እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ
ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።
ጽማቝ ሓበሬታ
- ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
- እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
- ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
- ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
- ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
- ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።
ቀጥታዊ ሸፈነ
ኣብ ሞያሌ ብዝተልዐ ግጭት፡ ኣስታት 36 ሽሕ ሰባት ናብ ኬንያ ሃዲሞም
ኢትዮጵያ፡ ጠንቂ ግጭት ኦሮሞን ሶማሊን ኣብ ሞያለ እንታይ'ዩ?
ሰለስተ ግዜ ካብ ሞት ዘምለጠ ጀነራል ዮሃንስ መን እዩ? ስለምንታይከ 'መዲድ' ተባሂሉ?
ዋዕላ ሩስያ-ኣፍሪቃ: ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ናብ ሞስኮ ኣትዩ
ጀነራል ዮሃንስ መዲድ ተማሪኹ ድዩ ኢዱ ሂቡ - ሓይልታት ትግራይ እንታይ ይብል?
ሃሪ ኬን ተዓዋቲ ባሎን ዲ'ኦር ኰይኑ፡ ጽምኢ 25 ዓመታት እንግሊዝ ኣርውዩ
ኣጥቃዓይ ባየር ሙኒክ ሃሪ ኬን፡ ድሕሪ ማይክል ኦወን ኣብ 2001፡ ኣብ ውሽጢ 25 ዓመታት ነቲ ክብ ዝበለ ናይ ዓለምና ብሉጽ ተጻዋታይ ሽልማት (ባሎን ዲ'ኦር) ዝዓተረ ቀዳማይ እንግሊዛዊ ብምዃን ታሪኽ ሰሪሑ።
ኣብቲ ኣብ ለንደን ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ ፈረንሳዊ ኣጥቃዓይ ሪያል ማድሪድ ኪልያን ምባፔ ካልኣይ ክወጽእ እንከሎ፡ ስጳኛዊ ኮኾብ ባርሴሎና ላሚን ያማል ድማ ሳልሳይ ደረጃ ሒዙ ኣሎ።
እቲ ወዲ 33 ዓመት ኣጥቃዓይ ነዚ ሽልማት ክዓትር ዘብቅዖ፡ ዝሓለፈ ዓመት ዘርኣዮ መዘና ኣልቦ ናይ ሸቶ ምቝጻር ብቕዓት እዩ።
ኬን ንኽለቡን ንሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝን ኣብ ዘካየዶም 65 ጸወታታት 73 ሸቶታት ብምምዝጋብን ሸሞንተ ንሸቶ ዝዀና ኳዓሳሱ ብምቕባልን፡ ኣብ ኤውሮጳ ድሕሪ እቲ ሊዮነል ሜሲ ኣብ 2011-12 ዘመዝገቦ ታሪኻዊ ቍጽሪ፡ ዝለዓለ ሸቶ ዘመዝገበ ተጻዋታይ ኰይኑ ኣሎ።
ብተወሳኺ፡ ካብ 1981 (ካርል-ሃይንዝ ሩመኒገ) ንነጀው ነዚ ሽልማት ዝወሰደ ቀዳማይ ተጻዋታይ ባየር ሙኒክ ኰይኑ ተመዝጊቡ።
እዚ ዓወት ኬን ካብ ካልኦት ፍሉይ ዝገብሮ፡ ካብቶም ዝዓበዩ ናይ ኩዕሶ እግሪ ክብረታት - ዋንጫ ዓለም ይዅን ሻምፕዮንስ ሊግ ከይዓተረ ነዚ ክብሪ ምብጻሑ እዩ።
