እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ
ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።
ጽማቝ ሓበሬታ
- ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
- እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
- ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
- ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
- ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
- ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።
ቀጥታዊ ሸፈነ
መዓልታዊ ቡን ምስታይ ካብ 150 መግብታት ንላዕሊ ጥዕናዊ ረብሓ አለዎ - መጽናዕቲ
ብሌተና ጀነራል ጻድቃን ዝምራሕ ቤት ምኽሪ ድሕሪ ደጊም 'ብዝተመስረተሉ መሓውር' ከም ዘይቕጽል ኣፍሊጡ
ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ኣዋጅ ህጹጽ እዋንን ህይወት ስደትን - ቃለመሕትት ቢቢሲ ምስ ገዱ ኣንዳርጋቸው
ሶማሊላንድ፡ ጸጥታ ኢትዮጵያ ንዝትንክፍ ኪዳን ከም እትቃወም ኣፍሊጣ
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ግዝያዊ 'ሞግዚት ምምሕዳር' ትግራይ ኣቚሙ
ኢንፋንቲኖ ንባይቶ ፊፋ ይቕሬታ ሓቲቱ፡ ንመሪሕነት ከምዘይበቅዕ ግን ተነጊርዎ
ሑቲ ንቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት የመን ብሚሳይል ሃሪሙ ሓሙሽተ ሰባት ተቐቲሎም
ዘመናዊ ውግእ፡ ኢንተርነት ሳተላይት ብኸመይ ወሳኒ ኣጽዋር ኰይኑ?
ኣስመራ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ንዲፕሎማሰኛታት ወጻኢ መብርሂ ይህብ
ንውሳነ ብሪጣንያ ዝተቓወመት ኤርትራ 'ብሓይሊ' ዝስጐጉ ዜጋታታ ከምዘይትቕብል ኣፍሊጣ
ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ዘለዋ ውክልና ናብ ንቡር ክምለስ ሓቲታ
ሱዳን፡ ኢትዮጵያ ንዳዕመ-ሰሪዕ ምድጋፍ እንተ ኣቋሪጻ ንዘተ ድልውቲ ምዃና ኣፍሊጣ
ከም ንቡር ድኻም ወይ ኣለርጂ ዝሕሰቡ፡ ሓደገኛታት ምልክታት መንሽሮ ቈልዑ
ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓደነትን ጐረባብተን ከኽብራ ኣለወን - ኣመሪካ
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ምስ ጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ከምዝተዘራረበ ገሊጹ
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ምስ ጸሓፊ (ሚኒስተር) ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ብዛዕባ "ዞባዊ ጉዳያት" ብስልኪ ከምዝተዘራረበ ሓቢሩ።
ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ ማርኮ ሩቢዮ ሃገሩ ንኢትዮጵያ እትህቦ ደገፍ ከምዝቕጽል ቃል ከምዝኣተወሉ ኣሚቱ ።
"ምስ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ፡ ንክልቲአን ሃገራት ኣብ ዘገድሱ ወሰንቲ ክልተኣዊን ሓባራዊን ጉዳያት ውጽኢታዊ ልዝብ ኣካዪደ።
"ኣመሪካ ንኢትዮጵያ ዘለዋ ደገፍ ከምዝቕጽል ውሕስነት ምሃባ፡ ከምኡ'ውን ክልተኣዊ ምትሕግጋዝን ዞባዊን ዓለማዊን ቀዳምነታት ንምሕያል ዘለና ሓባራዊ ተወፋይነትን ብሓጐስ እቕበሎ" ይብል እቲ ኣብ ኤክስ ዘውጽኦ መብርሂ።
