እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ
ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።
ጽማቝ ሓበሬታ
- ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
- እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
- ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
- ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
- ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
- ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።
ቀጥታዊ ሸፈነ
ግራንድ ፕሪ ኣፍሪቃ፡ ርዋንዳ ውድድር ፎርሙላ 1 ከተአንግድ እያ
ርዋንዳ፡ ውድድራት ግራንድ ፕሪክስ ኣፍሪቃ ብዝብል ዝጽዋዕ ውድድራት ንምእንጋድ፡ ምስ ፎርሙላ 1 (F1) ናይ 10 ዓመታት ውዕል ፈሪማ።
ነዚ ስዒቡ እታ ሃገር "ካብ መጀመርታ 2030ታት" ጀሚራ ኣአንጋዲት እዚ ውድድር ክትከውን እያ።
እዚ ውድድር፡ ድሕሪ 1993 ኣብ ኣፍሪቃ ዝካየድ ፈላማይ ፎርሙላ 1 ውድድር እዩ ክኸውን።
'ግራንድ ፕሪ' ኣፍሪቃ፡ ካብ ርእሰ ከተማ ኪጋሊ ንደቡብ 25 ማይልስ ርሒቑን ኣብ ጎኒ ሓድሽ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ እታ ከተማን ክካየድ እዩ ተወጢኑ ዘሎ።
ፎርሙላ 1፡ እቲ ውድድር ስፖርት ኣብ ኣፍሪቃ ፕሮፋይሉ ንምብራኽ ዕድል ክፈጥረሉ ተስፋ ይገብር፡ ምኽንያቱ ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ዕዳጋ፡ ምስ ኤውሮጳ፡ ኤስያን ኣመሪካን ክነጻጸር እንከሎ ብተዛማዲ ዘይተዳህሰሰ እዩ።
ርዋንዳ ቅድሚ ሕጂ ብስፖርታዊ ምሕጻብ ተኸሲሳ ስለዝነበረት እዚ ውድድር ኣካታዒ ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ።
ርዋንዳ፡ ዝጸለመ ስም ንምጽራይ ልዑል ሽም ዘለዎም ስፖርታዊ ፍጻመታት ብምጥቃም ክትክሰስ ስለዝጸንሐት፡ እዚ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመታት ዝጅመር ውድድር ኣካታዒ ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ።
'ብህይወት ክንወፅእ፡ ተስፋ ኣይነበረናን' - ፍሉይ ቃለመሓትት ኮሎኔል ተወልደ ምስ ቢቢሲ
'ክልተ ኣሓተይ ስኢነ'፡ ምስክርነት ካብ ሓደጋ ጃልባ ጅቡቲ ዝደሓኑ ኢትዮጵያውያን
ካብ ምድረበዳ የመን ክሳብ ኣህጉራዊ መድረኻት፡ ስትራተጅያዊ ስግኣት ዝፈጠረ ኲናት
ኣብ ዶብ ሱዳንን ግብጽን ኣብ ልዕሊ ዓደንቲ ወርቂ ዘጋጠመ እንታይ'ዩ?
