እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ
ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።
ጽማቝ ሓበሬታ
- ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
- እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
- ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
- ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
- ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
- ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።
ቀጥታዊ ሸፈነ
ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣብ ዓመት 600 ቶን ወርቂ ዘጻሪ ፋብሪካ ስራሕ ኣጀሚሩ
ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ኣማኻሪ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኰይኑ ዳግማይ ተሸይሙ
ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ኣማኻሪ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኰይኑ ዳግማይ ከምዝተመዘዘ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ምኒስተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓጺር ናይ ፌስቡክ መልእኽቲ ኣፍሊጡ።
ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ካብ ሎሚ 10 መስከረም 2026 ጀሚሩ ኣማኻሪ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኰይኑ ዳግማይ ከገልግል ምዃኑ እቲ መልእኽቲ ይጠቅስ።
ንኽልተ ዓመት ፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኰይኑ ዘገልገለ ኣቶ ጌታቸው፡ ካብ 3 ሚያዝያ 2017 (ግ) ጀሚሩ ኣብ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣማኻሪ ምኒስተር ኰይኑ ብቐዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ከም ዝተሸየመ ይፍለጥ።
ዝሰርሓሎም መንግስታዊ ሓላፍነታት
- ኣብ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዳይረክተር ፓብሊክ ዲፕሎማሲ
- ኣብ ግዜ ቀዳማይ ምኒስተር ነበር ሃይለማርያም ደሳለኝ ካብ ዳይረክተርነት ናብ ዋና ዳይረክተርነት ደይቡ
- ምኒስተር ጉዳያት መራኸቢታት መንግስቲ
- ፍሉይ ኣማኻሪ ቀዳማይ ምኒስተር (ኣብ ግዜ ቀዳማይ ምኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ)
- ኣብ ኣላማጣ ተመሪጹ ናብ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኣትዩ ነይሩ።
ጌታቸው ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ምምራቑ ናብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ብመምህርነት ዝተጸምበረ ኰይኑ፡ ኣብ ክፍሊ ትምህር ሕጊ ንዝተወሰኑ ዓመታት ኣገልጊሉ።
ኣብ ፈለማ 1990ታት [ግእዝ] ብዝረኸቦ ዕድል ትምህርቲ ኣብ ኣመሪካ ካብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ኣላባማ ክፍሊ ትምህርቲ ሕጊ ካልኣይ ዲግሪ (ማስተርስ) ክረክብ ዝበቕዐ ኰይኑ፡ ዳግማይ ናብቲ ብመምህርነት ዝሰርሓሉ ዝነበረ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ተመልሰ።
ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ግን ብመምህርነት ነዊሕ ኣይጸንሐን፣ ኣብ 1997 ኣብ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ብሓላፍነት ስራሕ መንግስቲ ስለ ዝተሸመ ናብ ኣዲስ ኣበባ ግዓዘ።
ካብ ሞያ መምህርነት ወጺኡ ናብ ፖለቲካን መንግስታዊ ስልጣንን ካብ ዝኣቱ ንደሓር ኣብ ዝተፈላለዩ ደረጃታት ሓላፍነት ዘገልገለ ኰይኑ፡ ብፍላይ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻእን ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ምኒስትርን ነዊሕ እዋን ዝሰርሓሎም እዮም።
ቅልውላው ትግራይ፡ ዘለዉ ምዕባለታት እንታይ ይመስሉ?
ትራምፕ ምስ ሩስያ ዝገበሮ ዘሰንብድ ሓድሽ ስምምዕ እንታይ እዩ?
