እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
  • እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
  • ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
  • ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
  • ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
  • ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ኢትዮጵያ፡ ኣመሪካን ብሪጣንያን ዘውጽኣኦ መጠንቀቕታ መጥቃዕቲ 'ሚሳይል ነዊሕ ርሕቀት'

  2. ማኦ ዜዶንግ፡ 'ጀነረሽን ዜድ' ንምንታይ በቲ ቅድሚ 50 ዓመት ዝዓረፈ 'መምህር' ክሳዕ ክንድዚ ይምሰጡ ኣለዉ?

  3. ሓይልታት ኤርትራ ናብ ከተማታት ትግራይ ክኣትዉ ከምዝተዓዘቡ ነበርቲ ሓቢሮም

  4. ኬንያ፡ ምስቲ ግዳይ ኢቦላ ዝነበሮም 57 ሰባት ይድለዩ ኣለዉ

    ምስቲ ብሕማም ኢቦላ ተታሒዙ ብሰኑይ ኣብ ርእሰከተማ ናይሮቢ ዝሞተ ግዳይ ተራኺቦም ዝነበሩ 10 ሰባት ናብ ውሸባ ክኣትዉ ከምዝተገብረ ሰብመዚ ጥዕና ኬንያ ሓቢሮም።

    ካልኦት ምስቲ ካብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጐ ዝመጸ ግዳይ ተራኺቦም ነይሮም ዝተባህሉ 57 ሰባት'ውን ይድለዩ ኣለዉ።

    እቲ ኣብ ናይሮቢ ዝተቐበረ ሰብ፡ ካብ ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ብመንገዲ ኡጋንዳ ኣቢሉ ዝተጓዕዘ ኬንያዊ ኰይኑ፡ ብቫይረስ ኢቦላ ቡንዲቡግዮ (Ebola Bundibugyo) ምልካፉ ተረጋጊጹ እዩ።

    ተርእዮ ናይቲ ሕማም ዘስግኦም ሰብመዚ ጥዕና ኣብ ኣፍደገታትን ዶባትን እታ ሃገር ልዑል ጥንቃቐን መርመራታትን ክግበር ኣዚዞም ኣለዉ።

    ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ፡ ንኮሚቴ ሃገራዊ ባይቶ ጸጥታ፡ ኵነታት ኢቦላ ኣብታ ሃገር ክግምግሙን ተወሳኺ ስጕምትታት ክውስኑን ኣዚዙ'ሎ።

    እቲ ኣብዚ ዓመት እዚ ጥራይ ኣብ ደ.ሪ.ኮንጎ ህይወት 4000 ሰባት ዝቐዘፈ ለበዳ ናብ ካልኦት ሃገራት ከይላባዕ ዓቢ ስግኣት ፈጢሩ ምጽንሑ ይፍለጥ።

    ቫይረስ ኢቦላ፡ ብመገዲ ከም ደም፡ ተምላስን ቀልቀልን ዝበሉ ነገራት ብምትንካፍ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዝሓልፍ ቀታሊ ሕማም እዩ።

  5. እስራኤል ንመጥቃዕቲ 7 ጥቅምቲ ዘኪራ ውዒላ

    መበል ሳልሳይ ዓመት መጥቃዕቲ 7 ጥቅምቲ ኣብ መላእ እስራኤል ተዘኪሩ ውዒሉ።

    ብ7 ጥቅምቲ 2023 ፍልስጤማውያን ዕጡቓት ሓማስ ናብ ውሽጢ እታ ሃገር ብምእታው ሃንበታዊ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ ይዝከር።

    እቶም ካብ ወሽመጥ ቓዛ ዝተበገሱ ዕጡቓት ህጻናት ዝርከብዎም ኣስታት 1200 ሰባት ብምቕታል ንካልኦት 251 ጅሆ ሒዞም ወሲዶሞም ነይሮም።

    እዚ ድሕሪ'ቲ ብናዚ ጀርመን ኣብ ልዕሊ ኣይሁዳውያን ዝተፈጸመ ዝኸፍአ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለም'ውን ተዘኪሩ ከምዝወዓለ ጸብጻባት ሓቢሮም።