ሰሓብቲ ንምዃን ዝሕግዙ 5 ቀለልቲ ሳይንሳዊ ለበዋታት
መራሕቲ ኢትዮጵያን እስራኤል ብስልኪ ተዘራሪቦም
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ምስ እስራኤላዊ መዘናኡ በንጃሚን ነታንያሁ ከምዝተዘራረበ ኣፍሊጡ።
ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብቲ ምስ ነታንያሁ ዘካየዶ ልዝብ "ወሰንቲ ዞባዊ ምዕባለታት" ከምዘልዓሉ ጠቒሱ። እንተኾነ እቶም ምዕባለታት ኣየኖት ምዃኖም ብንጹር ኣየስፈረን።
ብወገን ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ግን ብዛዕባ'ቲ ዝርርብ ዛጊት ዝተባህለ የለን።
ኢትዮጵያ በዚ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ሓድሽ ግጭትን፡ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሚያን ብዝቕጽል ዘሎ ጎነጽን ኣብ እትናወጸሉ ዘላ እዋን'ዮም እቶም መራሕቲ ብስልቲ ተዘራሪቦም ዘለዉ።
ንዝጸንሖም ክልተኣዊ ምትሕግጋዝ ንምሕያል ከምዝተረዳድኡ'ውን እቲ ኢትዮጵያዊ መራሒ ኣሚቱ።።
ስዑዲ ዓረብ፡ ብዙሓት ሰባት ዝቐተለ መጥቃዕትታት ሑቲን ግብረመልሲ ሪያድን
ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ነቲ ካብ የመናውያን ዕጡቓት ሑቲ ዝወርዳ ዘሎ ቀታሊ መጥቃዕትታት "ከቢድ" ምላሽ ክትህበሉ ምዃና ኣጠንቂቓ።
ሚኒስተር ጸዓት እታ ሃገር ልኡል ዓብዱል ዓዚዝ ቢን ሳልማን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ዝተራእየ ፍጻመታት ከቢድ'ዩ። ግብረመልሲና ድማ ማዕሪኡ ከቢድ ክኸውን ኣለዎ" ኢሉ።
ትማሊ ሰንበት ኣብ ዝቐጸለ ነቲ ኣብ ርእሰከተማ ሪያድ ዝርከብ ዓለምለኻዊ ማዕርፎ ነፈርቲ ንጉስ ኻሊድ ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ሓደ ፓኪስታናዊ ከምዝተቐትለ ሰብመዚ ሓቢሮም።
ብቐዳም'ውን ኣብ ካልእ ህንጻ (ተርሚናል) ናይቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 13 ሰባት ቀቲሉ ነይሩ'ዩ።
እቲ ደብዳባት ነቲ ስዑዲ ኣብ ልዕሊኦም ተካይዶ ዘላ "ጨካን ወራር" ሕነ ንምፍዳይ ዝተኻየደ ምዃኑ'ዩ ጉጅለ ሑቲ ዝምጉት። ብሰንበት ኣብ ርእሰከተማ ሰንዓ ኣብ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ሓይልታት ስዑዲ፡ ሓደ ቆልዓ ከምዝሞተን ካልኦት ሽዱሽተ ከምዝቖሰሉን'ውን ሑቲ ጠቒሱ።
ወተሃደራዊ ኣፈኛ ናይቶም ዕጡቓት ያሕያ ሳሪያ ብሰንበት ብቪድዮ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ መዓርፎታት ነፈርቲ ሪያድን ዳማምን፡ ከምኡ'ውን ኣብ ምብራቕ ንዝርከብ ክልተ ትካላት ነዳዲን ጋዝን እታ ሃገር ዒላማ ዝበረ መጥቃዕቲታት ብድሮናትን ሚሳይላትን ከምዝተፈጸመ ምጥቃስ፡ ሕነ ናይቲ ብሓይሊ ኣየር ስዑዲ ዝተኻደ 124 ደብዳባት ምዃኑ ኣፍሊጡ።
እንተኾነ፡ ሪያድ ብወገና እቲ ዳርባ ሚሳይላትን ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲን ክቕጽል ምዃና'ያ ተጠንቅቕ ዘላ።
"ንሕና፡ ስዑዳውያን ደፋራት፡ ተዋጋእትን ቆራጻትን ህዝቢ ኢና" ዝበለ ሚኒስተር ጸዓት ልኡል ዓብዱል ዓዚዝ፡ "ነዚ ንሓልፎ ዘለና ክንሰግሮ ምዃንና ንዓለም ከነረጋግጸላ ኢና" ክብል ኣብታ ከተማ ንዝተጋብአ ዋዕላ ጸዓት ገሊጹ።
ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኮማንድ ፖስት ከምዘይቕበሎ ገሊጹ
ትግራይ ኣብ ትሕቲ ኮማንድ ፖስት መንግስቲ ፌዴራል ክትጸንሕ ዝብል ኣንፈት ከምዝቃወም ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣፍሊጡ።
እቲ ሰልፊ ሎሚ 02 ጥቅምቲ 2019 (ግ) ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ስርዓት ኢትዮጵያ፡ ንሕግታት እታ ሃገርን ትግራይን ጨፍሊቑን ዝዀነ ሕጋዊ ደገፍ ከይጠቐሰን፡ እታ ካብ ወተሃደራዊ መቑሕ ህወሓት ገና ዘይደሓነት ትግራይ፡ መሊሱ ኣብ ትሕቲ ወተሃ መቑሕ ሰራዊት ኢትዮጵያ ከምዘእትዋ” ብልኡኻቱ ይገልጽ ከምዘሎ ይኸስስ።