ኣብርሃም ኣፈወርቂ፡ ኣብ ልቢ ሰማዕቱ እናሻዕ ዝውለድ ስነጥበበኛ
ንስለ ደቃ ኣብ ፌስቡክ ዝለመነት ኣደ ብልግሲ ኵሊት ዘይትፈልጦ ሰብ ዳግም ህይወት ረኺባ
ቀንዲ መዓርፎ ነፈርቲ ሪያድ ሕጂ'ውን ዒላማ መጥቃዕቲ ሑቲ ይኸውን
የመናውያን ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ልዕሊ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዘካየድዎ መጥቃዕቲ ሰለስተ ዜጋታት እታ ንግስነት ተቐቲሎም።
እቶም ግዳያት፡ ነቲ ኣብ ርእሰከተማ ሪያድ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ንጉስ ኻልድ ዒላማ ኣብ ዝገበረ ክልተ መጥቃዕትታት'ዮም ተቐቲሎም።
ካልኦት ሓያሎ ዜጋታት እታ ሃገርን ወጻእተኛታትን ቆሲሎም ከምዘለዉ'ውን ሰብመዚ ሲቪል ኣቬሺን እታ ንግስነት ሓቢሮም ኣለዉ።
እቲ ትማሊ ዝተኻየደ ቀዳማይ መጥቃዕቲ ነቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዒላማ ዝገበረ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ንሓንቲ ነፋሪት መገዲ ኣየር ስዑዲ ከምዝሃረመ እቲ መግለጺ የመልክት።
ዕጡቓት ሑቲ ብወገኖም፡ ሓላፍነት ናይቲ መጥቃዕቲ ብምውሳድ፡ ክልተ ባሊስቲክ ሚሳይላት ናብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ከምዝተኮሱ ገሊጾም ኣለዉ።
ቅድሚ ሒደት መዓልታት'ውን ሓደ ሱዳናዊ ዝርከቦም ሰለስተ ወጻእተኛታት ብተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ሞይቶም ምንባሮም ይዝከር።
ወተሃደራዊ ኣፈኛ ናይ ጉጅለ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ መጥቃዕቲታት "ግብረመልሲ ናይቲ ስዑዲ ኣብ ልዕሊ ሃገርና ዝፈጸመቶ ወራር እዩ" ብምባል "ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ጥራይ 60 ደብዳባት ኣየርን መጥቃዕቲ ሚሳይላትን" ከምዝተፈጸመሎም ተዛሪቡ።
እታ ንግስነት ነቶም ኣንጻሮም ዝዋግኡ ዘለዉ በቲ ኣብ ወደባዊት ከተማ ዓደን ዝርከብ መንግስቲ የመን ዝምርሑ ሓይልታት ትድግፍ ምህላዋ'ውን ንዕጡቓት ሑቲ ካብቲ ዘቖጥዖም ዘሎ ምዃኑ ኣይሓብኡን።
ምላሽ ኣስመራ ነቲ ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ ክሲ ኣዲስ ኣበባ
ሽልማት ኖበል ሰላም ንኣፍሪቃዊት ሓላፊት ሰባዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ነበር ተዋሂቡ
ሓላፊት ሰባዊ መሰላት ህቡራት ሃገራት ነበር ናቪ ፒለይ ሽልማት ኖበል ሰላም 2026 ተዓዊታ።
እታ ዳኛ ዓለምለኻዊ ቤትፍርዲ ፍትሒ'ውን ዝነበረት ደቡብ ኣፍሪቃዊት፡ "ሰላምን ዓለምለኻዊ ሕግን ንምድንፋዕ ብዝገበረቶ ጻዕርታት" ነቲ ሽልማት ክህባ ከምዝወሰነ እቲ ኣብ ኖርወይ ዝርከብ ኮሚተ ኖበል ኣፍሊጡ።
ጓል 85 ዓመት ፒለይ፡ ንዓሰርተታት ዓመት ኣብ ዝቐጸለ መዝነታታ ንከም ናይ ርዋንዳ፡ ሚያንማርን ቓዛን ዝበሉ ዓበይቲ ጉዳያት ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ኣብ ምድናይን ምውሳንን ዝተሳተፈት እያ።
እታ ናይ ሕጊ ምርቕቲ ዝኾነት ፒለይ፡ ነቶም ኣብ ሃገራ ኣንጻር ኣፓርታይድ ዝቃለሱ ዝነበሩ ፍሉጣት ተቓለስቲ ብምጥባቕ'ያ ብኣጋኡ ሞያኣ ኣማዕቢላ።
ኣቦመንበር ሽማግለ ኖበል ወኖርወይ ጆርገን ዌትነ ፍሪድነስ ከምዝበሎ፡ ኣበርክቶኣ "ገበናት ኲናት፡ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ምጽናት ዓሌትን ናብ ሕጊ ክቐርቡ ኣገዳሲ" እዩ ነይሩ።
