እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
  • እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
  • ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
  • ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
  • ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
  • ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ሱዳን፡ ዳዕመ-ሰሪዕ ሆስፒታላት ብደይመደይ ከምዘዕነወ መርመራ ቢቢሲ ኣረጋጊጹ

  2. ደቡብ ኣፍሪቃ፡ 50 ሰባት ንሓደ ወጻእተኛ ቀጥቂጦም ቀቲሎም

  3. ትግራይ፡ ብተስፋን ስግኣትን ናብ ስሩዕ ህይወት ዝምለሳ ዘለዋ ከተማታት

  4. 'መጻምደይ ብድቁሰይ ይዕምጸኒ ምንባሩ ኣይፈልጥን ነይረ'

  5. ኣመሪካ፡ ፍተሻ መርመርቲ ዘስግኣ ኢልሃን ዑመር ካብ ቤታ ክትወጽእ ወሲና

  6. ስዑዲ ዓረብ፡ መጥቃዕቲ ሑቲ ሓያለ ሰባት ቀቲሉ

    የመናውያን ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ምብራቓዊ ዞባ ስዑዲ ዓረብ ብዘካየድዎ መጥቃዕቲ ብውሕዱ ኣርባዕተ ሰባት ከምዝቐተለ ሰብመዚ ሓቢሮም።

    ትማሊ ምሸት፡ ኣብ ከተማ ዳማም ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ንጉስ ፋሃድ ዝተቐትሉ ግዳያት ዜጋታት ስዑዲን ህንዲን ምዃኖም ሲቪል ኣቬሺን እታ ንግስነት ገሊጹ።

    ብኢራን ዝድገፍ ጉጅለ ሑቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሚሳይላቱን ድሮናቱን ነቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዒላማ ከምዝገበራ ጠቒሱ።

    ወተሃደራዊ ኣፈኛ እቲ ጉጅለ ያሕያ ሳሪዓ ከምዝበሎ፡ ኣብ ዳማም ዘካየድዎ መጥቃዕቲ ነቲ መዓርፎ ነፈርቲን ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ምክልኻልን ዒላማ ዝገበረ'ዩ ነይሩ።

    ብረቡዕ ንጉሆ'ውን ኣብ ምብራቓዊ ኣውራጃ እታ ሃገር ኣብ ዝተኻየደ ተመሳሳሊ ደብዳብ ክልተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ሪያድ ሓቢራ'ላ።

    መጥቃዕትታት ሑቲ ኣብ ልዕሊ ስዑድ ዓረብ ኣብ ዝሓየለሉ፡ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ገለ ዲፕሎማሰኛታቱ ምስ ስደራቤቶም ካብታ ሃገር ክወጽኡ ኣዚዛ።

    ብሪጣንያን ግብጽን'ውን ነታ ንግስነት ወተሃደራዊ ደገፍ ክህባ ከምዝወሰና ይዝከር። ለንደን ነፈርቲ ኲናት ከተዋፍር እንከላ፡ ካይሮ ብወገና "ኣድላዪ" ሓገዝ ክትገብር ምዃና ኣፍሊጣ ነይራ።

  7. ሻምፕዮን ኣፍሪቃ - ያፌት ወርቂ ተሸሊሙ

    ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ 2026፡ ትማሊ ረቡዕ ብውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ኣብ ዘካየደሉ፡ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ያፌት ሙሉጌታ ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ወርቂ ክሽለም እንከሎ መርሃዊ ቅዱስን ድማ ካብ ናይ ዓበይቲ፡ ተሸላሚ ብሩር ኰይኑ።

    ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ዝተወዳደረ ያፌት፡ ንዝተሰርዐ 30.6 ኪሎሜተር፡ ብገምጋም 1ይ ዝወጸ ያፌት፡ ምስቶም 2ይን 3ይን ዝወጹ ደቡብ ኣፍሪቃውያን 43.8 ኪሎሜተር እናረገጸ - ብ41 ደቒቕን 53 ካልኢትን ዛዚምዎ። ‘ዝቐልጠፈ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ 2026 ናይ ትሕቲ 23 ዓመት’ ብምዃን ከኣ፡ ማልያ ሻምፕዮን ለቢሱ።