    ሰራዊት እስራኤል ሕነ ናይቲ መጥቃዕቲ ንምፍዳይ ካብታ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ቓዛ ከካይዶ ኣብ ዝጸንሐ ኲናትን ደብዳባትን ኣሽሓት ዕሸላትን ህጻናትን ዝርከብዎም ልዕሊ 74,200 ፍልስጤማውያን ከምዝተቐትሉ ሰብመዚ ጥዕና እታ ወሽመጥ የመልክቱ።

    ሓማስ ነቲ ፍጻመ ንምዝካር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ መጥቃዕቲ "ባህርያዊ ግብረመልሲ" ናይቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ዘብጽሓቶ "መሪር ስቓይ"ምዃኑ ብምምጓት "ነጥበ-መቐይሮ" ምንባሩ ንኢዱ።

    ኣብ ጥቅምቲ 2025 መንጐ ክልቲኦም ወገናት ምቊራጽ ተጻብኦታት ድሕሪ ምውሳኑ ጥራይ ኣስታት 1500 ፍልስጤማውያን ብደብዳብ እስራኤል ከምዝሞቱ ድማ ሓማስ ይገልጽ።

  6. ኢትዮጵያ፡ ፕረዚደንት ሓሰን ዝፈጠሮ ቅሬታ - ድሒሩ ካብ ዝተኣልየ ሓተታ

  7. ሓደሽ ስጉምቲ መንግስቲ ኬንያ ኣብ ጉዳይ ኢቦላ

    ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ፡ ካብ ወጻኢ ዝኣተወ ሕሙም ኢቦላ ድሕሪ ሙማቱ፡ ንኮሚቴ ሃገራዊ ባይቶ ጸጥታ፡ ኵነታት ኢቦላ ኣብታ ሃገር ክግምግሙን ተወሳኺ ስጕምትታት ክመኽሩን ኣዚዙ።

    እቲ ሕሙም፡ ካብ ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ብመንገዲ ኡጋንዳ ኣቢሉ ዝተጓዕዘ ኬንያዊ ኰይኑ፡ ብቫይረስ ኢቦላ ቡንዲቡግዮ (Ebola Bundibugyo) ምልካፉ ተረጋጊጹ እዩ።

    ክሳዕ ሕጂ ዝተሓበረ ተወሳኺ መልከፍቲ የለን።

    ሰበ-ስልጣን ከም ዝሓበርዎ፡ ኣብቲ ናይ ካምፓላ-ናይሮቢ በረራ ዝነበሩ 27 ተጓዓዝቲ መንነቶም ተፈሊጡ ወይ ርክብ ተገይሩሎም ኣሎ።

    ብተወሳኺ ሸሞንተ ኣባላት ስድራቤትን 21 ሰራሕተኛታት እቲ በረራን ክንክን ጥዕናን ኣብ ውሸባ ይርከቡን ን21 መዓልታት ጥቡቕ ክትትል ይግበረሎም ምህላዉን ገሊጾም።

  8. ጀይ ዲ ቫንስ፡ ኲናት ደው ንምባል ኢራን ዓቕሚ ምብልጻግ ዩራንየም ከተጕድል ሓቲቱ

    ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ጀይ ዲ ቫንስ፡ ነቲ ንዝሓለፉ ሸውዓተ ኣዋርሕ ክካየድ ዝጸንሐ ኲናት ደው ንምባል፡ ኢራን ኣብ ዓቕሚ ምብልጻግ ዩራንየምን - መደባት ኑክሌር ርኡይ ምጕዳል ክትገብር ተላብዩ።

    እዚ ርእይቶ ምክትል ፕረዚደንት፡ ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ደው ንምባል ኣብ ዝግበሩ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት፡ ስምምዓት ኑክሌር ወሳኒ ተራ ከም ዝህልዎም ዘርኢ እዩ ተባሂሉ ኣሎ።

    ቫንስ፡ ሰኑይ ምስ ሮይተርስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሐትት፡ ኢራን ብዛዕባ መጻኢ ናይ ምጕዳል ስጕምትታት እትህቦ መረጋገጺታት፡ ኣመሪካ ከም ዘይትቕበል ብምግላጽ፡ ኣብ ክንድኡ ቴህራን ጭቡጣት ስጕምትታት ክትወስድ ከም እትደሊ ተዛሪቡ።