ንሳ መበል 5ይቲ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ተዓዋቲት ኖበል ኮይና ኣላ። ፍሉጥ ተቓላሳይ ኣንጻር ኣፓርታይድን፡ ፈላሚ ፕረዚደንት ደሞክራስያዊት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበርን ነልሰን ማንዴላ፡ ከምኡ'ውን ኣፓርታይድ ከብቅዕ ኣፍደገ ዝኸፈተ ናይ መወዳእታ ፕረዚደንት ናይቲ ንውሑዳን ጸዓዱ ዝውክል ዓሌታዊ መንግስቲ ዝነበረ ኤፍ-ዳብሊው ደክለርክን ሓደ ሽልማት ኖበል ሰላም 1993 ምምቓሎም ይፍለጥ።
ቅድሚኦም'ውን ፍሉጥ ተሓላቒ መሰላት ዝነበረ ጳጳስ ኣንግሊካዊ ቤተክርስትያን እታ ሃገር ዝነበረ ደዝሞንድ ቱቱ (1984)፡ ከምኡ'ውን ሓደ ካብ ፈለምቲ መራሕቲ ኣፍሪቃዊ ሃገራዊ ጉባኤ (ኤ-ኤን-ሲ) ኣልበርት ሊቱሊ (1961) ነቲ ሽልማት ተቐቢሎም ነይሮም'ዮም።
ትግራይ፡ ናብን ካብን መቐለ ዝግበር በረራታት ዳግማይ ክጅምር'ዩ
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ተቛሪጹ ዝጸንሐ ናብን ካብን ትግራይ ዘካይዶ በረራታት ዳግማይ ከምዝጅምር ኣፍሊጡ።
እቲ መገዲ ኣየር ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ነቲ "ብግዝያዊነት ተቛሪጹ" ዝጸንሐ ናብ ከተማ መቐለ ዘካይዶ በረራታት ካብ ድሕሪ ጽባሕ ሰንበት ባሕቲ ጥቅምቲ ናብ ንቡር ክምለስ ምዃኑ ይጠቅስ።
"ናብ ከተማ መቐለ ዘካይዶ ስሩዕ በረራታት ካብ 1 ጥቅምቲ 2019 ከምዝጅምር ብዓቢ ሓጐስ ይገልጽ።
"ኣብ ቀረባዅም ናብ ዘሎ ቤት ጽሕፈት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብምኻድ ወይ ናብ ናይ ስልኪ ማእከልና 6787 ብምድዋል ምዝገባ ክትሕዙ ከምእትኽእሉ ከነፍልጥ ንደሊ" ይብል እቲ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝወጸ መግለጺ።
እቲ መገዲ ኣየር ብሰንኪ ኣብቲ ክልል ዳግም ዝተወልዐ ግጭት፡ ናብ መቐለ፡ ኣኽሱምን ሽረን ዝገብሮም በረራታት ካብ 13 መስከረም 2019 (ግእዝ) ጀሚሩ ደው ከምዘበለ ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።
ኣብቲ እዋን ሓይልታት ትግራይ ናብ ሰለስቲአን ከተማታት ዝርከቡ መዓርፎታት ነፈርቲ ተቖጻጺሮሞ ነይሮም።
እንተኾነ ኣብ ዝሓለፈ ቅሩብ መዓልታት ሰራዊት ኢትዮጵያን ትግራይ ሓይሊ ሰላም ተባሂሎም ዝፍለጡ ዕጡቓትን ብምትሕብባር ንከተማ መቐለ ከምዝተቖጻጸሩ ይዝከር። ብህወሓት ዝምራሕ ነቲ ክልል ከመሓድር ዝጸንሐ ምምሕዳር'ውን ካብታ ከተማ ከምዝወጸ ኣፍሊጡ ነይሩ።
'ብፍሽኽታ ዝተሓብአ ጭንቀት' እንታይ እዩ - ምልክታቱኸ?
ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ትግራይ፡ ቢቢሲ ዘጻረዮም ኣሳእል እንታይ የመልክቱ?
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ዝሸሞም ኣባላት ሓድሽ ካቢነ ሚኒስተራት
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ብሓሙስ 9 ደቂኣንስትዮ ዝርከብዎ ሓድሽ ካቢነ ሚኒስተራት ኣቚሙ ኣሎ።
ሓደ ካብቶም ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብምቕራብ መዝነቶም ዝጸደቐ ኣባላት ካቢነ ዝኾነ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ጥሩነህ ተሻገር ብዝጸንሖ መዝነት ክቕጽል ተሓርዩ ኣሎ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ጌደዎን ጢሞቴዎስ'ውን ኣብ ዝነበሮ ክቕጽል ከምብሓድሽ ተመዚዙ።
