እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ቀጥታ , ቻይና ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ክኽበር ከም ዝግባእ ገሊጻ - የማነ ገብረመስቀል

ዞባዊ ምትፍናን ኣብ ጥርዙ ኣብ ዝበጽሓሉ ህሞት፡ ፍሉይ ልኡኽ ቻይና ናብ ኤርትራ ምምጽኡ እንታይ መልእኽቲ ዝሓዘለ እዩ?

ጽማቝ ሓበሬታ

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ምስ ጊኒ ንእተካይዶ ጸወታ ምድላዋት ትገብር ኣላ

    ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ምስ ጊኒ ንእተካይዶ ጸወታ ዘድሊ ባይታ ንምጥጣሕ፡ ሓደ ጕጅለ ናብ ርእሰ-ከተማ እታ ሃገር ኮናክሪ ከም ዝኣተወ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ኣፍሊጡ።

    እዚ ብፕረዚደንት ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራን ሴካፋን ጳውሎስ ወልደሃይማኖት ዝምራሕ ልኡኽ፡ ኣብ ኮናክሪ ምስ ዝምልከቶም ሰበስልጣንን ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ጊኒን ናይ ምድላው ኣኼባታትን ዘተን የካይድ ኣሎ።

    እቲ ግጥም ብ12 ሕዳር ክካየድ ዝተመደበ ኰይኑ፡ ጕዕዞ ተጻወትቲ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ድማ ካብ 7 ሕዳር ኣትሒዙ ኣብ ኣርባዕተ ጕጅለታት ተኸፋፊሉ ናብ ኮናክሪ ክፍጸም እዩ። ኵሉ ምድላዋት እቲ ግጥም ድማ ብዝተወጠነሉ መንገዲ ብጽቡቕ ይቕጽል ምህላዉ ተሓቢሩ።

    ብተወሳኺ፡ ኣብ ጊኒ፡ ላይበርያ፡ ኮትዲቯር፡ ኣንጎላ፡ ጋናን ናይጀርያን ዝርከቡ ኤርትራውያን፡ ንሃገራዊት ጋንታኦም ምዉቕ ኣቀባብላ ንምግባር ይዳለዉ ኣለዉ። ተቐማጦ ኮናክሪ ዝዀኑ ኤርትራውያን ድማ ንኸተማኦም ብባንዴራ ሃገሮም ብምስላምን መካይን ብምስሊ እታ ጋንታ ኣሰሊፎም ኣብ ጐደናታት ብምዝዋርን ናይ ደገፍ ሃዋህው ንምፍጣር ይንቀሳቐሱ ምህላዎም እቲ ሓበሬታ የረድእ።

    ተወሳኺ፤

  2. ሬድዋን ሑሴን፡ "እንታይ ከም ዝኣበሰ ከይተነግሮ መጠንቀቕታ ዝተጻሕፈሉ ሚድያ የሎን"

    ኣቦመንበር ቦርድ በዓል-መዚ መራኸቢ ብዙሓንን ዳይረክተር ሃገራዊ ድሕነትን ኰይኑ ዝሰርሕ ዘሎ ሬድዋን ሑሴን፡ ካብ ሓሙሽተ ግዜ ንላዕሊ እንታይ ከም ዝኣበሰን ኣየናይ ሕጊ ከም ዝጠሓሰን ከይተነግሮ መጠንቀቕታ ዝተጻሕፈሉ ሚድያ ከም ዘየለ ገሊጹ።

    ሬድዋን ነዚ መብርሂ ዝሃበ፡ ብዓል-መዚ መራኸቢ ብዙሓን ኢትዮጵያ ነተን ብኣምሓርኛን እንግሊዝኛን ዝወጽኣ ጋዜጣታት ‘ሪፖርተር’ን ‘ዘ ሪፖርተር’ን ዘሕትም ‘ማእከል ሚድያን ኮሙኒኬሽንን’፡ ፍቓድ ምዝገባኡ ንዘይተወሰነ እዋን ድሕሪ ምዕጋዱ እዩ።

    እቲ ትካል ንዘሕትመን ጋዜጣታት ካብ ሕትመትን ምዝርጋሕን ጠቕሊለን ደው ክብላ ዝወሰነ እቲ ብዓል-መዚ፡ ንሃገራዊ ረብሓ ዝጻረሩ፡ ንፖለቲካውን ቍጠባውን ህድኣት ዝዘርጉ፡ ከምኡ’ውን ኣብ መንጎ ሕብረተሰብ ምጥርጣርን ምድንጋርን ዝፈጥሩ ጽሑፋት ብምዝርጋሕ ተደጋጋሚ ጥሕሰታት ሕግን ሞያዊ ስነ-ምግባርን ከም ዝፈጸማ ጠቒሱ ነይሩ።

    መንግስቲ ንሚድያታት ናይ ምዕጋድ ስጕምቲ ዝወስድ ዘሎ ንደሞክራሲ ንምዕፋን ዘይኰነስ "ንመአረምታ ዝዓለመ እዩ" ዝበለ ሬድዋን፡ ገለ ትካላት ሚድያ ክሳብ 15 ግዜ ተመኺረን ጌጋታተን ከዕርያ ቃል ከም ዝኣተዋ ብምጥቃስ፡ ኵሉ ትካል ካብ ሕጊ ንታሕቲ ክኸውን ከም ዝግባእ ኣረዲኡ።

    ዓለምለኻዊ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ‘ሂዩማን ራይትስ ዎች’ ብወገኑ፡ ጋዜጣ ‘ሪፖርተር’ ካብተን ኣብታ ሃገር ዝተረፋ ውሑዳት ናጻ ሚድያታት ሓንቲ ምንባራ ብምጥቃስ፡ እቲ ዝተወሰደ ስጕምቲ ኣብ ልዕሊ ስቪላዊ ምሕዳር ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕቲ ኰይኑ መንግስቲ ነቲ ውሳነ ብህጹጽ ክስርዞ ጸዊዑ ኣሎ።