    ኤርትራ፡ ኣብቲ ካብ 21 ክሳብ 25 ጥቅምቲ 2026 ኣብ ኬንያ ከተማ ኪሱሙ ዝካየድ ቻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ 2026 ኣትሳተፍ እያ ንኬንያ ኣቲያ።

  8. ኣስመራ፡ ዕዉት መጥባሕቲ ልቢ ቈልዑ ኣብ ሆስፒታል ኦሮታ

    ካብ ከተማ ማሳ - ኢጣልያ ዝመጽኡ "ጕጅለ ሓካይም ባምቢኒ" ን፡ ካብ 9 ክሳብ 20 ጥቅምቲ ኣብ ሆስፒታል ኦሮታ ን25 ህጻናትን ቈልዑን ዕዉት መጥባሕቲ ልቢ ከምዘካየደ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ኣቓሊሐን።

    እቶም ካብ መላእ ሃገር ዝመጽኡ ህጻናትን ቈልዑን፡ ህጹጽ ሕክምና ዘድልዮም ዝነበሩ ኰይኖም፡ ኣብ ክሊ ዕድመ ክልተ ሰሙን ክሳብ 19 ዓመት ከምዝነበሩ ተገሊጹ።

    መጥባሕቲ ዝተኻየደሎም፡ ምስ ሕማም ልቢ ዝተወልዱን ድሕሪም ውላዶም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዘማዕበልዎ ምዃኖም ሓላፊት ሆስፒታል ህጻናት ፕሮፈሰር ጽገሬዳ ገብረህይወት ገሊጻ።

    ጠርናፊ ኢጣልያዊ “ጕጅለ ሓካይም ባምቢኒ" ዶ/ር ብሩኖ ሙርዚ ብወገኑ፡ ካብ 2006 ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ እናመጹ ኣገልግሎት መጥባሕቲ ከምዝህቡ፡ ሎሚ ዓመት ድማ 20 ኣባላት ሒዞም ብምምጻእ ተልእኾኦም ብጽፉፍ ከምዘሳለጡ ኣመልኪቱ።

  9. ሜታ ብሰንኪ ‘ውልቃዊ ሓበሬታ’ ተጠቀምቲ 25 ቢልዮን ዶላር ተቐጺዑ

    ሓደ ዳኛ ኣብ ኒው ሜክሲኮ ግዝኣት ኣመሪካ፡ ትካል ሜታ (ቀንዲ ዋንነት ፌስቡክ፡ ኢንስታግራምን ዋትስኣፕን ዝዀነ ኩባንያ)፡ ብዛዕባ ኣተሓሕዛ ውልቃዊ ሓበሬታ ተጠቀምቲ ንህዝቢ ንዓመታት ከስድዕ ከም ዝጸንሐ ብምርካቡ 25 ቢልዮን ዶላር መቕጻዕቲ ኣዚዙ።

    እዚ ውሳነ’ዚ ነቲ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ዝተኻየደ ናይ ክልተ ሰሙን ፍርዳዊ መስርሕ ዝስዕብ ኰይኑ፡ ምስቲ ናይ ኬምብሪጅ ኣናሊቲካ (Cambridge Analytica) ዕንቅፋት ዝተኣሳሰር እዩ።

    ኣብኡ ውልቃዊ ሓበሬታ ሚልዮናት ተጠቀምቲ ፌስቡክ ብዘይ ግቡእ ፍቓድ ብሓንቲ ፖለቲካዊት ኣማኻሪት ኩባንያ ተረኺቡ ነይሩ።

    እዚ ጕዳይ ኣብቲ ሜታ ሓበሬታኦም ብዘይ ፍቓዶም ንሳልሳይ ኣካል ከም ዘይወሃብ ንተጠቀምቲ ብተደጋጋሚ መረጋገጺ ይህብ ነይሩ ዝብል ክስታት ዘተኰረ ኰይኑ፡ እዚ ድማ ዝተኣከበ መርትዖታት ብኣንጻሩ ስለዘመልከተ እዩ።