ኣብ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃ ፍሉይ ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ- ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ትግራይ ንዝመጽእ ሽድሽተ ኣዋርሕ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ፈዴራል ክትመሓደር ምዃና ተዛሪቡ ነይሩ'ዩ።
እቲ ፕረዚደንት ግዝያዊ ክልላዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝነበረ ጌታቸው፡ ምስ ዕጡቓት ህወሓት ክካየድ ዝቐነየ ኲናት ከምዘብቅዐ ብምእዋጅ፡ ትግራይ ኣብ ትሕቲ "ኮማንድ ፖስት" መንግስቲ ፌዴራል ከምትእትፀንሕ'ዩ ምስ ሓደ ቲቢቤስ ዝተባህለ ቻነል ኣብ ዘካየዶ እዋናዊ ቃለመሕትት ኣአንፊቱ።
ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣብ መግለጺኡ፡ እቲ ትዅረት ብቐንዱ ኣብ “ዛዕባ ተፈናቐልትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ትግራይ ከምኡ’ውን ዕሙቕ ሓሳባትን ብሄራዊ ሓልዮትን ዝጠልቡ ጉዳያት ብደቂቑን ብጥበብን” ምምኽኻር ክግበር ጸዊዑ ኣሎ።
ሶማልያ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ዘሎ ወጥሪ ጸግዒ ከምዘይትወስድ ኣፍሊጣ
ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሶማልያ ሓሰን መሓመድ ዓሊ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ዘሎ ወጥሪ ሃገሩ "ዘይሻራዊት" ምዃና ገሊጹ።
ብሰንበት 11 ጥቅምቲ 2026 ምስ ቢቢሲ ቋንቋ ሶማል ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ "መርገጺ መንግስቲ ሶማልያ ሰላማዊን ዘይሻራዊን'ዩ" ኢሉ።።
ሶማልያ፡ ምስ ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን ታሪኻዊ፡ ጂኦግራፍያውን ሃይማኖታውን ርክብ ከምዘለዋ እውን ተዛሪቡ።
ሞቓድሾ "ኣብቲ ዞባ ንዝረአ ምዕባለታት ብቐረባ ትከታተል ኣላ" ዝበለ እቲ ሚኒስተር፡ ሶማልያ ናይ ገዛእ ርእሳን ዞባውን ረብሓታታ ንምሕላው ትሰርሕ ከምዘላ ገሊጹ።
"ምስ ኩለን ሃገራት ጽቡቕ ዝምድና ኣለና። ኣብዚ መዳይ ዝተቐየረ ነገር የለን" ኢሉ።
ሶማልያ፡ ብ4 ጥቅምቲ 2026 ኣብ ግብጺ ኢል ዓሌሚን ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ኣብ ዝተሳተፈትሉ እዋን፡ መርገጺ ናይተን ብሰንኪ ግድብ ህዳሴ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ክርክር ዝርከባ ሱዳንን ግብጽን ብምድጋፍ፡ ኣብ ስግረ-ዶባዊ ሩባታት ዝምልከቱ ኣህጉራዊ ሕግታት ምኽባር ኣገዳሲ ምዃኑ መግለጺ ኣውጺኣ ነይራ።
ኣብቲ ዋዕላ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደል ፋታሕ ኣል ሲሲ፡ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፡ ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ መሓመድ፡ ከምኡ’ውን ፕረዚደንት ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ተሳቲፎም ምንባሮም ይዝከር።
ኣርባዕቲአን ሃገራት ኣብ መግለጺአን መሰል ናጽነት ምጉዓዝ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ጠቒሰን፡ ምሕደራን ምቁጽጻርን ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ትሕቲ ብሕታዊ ሓላፍነት ናይተን ምስ ቀይሕ ባሕሪ ዝዳወባ ሃገራት ከምዝዀነ ኣነጺረን።
ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተፈጠረ ወጥሪ ኣብ ዝጋደደሉ እዋን ዝወጸ መግለጺ እተን ኣርባዕተ ሃገራት፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ስግኣትን ግጭታትን ፖለቲካውን ሰላማውን ፍታሕ ክግበረሉ ጸዊዐን ነይረን።
ናብ ትግራይ ዝተጓዕዙ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ፈደራል እንታይ ይብሉ?