    ተወሳኺ፤

  3. ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስ ፍሉይ ልኡኽ ቻይና ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተራኺቡ

    ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ ፍሉይ ልኡኽ ቻይና ኣብ ጕዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝዀነ ሁ ቻንግቹን፡ ብዛዕባ ክልተኣዊ ዝምድናታትን ምዕባለታት ቀርኒ ኣፍሪቃን ዘትዩ፡ ክብል ኣገልግሎት ዜና ኤርትራ ኣቃሊሑ።

    እዚ ርክብ ዓርቢ ኣጋ ምሸት ኣብ መቐበሊ ኣጋይሽ ደንደን ኣስመራ ዝተኻየደ ኰይኑ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ሚስተር ሁን ኣብ መንጎ ኤርትራን ቻይናን ዘሎ ምትሕብባር፡ ከምኡ’ውን ኣብ እዋናዊ ዞባዊ ምዕባለታት ብሰፊሑ ተዘራሪቦም።

    ከም መግለጺ ሰበ-ስልጣን ኤርትራ፡ ሚስተር ሁ፡ መንግስቲ ቻይና ንልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ምኽባር ዘለዎ ኣገዳስነት ብዝምልከት ዘለዎ መርገጺ ዳግማይ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

    እዚ ዘተ ዝካየድ ዘሎ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጂኦ-ፖለቲካዊ ውጥረት እናቐጸለ ኣብ ዝመጸሉን፡ ዞባዊ ጸጥታዊ ስግኣታት፡ ዲፕሎማስያዊ ምትፍናንን ቍጠባዊ ረብሓታትን ንኣቓልቦ ዓበይቲ ዓለምለኻውያን ሓይልታት ብዝያዳ ኣብ ዝስሕበሉ ዘሎን እዋን እዩ።

    ቻይና ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ብመንገዲ ወፍሪ ትሕተ-ቅርጺ፡ ንግድን ዲፕሎማስያዊ ተበግሶታትን ኣብቲ ዞባ ዘለዋ ተሳትፎ ኣስፊሓቶ ትርከብ። በይጂን ንዞባዊ ርግኣትን ልምዓትን ኣብ ምድንፋዕ ዘለዋ ተራ ንምሕያል ከም ኣካል ናይቲ እትገብሮ ጻዕሪ፡ ኣብ 2022 ንቀርኒ ኣፍሪቃ ዝኸውን ፍሉይ ልኡኽ ሸይማ እያ።

    ኤርትራን ቻይናን ብፖለቲካዊ ምትሕብባር፡ ቍጠባዊ ሽርክነትን ስሩዕ ርክባት ላዕለዎት ሰበ-ስልጣንን ዝደልደለ ነዊሕ ዝጸንሐ ዝምድና ኣለወን። ቻይና ካብቶም ቀንዲ ኣህጉራውያን መሻርኽቲ ኤርትራ ኰይና፡ ኣብታ ሃገር ንሓያሎ ናይ ልምዓትን ትሕተ-ቅርጽን ፕሮጀክታት ደገፍ ክትገብር ጸኒሓ እያ።

    ብዛዕባ ጭቡጥ ውጽኢት ናይቲ ናይ ትማሊርክብ ግን ዝሰፍሐ ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይወጸን።

    ተወሳኺ፤

  4. መቐለ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዘውጽኦ ሓድሽ መመርሒታት ጸጥታ

    ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ከተማ መቐለ ዘሎ ሓፈሻዊ ጸጥታዊ ኵነታት ጠቒሱ፡ ንምንቅስቓስ ተሽከርከርቲ፡ ዘይሕጋዊ ኣጽዋርን ካልእንዝምልከት ብሓሙስ ሓድሽ መምርሒ ኣውጺኡ።

    እቲ ሰራዊት ኣብዚ እዋናዊ መግለጺኡ፡ ኣብ ርእሰ-ከተማ ክልል ትግራይ ገበን ንምግታእን ድሕነት ህዝቢ ንምሕያልን ዝዓለመ ምዃኑብምግላጽ እዩ ነዚ ተኸታታሊ ናይ ጸጥታ ስጕምትታት ኣፍሊጡ ዘሎ።

    እቲ ዝወጸ ምልክታ መምርሒታት፡ "ሓፈሻዊ ኵነታት ጸጥታ ምምሕያሽ'ኳ እንተ ኣርኣየ"፡ ብሰንኪ እናወሰኸ ዝመጽእ ዘሎ ገበናዊ ንጥፈታትብምስጋእ፡ ኣብታ ከተማ እገዳ ለይታዊ ምንቅስቓስ ተሽከርከርቲ፡ ገዛ-ንገዛ ዝካየድ ፍተሻታትን፡ ኣብ ኢድ ውልቀሰባት ዘሎ ዘይሕጋዊ ኣጽዋርንምርካብ ናይ ሰለስተ መዓልታት ናይ ምሕረት ኣዋጅን ኣውጺኡ።

    ምሉእ ትሕዝቶ፤

  5. ሰላም ከመይ ትሓድሩን ትውዕሉን - ኣኣብ ዘለኹምዎ

    ኣብዚ ቀጥታዊ ፈነወና ዝተፈላለዩ እዋናዊ ሓበሬታታት ክትከታተሉ ንዕድመኩም።

    ትሕዝቶታትና ብዝተፈላለዩ ኣማራጺታት ትረኽብዎም

    ሰናይ ምክትታል