እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
  • እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
  • ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
  • ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
  • ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
  • ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ኣብይ ኣሕመድ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኰይኑ ክቕጽል ተመሪጹ

  2. ኣብይ ኣሕመድ ንዝቕጽሉ 5 ዓመታት ቀዳማይ ምኒስተር ክኸውን ተሰይሙ

    ኣብይ ኣሕመድ ንዝቕፅሉ ሓሙሽተ ዓመታት ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኰይኑ ተሸይሙ

    ኣብ ሻብዓይ ሃገራዊ መረጻ ዝበዝሐ ድምጺ ዝረኸበ ሰልፊ ብልጽግና ዝመርሕ ኣብይ ኣሕመድ፡ ብኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዳግማይ ቀዳማይ ምኒስተር ኰይኑ ተመዚዙ።

    ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ንዝቕፅሉ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ዝለዓለ መሪሕነት እታ ሃገር ክፀንሕ ምዃኑን፡ ን13 ዓመታት ኣብ ስልጣን ክፀንሕ ዘኽእሎ ስጕምቲ እዩ።

    ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ሎሚ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ቀይሕ ባሕሪ፡ ወሽመጥ ፋርስ፡ ማእከላይ ምብራቕን ዘሎ “ማዕበል ለውጢ” ብምጥቃስ፡ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ “[ወሳኒ] ሃገር ናይ ምዃን ተራ ከምዘለዋ ብተደጋጋሚ ኣስሚሩ።

    ውሽጣዊን ግዳማውን ተለኣኣኽቲን “ብሓባር ከምዝተላዕሉ” እንተኾነ “ኣዝዮም ጽዒሮም፣ ተጓይዮም" ንኢትዮጵያ ከድክሙ ከምዘይከኣሉ ሓቢሩ።

    “ንጸላእትና ዘገድሶም ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ከይትነግስ ምግባር ጥራይ’ዩ” እውን ኢሉ።

    ካብ ሃገራዊ ኣማኻሪ ኮምሽን ኢትዮጵያ ዝቐረቡ ኣጀንዳታትን ለበዋታትን ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፡ ፈደራል መንግስቲን ክልላዊ መንግስታት ከምዝቐረቡ ዝዝከር እዩ።ካብዞም ለበዋታት መሰረት ብምግባር ንልዕሊ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ግብሪ ዝፀንሐ ሕገ መንግስቲ ፈደራል ምምሕያሻት ከምዝግበር እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ኣኣንፊቱ ኣሎ።

  3. ኢትዮጵያ፡ ንዋዕላ መራሕቲ ኤርትራ፡ ግብጺ፡ ሱዳንን ሶማልያን ዝሃበቶ ምላሽ

    ኢትዮጵያ፡ ምስ ፈለግ ኒልን ቀይሕ ባሕርን ዝተኣሳሰሩ ጂኦግራፍያውን ታሪኻውን ሓቅታት ብፖለቲካዊ ክትዓትን ብተግባራት ሓይሊን ክቕየሩ ከምዘይክእሉ ገሊጻ።

    መራሕቲ ኤርትራ፡ ግብጺ፡ ሱዳንን ሶማልያን ኣብ ጉዳያት ሽዱሽተ ነጥብታት፣ ኣብ ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ፡ ሶማልያ፡ ሱዳንን ፈለግ ኒልን (ኣባይ) ኣብ ዝምልከት ዘለዎም ሓባራዊ ኣረኣእያ ብመልክዕ ኣዋጅ ምጽዳቖም ስዒቡ እዩ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ነዚ ምላሽ ዝህብ ዘሎ።

    ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደል ፈታሕ ኣል ሲሲ ብዝገበረሎም ዕድመ ኣብ ግብጺ ከተማ ኒው ኣል ዓለሜን ዝተኣከቡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፡ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ከምኡ ከኣ ኣቦወንበር ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ቀዳምን ሰንበትን ድሕሪ ዘካየድዎ ኣኼባ ንኣርባዕቲኤን ሃገራት ዝውክል "ሓባራዊ ኣዋጅ ኣል ዓለሜን" ዝሰመይዎ ኣዋጅ ኣውጺኦም ነይሮም።

    ብተወሳኺ ምሕደራን ምቁፅፃርን ቀይሕ ባሕሪ ናይተን ምስ ቀይሕ ባሕሪ ዝዳወባ ሃገራት ብሕታዊ ሓላፍነት ምዃኑ ተሰማሚዖም።

    ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ኣስማት እተን ኣርባዕተ ተቐናቐንቲ ሃገራት ይኹን ነቲ ዘውጽእኦ ሓባራዊ ኣዋጅ ከይጠቐሰ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኢትዮጵያ ምንጪ ፈለግ ኒል ምዃናን፡ እቲ ሩባ ድማ 85 ሚእታዊት ካብ ማይ ኣባይ ዝመጽእ ምዃኑን ኣዘኻኺሩ።