ትራምፕ ካብ ሩስያ ነዳዲ ንምዕዳግ ዝገበሮ ስምምዕ ብርቱዕ ተቓውሞ ገጢምዎ
ጅቡቲ፡ ኢትዮጵያውያን ዝርከቡዎም 139 ስደተኛታት ብዝጠሓለት ጃልባ ህይወቶም ስኢኖም
ጌታቸው ረዳ፡ ትግራይ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ፌዴራል ከም እትጸንሕ ገሊጹ፡ 'ውግእ ተዛዚሙ' ኢሉ
ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኣለምዋጭ ብዝተፈጸመ ናይ ሞርታር ደብዳብ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ጉድኣት ወሪዱ
ሶማልዊት ስደተኛ ኣባል ባይቶ ዓዲ እንግሊዝ ኮይና
ሳጋል ዓብዲ ዋሊ ዝተባህለት ተወላዲት ሶማልያ ስደተኛ ንሰልፊ ዕዮ ወኪላ፡ ኣብ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝተኻየደ መረፃ ተዓዊታ።
ንሳ፡ ኣብ ባይቶ ብሪጣንያ ዝተመርጸት ፈላመይቲ ተወላዲት ሶማል ጓል ኣንስተይቲ ኰይና ኣላ። እታ ጓል 42 ዓመት ፖለቲከኛ፡ ቅድሚ ሕጂ ብቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ሰር ኬር ስታርመር ተታሒዙ ዝነበረ መንበር ሆልቦርንን ሴንት ፓንክራስን እያ ተዓዊታ ዘላ።
ሳጋል ዓብዲ ዋሊ ኣብ 1990ታት ካብ ሶማልያ ምስ ስድራኣ ናብ ብሪጣንያ ዝመጸት ኮይና፡ ኣብ ሰሜናዊ ለንደን ከባቢ ካምደን'ያ ዓብያ።
ኣብ ግንቦት 2026 ድማ መራሒት ቤት ምኽሪ ካምደን ኮይና ተመሪጻ።
ኣብ እዋን ጎስጓስ መረፃ፡ ሰልፊ ዕዮ ምስ ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ዘለዎ ጽኑዕ ርክብ ኣጉሊሓ።
ቅድሚ መራሒት ቤት ምኽሪ ምዃና፡ ኣብ ቤት ምኽሪ ካምደን ሓላፊት ልምዓት ኣባይቲ እያ ነይራ።
ድሕሪ ምዕዋታ ኣብ ዘስመዐቶ መደረ፡ ንማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ዘለዋ ዓሚቕ ተወፋይነት ገሊጻ፡ ናብራ ሰባትን ስድራቤቶምን ንምምሕያሽ መዓልታዊ ከም እትሰርሕ ገሊጻ።
"ቅልውላው ኣባይቲ ምስ ረኣኹ እየ ናብ ፖለቲካ ኣትየ" ትብል።
ኣብ ጥቓ ዶብ ኢትዮጵያ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ድሮን ብዙሓት ቀቲሉ
ኣብ መንጐ ትራምፕን ፕረዚደንት ዩክረይን ምስሕሓብ ፈጢሩ ዘሎ ስምምዕ
ኣብ ርያድ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 12 ሰባት ሞይቶም ልዕሊ 300 ተሃሪሞም