ብዘይካ'ዚ፡ መሐመድ እድሪስ ሚኒስተር ምክልኻል ክኸውን እንከሎ፡ ጓል 47 ዓመት ዶ/ር ፍጹም ኣሰፋ ፈላሚት ጓልኣንስተይቲ ሚኒስተር ፋይናንስ ክትከውን ተመዚዛ ኣላ።
ኣባላት ካቢነ ዝነበሩልዕሊ 10 ሚኒስተራት ኣብዚ ሓያሎ መንእሰያት ዘጠቓለለ ሓድሽ ካቢነ ኣይኣተዉን። ገለ'ውን ካብ ሚኒስትሪ ናብ ሚኒስትሪ ዝተቐየሩ ኣለዉ።
ኣስማት ናይቶም ዝተረፉ ሚኒስተራት እዞም ዝስዕቡ'ዮም፣
- ፕ/ር ብርሃኑ ነጋ (ኣባል ተቓዋሚ ሰልፊ ኢዜማ)፡ ሚኒስተር ትምህርቲ
- ያስሚን ዎሃብረብ፡ ሚኒስተር ንግዲን ዞባዊ ውህደትን
- ኣዲሱ ኣረጋ፡ ሚኒስተር ሕርሻ
- ሃና ኣርያስላሰ፡ ሚኒስተር ፍትሒ
- ዶ/ር ፍስሃ ይታገሱ፡ ሚኒስተር ኢንዱስትሪ
- ዶ/ር ሃብታሙ ኢተፋ፡ ሚኒስተር ማይን ጸዓትን
- ኣውሉ ኣብዲ፡ ሚኒስተር ዕዮን ሞያን
- በረኸት ፍስሃጽዮን፡ ሚኒስተር ሃገራዊ ስትራተጂ
- ኣለምጸሃይ ጳውሎስ፡ ሚኒስተር ማዕድን
- ሸዊት ሻንካ፡ ሚኒስተር ደቂኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳያትን
- ፍረሂወት ታምሩ፡ ሚኒስተር መሃዝነትን ተክኖሎጂን
- ሱልጣን ወሊ፡ ሚኒስተር መስኖን ቆላታትን
- ዶ/ር መቕደስ ዳባ፡ ሚኒስተር ጥዕና
- ሰላማዊት ካሳ፡ ሚኒስተር ባህልን ቱሪዝምን
- ሳዳት ነሻ፡ ሚኒስተር ሎጀስቲክስ
- ሙሳ ኣደን (ኣባል ተቓዋሚ ሰልፊ ህዝቢ ዓፋር)፡ ሚኒስተር ሰላም
- መሓመድ ዓብዱራሕማን ሚኒስተር ምዕባለ ከተማታትን ትሕተ-ቅርጽን
- ዶ/ር ኣኽሊሉ ታደሰ፡ ሚኒስተር መንእሰያትን ስፖርትን
ስዑዲ ዓረብ፡ ኣብ መዓርፎታት ነፈርቲ ዝተፈጸመ ደብዳባት ሑቲ ሰለስተ ሰባት ቀቲሉ
ዕጡቓት ሑቲ ንክልተ መዓልታት ኣብ ልዕሊ ስዑዲ ዓረብ ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ሰለስተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ሰብመዚ ሓቢሮም።
ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ከተማ ኣብሓ ኣብ ዝተኻየደ ደብዳብ ክልተ ሰባት ክሞታ እንከለዋ፡ ካልኦት 28 ቆሲሎም። ኣብቲ ኣብ ርእሰከተማ ሪያድ ዝርከብ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ንጉስ ኻልድ እውን ሓደ ሰብ ተቐቲሉ፡ 8 ካልኦት ቆሲሎም ኣለዉ።
ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ሑቲ ኣንጻር እቶም ብስዑዲ ዝድገፉ ሓይልታት ደቡብ የመን ኣብ ዝዋግእሉ ዘለዉ እዋን'ዩ እቲ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ ዘሎ።
ኣብቲ ኣብ ኣብሓ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ዝተቐትላ ክልተ ግዳያት፡ ዜጋታት ሞሮኮን ኣልጀሪያን ምዃነን ብዓልመዚ ሲቪል ኣቬሺን ስዑዲ ኣፍሊጡ'ሎ።
እቲ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ንጉስ ኻልድ ዝተቐተለ ድማ ሱዳናዊ ምዃኑ እቲ ሓበሬታ ይጠቅስ።
ወተሃደራዊ ኣፈኛ ሑቲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሓይልታቱ ንክልቲኡ መጥቃዕትታት ከምዝፈጸምዎ ተኣሚኑ።
እቶም ዕጡቓት ብረቡዕ'ውን ነቲ ኣብ ደቡብ የመን ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ወደባዊት ከተማ ዓደን ዒላማ ዝገበረ ደብዳብ ኣካይዶም ነይሮም።
