እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
  • እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
  • ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
  • ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
  • ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
  • ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ሕብረት ኣፍሪቃ ግጭት ሰሜን ኢትዮጵያ ብህጹጽ ደው ክብል ጸዊዑ

    ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ወጥሪን ወተሃደራዊ ግጭትን እናገደደ ምምጽኡ “ኣዝዩ ከምዘሻቐሎ” ገሊጹ። እቲ ግጭት "ብቕልጡፍ ደው ክብል" እውን ተማሕጺኑ። ትማሊ ረቡዕ 13 መስከረም 2019 [ግ] ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ መዓርፎ ነፈርቲ መቐለ፡ ኣኽሱምን ሽረን ኣብ ቁጽጽር ምእታዎም፤ ህወሓት ንሰራሕተኛታት መንግስቲ ፌደራል ምሓዙን ህዝባዊ ኣገልግሎት ምትእጉጓሉን ከምዘሰክፎ ኣፍሊጡ። ረቡዕ ንጉሆ ሓይልታት ትግራይ ንመዓርፎ ነፈርቲ መቐለ ከምዝሓዙን ምስ ሓይልታት መንግስቲ ፌደራል ጎንፂ ከምተወለዐን ጸብጻባት የመልክቱ።

    ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ደቡብ ትግራይን ክልል ዓፋርን እናተጋደደ ዝኸይድ ዘሎ ግጭት ከምዘሻቐሎ እዩ ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ። ወሲኹ ድማ፡ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ወግዓዊ ዝኾነ ጥምረት ዕጡቓት ጉጅለታት "ነቲ ዘይምርግጋእ ከጋድዶ'ዩ" ኢሉ።

  2. ህወሓት፡ 'ሰፊሕ መጥቃዕቲ' ከምዘካየደ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኮኒኑ

    ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርቪን ማሲንጋ፡ መራሕቲ ህወሓት፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ "ሰፊሕ መጥቃዕቲ ፈንዮም" ብምባል ክሲሱ።

    እቲ ኣምባሳደር፡ ረቡዕ 23 መስከረም 2026፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብቲ ክልል ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ከምዝቶቖጻጸረ ድሕሪ ምግላጹ እዩ ወቐሳኡ ኣስሚዑ።

    ኣምባሳደር ማሲንጋ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይቲ ኤምባሲን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፡ እቶም ዝሓለፈ ዓመት ብመንግስቲ ኣመሪካ እገዳ ዝተገብረሎም መራሕቲ ህወሓት፡ "ሰፊሕ መጥቃዕቲ ንምክያድ ዝወሰድዎ ድኹም ውሳነ ከምዝሓዘነ" ገሊጹ።

    እቲ ኣምባሳደር፡ መራሕቲ ህወሓት ነቲ ብናይጀርያ ፕረዚደንት ነበር ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ ዝምራሕ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ ብምንጻጎም'ውን ነቒፉ።

    "ክዕወቱ ኣብ ዘይክእሉ ኲናት ምእታው ንህዝቢ ኣይጠቅምን'ዩ" ክብል ድማ ነቒፉ።

  3. መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ናብ ትግራይ ዝካየድ ኵሉ በረራታት ደው ኣቢሉ

    መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ወግዓዊ ናይ ፈይስቡክ ገጹ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ናብ ክልል ትግራይ ዝግበረ በረራታት "ንግዚኡ ምቍራጹ" ኣፍሊጡ።

    ህወሓት ነቲ ብፈደራላዊ መንግስቲ ብበይናዊ ዝተመዘዘ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ካብ ስልጣን ብምእላይ ንምምሕዳር እታ ክልል ድሕሪ ምቍጽጻሩ፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብታ ክልል ወጥሪ ሰፊኑ ጸኒሑ'ዩ።

    ብተወሳኺ፡ ኣብታ ክልል ኣብ ዝተፈለለያ እዋናት ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት መጥቃዕትታት ድሮን ክፍጸም ጸኒሑ'ዩ።

    ምቍራጽ እዚ በረራታት፡ ዕጡቓት ትግራይ ነቲ ኣብ መቐለ ዝርከብ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ ድሕሪ ምቍጸጻሮም ስዒቡ ምዃኑ እዩ ዝግለፅ።

    ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ሸውዓተ ዕጡቓት ጕጅለታት፡ ነቲ ብቐዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ ፈደራላዊ መንግስቲ ብምውዳቕ "ንዅሉ ዝሓቘፈ መሰጋገሪ መንግስቲ" ንምምስራት ብዝብል ዕላማ፡ "ምሕዝነት ንህልውና" ዝተባህለ ጥምረት ምምስራቶም ይዝከር።

  4. ሓይልታት ፌዴራልን ትግራይን 'ኣብ ቅሉዕ ውግእ'

    ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ክልል ትግራይን ሚኒሰተር ፌዴራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ገለ መዋሰንቲ ከባብታት ቅሉዕ ውግእ ከምዝተወልዐ ኣፍሊጦም።

    ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ትግራይ፡ ኣብ ሰዓታት ረፋድ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፡ ኣብ ልዕሊ ሓይልታቱ "ቅሉዕ ወራርን መጥቃዕትን ከምዝተፈፀመ" ብምኽሳስ፡ ሓይልታት ትግራይ ናይ ምክልኻል ስጉምቲ ክወስዱ ትእዛዝ ከምዝተወሃቦም ወግዓዊ ገይሩ'ሎ።