ኣብ ክልቲኦም ውድድራት ኣብ ፍርቂ ፍጻመ እኳ እንተ ወደቐ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ጀርመን ድርብ ዋንጫታት ብምዕታርን ብውልቃዊ ብቕዓቱ ድማ ንዝነበረ ናይ ሸቶታት ክብረ-ወሰን ብምስባሩን ንመወዳድርቱ ክቕድሞም ክኢሉ።
ኬን ነዚ ዓወቱ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “ኣብ መጀመርታ ናይ ሞያይ ጕዕዞ፡ ከምዚ ሕጂ ዘለዉ ገለ ተጻወቲ ንብሉጽነት ክበቅዕ እዩ ኢሉ ዝሓሰበ ብዙሕ ሰብ ኣይነበረን፡ ምናልባት ኣነ’ውን ኣይሓሰብክዎን። እቲ ዝሓለፍክዎ ውረድ-ደይብን ዘርኣኽዎ ጽንዓትን ግና ክሳዕ’ዚ ደረጃዚ ከብጽሓኒ ክኢሉ፡” ክብል ገሊጹ።
ኣሰልጣኒ እንግሊዝ ቶማስ ቱኸል ብዓወት ኬን ዝተሰምዖ ሓበን ክገልጽ እንከሎ፡ ልኡል ዊልያም ድማ ነቲ ተጻዋታይ “ብሉጽ መራሕን መስተንክራዊ ተጻዋታይን፡” ክብል ንኢድዎ።
ኬን ነዚ ክብሪ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ንምድጋም’ውን ድሮ ኣብዚ ሓድሽ ዓመተ-ውድድር ኣብ 16 ጸወታታት 16 ሸቶታት ብምምዝጋብ ብሓያል ነቒሉ ኣሎ።
ይዅን’ምበር፡ እቶም ገና ኣብ መጀመርታ ዕድመኦም ዘለዉ ላሚን ያማልን ኪልያን ምባፔን፡ ኣብ ክለባቶም ዘርእይዎ ዘለዉ ብሉጽ ብቕዓት፡ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ናይዚ ሽልማት ቀንዲ ተቐናቐንቲ ከም ዝዀኑ ዘመልክት እዩ።
ግብጺ፡ ‘ብግዲ ዝጽዓን ኵነታት’ ከም ዘይትቕበል ኣል-ሲሲ ኣጠንቂቑ
ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣል-ሲሲ፡ ሃገሩ ኣብ ማይ ናይል ዝፍጸም ዝዀነ ይዅን ሓደ-ወገናዊ ምቍጽጻር ኰነ ድሕነት ማያ ዝፈታተን ‘ብግዲ ዝጽዓን ኵነታት’ ፈጺማ ከም ዘይትቕበል ብምግላጽ ንኢትዮጵያ ሓድሽ መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፉ።
ኣል-ሲሲ ኣብ መኽፈቲ መበል ትሽዓተ ሰሙን ማይ ካይሮ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ዝዀነ ይዅን ኣካል ንግብጺ ‘ብግዲ ዝጽዓን ኵነታት’ ንምቕባል ዘገድድ ውሳነ ከሕልፍ ዝገብሮ ፈተነ ከም ዝፈሽል ገሊጹ።
“ሓደ ፈለግ ኣብ ውሽጢ ግዝኣት ሓንቲ ሃገር ስለ ዝመንጨወ ጥራይ፡ ኣብ ልዕሊ ሓባራዊ ሃብቲ ማይ ሓደ-ወገናዊ ምቍጽጻር ንኽትገብር መሰል ኣይህባን እዩ፡” ዝበለ ሲሲ፡ ነፍሲ-ወከፍ ሃገር ንተፈጥሮኣዊ ሃብታ ናይ ምምዕባል መሰል እኳ እንተለዋ፡ እዚ መሰል ግና ንጐረባብቲ ሃገራት ብዘይጐድእ መንገዲ ክትግብር ከም ዘለዎ ኣስሚርሉ።
እዚ ሓድሽ መጠንቀቕታ ዝመጽእ ዘሎ፡ ኢትዮጵያ ንልዕሊ 14 ዓመታት ዝሰረሐቶ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ብመስከረም 2025 ብወግዒ ድሕሪ ምምራቓ እዩ።