    ቫንስ፡ "ኣጽዋር ኑክሌር ዘይትደልዩ እንተ ዄንኩም፡ ደኣ ስለምንታይ ክሳብ 60 ሚእታዊት ዝበልጸገ ዩራንዩም የድልየኩም?" ክብል እውን ተዛሪቡ።

    ኢራን ዓቕሚ ምብልጻግ ዩራንየም ብምቕናስ ኣጽዋር ኑክሌር ንዘይምስራሕ ዘለዋ ቈራጽነት ከተርኢ ከም እትኽእል እውን ኣረዲኡ። ኣብዘን ቀረባ ሰሙናት፡ ኢራንን ኣመሪካን ነቲ ኲናት ደው ዘብልን ወሽመጥ ሆርሙዝ ዘኽፍትን ዝበልኦ ትልሚ ኣቕሪበን እየን።

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ቴህራን ዘቕረበቶ ትልሚ ሰላም ነጺጕ፤ ድሕሪ እቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝካየድ መረጻ ወተሃደራዊ ስጕምቲ ተጠናኺሩ ክቕጽል ከም ዝኽእል ተዛሪቡን እዩ። ቫንስ፡ ዋሽንግተን ኣብ ስምምዕ ሰላም ንምብጻሕ ክፍትቲ ምዃና ብምግላጽ፡ ካብ ወገን ቴህራን ጭቡጥ ስጕምቲ ከም ዘድሊ ሓቢሩ።

    ኣስዒቡ እውን፡ ምስ ፕረዚደንት ኢራን መስዑድ ፔዘሽክያንን ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዓባስ ዓራግቺን ዘተታት ይካየድ እኳ እንተሎ፡ ኣብ ቴህራን ናይ መወዳእታ ውሳነ ዝውስን ኣካል መን ምዃኑ ዋሽንግተን ሕጂ እውን ርግጸኛ ከም ዘይኰነት ገሊጹ።

  9. ሑቲ ኣብ ልዕሊ መዓርፎ ነፈርቲ ዓደን መጥቃዕቲ ፈጺሙ

    ዕጡቓት የመናውያን ሑቲ፡ ኣብ ልዕሊ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ዓደን ብባሊስቲክ ሚሳይልን ነታጒ ብዝጸዓና ድሮናትን መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸሙ ተሰሚዑ።

    ምኒስትሪ ትራንስፖርት የመን ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሓንቲ ካብ ካይሮ እትመጽእ ዝነበረት ነፋሪት ንኽትዓልብ ደቓይቕ ጥራይ ተሪፉዋ እንከሎ ሓደ ሚሳይል ጥቓ መሕነኒ ነፈርቲ ከም ዝወደቐ ኣፍሊጡ።

    ኣብ የመን ኣብ ዝተፈላለዩ ግምባራት ዝካየድ ዘሎ ውግኣት እናበርትዐ ኣብ ዝቐጸለሉ ዘሎ እዋን፡ እቲ ብስዑዲ ዝምራሕ ጥምረት ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሪያድ ዝተወንጨፈ ባሊስቲክ ሚሳይል ከም ዘፍሸለ ኣፍሊጡ ኣሎ።

    ካብ ግብጺ ተበጊሳ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ዓደን ተቓሪባ ዝነበረት ነፋሪት፡ ኣንፈታ ቀይራ ኣብ ጅዳ ንኽትዓልብ ከም ዝተገብረ እቶም ሰበ-ስልጣን ወሲኾም ኣፍሊጦም።

    ኣብቲ መዓርፎ ዝነበራ ክልተ ነፈርቲ፡ ተወሳኺ መጥቃዕትታት ክህሉ ይኽእል እዩ ብዝብል ስግኣት ካብቲ ቦታ ከም ዝተላዕላ እውን ገሊጾም።

