ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ኣስመራ ዝተፈረመ "ስምምዕ ሰላምን መሕዝነትን" ክልቲአን ሃገራት ከምዝጠሓሰት ኤርትራ ከሲሳ።
ሚኒስተር ዜና እታ ሃገር ሎሚ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና "ነቲ ካብ ቊጽጽሩ ወጻኢ ዝኾነ ታኼላን ባዕሉ ዝፈጠሮ ግጭታትን ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ብምጽጋዕ ይኸስስ ኣሎ" ክብል ወቒሱ።
"ኣብ 2023 ንዓለምለኻዊ ሕጊን ንቀንዲ መትከላት ናይቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ኣብ 2018 ኣብ ኣስመራ ዝተፈረመ ስምምዕ ምሕዝነትን ምትሕብባርን ብቕሉዕ ብምጥሓስ. . .'ልኡላዊ ኣፍደገ ባሕሪ' ንምርካብ ብወግዒ ጐስጓስ ፈሊሙ" ይብል ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብቲ ዓመት ንፓርላማ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኢትዮጵያ ንግዳዊን ዋንነታዊን ኣፍደገ ኣፍደገ ባሕሪ ከምዝግብኣ ምግላጹ ብወገን ኤርትራ ሓያል ተቓውሞ ከምዘስዓበ ይፍለጥ። ዝተፈላለዩ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ብፍላይ ብቀይሕ ባሕሪ ኣፍደገ ክውንኑ ምድላዮም ንልኡላውነታ ዘስግእ "ኣዋጅ ኲናት'ዩ" ክትብል ኣስመራ ብተደጋጋሚ ክትኩንኖ ጸኒሓ እያ።
ኣዲስ ኣበባ፡" ወተሃደራዊ መዓስከር ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንምእንጋድ ከምዝተሓባበረትን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሱዳን ኢዳ ተእቱ ከምዘላ'ውን እቲ ኤርትራዊ ብዓልስልጣን ኣሚቱ። ኢትዮጵያን ኢማራትን ቅድሚ ሕጂ ንዝቐረበለን ተመሳሳሊ ክሲታት ከምዝነጸግኦ ይዝከር።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ ንህወሓት ዝርከቦም ዕጡቓት ተቓወምቱ ብምድጋፍ ዘይምርግጋእ ይፈጥር ኣሎ ዝብል ወቐሳ ከስምዕ ጸኒሑ'ዩ።
እቲ ኣብ ክረምቲ 2018 ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራን ጂዳን (ስዑዲ ዓረብ) ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም፡ ዓለምለኻዊ ኣቓልቦ ዝረኸበን ንኣቢይ ኣሕመድ ሽልማት ኖበል ሰላም ክወሃብ ምኽንያት ዝኾነን'ዩ።
"ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝጸንሐ ኩነተ-ኲናት ኣኽቲሙ፡ ሓድሽ መዋእል ሰላምን ምሕዝነትን ክጅምር" ካብ ቀንዲ መትከላት ናይቲ ስምምዕ ምንባሩ ይዝከር።
ድሕሪ'ቲ ስምምዕ ኣብ መንጐ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂን እቲ ቀዳማይ ሚኒስተርን ዝነበረ ጥቡቕን ምውቕን ዝምድና ውሃ ዘበለን ተስፋ ዝፈጠረን እዩ ነይሩ።
እንተኾነ ክልቲኦም መራሒ ፈለማ ብሓባር ኣንጻር ህወሓት ብምስላፍ ናብቲ "ዝኸፍአ" ዝተባህሉሉን ህይወት ኣማኢት ኣሽሓት ዝቐዘፈን ኲናት ትግራይ ኣትዮም። ሕጂ ድማ ናብ ዝኸፍአ ምትፍናን ብምእታው ናብ ካልእ ደማዊ ኲናት ክኣትዉ ከምዝኽእሉ ይእምቱን ይካሰሱን ኣለዉ።