    ስለዚ፡ ዝኾነ ይኹን ብዛዕባ ኣጠቓቕማን ምሕደራን ፈለግ ኒል ዝግበር ዘተ “ነዞም መሰረታዊ ሓቅታት ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ኣለዎ” ክብል ኣስሚሩ።

    ኩሎም ዞባዊ ተዋሳእቲ ሓባራዊ ብድሆታቶም፡ ብግጭት ዘይኮነስ ብዘተ ክፈትሑ እውን ኣተሓሳሲቡ'ሎ።

  4. ኤርትራ ነቲ ኢትዮጵያ 'ዓጸፋ ክምልሰሉ'የ' ዝበለቶ ምትእትታው 'ሕጋዊ ምስምስ' ኢላቶ

  5. መራሕቲ ኤርትራ፡ ግብጺ፡ ሱዳንን ሶማልያን እንታይ ተሰማሚዖም?

  6. ሓወልቲ ድንግል ማርያም ኣብ ፕረዚደንታዊ መረጻ ዝፈጠሮ ጽልዋን ምትህልላኽን

  7. ትግራይ፡ 'ገሃነም ዝመስላ ዓሰርተ መዓልታት'

  8. 'ቁጥዐ ኣብ ጎደናታት ስጳኛ’ - ቅልውላው ኣባይቲ ዘበገሶ ናዕቢ

    ኣብ መላእ ስጳኛ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት፡ ንተኻረይቲ ዝያዳ ሓለዋ ክግበረሎም ጸዊዖም።

    መንግስቲ ህጹጽ ሕጊ ኣባይቲ ከጽድቕ ዘይምኽኣሉ ስዒቡ እዩ ነበርቲ ተቓውሞኦም ዘስምዑ ዘለዉ።

    ትማሊ ቀዳም ኣብ ማድሪድ፡ ቫለንሽያን ባርሴሎናን ሓዊሱ ኣብ ከተማታት ኣስታት 50 ሰልፍታት ተቓውሞ ተኻይዱ።

    ኣብ መንጎ ገለ ሰልፈኛታትን ፖሊስን እውን ጎንጺ ተፈጢሩ ኣሎ።

    ሓንቲ ጓል 87 ዓመት ጓል ኣንስተይቲ ብርቱዕ ወሰኽ ክራይ ገዛ ክትከፍል ብዘይምኽኣላ ካብ መንበሪኣ ምስጓጓ ስዒቡ እዩ፡ ኣብ መላእ ስጳኛ ብደረጃ ሃገር ተቓውሞታት ተላዒሉ።

    ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ባሕሪ እትርከብ ከተማ ቫለንሽያ፡ ኣብ ጥቓእቲ ናይ ንብረት ዋዕላ ዘአንግድ ዝነበረ ማእከል ስነጥበብ ፓላው ደ ለስ ኣርትስ ረይና ሶፍያ ምስ ኣባላት ፖሊስ ከምዝተጋጨዉ ኣሳእል የመልክቱ።

    ሓያሎ ሰልፈኛታት መከላኸሊታትን ኣቑሑን ናብ መኮንናት ንብረት ክድርብዩ እንከለዉ፡ ፖሊስ ድማብጎማ ጥይት ምላሽ ከምዝሃበ ማዕከናት ዜና ስጳኛ ሓቢረን።

    ህዝባዊ ፈነወ ኣርቲቪኢ፡ ትሽዓተ ኣባላት ፖሊስ ከምዝቖሰሉን 5 ሰባት ድማ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉን ሓቢሩ።

  9. መንግስቲ ፈደራል ኣብ ክልል ትግራይ መሰጋገሪ መንግስቲ ከቕውም ምዃኑ ኣፍሊጡ

  10. ኣመሪካ፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ናብ ዘተ ሰላም ክምለሳ ኣተሓሳሲባ

    ዋሽንግተን፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነት ጎረባብቲ ሃገራት ከኽብራን ወጥሪ ዝያዳ ከጋድድ ካብ ዝኽእሉ ተግባራት ክቑጠባን ጸዊዓ።

    ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ቶሚ ፒጎት፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ "ኢትዮጵያን ኤርትራን ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ጎረባብተን ከኽብራ፡ ግጭት ካብ ዘጋድዱ ተግባራት ተቖጢበን: ናብ ዘተን ምትሕብባርን 2018 ክምለሳ" ሃገሩ ኣትሪራ ከምዘተሓሳሰበት ገሊጹ።

    "ቀርኒ ኣፍሪቃ ካልእ ወተሃደራዊ ግጭትን ሰብኣዊ ቅልውላውን ክስከም ኣይክእልን'ዩ" ኢሉ።

    "ዝዀነ ግጭት ነቲ ምስ ክልቲአን ሃገራት ዝቕጽል ዘሎ ምትሕብባር ኣመሪካን ሓባራዊ ረብሓታትን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እዩ::"

    መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ "ኤርትራ ምስ ሱዳንን ግብጽን ኰይና ብዓመጽቲ ንዝቖመ ኪዳን ትድግፍ ኣላ" ብዝብል ክሲ: ምስታ ሃገር ዝነበሮ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣቋሪጹ እዩ።

    ሰለስቲአን ሃገራት ግን ነዚ ክሲ ብተደጋጋሚ ክነጽጋ ጸኒሐን እየን::

    ኢትዮጵያ ዲፕሎማሰኛታት ኤርትራ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓት ካብታ ሃገር ክወጹ ምእዛዛ ስዒቡ፡ ኤርትራ እውን ምስ ኢትዮጵያ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ምሉእ ብምሉእ ከምዝበተኸት ኣፍሊጣ ኣላ::

  11. ዞባዊ ወጥሪ ኣብ ዝጋደደሉ እዋን፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ፕረዚደንት ኣልሲስን ተራኺቦም

  12. መንግስቲ ትግራይ ካብ መቐለ ወፂኡ 'ዕጥቃዊ ቃልሲ' ከምዝቕፅል ኣፍሊጡ

  13. ታደሰ ወረደ፡ ብሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ካብ ሆቴል ተወሲዱ ተባሂሉ

  14. ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ዋዕላ ዞባዊ ጸጥታን ድሕነትን ንምስታፍ ናብ ግብጺ ኣምሪሑ

  15. ኢልሃንን ብጾታን ሓድሽ ውግእ ኢትዮጵያ ብምዅናን ህጹጽ ዘተ ክካየድ ጸዊዖም

  16. 03 ጥቅምቲ ዝኽሪ ላምፐዱሳ፡ ህይወት ኣማኢት ኤርትራውያን ዝቐዘፈ ህልቂት

  17. 'ዘይተፈትሑ ዓበይቲ ምስጢራት ስነ-ፍልጠት'፡ መደንዘዚ ብዛዕባ ኣእምሮና እንታይ ይገልጽ?

  18. 26 ሰባት ብጃልባ ባሕሪ ዘሳገረ ኤርትራዊ ማእሰርትን ምጥራዝን ተፈሪዱ

  19. ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን ኣመሪካ ኣብ ዋሽንግተን

  20. ኢትዮጵያ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ህጹጽ ኣኼባ ክጽውዕ ኣምነስቲ ተማሕጺኑ

    ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዳግማይ ተወሊዑ ዘሎ ግጭት ንምህዳእ ህጹጽ ኣኼባ ክጽውዕ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ጸዊዑ።

    እቲ ትካል ተሓላቒ መሰላት ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ሓድሽ ኲናት ካብ ዝውላዕ ኣትሒዙ ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ግዳይ ሞት ኮይኖም ምህላዎም ብምጥቃስ፡ ኣብ ሲቪላውያን ዝወርድ ሳዕቤናት ከይገድድ ስግኣት ከምዘለዎ የጠንቅቕ።

    "ዝኸፍአ ጃምላዊ ቅትለት ክፍጸምን ቊጽሪ ዝቕተሉ ሲቪላውያን ክውስኽን ክጽበ የብሉን" ክብል እቲ ኣህጉራዊ ሕብረት ንጡፍ ግዳ ክጻወት ሓቲቱ።

    በዚ መሰረት፡ ቤትምኽሪ ሰላምን ጸጥታን ናይቲ ሕብረት ብቕልጡፍ ተኣኪቡ መፍትሒ ከናዲ ተላብዩ።

    ብመንግስቲ ፈደራል ዝድገፉ ሓይሊ ሰላም ተባሂሎም ዝፍለጡ ዕጡቓት ትግራይ ኣንጻር እቶም ብህወሓት ዝምርሑ ሓይልታት ትግራይይ "ጸረ-መጥቃዕቲ" ብምውሳድ ኣብ ዝደፍእሉ ዘለዉ እዋን'ዩ እቲ ተሓላቒ መሰላት ነቲ መግለጺ ዝህብ ዘሎ።

    ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ህወሓት፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ክዋግኡ ንዝጸንሑ ዕጡቓት ፋኖን ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ዝተባህለ ዕጡቕ ጉጅለን ዝርከብዎም ሸውዓተ ተቓውምቲ ጥምረት ብምፍጣር ኣንጻር ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝምራሕ ማእከላይ መንግስቲ ኲናት ከምዝኸፈቱ ምፍላጦም ይዝከር።

    ሰሜን ኢትዮጵያ ብፍላይ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን፡ ከምኡ'ውን ክልል ዓፋር ካብቲ ዝሓለፈ፡ ህይወት ኣማኢት ኣሽሓት ዝቐዘፈ ኲናት፡ ከይሓወዩ'ዮም ደግሲ ደማዊ ግጭት ኣጋጢምዎም ዘሎ።