    ሑቲ ብዛዕባ ፈጺሞምዎ ዝተባህለ መጥቃዕቲ ክሳዕ ሕጂ ዝሃብዎ ርእይቶ የለን።

    ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሑቲታት ኣብ እትርከብ ሰንዓ ንመወንጨፊ ዘገልግል ቦታ ይከታተሉ ምህላዎምን ከም ዘዕንዉዎን ዘፍለጡ ሰበ-ስልጣን ስዑዲ፡ ብዛዕባ ዘጋጠመ ጕድኣት ግን ዝርዝራዊ ሓበሬታ ኣይሃቡን።

    ወተሃደራዊ ወሃብ ቃል ሑቲ የሕያ ሳርዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ጕጅለ ነቲ ኣብ ሪያድ ዝርከብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ንጉስ ኻልድ ብሓያሎ ድሮናት ከም ዘጥቅዖ ተዛሪቡ።

    ኣብ ልዕሊ እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ስለ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ካብ ሰበስልጣን ስዑዲ ዓረብ ዝተረኽበ መረጋገጺ የለን። እዚ መጥቃዕትታት ዘጋጠመ፡ ብስዑዲ ዝድገፉ ሓይልታት መንግስቲ ኣብዘን ቀረባ ሰሙናት ንገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዝተቘጻጸሩ ሑቲ ስጕምቲ ጸረመጥቃዕቲ ድሕሪ ምውሳዶም፡ ውግእ የመን ኣብ ዝተፈላለዩ ግምባራት እናተባባዐ ኣብ ዝመጸሉ እዋን እዩ።

  10. ሊዮነል መሲ፡ ናይ መወዳእታ ጸወታኡ - 'ዓለም ብምልእታ እያ ተመስግነካ'

  11. ኣብ ሓንጎል ሃመማ ዝተገብረ መጽናዕቲ ብዛዕባ ጥዕና ኣእምሮ ደቂ ሰባት እንታይ ይነግር?

  12. ለበዳ ሕማም ኢቦላ ናብ ኬንያ ከምዝኣተወ ተረጋጊጹ

    ኣብ ኬንያ ሓደ ብሕምም ኢቦላ ዝተታሕዘ ሰብ ከምዝተረኽበ ሰብመዚ እታ ሃገር ኣፍሊጦም።

    ሚኒስተር ጥዕና እታ ሃገር ዓደን ዱዋለ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቲ ግዳይ ናይቲ ሕማም ቅድሚ ሓደ ወርሒ በቲ ቫይረስ ተታሒዙ ምንባሩን ኣብ ዝተፈላለየ ሆስፒታላት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጐ ተሓኪሙ ከምዝነበረን፡ ናብ ርእሰከተማ ናይሮቢ ምስ ኣተወ ከምዝሞተን ገሊጹ።

    እቲ ሰብ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ብነፋሪት ናብ ናይሮቢ ድሕሪ ምእታዉ፡ ንቡር መርመራ ተገይሩሉ ምስ ሓለፈ፡ ቤተሰቡ ናብ ሆስፒታል ከምዝወሰድዎ'ዩ እቲ ሚኒስተር ዝጠቅስ።

    ተርእዮ ናይቲ ሕማም ዘስግኦም ሰብመዚ ጥዕና ኣብ ኣፍደገታትን ዶባትን እታ ሃገር ልዑል ጥንቃቐን መርመራታትን ክግበር ኣዚዞም ኣለዉ።

    እቲ ኣብዚ ዓመት እዚ ጥራይ ኣብ ደ.ሪ.ኮንጎ ህይወት 4000 ሰባት ዝቐዘፈ ለበዳ ናብ ካልኦት ሃገራት ከይላባዕ ዓቢ ስግኣት ፈጢሩ ምጽንሑ ይፍለጥ።

    ቫይረስ ኢቦላ፡ ብመገዲ ከም ደም፡ ተምላስን ቀልቀልን ዝበሉ ነገራት ብምትንካፍ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዝሓልፍ ቀታሊ ሕማም እዩ።