ፕረዚደንት ቨነዙዌላ ነበርን ብዓልቲቤቱን ሓድሽ ክሲ ቀሪቡሎም
ኣኽበርቲ ሕጊ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ቨነዙዌላ ነበር ኒኮላስ ማዱሮን ብዓልቲ ቤቱ ሲልያ ፍሎረስን ሓድሽ ክሲ መስሪቶም።
ኣብ ኣመሪካ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዝርከቡ ወዲ 63 ዓመት ማዱሮን፡ ጓል 69 ዓመት ፍሎረስን፡ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ስቅያት ንምፍጻም ውዲት ኣሊሞም ዝብል ክሲ'ዩ ቀሪብሎም ዘሎ።
ማዱሮ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣብ ዝተፈላለየ ኣብያተማእሰርቲ መግረፍቲ ዝርከቦ ስቅያት ይፍጸም ምንባሩ ተሓለቕቲ መሰላት ይጠርዑ ነይሮም እዮም።
ማዱሮ ምስ ምዝውዋር ኣጽዋርን ዕጸ-ፋርስን ብዝብል ክስታት ብፍሉይ ስርሒት ሓይልታት ኣመሪካ'ዩ ኣብ ጥሪ ናይዚ ዓመት ካብ ርእሰከተማ ካራካስ ተታሒዙ ተወሲዱ።
እስራኤል፡ ብሪጣንያውያን ዲፕሎማሰኛታት ካብ ምብራቕ ዮሩሳሌም ይወጹ
ዝበዝሑ ካብቶም ኣብ ምብራቕ ዮሩሳሌም ዝርከቡ ዲፕሎማሰኛታት ብሪጣንያ ክወጹ ከምዝተወሰነ ይግለጽ ኣሎ።
እንተኾነ እቲ ምስ ፍልስጤም ዝተሓሓዝ ቤት ጽሕፈት ምሉእ ብምሉእ ከምዘይዕጾ ለንደን ኣፍሊጣ'ላ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ጊዴዎን ሳር ከምዝበሎ፡ 20 ዲፕሎማሰኛታትን ዋና ቆንስል እቲ ቤት ጽሕፈትን ካብ እስራኤል ክወጹ ምዃኖምን፡ ሸውዓተ ኣባላት ዘለውዎ ሓይሊ ዕማም ኣብቲ ህንጻ ክጸንሕ ከምዝተወሰነን ብመገዲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሓቢሩ። እቶም ዝተርፉ "ውሱን ንጥፈታት" ከምዝፍጽሙ'ዩ እቲ እስራኤላዊ ብዓል ስልጣን ሓቢሩ ዘሎ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ኢድ ሚሊባንድ ብወገኑ፡ ገለ ኣባላት እቲ ሚሽን ክጸንሑ ምዃኖም ብምርግጋጽ፡ እቲ ቤት ጽሕፈት "ምስ ህዝቢ ፍልስጤም ምስራሕ ክቕጽል" ምዃኑ ኣነጺሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም፡ ብሪጣንያ ምስቲ ዘይጋዊ ምስፋሕ ሰፈራታት እስራኤል ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ፍልስጤም ብዝተሓሓዝ ንግዳዊ እገዳታት ብምውሳና'ዩ መንግስቲ እስራኤል ነቲ ስጉምቲ ወሲዱ ዘሎ።
ዩክረይን፡ መጥቃዕቲ ሩስያ ብውሕዱ 30 ሲቪላውያን ተጓዓዝቲ ቀቲሉ
ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ኣብ ዘካየደቶ ሓድሽ መጥቃዕቲ ንክልተ ህዝባዊ ኣውቶቡሳት ዒላማ ከምዝገበረት ሰብመዚ ገሊጾም፠
ኣብቲ ኣብ ከባቢ ዓውደ-ውግእ ኣብ እትርከብ ከተማ ክራማቶርስክ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ልዕሊ 30 ሰባት ተቐቲሎም፡ ካልኦት 18 ቆሲሎም ኣለዉ።
ሞስኮ ብዙሓት ሲቪላውያን ንምቕታል ንህዝባዊ ኣውቶቡሳት ዒላማ ከምዝገበረት ኣመሓዳሪ ምብራቓዊ ዞባ ዶነትስክ ቫዲም ፊላሽኪን ከሲሱ።
ነቲ ደብዳብ ዝኾነነ ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ ብወገኑ፡ "እዚ መጥቃዕቲ'ዚ ግብረመልሲ ከይሃብናሉ ሱቕ ኣይክንብልን ኢና" ክብል ኣጠንቂቚ ኣሎ።
ብወገን ክረምሊን ብዛዕባ'ቲ መጥቃዕቲ ይዅን ዘውረዶ ጉድኣት ዛጊት ዝተባህለ የለን።
መንግስቲ ፌደራል ብዛዕባ ውግእ ትግራይ ስለምንታይ ስቕታ መሪጹ?
ኢትዮጵያ፡ ንኤርትራ ብወረራ ብምኽሳስ ሰራዊታ ክትስሕብ ሓቲታ