እቲ ልዕሊ 5 ቢልዮን ዶላር ዝወደአን ኣስታት 5,150 ሜጋዋት ኤለክትሪክ ናይ ምምንጫው ዓቕሚ ዘለዎን ግድብ፡ ንኢትዮጵያ ንቝጠባዊ ዕቤታ ወሳኒ ፕሮጀክት እዩ። ይዅን’ምበር፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፡ ግብጽን ሱዳንን ዝተኻየደ ተደጋጋሚ ናይ ሰለስተ-ወገን ዘተ፡ ብፍላይ ኣብ እዋን ደርቂ ማይ ብዝምልከት ቀያዲ ስምምዕ ክፈጥር ኣይከኣለን።
ግብጺ ንልዕሊ 98 ሚእታዊት ማያ ካብ ፈለግ ናይል ስለ እትረክብ፡ እቲ ግድብ ንሕርሻኣን ድሕነት ምግቢ ህዝባን ከይሃሲ ስግኣት ኣለዋ።
ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፡ እቲ ግድብ ንጐረባብቲ ንምጕዳእ ዝዓለመ ከም ዘይኰነ ክገልጽ ጸኒሑ እዩ።
ኣል-ሲሲ ብወገኑ፡ ግብጺ ድሕነት ማያ ንምሕላው ጽኑዕ መርገጺ ከም ዘለዋ እናሓበረ፡ ምስ ኵለን ሃገራት ተፋሰስ ናይል ብዘተን ብኣህጉራዊ ሕግን ዝምራሕ ሓባራዊ ምትሕግጋዝ ንምፍጣር ኢዳ ዝተዘርግሐ ምዃኑ ኣረዲኡ።
ቀጺሉ፡ ፈለግ ናይል ዘሰሓሕብ ዘይኰነስ ዘተኣሳስር ክኸውን ብምጽዋዕ፡ ሃገራት ካብ ሓደ-ወገናዊ ስጕምቲ ወጺአን ናብ ሓባራዊ ምትሕብባር ክሰጋገራ ጸዊዑ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ዋዕላ ሩስያ-ኣፍሪቃ ንምስታፍ ናብ ሞስኮ ኣቐኒዑ
ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ካብ 28 ክሳብ 29 ጥቅምቲ ኣብ ዝካየድ ሳልሳይ ዋዕላ ሩስያ-ኣፍሪቃ ንምስታፍ፡ ሰሉስ ወጋሕታ ናብ ሞስኮ ከም ዝገሸ ምኒስተር ዜና ኤርትራ ኣፍሊጡ።
እቲ ዋዕላ ኣብ ጉዳያት ንግዲ፡ ወፍሪ፡ ጸዓት፡ ሕርሻ፡ ውሕስነት መግብን ጸጥታውን ምትሕብባር ዘተኰረ ክኸውን ትጽቢት ይግበር።
እዚ ሩስያ እተካይዶ ዋዕላ ሩስያ ኣፍሪቃ፡ ኣብታ ኣህጉር እናዓበየ ብዝመጽእ ዘሎ ጂኦ-ፖለቲካዊ ውድድር፡ ሩስያ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘለዋ ርክብ ንምዕማቝ ኣብ እትደልየሉ ዘላ እዋን እዩ።ምሉእ ዜና፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ዋዕላ ሩስያ-ኣፍሪቃ ንምስታፍ ናብ ሞስኮ ኣቐኒዑ
ዮርዳኖስ፡ ሕነ መጥቃዕቲ ቤተ-ክርስትያን ንምፍዳይ ኣብ ሶርያ ቀታሊ መጥቃዕቲ ኣካይዳ
ሶማልያ፡ ኣብ ኤርትራ ዝሰልጠነ ኮሎነል ሸሪፍ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኰይኑ ከም እተሸየመ ተገሊጹ
ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ንኮሎነል መሓመድ ዓብደልቓድር "ሸሪፍ" ኣዛዚ ሓይሊ ባሕርን ሓለዋ ገማግም ባሕርን እታ ሃገር ገይሩ ከም ዝሸየሞ ናጻ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።
ብመሰረት ከም ሆርን ኦብዘርቨርን ሶማሊ ስትሪምን ዝኣመሰላ ማዕከናት፡ ኮሎነል ሸሪፍ ኣብ ቦታ ብሪጋደር ጀነራል ዓብዲወሃብ ዑመር እዩ ክትካእ።
