እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንሓይልታት ትግራይ ዝመርሑን ሕጂ ኣንጻር ህወሓት ዝተሰለፉን መራሕቲ ይቕረታ ክሓቱ ኣለዎም - ባጫ ደበሌ
ኣብቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኻየደ ኲናት ክልተ ዓመት ንሓይልታት ትግራይ ዝመርሑ ዝነበሩን ሕጂ ኣንጻር ህወሓት ዝተሰለፉን መራሕቲ ይቕረታ ክሓቱ ኣለዎም ክብል ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኬንያ ነበር ባጫ ደበሌ ተዛሪቡ።
ኣብቲ ብኣጋጣሚ መበል ሻዱሻይ ዓመት ዝኽሪ ምውላዕ ናይቲ ኣብ ፈለማ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኲናት ክልተ ዓመት ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብቲ ክልል ዓስኪሮም ዝነበሩ ወተሃደራት መንግስቲ 'ኢሰብኣዊ ግፍዒ" ከም ዝፈጸሙ ደጊሙ ከሲሱ።
ኣብ 2020 ናብ 4 ሕዳር ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ኣብ ልዕሊ'ቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዓስኪሩ ዝነበረ ገዚፍ ክፋል ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝነበረ 'ሰሜን እዝ' ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሞም ደማዊ ኲናት ክልተ ዓመት ብወግዒ ምውልዑ ይዝከር።
ኣብዚ እዋን'ዚ ምስ መንግስቲ ወጊኖም ዝርከቡ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ከይተረፉ፡ ሓይልታት ትግራይ ዝወሰድዎ ስጕምቲ ነቲ ከጥቅዖም በብቝሩብ ዝኸቦም ዝነበረ ሰራዊት መንግስቲ ንምቕዳም ዝዓለመ ምንባሩ'ዮም ዝምጕቱ ነይሮም።
ባጫ ሕጂ'ውን ነቲ ኣብቲ እዋን ዝደጋግሞ ዝነበረ፡ ሓይልታት ትግራይ ዘጸይፍ ግፍዕታት ኣብ ልዕሊ ምሩኻት ይዅኑ ዝተቐትሉ ወተሃደራት መንግስቲ ይፍጽሙ ከም ዝነበሩ ዝገልጽ መግለጺታቱ ሕጂ'ውን ደጊምዎ ኣሎ።
እንተዀነ፡ ኣብቲ እዋን ይዅን ኣብዚ ቃለመሕትት ብዛዕባ'ቲ ተፈጺሙ ዝበሎ ዘሰቅቕ ተግባራት ዘቕረቦ ዝርዝር መርትዖ የሎን።
ህወሓት፡ ኣብታ ለይቲ ዝተታሕዙ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ይዅኑ፡ ኣብቲ ዝቐጸለ ኲናት ብዕጡቓት ትግራይ ዝተማረኹ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ወተሃደራት መንግስቲ ከም ዘፋነወ ይዝከር።
"ኣብዚ ጉዳይ'ዚ፡ ሰብ እየ ዝብል፡ መትከል ዘለዎ፡ ሞራል ዘለዎ፡ ሕጂ ምሳና ሓቢሮም ህወሓት ንዝፍጽሞ ዘሎ ነገር ዝዅንኑ፡ ቀደም ምስኦም ዝነበሩ ሰባት ኣብዚ ጉዳይ ተጋጊና ኢና ኢሎም ይቕረታ ዘይሓቱ እንተዀይኖም፡ ጽባሕ ንግሆ ናበይ ከም ዘብጽሑኒ ብኸመይ ክኣምኖም እኽእል?
