ኢትዮጵያ፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ወተሃደራዊ ስልጠና ዛዚሞም፡ ጌዲዮን 'ሓድሽ ዓቕሚ ዘዕጠቐ እዩ' ኢሉ

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ ዝርከቦም ላዕለዎት መራሕቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ሁርሶ ክከታተልዎ ዝጸንሑ ናይ ወተሃደራዊ ስነፍልጠትን ጥበብን ስልጠና ከም ዝዛዘሙ ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እቲ ዝተዋህበ ስልጠና፡ "ብኣካላዊ፡ ኣእምሮኣውን ግብራውን ምድላው መዳይ ሓድሽ ዓቕሚ ዘዕጠቐ እዩ፡" ክብል ጌዲዮን ጢሞቲዎስ ገሊጹ። ወተሃደራዊ ስነፍልጠት ብግብሪ ንምርዳእን ኣሰራርሓን ስርዓተ-ስልጠናን ሰራዊት ምክልኻል ብቐረባ ንምግንዛብ ከም ዘኽኣለ ድማ ሓቢሩ።

ኢትዮጵያ ኣተኣማማኒ ናይ ምክልኻል ውዳበ ንኽህልዋ ወተሃደራዊ ፍልጠት ምዕጣቕ ኣገዳሲ ምዃኑ ዝጠቐሰ ጌዲዮን፡ እዚ ስልጠና ንስቪላዊ መራሕቲ ብዛዕባ፡ "ወተሃደራዊ ኣተሓሳስባ፡ ስርዓተ ምክልኻል፡ ሃገራዊ ድሕነትን ስትራተጅያዊ ውሳነ ኣወሃህባን፡" ዘለዎም ግንዛበ ንምስፋሕ ጠቓሚ መሰረት ከም ዝፈጠረ ጠቒሱ።

ካብዚ ዝረኸብዎ ተመኵሮ ናይ ምርድዳእ ክፍተታት ብምጽባብ፡ "ዝተሓላለኹ ፈተናታት ሃገራዊ ድሕነት ኣብ ዘጋጥምሉ እዋን፡ ነባሪ ረብሓ ሃገር ዘውሕሱ ዝተዋደዱ ምላሻት ንምሃብ ልዑል ጥቕሚ ኣለዎ፡" ክብል ኣስሚርሉ።

ሓላፊ ቀንዲ መምርሒ ትምህርትን ስልጠናን ምክልኻል ጀነራል ይመር መኮነን ኣብቲ ናይ መዛዘሚ ስነ-ስርዓት ተረኺቡ ንተመረቕቲ ምስክር ወረቐት ኣብ ዝሃበሉ እዋን፡ ፖለቲካዊ መራሕቲ ወተሃደራዊ ፍልጠት ምውሳዶም "ዓቕሚ መሪሕነቶም ዘዕቢ እዩ" ኢሉ።

እቲ ስልጠና፡ ነቶም ሓለፍቲ ካብቲ ልሙድ ናይ ስራሕ ባህሎም ወጻኢ "ባህሊ ወተሃደራዊ ስራሕ፡ ሃገራውነትን እናሞትካ ሃገር ናይ ምጽናዕ ወተሃደራዊ ሞያን ንኽርድኡ" ዕድል ብምፍጣር፡ ንሃገር ናብ ዝሓሸ ጐደና ዕብየት ንምስግጋር ከም ዝሕግዝ ኣረዲኡ።

ኣዛዚ ቤት ትምህርቲ ምድላው ሕጹያት መኮንናት ሁርሶ ከድር ጫጮ ብግደኡ፡ እቲ ስልጠና ስቪላዊ መሪሕነትን ትካል ምክልኻልን ሓባራዊ ራእይ ሃገር ንምዕዋት፡ ብሄራዊ ረብሓ ንምሕላውን ጉዳያት ጸጥታ ብዝተዋደደ መንገዲ ንምምራሕን ዘኽእል ሓባራዊ ግንዛበ ዝፈጠረ ምዃኑ ኣብሪሁ።

እዚ ስልጠና ዝዛዘም ዘሎ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ባዕሉ ምስ ኣባላት ካቢነኡን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ኣብ ሁርሶ ወተሃደራዊ ልምምድ ክገብር ዘርእዩ ኣሳእል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ድሕሪ ምዝርግሑ እዩ።

