ዝርዝር ስምምዕ ኢራንን ኣመሪካን ክግለጽ'ዩ
ኣመሪካን ኢራንን ኣብ መንጎአን ንዝጸንሐ ኲናት ደው ከብላ ከምዝተሰማምዓ ኣፍሊጠን ኣለዋ።
እንተኾነ ዝርዝር ናይቲ ስምምዕ ዛጊት ብንጹር ኣይተፈልጠን ዘሎ።
ፕረዚደንት ትራምፕ ሎሚ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ "ኣብ ዝሓጸረ እዋን" ክግለጽ ምዃኑ ኣፍሊጡ።
መጻብቦ ሆርሙዝ ዓርቢ ምሉእ ብምሉእ ከምዝኽፈት'ውን እቲ ኣብ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ጉጅለ-7 ንምስታፍ ኣብ ፈረንሳ ዝርከብ ትራምፕ ጠቒሱ።
ኢራን ብወገና፡ ምስ ዖማን ብምውህሃድ ውሑስ ዋሕዚ መራኽብ መጻብቦ ሆርሙዝ ከተረጋግጽ ምዃና ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ተዛሪቡ።
ልዕሊ 500 መራኽብ ኣብ ወሽመጥ ሰንፈላል ተሪፈን ምጽንሐን ይፍለጥ።
ዜና ስምምዕ ድሕሪ ምውጽኡ ዕዳጋታት ዓለም ክዓርግ ተራእዩ'ሎ። ዋጋ ነዳዲ'ውን የንቆልቁል ኣሎ።