"ጽባሕ ንግሆ፡ ውዕይ ዝበለ ነገር ምስ ዝፍጠር፡ ናይዚ መንግስቲ ድኽመት [ምስ ዝርአ] ወይ ድማ ዝዀነ ዕድል እንተ ተፈጢሩ፡ በቲ ዕድል እቲ ዘይግልበጥሉ ምኽንያት እንታይ ኣሎ?" ክብል ብወግዒ ይቕረታ ክሓቱ ተማሕጺኑ።
"እዚ ፈለማ ንህዝቢ ትግራይ ዝፍውስ እዩ፡ ካልኣይ መላእ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ይፍውስ'ዩ። ኣብኡ ኰይኑ ንደቂ ብሄርሰብን ህዝብታትን ብድቊሶም ዝሓረደ ሰብ ኣብዚ መጺኡ ሕጂ እንተ ለፈፍለፈ መን'ዩ ክኣምኖ?" ብምባል፡ "ንስሓ ክኣትዉ ኣለዎም፡" ይብል።
ኣብቲ ኲናት ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይልታት ዝነበሩ ከም ጻድቃን ገብረትንሳኤ፡ ተኽላይ ኣሸብር (ወዲ ኣሸበር)፡ ገብረእግዚኣብሄር በየነ (ወዲ ኣንጥሩ) ዝርከብዎም ላዕለዎት ጀነራላትን መኮንናትን ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ኣንጻር ህወሓት ብምስላፍ ናብ ፈደራላዊ መንግስቲ ከም ዝተጸግዑ ይፍለጥ።
ምክትል ኣቦመንበር ህወሓትን ኣፈኛ ሓይልታት ትግራይን ዝነበረ ጌታቸው ረዳ'ውን ካብቲ ውድብ ድሕሪ ምፍላዩ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣማኻሪ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ብምዃን ንጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ክከታተል ሓላፍነት ተዋሂብዎ ከም ዘሎ ይፍለጥ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ካብ ቀይዲ ህወሓት ዘምለጠ ዋና ኣዛዚ ሓይልታት፡ ከምኡ'ውን ንጌታቸው ተኪኡ ፕረዚደንት ግዝያዊ መንግስቲ እቲ ክልል ዝነበረ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ'ውን ህወሓት ናብ ዳግማይ ኲናት ምእታዉ ብምቅዋም ናብ ኢድ ሰራዊት ፈደራል ኣትዩ ነይሩ።
ጀነራል ባጫ ወሲኹ፡ ኣብ ትግራይ ዝህሉ ብህዝቢ ዝተመርጸ ምምሕዳር ኣባላት ህወሓት ዘይነበሩን በቲ ዝመጽአ ለውጢ ብዝኣምኑን ዕጡቓት ክሕሎ ኣለዎ ኢሉ።
እቲ ሓደ ካብ ላዕለዎት ኣዛዚ ሰራዊት ዝነበረ ባጫ፡ ምስ ህወሓት ዝቃለሱ ዝነበሩ ኣባላት ሚሊሻ እቲ፡ "ካብቲ ናይ ህወሓት ናይ ፖለቲካ ልዕልና ኣብ ርእሱ ዘለዎ፡ ህወሓት ብኣካል'ምበር ኣተሓሳስብኡ ስለ ዘሎ፡ እቲ ኣተሓሳስባኡ ክቕየር ኣለዎ፡" ብምባል'ዩ ዝምጕት።
"ካልኣይ ናይ ህወሓት ካድረታት ኣለዉ፣ ብፍላይ ኣብ መንግስታዊ ኣብያተ-ጽሕፈት በብደረጃኡ ናይ ህወሓት ኣባላት ኣለዉ። እዚኦም ናይ መንነት ሰነድ ኣለዎም፡ ይፍለጡ እዮም።
"ኣብዚኦም'ውን ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ክመጽእ ኣለዎ፡" ብምባል ህወሓት ናብ ስልጣን ክምለስ ዝጽበዩ ካድረታት ናብ "ተሓድሶ" ክኣትዉ ኣለዎም ኢሉ።
እቲ ድሕሪ ኲናት ትግራይ ክልተ ዓመት ናይ ጀነራል መዓርግ ተዋሂቡ ኣርባዕተ ኮኾብ ዝሰቐለ ባጫ፡ ኣብቲ ምስ ኤን-ቢ-ሲ ዝተባህለ ቻነል ዘካየዶ ቃለመሕትት "ብሄርተኝነት ካብ ደሞክራሲ ወጻኢ ምስ ዝኸውን ፋሽሽትነት እዩ፡" ክብል'ውን ገሊጹ'ሎ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ገለ ካብቶም ንኽልል ትግራይ ከመሓድሩ ግዝያዊ መዝነት ተዋሂብዎም ዘሎ ሰብመዚ ካድረታት ህወሓት ክልለዩ ኣለዎም ዝብል መግለጺታት ምሃቦም ፍርሕን ስግኣትን ኣስዒቡ ምህላዉ ጸብጻባት ካብ ትግራይ ይገልጹ።
ባጫ ደበሌ መን እዩ?