    ዳኛ ፍራንሲስ ማቲው፡ ኣካይዳ ናይቲ ኩባንያ “ኮነ ተባሂሉ” ዝተገብረን ካብ 2010 ክሳብ 2021 ንልዕሊ ሓደ ዓሰርተ ዓመታት ዝጸንሐን እዩ ኢሉ።

    ኣብ ውሳነኡ፡ እቲ ንዋና ኣካያዲ ስራሕ ማርክ ዙከርበርግ ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ዘጠቓልል ርክባት፡ ህዝቢ ብዛዕባ ኣተኣኻኽባ፡ ዝርጋሐን ኣጠቓቕማን ሓበሬታ ተጠቀምቲ ንምትላል ተባሂሉ ዝተዳለወ እዩ ኢሉ።

    ሓደ ጕጅለ ፈረድቲ (jury)፡ ሜታ ንሕግታት ግዝኣት ኒው ሜክሲኮ ልዕሊ 40 ሚልዮን ግዜ ከም ዝጠሓሰን፡ ከምኡ'ውን ብዛዕባ ኣተሓሕዛ ጐዳኢ ትሕዝቶታት (ናይ ጽልኢ ዘረባ ሓዊሱ) ንህዝቢ ኮነ ኢላ ከም ዘታለለን ኣረጋጊጹ።

    ጠቕላሊ ዓቃብ ሕጊ ኒው ሜክሲኮ ራውል ቶረዝ፡ ነቲ ውሳነ ተቐቢልዎ፤ እዚ ድማ እተን ኣብ ዓለም ዝዓበያ ኩባንያታት ቴክኖሎጂ እኳ እንተዀና ሕጊ ብምጥሓሰን ተሓተቲ ክዀና ከም ዝኽእላ ዘርኢ እዩ ኢሉ።

    ሜታ ነቲ ክስታት ነጺጕ ይግባይ ክብል መደብ ከም ዘለዎን ገሊጹ። ናይቲ ኩባንያ ላዕለዋይ ሓላፊ ሕጊ ዝዀነ ሲጀይ ማሆኒ፡ እቲ ውሳነ ሜታ ኣብ ኒው ሜክሲኮ ክሰርሕ "ዳርጋ ዘይከኣል" ይገብሮ ብምባል ተኻቲዑ።

    ነቲ ክሲ ድማ ኣብ ናይ ኦንላይን ዘረባ ሓደስቲ ደረታት ንምግባር ዝግበር ፈተነ እዩ ክብል ገሊጽዎ።

    እዚ ናይ 25 ቢልዮን ዶላር መቕጻዕቲ፡ ኣብ ልዕሊ ሜታ ካብ ዝተበየኑ መቕጻዕትታት እቲ ዝዓበየ እዩ።

    እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ብዝሒ ናይቶም ጥሕሰታት ብምምርኳስ ክሳብ 219 ቢልዮን ዶላር ክበጽሕ ዝኽእል መቕጻዕቲ እንተ ሓሰበ፡ እቲ ዳኛ ግን ነቲ መጠን ኣጕዲልዎ እዩ።

    እዚ ውሳነ፡ ኣብ ዝሓለፉ ቀረባ ዓመታት ብሰንኪ ጕዳያት ውልቃዊ ስቱርነትን ድሕነት ህጻናትን፡ ኣብ ልዕሊ ሜታ ካብ ዝተገብሩ ካልኦት ዓበይቲ ስምምዓትን መቕጻዕትታትን ስዒቡ ዝመጸ እዩ።