እዚ ዜና ንወተሃደራዊ ምንጭታት ብምጥቃስ ዝወጽአ እኳ እንተዀነ፡ ክሳዕ ሕጂ ብመንግስታውያን ማዕከናት ዜና ሶማልያ ብዕሊ ኣይተነግረን።
ዝተዘርግሐ ወተሃደራዊ መረዳእታ ከም ዘነጽሮ፡ ኣብ ሞቛድሾ ዝተወልደ ኮሎነል ሸሪፍ ኣብ የመን ካብ ዩኒቨርሲቲ ዓደን ብቛንቋታትን ስነ-ጽሑፍን ናይ ባችለር ድግሪ ዘለዎ ኰይኑ፡ ብድሕሪኡ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝርከብ መደበር ስልጠና ሓይሊ ባሕሪ ፍሉይ ወተሃደራዊ ስልጠና ዝወሰደ እዩ።
እቲ ዝወሰዶ ስልጠና፡ ወተሃደራዊ መሪሕነት፡ ምምራሕ መራኽብ፡ ኣጠቓቕማ ጂፒኤስን ፍሉይ ስልጠና ኮማንዶን ዘጠቓልል እዩ። ብተወሳኺ፡ ቋንቋታት ሶማሊኛ፡ ዓረብኛ፡ እንግሊዝኛን ትግርኛን ብብቕዓት ዝዛረብ ብምዃኑ፡ ኣብቲ ዞባ ስሉጥ ወተሃደራዊ ርክብ ንምፍጣር ክሕግዞ ከም ዝኽእል ይግለጽ።
እዚ ሹመት ብወግዒ ምስ ዝረጋገጽ፡ ኮሎነል ሸሪፍ ኣብ ኤርትራ ስልጠና ወሲዱ ናብ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ስልጣን ዝመጽአ ካልኣይ መኮነን ክኸውን እዩ።
ቅድሚኡ፡ ኣብ ኤርትራ ዝሰልጠነ ብሪጋደር ጀነራል ዓብዲሪዛቕ መሓሙድ ሓጂ (ብ"ቃሎምቢ" ዝፍለጥ) ብመጋቢት 2026 ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ሶማልያ ኰይኑ ተሸይሙ ነይሩ እዩ። በዚ ድማ፡ ቀንዲ ጨናፍር ሰራዊት ሶማልያ ዝዀኑ ሓይሊ ባሕርን ሓይሊ ኣየርን ኣብ ኤርትራ ብዝሰልጠኑ መኮንናት ክምርሑ እዮም።
እዚ ለውጢ፡ ክፍሊ ናይቲ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ሰራዊት ሶማልያ ንምህናጽን መዋቕር መሪሕነቱ ንምጥንኻርን ዘካይዶ ዘሎ ሰፊሕ ምትዕርራይ ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።
ቅድሚ ሕጂ ኣብ 2024ን 2026ን ነቶም ናይ ቅድም ብምትካእ ሓደስቲ ኣዘዝቲ ሰራዊት ምክልኻልን ሓይሊ ምድርን ተሸይሞም ነይሮም እዮም።
እቲ ሓዲሽ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ፡ ነቲ ስትራተጅያዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ነዊሕ ገማግም ባሕሪ እታ ሃገር ናይ ምሕላው ከቢድ ሓላፍነት ኣብ ዝጽበየሉን ሓይሊ ባሕሪ ውጽኢታዊ ንክኸውን ፍሉይ ስልጠናን ስርሒታዊ ደገፍን ኣብ ዘድልየሉን ወሳኒ መድረኽ እዩ ስልጣኑ ዝረክብ ዘሎ። እዚ ሹመት ድማ እታ ሃገር ኣብ ምድሪ፡ ባሕርን ኣየርን ርእሳ ንኽትከላኸል እትገብሮ ዘላ ጕዕዞ ዘንጸባርቕ እዩ።
ቅዱስ ሲኖዶስ 60 ኣመንቲ ምቕታሎም ኣረጋጊጹ፡ ተሓታቲኸ መን እዩ?
ንእሱራት ኤርትራውያን ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን ብዝምልከት ንኮምሽን ኣፍሪቃ ዝቐረበ መጸዋዕታ
ነታንያሁ፡ ንሻብዓይ ግዜ ቀዳማይ ምኒስተር ክምረጽ ይኽእል ድዩ - ዝለዓሉ ሕቶታት?
ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልል ኦሮሚያ 40 ሰባት ከምዝተቐትሉ ይግለጽ ኣሎ
ህይወት 19 ቈልዑ ዘድሓነ ኤብሮ፡ ኣብ ኤርትራውያን ዝፈጠሮ ሓበን ከም ዘሐጐሶ ገሊጹ
ብዛዕባ ማይክ ካሪክ ከ እንታይ ይበሃል ኣሎ? መን እዩ ክውቀስ ዝግባእ?, 'ንረብሓ ማንቸስተር ዩናይትድ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንረብሓ ማይክል ካሪክ እውን እዩ' - ጂሚ ካራገር
ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ ሜዳኣ ብቦርንማውዝ 3-0 ምስ ተሳዕረት፡ ማይክል ካሪክ ሰንበት ምሸት ካብ ሓላፍነቱ ክልዓል ከም ዝነበሮ ጂሚ ካራገር ይኣምን።
እቲ ተኻላኻላይ ሊቨርፑል ዝነበረ ካራገር፡ ንስካይ ስፖርትስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “ማንቸስተር ዩናይትድ ነዚ ናይ ኣሰልጣኒ ለውጢ ሎሚ ምሸት ክትገብሮ ኣለዋ፡ ነዚ ውሳነ ከሕልፍዎ ኣለዎም።
ደገፍቲ ማይክል ካሪክ ወገን ሒዞም ኣለዉ፤ እዚ ድማ ኣሰልጣኒ ስለ ዝዀነ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ታሪኽ ዩናይትድ ዓቢ ስፍራ ዘለዎ ሰብ ስለ ዝዀነ እዩ።
“እዞም ሕጂ ዘለዉ ተጻወትቲ ምስ ናይ ዝሓለፈ ጋንታታት ክነጻጸሩ ከለዉ ዝገበርዎ ነገር የለን፡ ስለዚ ብሩኖ ፈርናንደስ ክሳብ ክንደይ ክእለት ዘለዎ ተጻዋታይ ይኹን ብዘየገድስ፡ ማይክል ካሪክ ኣብቲ ምስኡ ዝገብሮ ምትፍናን ወትሩ ክዕወት እዩ፡ እዚ ድማ ግቡእ እዩ።
“ግን ከኣ ማንቸስተር ዩናይትድ ከም ክለብ ኵዕሶ እግሪ፡ ሓንቲ ካብተን ዝዓበያ ክለባት ዓለም፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ፕሪምየር ሊግ መበል 16 ደረጃ እያ ዘላ፡ እዚ ድማ ክቕጽል ኣይክእልን እዩ።
"ማይክል ካሪክ ሎሚ ምሸት ካብ ሓላፍነቱ ክሰናበት ኣለዎ - ንረብሓ ማንቸስተር ዩናይትድ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንረብሓ ማይክል ካሪክ እውን።
“ኣብ መወዳእታ ኣብ ስታድዩም ክዘውር ከሎ ምርኣዩ ደስ ኣይብልን እዩ፡ ብሓቂ ይጕዳእ ኣሎ። እዚ ሕጂ ዝኸውን ዘሎ ድማ ንዩናይትድ ኰነ ንካሪክ ጽቡቕ ኣይኰነን።"
ንማይክል ካሪክ ካብ ስራሕ ምብራር፡ ንጸገማት ማንቸስተር ዩናይትድ ፍታሕ ድዩ፡ ወይስ ገለ ክፋል ናይቲ ፍታሕ?
ዩናይትድ ኣብ ፕሪምየር ሊግ ንዝገበረቶ ዘሰምብድ ኣጀማምራ ካሪክ ክሕተተሉ - ዋጋ ክኸፍል ይግባእ ድዩ?
ማንቸስተር ዩናይትድ ነዚ ዓመተ-ውድድር ብሕማቕ እያ ጀሚራቶ፤ ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ብሓዳስ መጻኢት ናብ ፕሪምየር ሊግ ዝዀነት ሃል ሲቲ 2-0 ብዘጋጠማ ዘዋርድ ስዕረት እዩ ተበጊሱ።
ኣብ ዝቐጸለ ጸወታኦም፡ ኣብ ሜዳኦም ምስ ካልእ ሓዳስ መጻኢት ጋንታ ዝዀነት ኢፕስዊች ታውን ተሳዒሮም’ኳ እንተነበሩ፡ ተመሊሶም ብምቅላስ 5-2 ክዕወቱ ክኢሎም እዮም።
ካብኡ ንደሓር ግን ዩናይትድ ኣብ ተኸታታሊ ሽዱሽተ ጸወታታት ሊግ ክትዕወት ኣይክኣለትን፤ እዚ ድማ ነቲ ን70 ደቓይቕ ብ10 ተጻወትቲ ትጻወት ዝነበረት ማንቸስተር ሲቲ ኣብ ሜዳኣ ዘጋጠማ ናይ ደርቢ 1-0 ስዕረት ዘጠቓልል እዩ።
ጋንታ ማይክል ካሪክ፡ ኣንጻር ኤቨርተን፡ ፉልሃም፡ ቶተንሃምን ሊድስን መሪሕነት ሒዛ ክነሳ ነጥብታት ኣጥፊኣ እያ።
ሰንበት ኣብ ኦልድ ትራፎርድ ኣንጻር ቦርንማውዝ ዘጋጠማ ዘሕዝን ናይ 3-0 ስዕረት ድማ፡ ከም ኣሰልጣኒ ዩናይትድ ናይ መወዳእታ ጸወታኡ ክኸውን ይኽእል እዩ። ግናኸ ካሪክ በዚ ጕዳይ ክሕተት ይግባእ ድዩ?
