ወጻብቦ ሆርሙዝ፡ ሓንቲ ሄለኮፕተር ኣመሪካ ተሓምሺሻ
ሓንቲ ወተሃደራዊት ሄሊኮፕተር ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ገማግም ዖማን ተሓምሺሻ።
ኣብታ ኣብ ከባቢ መጻብቦ ሆርሙዝ ዝወደቐት ሄሊኮፕተር ዝነበሩ ክልተ ኣብረርቲ ብህይወት ከምዝደሓኑ ሰብመዚ ኣመሪካ ንማዕከን ዜና ሲ-ቢ-ኤስ ሓቢሮም።
ንፈለማ እዋን'ዩ ብማያዊት ሰብ-ኣልቦ ነፋሪት (ሲ ድሮን) ስርሒት ምድሓን ዝፍጸም ዘሎ።
ማእከላይ እዚ ሰራዊት ኣመሪካ (ሰንትኮም) ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ "እቶም ወተሃደራት ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰዓታት ዝግመት ግዜ ድሕኖም ኣለዉ፡ ኣብ ጸቡቕ ኩነታት ድማ ይርከቡ" ኢሉ።
እታ ኣፓቸ AH-64 ተባሂላ ትጽዋዕ ሄሊኮፕተር "ኣብ ገማግም ዖማን ንሓለዋ ዞባዊ ማያት ተዋፊራ" ኣብ ዝነበረትሉ እዋን'ያ ተሓምሺሻ።
ጠንቂ ምውዳቓ ግን ዛጊት ንጹር ኣይኮነን፣ ይምርመር ከምዘሎ'ዩ እቲ እዚ ገሊጹ ዘሎ።
ኣብቲ ናይ ምድሓን ስርሒት፡ ሓይሊ ባሕሪ ናይቲ እዚን፡ መበል 82 ኣየር-ወለድ ክፍለሰራዊትን ከምዝተሳተፉ'ውን መግለጺ ሰንትኮም ይጠቅስ።