  10. ኢትዮጵያ፡ ካብ ማህጸን ጓለንስተይቲ 19 ኪሎግራም ሕበጥ ተኣልዩ

    ኣብ ቅድስቲ ጳውሎስ ሚለንየም ሜዲካል ኮሌጅ ካብ ማህጸን ጓል 40 ዓመት ጓለንስተይቲ 19 ኪሎ ዝምዘን ሕበጥ ብዕዉት መብጣሕቲ ከምዝተኣልየ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ኢቢሲ ሓቢሩ።

    እታ ኣደ ኣርባዕተ ቈልዑ ዝዀነት ንኣስታት ሸውዓተ ኣዋርሕ ኣብ ከብዳ ዝዝጋሕ ሕበጥ ከም ዘጋጥማ ትገልጽ።

    ነቲ መብጣሕቲ ዘካየደ ዶክተር ታደሰ፡ እቲ ኵነታት "ጽኪ ማህጸን" ተባሂሉ ከም ዝፍለጥን- እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ስርዓተ ምፍራይ ደቀንስትዮ ዝብገስ ዓይነት ሕበጥ እዩ ይብል።

    ቀንዲ ጠንቂ ናይቲ ኵነታት ብጭቡጥ'ኳ እንተዘይተፈልጠ፡ ኣብ ማህጸን ኣብ ዝካየድ መስርሕ ምብዛሕ ዋህዮታት ካብ ዝፍጠር ጀነቲካዊ ዘይንቡር ተርእዮታት ከም ዝፍጠርን፡ ናብ ምፍራይ ዘይንቡር ዋህዮታት ከም ዝመርሕን እቲ ሓኪም ይገልጽ።

    ምስ ግዜ እዞም ዋህዮታት እዚኣቶም ክበዝሑን ናብ ዓቢ ሕበጥ ክምዕብሉን ይኽእሉ እዮም፣ እዚ ድማ መንሽሮ ክኸውን ይኽእል ይብል እቲ ሓኪም።

    ብተወሳኺ እዚ ኵነታት ኣብ ኣረጋውያን ደቀንስትዮ ብተደጋጋሚ ከምዝረአን፤ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ብዘይ ዝዀነ ምልክት ንነዊሕ እዋን ይጸንሕ። እቲ ሕበጥ ናብ ኣዝዩ ዓቢ ስፍሓት ምስ ዓበየ ጥራይ እዩ ክፍለጥ ዝኽእል።

  11. ኣቦ መንበር ህወሓት ገለ ሰበስልጣን ህወሓት ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኢዶም ከምዝሃቡ ኣረጋጊጹ

    ኣቦ መንበር ህወሓት ደብረጸዮን ገብረሚካኤል ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ መላእ ክልል ምስ ሓይልታት ፈደራል ዝካየድ ዘሎ ውግእ ይቕጽል ከምዘሎን ገለ ሰበስልጣን ህወሓት ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኢዶም ከምዝሃቡ ኣረጋጊጹ።

    ብመሰረት ዶ/ር ደብረጸዮን፡ ገለ ሰበስልጣን ህወሓት ኢዶም ክህቡ እንከለዉ፡ እቲ ጕጅለ ድማ ካብ መንግስትን ደገፍቲ መንግስቲ ዝዀኑ ምልሻ ሓይልታት ሰላም ትግራይን ዝሃደሙ ሰባት እውን ከምዝተቐበለ ኣፍሊጡ።

    "ዝጠለሙና መራሕቲ ኣለው፤ ከዳዓት እዮም፡ ህወሓት ጥራይ ዘይኮነ ህዝቢ'ውን ዝፈልጦ ሓቂ እዩ። ብኸምዚ ዝበለ ክሕደት ዝዳኸም ውዳበ የለን፤ እንታይ ደኣ ዝጸረየን ዝሓየለን እዩ ዝቕልቀል" ኢሉ።

    ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ኣርባዕተ ሰበስልጣን ህወሓትን ሓሙሽተ ወተሃደራዊ መራሕቲን ናብ መንግስቲ ከምዝመጹ ሓቢረን ነይረን።