ውጽኢት ዩናይትድ ኣብዚ ዓመት ኣብ ፕሪምየር ሊግ፤
- ሃል ሲቲ 2-0 ማን ዩናይትድ
- ማን ዩናይትድ 5-2 ኢፕስዊች
- ኤቨርተን 2-2 ማን ዩናይትድ
- ማን ዩናይትድ 0-1 ማን ሲቲ
- ፉልሃም 1-1 ማን ዩናይትድ
- ማን ዩናይትድ 1-1 ቶተንሃም
- ሊድስ 1-1 ማን ዩናይትድ
- ማን ዩናይትድ 0-3 ቦርንማውዝ
ድኹም ኣቃውማ ተጻወትቲ ተቓውሞታትን ንቦታ ካሪክ የዳኽሞ ኣሎ። ማይክል ካሪክ፡ ድሕሪ ምብራር ናይ ቀደም ኣሰልጣኒ ማንቸስተር ዩናይትድ ሩበን ኣሞሪም፡ ብጥር ከም ግዝያዊ ኣሰልጣኒ ኰይኑ ድሕሪ ምምዛዙ፡ ኣብ ሓጋይ ኣብ ኦልድ ትራፎርድ ናይ ክልተ ዓመት ውዕል ፈሪሙ እዩ።
ንሱ ኣብ ውጽኢት ጋንታ ርኡይ ምምሕያሽ ብምምጻእ፡ ኣብ መወዳእታ ንዩናይትድ ኣብ ፕሪምየር ሊግ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ብምዝዛም፡ ኣብዚ ዓመተ-ውድድር ናብ ሻምፕዮንስ ሊግ ክትምለስ ኣውሒሱላ እዩ።
ይዅን እምበር፡ ኣብዚ ዓመት ዘመዝገቦ ተኸታታሊ ድኹም ውጽኢታትን፡ ከምኡ'ውን ካብ ቀንዲ ተጻወትቱ - ተጻዋታይ ማእከል ምክልኻል ሊሳንድሮ ማርቲነዝን ሓለቓ ጋንታ ብሩኖ ፈርናንደስን - ዝቐረበ ግሁድ ተቓውሞታትን መግለጺታትን ንቦታኡ ኣዳኺምዎ እዩ።
ረቡዕ ኣንጻር ሓዳስ መጻኢት ጋንታ ኰሞ ኣብ ሻምፕዮንስ ሊግ ዘጋጠሞም ናይ 4-0 ስዕረት፡ ንስልቲ ካሪክ ብምንቃፉ፡ ፈርናንደስ ሰንበት ካብ ጸወታ ወጻኢ ኰይኑ ነይሩ።
እዚ ግን ንዩናይትድ ሓድሽ መንፈስ ኣየምጸኣላን፤ ብኣንጻሩ ኣብ ሜዳኣ ብቦርንማውዝ 3-0 ተሳዒራ፡ ካብ ሸሞንተ ጸወታታት ሓንቲ ዓወትን ሸውዓተ ነጥብን ጥራይ ብምምዝጋብ ኣብ ፕሪምየር ሊግ ናብ መበል 16 ደረጃ ወሪዳ ኣላ።
ማንቸስተር ዩናይትድ ካብ ሊግ ካፕ እውን ዝተሰናበተት ክትከውን ከላ፡ ኣብ ፍርቂ ሰሙን ብዘጋጠማ ከቢድ ስዕረት ድማ ኣብ ሻምፕዮንስ ሊግ ናብ መበል 21 ደረጃ ወሪዳ ትርከብ።
ንካሪክ መወዳእታኡ ይቐርብ ኣሎ፤ ደገፍቲ ዩናይትድ ግን ንመን ከም ዝወቕሱ ብንጹር የርእዩ ኣለዉ። ድሕሪ እቲ ኣብ ሜዳኦም ዘጋጠሞም ናይ 3-0 ስዕረት ኣንጻር ቦርንማውዝ፡ ማይክል ካሪክ ኣብ ዙርያ ኦልድ ትራፎርድ ክዘውር ከሎ፡ ኵነታቱ መወዳእታኡ ከም ዝኣኸለ ዘመላኽት ይመስል ነይሩ።
ካሪክ ንደገፍቲ ማንቸስተር ዩናይትድ ብጣቕዒት ከመስግን ልሙድ እዩ። ኣብ ኰሞ ማዕረኡ ዘዕኑ ስዕረት ድሕሪ ምሕላፎም ካብ ዝገበሮ ኣፍልጦ ወይ ምስጋና ዝወሓደ ደኣ ነይሩ እምበር ሓድሽ ኣይኰነን።