ብወገን ኣመሪካ ግን፡ ካብ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ይዅን ማርኮ ሩቢዮ ወይ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ'ቲ ዝርርብ ዛጊት ዝወጸ መግለጺ የለን።
ነቲ ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ዝነበረ ኲናት ክልተ ዓመት ኣብ ምህዳእ ወሳኒ ተራ ዝነበራ ዋሽንግተን፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዳግማይ ኲናት ምውልዑ ከምዝተሓሳሰባ ክትገልጽ ጸኒሓ'ያ።
እዚ ዝተባህለ ዝርርብ፡ ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ'ውን ናብ ሓደገኛ ወጥሪ ኩነተ-ኲናት ኣትያትሉ ኣብ ዘላ እዋን'ዩ ዝካየድ ዘሎ።
ዋሽንግተን ምስ ኣስመራ ዝጸንሓ ሓርፋፍ ዝምድና'ውን ኣብዚ ቀረባ እዋን ነዊሕ ትጽቢት ዝተገብረሉ ምምሕያሽ ኣርእዩ ምህላዉ ይፍለጥ።
ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዑስማን ሳልሕ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ዋሽንግተን ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን ኣመሪካ ምርኻቡ መርኣያ ሓድሽ ምዕራፍ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ክልቲአን ሃገራት'ዩ ነይሩ።
ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ወሲናቶ ዝጸንሐት እገዳታት ኣብዚ ዓመት ምልዓላ'ውን ካብ ኣስመራ ናእዳ ዝረኸበ ስጉምቲ'ዩ።
ንብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ናብ ጸገም ዘቃልዐን ዘሎ መብጣሕቲ ሽፋን ዓይኒ
ሓዳርና ናብ ፍትሕ የምርሕ ከምዘሎ ኣቐዲሞም ዝርኣዩ ሓሙሽተ ምልክታት
ትግራይ፡ ሽዱሽተ ዓመት ካብ ደብረጽዮን ናብ ደብረጽዮን - ዳግማይ ኲናትን ዘይተመለሱ ሕቶታትን
ፕረዚደንት ኮንጎ ነበር ጆሴፍ ካቢላ፡ መራሒ ናይ መንግስቲ ንምእላይ ዝቃለስ ልፍንቲ ኰይኑ
ፕረዚደንት ኮንጎ ነበር ጆሴፍ ካቢላ መራሒ ናይቲ ንመንግስቲ ካብ ስልጣኑ ንምእላይ ዝቃለስ ዘሎ ሓድሽ ጥምረት ተቓወምቲ ሓይልታት ኰይኑ ተሰይሙ።
ግንባር ዳግመ ምምስራት ሃገር (FRN) ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ “ምልኪ” ንምእላይ ዝጠልቡ "ሓይልታት ተቓውሞ" ንምውህሃድ ዝዓለመ ከምዝዀነ ይንገር።
ወዲ 55 ዓመት ካቢላ፡ ካብ 2001 ጀሚሩ ክሳብ ብዘካትዕ ምርጫ ትሺሰኬዲ ስልጣን ዝሓዘሉ ጥሪ 2019፡ ንወላዲኡ ብምትካእ ንነዊሕ ዓመታት ነታ ሃገር ዝመርሕ ዝነበረ'ዩ።
እቲ ፕረዚደንት ነበር ንሓያሎ ዓመታት ካብ ዓይኒ ህዝቢ ተኸዊሉ እኳ እንተጸንሐ፡ ኣብ ልዕሊ ምምሕዳር ተካኢኡ ትሺሰኬዲ ዘቕርቦም ነቐፌታ እናወሰኸ ይመጽእ ኣሎ።
ካቢላ ብክድዓት ሃገር ኣብ ዘይተረኸበሉ ንሞት ምስተፈርደ፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት እዩ እቲ ሓድሽ ጥምረት ዝምስረት ዘሎ።
እቲ ጥምረት፡ ኣብታ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚራ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር M23 ዝጸንሐት ኣብ ምብራቓዊ እታ ሃገር ዝዓበየት ጎማ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ’ዩ ነቲ ሓድሽ መግለጺ ሂቡ ዘሎ።
መንግስቲ ኮንጎ ዛጊት ብዛዕባ’ዚ ዝሃቦ ርእይቶ የለን።