ካብቶም ወተሃደራዊ ዩኒፎርም ተኸዲኖም ኣብቲ ልምምድ ዝተራእዩ ሰበስልጣን፡ ኣፈ-ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ሙፈሪያት ካሚል፡ ምኒስተር ፋይናንስ ፍጹም ኣሰፋ ከምኡ'ውን ምኒስተር ጥዕና መቕደስ ዳባ ይርከባኦም።

ኣቢይ፡ እዚ ስልጠና ነቲ ኣብ "ዓቢይ ስትራተጂ ስልጣነ መደመር" ዝሰፈረ ኣምራት ንምትግባር ወሳኒ ምዃኑ ብምግላጽ፡ "ወተሃደራት ዒላማ ኣለዎም፡ ስቪላውያን ድማ ሸቶታት ኣለዎም፤ ናይ ክልተኦም ዕላማ ግን ዓወት እዩ፡" ብምባል፡ ወተሃደራዊ ፍልጠት፡ "ሃገራዊ ድሕነት ንምውሓስን ንማንም ዘይትምብርከኽ ሃገር ንምህናጽን'" ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሩሉ ነይሩ።

ይዅን'ምበር፡ ላዕለዎት ስቪላውያን ሰበስልጣን ናብ ወተሃደራዊ መዓስከር ወሪዶም ስልጠና ክወስዱ ምግባር፡ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ልሙድ ዘይኰነን ፖለቲከኛታትን ተንተንትን ሕቶ ዘልዓልሉን ስጕምቲ ኰይኑ ኣሎ።

ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ውድባትን ተሓለቕቲ ደሞክራስን፡ እዚ ስጕምቲ ንመትከላት ስቪላዊ ምምሕዳርን ገለልተኝነት ሰራዊት ምክልኻልን ዝጻረር፡ ነቲ ምምሕዳር ናብ ወተሃደራዊ ባህሊ ዘሰጋግርን ንሰራዊት ድማ መሳርሒ ገዛኢ ሰልፊ ዝገብርን እዩ ክብሉ ይነቕፉ።

ሃገር ብውሽጣዊ ግጭታት ኣብ እትሕመሰሉ ዘላ እዋን፡ መንግስቲ ፖለቲካዊ ዘተ ኣብ ክንዲ ምቕዳም ንሰበስልጣናቱ ናይ ውግእ ስልጠና ምዕጣቑ፡ ንጸገማት ብሓይሊ ናይ ምፍታሕ ኣተሓሳስባ ዘንጸባርቕ እዩ ዝብል ስግኣት እውን የልዕሉ።

ብኻልእ ወገን፡ እዚ ወተሃደራዊ ጕዕዞ ኣብ ግዜ ከቢድ ቍጠባዊ ቅልውላው እታ ሃገር ዝካየድ ምህላዉ ተወሳኺ ሕቶታት ኣልዒሉ ኣሎ።

ኢትዮጵያ ብሰንኪ ውሽጣዊ ግጭታት ኣብ ዝደኸመ ቍጠባዊ ኵነታት፡ ናህሪ ዋጋታትን ከቢድ ናይ ደገ ዕዳን ኣብ ዘላትሉ እዋን፡ መንግስቲ ንሰበስልጣኑ ኣብ ከምዚ ዝበለ ስልጠናታት ምውፋሩን ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ሩስያ ሱ-35 ዝዓይነተን ዘመናውያን ነፈርቲ ውግእ ምዕዳጉን፡ ቅኑዕ ቍጠባዊ ቀዳምነት የሎን ዝብል ነቐፌታ እናስዓበ ይርከብ።

እዚ ኵሉ ዝኸውን ዘሎ፡ ሓይልታት ፈደራል ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ሓያሎ ክፋል ትግራይ ኣብ ዝተቘጻጸርሉን ናብ ከባቢታት ዶብ ኤርትራ እናተጸግዐ ኣብ ዝመጸሉን እዋን እዩ።

እዚ ምንቅስቓስ እዚ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዳግማይ ውግእ ክኽፈት ይኽእል እዩ ዝብል ዞባዊ ስግኣት ፈጢሩ ይርከብ። ክልተአን ሃገራት ብሰንኪ ምድጋፍ ተቓወምቲ ዕጡቓትን ሕቶ ዋንነት ወደብን ኣብ ዝተሓላለኸ ምትፍናን ብምእታወን ዲፕሎማስያዊ ርክበን ኣቋሪጸን እየን።