    ሬሳ ናይቲ ኣብ ኬንያ ፈላሚ ግዳይ ናይቲ ሕማም ኮይኑ ዘሎ ሰብ ብደገፍ ቀይሕ መስቀል ኣብ ናይሮቢ ከምዝተቐበረ ተፈሊጡ'ሎ።

  13. ሓላፊ ስለያ ጀርመን ነበር ምስጢራት ብምሕላፍ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ

    ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ጀርመን ዝነበረ ኦገስት ሃኒንን ምስጢራዊ ሓበሬታ ንናይ ወጻኢ ትካላት ስለያ ብምሃብ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።

    እቲ ካብ 1998 ክሳብ 2005 ሓላፊ ፈደራላዊ ኣገልግሎት ስለያ ጀርመን ነበር፡ ብክድዓት ሃገርን ንካልኦት ንሰለያዊ ሓበሬታ ብምሕላፍን'ዩ ተኸሲሱ ዘሎ።

    ኣኽበርቲ ሕጊ እታ ሃገር ከምዝብልዎ፡ እቲ ከም ክኢላ ጸጥታ ኣብ ምምኻር ተዋፊሩ ዝጸንሐ ብዓል ስልጣን ነበር፡ ስቱር ሓበሬታ ተጠቂሙ ንሓደ ብስም ዘይተጠቕሰ ትካል ስለያ ወጻኢ ትንተና ብምሃቡ'ዩ ተኣሲሩ ዘሎ።

    ሓለቓ ቤት ጽሕፈቱ ዝነበረ ማንፍረድ ዲ ብወገኑ፡ 2000 ምስጢራዊ ሰነዳት ሸይጡ ብዝብል ክሲ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ከምዘሎ ተፈሊጡ።

    ኣብ 2023 ሓደ ካርስተን ኤል ዝተባህለ መኮንን ስለያ ምስ ኲናት ዩክረይን ዝተሓሓዝ ንሩስያዊ ዕሱብ ጉጅለ ዋግነተር ብምሻጥ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ዶላር ከምዝረኸበ ኣኽበርቲ ሕጊ ከሲሶም ምንባሮም ይዝከር።

  14. ኢትዮጵያን እስራኤል ኣብ እዋናዊ ኩነታት ዘትየን

    ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ እስራኤል ብዛዕባ ህልው ኩነታት ኢትዮጵያ ተዘራሪቦም።

    ጊዴዎን ሳር ምስ ኢትዮጵያዊ መዘንኦም ጊዴዎን ጢሞቴዎስ (ዶክተር) ብዛዕባ ህልው ኩነታት ኢትዮጵያ ብስልኪ ከምዝተዘራረቡ ኣፍሊኢጡ።

    "ምስ መሓዛይ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ጊዴዎን ጢሞቴዎስ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ኢትዮጵያ ተዘራሪበ" ክብል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሳር ገሊጹ።

    እንተኾነ እቲ ሚኒስተር እቶም እዋናዊ ጉዳያት እንታይ ምዃኖም ብዝርዝር ኣየጸረን።ኣብ ኣገዳስነት ሓድነትን ምርግጋእን ኢትዮጵያ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላምን ምርግጋእን ክልቲአን ሃገራት ዘለወን ሓባራዊ ረብሓን ከምዝዘተዩ'ውን ወሲኹ ሓቢሩ።

  15. ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ ሓያሎ ሰባት ቀቲሉ

    ኣብ ከተማ ዓድዋ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲታት ድሮን፡ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሲቪላውያን ጉድኣት ከምዝበፅሐ ነበርቲን ፀብብፃባት ዜናን ሓቢሮም።

    እቲ መጥቃዕቲ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሓይልታት መንግስቲ ንርእሰ-ከተማ ትግራይ- መቐለ ብዘይ ዝዀነ ተኹሲ ኣብ ዝተቖፃፀርሉ እዋን'ዩ ተካይዱ።

    ናብ ሰንበት ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ኣብ ልዕሊ ሰገን ቤተመደቀሲ ዝተብሃለ ሆቴልን ከባቢኡን ዝተፈፀመ ኣርባዕተ ዙር መጥቃዕቲ ድሮን፡ ብሓፈሻ 11 ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ሰራሕተኛታትን ነበርትን ንቢበሲ ትግርኛ ተዛሪቦም።

    ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ብወገኑ፡ ኣብቲ ከባቢ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ 9 ሰባት ከምዝተቐትሉ ፀብፂቡ ኣሎ።

    እቲ መራኸቢ ብዙሓን ወሲኹ፡ ኣብ ከባቢ ሸራሮ ኣብ መዕቈቢ ተመዛበልቲ ብዝተፈፀመ ካልእ መጥዕቲ ድማ፡ ካልኦት ሸሞንተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ንሰራሕተኛታት ግብረሰናይ ብምጥቃስ ሓቢሩ።

  16. ኣብ ከተማ ዓድዋ ብዙሓት ሰባት ብመጥቃዕቲ ድሮን ከምዝተቐትሉ ነበርቲ ሓቢሮም

  17. ወጥሪ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዞባዊ ቅልውላው ከኸትል ከም ዝኽእል ሕብረት ኣውሮጳ ኣጠንቂቑ

    ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ኢትዮጵያ እናተጋደደ ዝኸይድ ዘሎ ግጭትን ኣብቲ ዞባ ብፍላይ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን እናዓበየ ብዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ ስክፍታኡ ገሊጹ።

    እዚ ኩነታት ኣብ ሰላምን ምርግጋእን መላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከቢድ ሳዕቤን ዘለዎ "ሰፊሕ ዞባዊ ግጭት" ከበግስ ከምዝኽእል እቲ ሕብረት ኣጠንቂቑ።

    እቲ ሕብረት ብሰኑይ 5 ጥቅምቲ 2026 ኣብ ኤክስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኩሉ ግንባራት ዘሎ ወጥሪ ብቕልጡፍ ክዝሕል’ዩ ጸዊዑ።

    ብተወሳኺ ኵሎም ወገናት ነቲ ኵነታት ከጋድዱ ካብ ዝኽእሉ ተግባራትን ናይ ቃላት ምልውዋጥን ክቝጠቡ ኣተሓሳሲቡ።

    ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ መግለጺኡ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝርከቦም ኣውሓስትን ኣፈጸምቲን ከምኡ ከኣ ፈረምቲ ስምምዕ ቀዋሚ ምቁራጽ ተጻብኦታት ፕሪቶርያ፡ ነቲ ስምምዕ ምሉእ ብምሉእ ንምትግባር ዘለዎም ቃል ደጊሞም ከረጋግጹ ኣተሓሳሲቡ።

    ኣተሓሒዙ ኵሎም ተሳተፍቲ እቲ ግጭት፡ ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ ከኽብሩ፡ ድሕነት ሰላማውያን ሰባት ከውሕሱ፡ ከምኡ ከኣ ገደብ ዘይብሉ ተበጻሕነት ሰብኣዊ ረድኤታት ከረጋግጹ ተማሕጺኑ።

    ሕብረት ኤውሮጳ ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ኵለን ሃገራት ክኽበር ከምዘለዎ ብምጥቃስ “ናይ ደገ ምትእትታው ደው ክብል ኣለዎ” ብምባል ሃገራት ዘለወን ጽልዋታት ተጠቂመን ኣብ ክንዲ ነቲ ግጭት ምግዳድ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ፍታሓት ኣብ ምምጻእ ክሰርሓ ጸዊዑ።

    ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ መወዳእታ መግለጺኡ “ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዞባዊ ምርግጋእ፡ ሰላማዊ ምትሕብባርን ቍጠባዊ ውህደትን ንምርግጋጽ” ዘለዎ ድልውነት ብምግላጽ “ትርጕም ዘለዎ ዘተን ብሰላማዊ ፍታሕ ንግርጭታትን ንዝውሰድ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት” ከም ዝድግፍ ሓቢሩ።

  18. ኣብ ፌስቡክ ብዝሃቦ ርእይቶ ንሞት ዝተፈረደ ውልቀሰብ - ኣበይ ኣተወ?

  19. ሓይልታት ትግራይ ኣበይ እዮም ዘለዉ? ስግኣት ፈጢሩ ዘሎ ተኽእሎ ዳግማይ ውግእ

  20. ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ካብ ዘልዓሎም ነጥቢታት