    መጥቃዕቲ ድሮናት ወይ "ግዝያዊ ምምንዛዕ" ግዝኣታት እቲ ክልል ናይ ኲናት ዓወት ከምዘይውስን ዝገለጸ ደብረጽዮን፡ እቲ ኲናት ገና ከምዝጀመረ ኣመልኪቱ።

    ህወሓት ሞት ሲቪላትን ዕንወት ሲቪላዊ መሰረተ ልምዓትን ንምክልኻል ካብ ዓበይቲ ከተማታት ከም ዝሰሓበን፡ ህወሓትን መሻርኽታን ገና ኣብ "መከላኸሊ ውግእ" ኣቃውማ ከምዘለዉን "ኣብ ቀረባ እዋን" ናብ መጥቃዕታዊ ኣቃውማ ከምዝሰጋገሩን ገሊጹ።

    ሓይልታት ኢትዮጵያ ንርእሰ ከተማ ትግራይ መቐለ ብ3 ጥቅምቲ ካብ ዝሕዛ ንፈለማ እዋን እዩ መራሒ ህወሓት ኣብ ሚድያ ቀሪቡ ተዛሪቡ።

  12. ሕክምና መርጐዲ መትሎ ዘካይዱ ደቂተባዕትዮ ስለምንታይ ይበዝሑ'ለዉ - ጥቕሙን ጉድኣቱን?

  13. ኣመሪካ፡ መጥቃዕትታት ሑቲ ኣብ ዝሓየለሉ ዲፕሎማሰኛታታ ካብ ስዑድያ ክወጽኡ ኣዚዛ

  14. ኣብ ሃገሮም ጸረ-ፑቲን ሕቡእ ንጥፈት ዘካይዱ ዘለዉ ሩስያውያን

  15. ንመላእ ሽወደንን ኤርትራውያንን ዘሰንበደ ቅትለትን ማእሰርቲ ጥርጡራትን

  16. ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ግጭት ንኸይህሉ ኣመሪካ ክትሕግዝ ተላብያ

    ኤርትራ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዳግማይ ግጭት ንኸይፍጠር፡ ኣመሪካን ካልኦት ጸለውቲ ሃገራትን ክሕግዛ ጸዊዓ።

    ብዛዕባ መርገጺ ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪን ንልኡላውነት ኤርትራ ዘለዋ ስግኣትታ'ውን ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን ኣመሪካ ተዛሪባ።

    ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሶፍያ ተስፋማርያም ምስ ቀዋሚ ወኪል ኣመሪካ ኣብቲ ውድብ ማይክ ዋልትዝን ወኪል ምሕደራን ጽገናን ኣመሪካ ጀፍሪ ባርቶስን ብዛዕባ’ቲ ዞባዊ ኩነታት ኣብ ዝተዘረራበትሉ እዋን እዩ ነቲ ምሕጽንታ ኣቕሪባ።

    እታ ኤርትራዊት ዲፕሎማሰኛ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኤክስ ኣብ ዝዘርገሓቶ መግለጺ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባንቅልውላው ኣሎ ዝብል ሓሳብ ብምንጻግ፡ መሪሕነት ኢትዮጵያ ንመሬታዊ ሓድነት ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ኣእትዩ፡ ንጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ውሽጣዊ ጸገማት ንምህዳም ይጥቀመሉ ኣሎ ክትብል ከሲሳ።

    ንሳ፡ ጽልዋ ዘለወን ሃገራት ሓድሽ ኲናት ከይውላዕ ንምክልኻል ብሓላፍነታውን ብንጥፈትን ክዋስኣ ጸዊዓ፣ ንመሪሕነት ኢትዮጵያ ከተባብዕ ዝኽእል መግለጺታትከይወስዳ'ውን ኣጠንቂቓ።

    እታ ኣምባሳደር ብተወሳኺ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃን ኣብ ናይ ሕቡራት ሃገራት ቁጠባዊ ኮሚሽን ኣፍሪቃን ዝነበሩ ወከልቲ ኤርትራ ብምስጓጓ፡ ከምኡ’ውን ምብታኽ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ኣልዒላ ተዛሪባ።