ታሪኽ ህይወቱ ከም ዝሕብሮ፡ ንሱ ኣባል ሰራዊት ደርግ ዝነበረ ኰይኑ፡ ኣብ እዋን ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ፡ ብህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ተመሪኹ ንዝተወሰነ እዋን ምስ ጸንሐ፡ ምስ ህወሓት ብዝተገብረ ምይይጥ ካብቶም ናብ ትግራይ/ኢትዮጵያ ክመጽኡ ዝተገብሩ ምሩኻት ሓደ እዩ።
ኣብቲ ቃልሲ ክቕጽል ከም ዝወሰነ ዝገልጹ ገለ ተጋደልቲ ህወሓት፡ ኣብ መፋርቕ 1970ታት ፈለማ ኣባል ክፍሊ ኪነት ኢህዴን (ደሓር ብኣዴን) ኰይኑ ምስርሑ ይዝክሩ።
ባጫ ደበሌ፡ ኢህወዴግ/ህወሓት ኣንጻር ደርግ ኣብ ዘካየዶ ብረታዊ ቃልሲ ተሰሊፉ፤ ድሕሪ ውድቀት ደርግ ድማ ኣባል ሰራዊት ኢትዮጵያ ኰይኑ፡ ኣባል ኣመራርሓ ምብራቕ እዚ ብምዃን ክሳብ መዓርግ ሌተና ጀነራል፡ ኣብ ዝለዓለ ወተሃደራዊ ጥርዚ ሓላፍነት ነይሩ።
ኣብ መወዳእታ፡ ካብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብጥሮታ ተሰናቢቱ፣ ኲናት ትግራይ ኣብ ዝጀመረሉ፡ ካብቶም ብመንግስቲ ጻውዒት ዝተገበረሎም ነባራት ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ሓደ እዩ።
ኣብ እዋን ምጅማር'ቲ ኲናት፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ኣባላት እዚ ሰሜን ተፈጺሙ ኢሉ ዘስመዖ 'መስካሕክሒ ገበናት' ኣዘራራቢ ኰይኑ ነይሩ።
ስምምዕ ፕሪቶሪያ ኣብ ፈለማ ሕዳር 2022 ቅድሚ ምፍራሙ ሓላፊ ምውህሃድ ምህናጽ ወተሃደራዊ ዓቕሚ ኰይኑ ድሕሪ ምስራሕ ኣብ ፈለማ ናይቲ ዓመት ኣምባሳደር ብምዃን ናብ ናይሮቢ ተመዲቡ።
እቲ ኣብ ኲናት ትግራይ ብዝነበሮ ተራ፡ "ተወዳዳሪ ዘይብሉ ጅግና ጸሊም ኣንበሳ" ዝብል ሽልማት'ውን ዝተዋህቦ ጀነራል ባጫ፡ ድሕሪ ማዕርግን ሽልማትን ምቕባሉ ሰለስተ ሰሙን ኣብ ዘይመልእ ግዜ ካብ ዝነበሮ ወተሃደራዊ መዝነት ስለምንታይ ክወርድ ተደልዩ ዝተፈልጠ ነገር የሎን።
ኣብ ፈለማ ሕዳር 2020 ኲናት ኣብ ትግራይ ምስ ተወልዐ ካብ ጥሮታ ተጸዊዑ ዝመጽአ ጀነራል ባጫ፡ ኣባላት ሰሜን እዚ ዝነበሩ ወተሃደራት "ዕርቃኖም ወጺኦም" ናብ ኤርትራ ከይዶም ክብል ብምዝራብ፡ ኣንጻር ህወሓት ሓያል ጐስጓስ ካብ ዘካይዱ ዝነበሩ መኮንናት ኢትዮጵያ'ዩ።
ንሱ፡ ሓይልታት ትግራይ "ሓርጭ ኰይኖም'ዮም" ድሕሪ ምባሉ፡ ዳግመ-ውዳበ ብምግባር ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ሰፋሕቲ ከባቢታት ሒዞም ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝግስግስሉ ዝነበሩ እዋን'ውን ተነቒፉ ምንባሩ ይዝከር።