶ ሚኪኤለ፤ ሕዚ እውን፡ ወተሃደራዊ ትልምና ኣይነግረካን። እቲ ቃልሲ ኣብ ምንታይ ደረጃ ኣሎ ዝብል እንተኾይኑ ግን፡ ፖለቲካሊ እቲ ቃልሲ ህዝባዊ ቃልሲ እዩ። ቃልሲ ህዝባዊ ቃልሲ እዩ ማለት ህዝቢ ዝደልዮ ዕላማ ህዝባዊ ዕላማ ሒዝና ኢና ንቃለስ ዘለና፡ ህዝቢ ትግራይ ምሉእ ብምሉእ ዝቃለሰሉ ዕላማ እዩ፡ ፍትሓዊ ዕላማ እዩ። ብዋናነት ድማ ናይ ህልውና ዕላማ እዩ። ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ኣብ መስመሩን ኣብ ዕላማኡን እዩ ዘሎ። ስለዚ መላእ ህዝቢ ዘሳተፈ ቃልሲ ድማ ዕዉት እዩ ኵሉ ግዜ።

ካልኣይ ሰራዊት ትግራይ ምሉእ መሪሕነቱ ኣሎ። ምሉእ ሰራዊትና ኣብ መስመሩ ኣብ ዕላምኡ ኣብ ቃልሱ እዩ ዝንሄ። ስለዚ ዝጎደሉ ብጣዕሚ ውሑዳት፡ ውልቀሰብ ዕጃም ኣለዎ ትኽኽል እዩ። ግን ድማ ናይ ህዝቢ ቃልሲ ስለዝኾነ፡ ካብዚ ወጻኢ ግን ምሉእ ስትራክቸሩ ሒዙ ቲዲኤፍ እውን ኣብ ዕላምኡን ኣብ ቃልሱን እዩ ዘሎ። ኣብ ሓጺር እዋን ድማ ክዕወት እዩ። ጸላእቱ ክድምስስ እዩ። ሳልሳይ ውድብ ህወሓት ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ክሳብ ጣብያ መሓውራት ክሳብ ታሕቲ ጣብያ ዘሎ መሓውራ ምስ ምሉእ ቁመናኣ እያ ዘላ። ርክብና ስጡም እዩ፤ ኣብ ቃልሲ ኣለና።