    ኣብ መንጎ እተን ጎረባብቲ ሃገራት ዝጸንሐ ዝምድና እናኣንቆልቆለ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን'ዩ እቲ ርክብ ተኻይዱ።

    ኢትዮጵያ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኤምባሲኣ ዓጽያ፡ ን10 ኤርትራውያን ዲፕሎማሰኛታት ብ1 ጥቅምቲ፡ ሃገራዊ ድሕነትኣ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ምንቅስቓሳት ገይሮም ብምባል ምብራራ ይዝከር።

    ኤርትራ ነቲ ኢትዮጵያ ዝወሰደቶ ዲፕሎማሰኛታት ናይ ምስጓግ ስጉምቲ ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ፡ ምስ ኣዲስ ኣበባ ዝጸንሓ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ምሉእ ብምሉእ በቲኻ። ኢትዮጵያ ንኤርትራ ንዕጡቓት ተቓወምቲ ሓይልታት ትድግፍ ምህላዋ ትኸስስ። ኣስመራ ነዚ ክሲ ብትሪ ትነጽጎ።

    ዲፕሎማሰኛታት ኣመሪካ ንሻቕሎት ኤርትራ ብኸመይ ምላሽ ከምዝሃቡ ካብ መግለጺ ወ/ሮ ተስፋማርያም ንጹር ኣይኮነን።

    ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት፡ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ እቲ ኣብ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ወተሃደራዊ ወጥሪ ናብ ኲናት እንተኣምሪሑ ኣመና ክሰፍሕ ከምዝኽእል ብምጥንቃቕ መራሕቲ ግትኣት ክገብሩ ኣተሓሳሲቡ።

    ማርኮ ሩብዮ ኣብ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ምንቅስቓስ ሰራዊት ከምዘሎ ዝገልጽ ጸብጻባት ዓሚቝ ስክፍታ ከምዝፈጠረሉ ብምግላጽ፡ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዶባት ወተሃደራተን ብምጽጋዕ ናብ ኲናት ናይ ምእታው ተኽእሎአን ከምዘዕብዮ ኣጠንቂቑ።

    ኣብ ዝሓለፈ ሰሙ'ንውን ልኡላዊ ዶባት ሃገራት ኣብቲ ዞባ ክኽበር ተማሕጺኑ ነይሩ'ዩ።

    "ኵለን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ንልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ጐረባብተን ከኽብራን ዶብ ካብ ምስጋር ክሕየባን ከም ዘለወን እቲ ጸሓፊ ኣስሚሩ፡" ይብል እቲ ካብ ዋሽንግተን ዝወጽአ ሓጺር መግለጺ።

    እቲ ብዂናትን ውግእን ዝሕመስ ዘሎ ዞባ "ተወሳኺ ግጭት ክጻወር" ከም ዘይክእል'ውን ኣመሪካ ኣተሓሳሲባ'ላ።

  17. 'ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ልዕሊ 800 መካይን ሒዙ ናብ ኤርትራ ሃዲሙ' ብርጋዴር ጀነራል ገብረእግዚኣብሄር በየነ

    ኣብ ትሕቲ ብዓል ሓደራ ምምሕዳር ትግራይ ከም ሓላፊ ጸጥታ፣ ሰላምን ድሕንነትን ኮይኑ ዝተሾመ ብርጋዴር ጀነራል ገብረእግዚኣብሄር በየነ (ወዲ ኣንጥሩ) ‘’ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ልዕሊ 800 ናይ ትግራይ ዝኾና መካይን ሒዙ ናብ ኤርትራ ሃዲሙ’’ ክብል ከሲሱ።

    ብ/ጀነራል ገብረእግዚኣብሄር ምስቶም ዕጥቂ ፈቲሖም ናብ ዳግመ ምጥያስ ክኣትዉ ዝወሰኑ ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ነበር ኣብ መቐለ ዘካየዶ ኣኼባ እዩ ነዚ ዝበለ።