ግን ድሕሪ ሸሞንተ ጸወታታት ብዘይ ዓወት፡ ካብ 2015-16 ንነጀው እቲ ዝሓመቐ ኣካይዳ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ሓደ ሰሙን ክልተ ዘሕዝን ስዕረታት ዘሕለፈ ካሪክ፡ መወዳእታኡ ይቐርብ ኣሎ፤ ኣካየድቲ እታ ክለብ ብዛዕባ መጻኢኡ ኣብ ከቢድ ዝርርብ ኣትዮም ኣለዉ።
ይዅን እምበር፡ ኣብታ ክለብ ኣብ ላዕለዋይ ሓላፍነት ዝርከብ ዝዀነ ሰብ፡ እቲ ኣብ ኦልድ ትራፎርድ ዘሎ ጸገማት ንዋና ኣሰልጣኒ ብምቕያር ጥራይ ክፍታሕ እዩ ዝብል እምነት እንተልይዎ፣ ብዝበለጸ ድማ ደገፍቲ ኣብቲ ናይ ኣሰልጣኒ ቦታ ብሓድሽ ገጽ ክሃድኡ እዮም ዝብል ሓሳብ እንተልይዎ፡ እቲ ኣብታ እተሕዝን መዓልቲ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ሜዳ ካብቶም ደገፍቲ ዝተራእየ ግብረ-መልሲ ኵነታት ብኣንጻሩ ምዃኑ ብንጹር እዩ ዝነግሮም ነይሩ።
ፕረዚደንት ብራዚል ሉላ ንራብዓይ እብረ ፕረዚደንት ኰይኑ ተመሪጹ
ፕረዚደንት ብራዚል ሉላ ዳግማይ ከምዝተመርጸ በዓል መዚ መረጻ ብራዚል ኣፍሊጡ።
ድሕሪ ምምላስ ዲሞክራሲ ኣብ 1988 ሓደ ፕረዚደንት ኣብ ቀዳማይ ዙርያ ዘጋጠሞ ስዕረት ገልቢጡ ክስዕር እዚ ናይ መጀመርታ እዩ።
ሉላ ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ንራብዓይ ግዜኡ ዝተወዳደረ ኰይኑ፡ ካብ ጥሪ 2003 ክሳብ ታሕሳስ 2010 ንኽልተ እብረ ፕረዚደንት ኰይኑ ኣገልጊሉ፡ ካብ ጥሪ 2023 ድማ እንደገና ፕረዚደንት ኮይኑ ተመሪጹ።
ናብዚ ዓመት ፕረዚደንታዊ መረጻ ግን እቲ መንገዲ ቀሊል ኣይነበረን።
ኣንጻሩ ዝወዳደር ዝነበረ ቦልሶናሮ ብ4 ጥቅምቲ ኣብ ቀዳማይ ዙርያ ንሉላ ረቲዑዎ ስለ ዝነበረ ብዙሓት ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰሙን ጥራይ ነቲ ውጽኢት ክቕይሮ ዝኽእል ኣይመስሎምን ነይሩ።
ካብቲ ዝተዋህበ ድምጺ 99.81% ተቘጺሩ፡ ሉላ 51.76% ድምጺ ክረክብ እንከሎ፡ ፍላቪዮ ቦልሶናሮ ድማ 48.24% ድምጺ ረኺቡ’ሎ።
ኣብ ሳኦ ፓውሎ ዓቢይ ደገፍ ህዝቢ - ሉላ
ኣሽሓት ዝቝጸሩ ደገፍቲ ሉላ ንዓወቱ ብምጽንባል ናብ ጐደናታት ሳኦ ፓውሎ ፈሲሶም ኣለዉ - ካብቲ መድረኽ ዝተረኽበ እዋናዊ ስእልታት እነሆ፤
'ብወደብ ምጽዋዕ ንህወሓት ዝተመሓላለፈ ኣጽዋር ከም ዝማረኹ' ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ገሊጹ