    እቲ መግለፂ ከምዝብሎ፡ እዚ ካብቲ ኣብ ከተማ ኣላማጣ ክፍፀም ዝወዓለ መጥቃዕቲ ድሮን መቐፀልታ እዩ።

    "ካብ'ዚ ብምብጋስ ዋልታ ህልውናን ድሕንነትን ህዝቡ ዝኾነ ሰራዊትና፡ ኣብ ልዕሌና ንዝተኸፈተ መጥቃዕትን ወራርን ንኽምክት መምርሒ ተዋሂቡዎ ናብ ናይ ምክልኻል ውግእ ኣትዩ ኣሎ"።

    ብኻልእ ወገን ድማ፡ ኣማኻሪ ሚኒሰተር ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ "መሪሕነት ህወሓት ሎሚ ንግሆ ብወገን ዓፋርን ኣምሓራን ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኩሉ ዓይነት መጥቃዕቲ ፈንዮም" ክብል ኣብ ፌስቢክ ገፁ ከሲሱ።

    "ፖለቲካዊ-ወተሃደራዊ መሪሕነት ህወሓት፡ ነቲ ዘይሓላፍነታዊ ተግባሩ ናብ ካልእ ብራኸ ወሲዶዎ ኣሎ" ።

    ክልቲኦም ተፃባእቲ ኣካላት፡ nቲ ግጭት መን ጀሚሩዎ ኣብ ዝብል ይካሰሱ ኣለዉ።

    ቢቢሲ ትግርኛ፡ ነቲ ክስተት ብባዕሉ ወይ ድማ ብሳልሳይ ወገን ኣየፃረየን።

  5. ፖለቲከኛታት ጃዋርን ልደቱን ብዛዕባ 'ኪዳን ንህልውና' እንታይ ይብሉ?

  6. ኤርትራ፡ ማዕከን ልምዓት ኣፍሪቃ ንኣገልግሎት ማይን ጽሬትን ኣስታት 10 ሚልዮን ዶላር ክሕግዝ'ዩ

  7. ህወሓት፡ 'ሰፊሕ መጥቃዕቲ' ከምዘካየደ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኮኒኑ

  8. ሓይልታት ፈደራልን ትግራይን ናብ ቅሉዕ ውግእ ከም ዝኣተዉ ተገሊፁ

  9. መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ናብ ትግራይ ዝካየድ ኵሉ በረራታት ደው ኣቢሉ

  10. ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጥሩ ሓሙሽተ ፍሉጣት ፖለቲካዊ ጥምረታት መዕለቢኦም እንታይ ኮነ?

  11. ኣብ ኣላማጣ ብመጥቃዕቲ ድሮን 14 ተቐቲሎም፡ ኣመሪካ ኣብ ቃፍላያት ረድኤት ንዝተኻየደ መጥቃዕቲ ኰኒና

  12. ወናኒ ኣማዞን ዝሃቦም ንምህብታም ዝሕግዙ 10 ቀለልቲ ለበዋታት

  13. ኤርትራ፡ 25 ዓመታት ስቕታን ስቓይን ጋዜጠኛታት

  14. ኤርትራ ምስ ኣመሪካ ሓድሽ ናይ ምትሕግጋዝ ምዕራፍ ንምኽፋት ድልውቲ ምዃና ኣፍሊጣ

  15. ኲናት የመን፡ ብዙሓት የመናውያን ንቀይሕ ባሕሪ ሰጊሮም ይስደዱ ኣለዉ

  16. ጥምረት ምምስራቶም ብዛዕባ ዘፍለጡ ዕጡቓት ጕጅለታት እንታይ ንፈልጥ?

  17. ካብ ዓለምለኻውያን ጸሓፍቲ ናብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝቐረበ ሕቶ 'መርትዖ ህይወት' እሱራት ጋዜጠኛታት

  18. ኢትዮጵያ፡ በዓል መዚ መራኸቢ ብዙሓን ንተሌቪዥን ትግራይ ዳግማይ ኣጊዱ

  19. ሑቲ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ስዑዲ ዓረብ መጥቃዕቲ ድሮናትን ባሊስቲክ ሚሳይላትን ከምዘካየዱ ኣፍሊጦም

    ኣብ የመን ዝርከቡ ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ሑቲ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ስዑዲ ዓረብ ሪያድ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ እታ ሃገር ኣብ ዝርከቡ ቦታታት ጸዓት መጥቃዕቲ ድሮናትን ባሊስቲክ ሚሳይላትን ከምዘካየዱ ኣፍሊጦም።

    ሰብመዚ ስዑዲ ዓረብ፡ ብሰንበት ናብ ሪያድ ዝተተኮሰ ባሊስቲክ ሚሳይል ከምዝዓገትዎን ከምዘዕነውዎን፡ ተወሳኺ መጥቃዕቲ ከምዘጋጠመ ኣረጋጊጾም።

    ኣቐዲሙ፡ ኣብ ጥቓ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ርእሰ ከተማ ስዑዲ ዓረብ፡ ካብ ገንእታት ነዳዲ፡ ጸሊም ትኪ ክለዓል ተራእዩ።

    ብሰንኪ'ቲ መጥቃዕቲ ትማሊ ሰንበት በረራታት ንግዚኡ ተቛሪጹ።