    ንጉጅለ ህወሓት 'ምሉእ ተኣማንነቱ ንሻብያ (ስርዓት ኤርትራ) ኣረኪቡ፡ ንባዕሉ ደው ክብል ዘይክእል ሓይሊ' ክብል ገሊጽዎ።

    ብተወሳኺ ደገፍቲ’ቲ ጉጅለ ንነበርቲ ከደናግሩ እኳ እንተፈተኑ፡ ሕጂ ግን ሓቀኛ ባህርያቱ ምሉእ ብምሉእ ከምዝተቓልዐ ኣመልኪቱ።

    ህዝቢ ይኹን እቶም ወተሃደራት ነቲ ጉጅለ ከምዘይቅበልዎን ንህወሓት ኢሎም ህይወቶም ክስውኡ ድሌት ከምዘይብሎምን ኣብሪሁ።

    መራሕቲ ህወሓት፡ ናብ ኤርትራ ዝሰገረ ወተሃደራዊ ዝዀነ ፖለቲካዊ ኣመራርሓ ትግራይ ከምዘየለ እዮም ዝገልጹ።

    እቲ ብ/ጀነራል ግን 'ኣዕናዊ ሓይሊ' ክብል ዝገለጾ ጉጅለ መሪሕነት ህወሓት ብኸፊል ተደምሲሱን ዝተረፈ ድማ ተበታቲኑን ምህላዉ ብምሕባር ዝተረፉ ዕጥቆም እንተዘይፈቲሖም ክህደኑን ክውገዱን ምዃኖም ኣጠንቂቑ።

    ቤትምኽሪ ምኒስተራት ኢትዮጵያ፡ ንክልል ትግራይ ንዝቕጽል ሽዱሽተ ኣዋርሕ ብላዕለዋይነት ዘመሓድር ፈደራላዊ 'ሞግዚት ምምሕዳር' ከም ዘቘመ ይፍለጥ።

    መንግስቲኢትዮጵያ ነዚ ስጕምቲ ዝወሰደሉ ምኽንያት ከብርህ እንከሎ፡ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዝነበረ ግጭት ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ንምፍታሕ ዝተገብረ ጻዕሪ "ብሰንኪ ዕንቅፋት ህወሓት" ፍሽለት ስለ ዘጋጠሞ ምዃኑ ኣረዲኡ።

  18. ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ጥምረት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከምዘምከነ ኣፍሊጡ

    እቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ጥምረት፡ ኣብ ዞባ መዲናን ካልኦት ካባቢታት ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ሓዊሱ ዝተወንጨፋ ሓሙሽተ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከምዘምከነ ገሊጹ።

    ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ኣብ የመን ከተማ ታይዝ ዝገደደ ሰብኣዊ ቅልውላው ከምዘሎ ኣጠንቂቑ። ኢራን ድማ ኣብ መንጎ ሪያድን ጉጅለ ሑቲን ንምሽምጋል ዝወሰደቶ ተበግሶ ምላሽ ከምዘይረኸበት ገሊጻ።

    እዚ ምዕባለታት ኣብዚ ወርሒ ብኢራን ዝድገፍ ጉጅለ ሑቲ ኣብ ልዕሊ ስዑዲ ዓረብ ዝፍጽሞ ዘሎ መጥቃዕቲ እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን እዩ።

    ጉጅለ ሑቲ ብ10 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ሪያድ ብዘፈጸሞ መጥቃዕቲ 13 ሰባት ከምዝተቐትሉን ልዕሊ 300 ከምዝቖሰሉን ይፍለጥ።

  19. ሶማልያ፡ ጠንቂ ሞት 7 ሰባት ዝዀነ ክትዕ ኣቦነት

  20. ሱዳን፡ ልዕሊ 300 ዝቐተለ መጥቃዕቲ ድሮን