'ቁጥዐ ኣብ ጎደናታት ስጳኛ’ - ቅልውላው ኣባይቲ ዘበገሶ ናዕቢ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብ መላእ ስጳኛ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት፡ ንተኻረይቲ ዝያዳ ሓለዋ ክግበረሎም ጸዊዖም።
መንግስቲ ህጹጽ ሕጊ ኣባይቲ ከጽድቕ ዘይምኽኣሉ ስዒቡ እዩ ነበርቲ ተቓውሞኦም ዘስምዑ ዘለዉ።
ትማሊ ቀዳም ኣብ ማድሪድ፡ ቫለንሽያን ባርሴሎናን ሓዊሱ ኣብ ከተማታት ኣስታት 50 ሰልፍታት ተቓውሞ ተኻይዱ።
ኣብ መንጎ ገለ ሰልፈኛታትን ፖሊስን እውን ጎንጺ ተፈጢሩ ኣሎ።
ሓንቲ ጓል 87 ዓመት ጓል ኣንስተይቲ ብርቱዕ ወሰኽ ክራይ ገዛ ክትከፍል ብዘይምኽኣላ ካብ መንበሪኣ ምስጓጓ ስዒቡ እዩ፡ ኣብ መላእ ስጳኛ ብደረጃ ሃገር ተቓውሞታት ተላዒሉ።
ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ባሕሪ እትርከብ ከተማ ቫለንሽያ፡ ኣብ ጥቓእቲ ናይ ንብረት ዋዕላ ዘአንግድ ዝነበረ ማእከል ስነጥበብ ፓላው ደ ለስ ኣርትስ ረይና ሶፍያ ምስ ኣባላት ፖሊስ ከምዝተጋጨዉ ኣሳእል የመልክቱ።
ሓያሎ ሰልፈኛታት መከላኸሊታትን ኣቑሑን ናብ መኮንናት ንብረት ክድርብዩ እንከለዉ፡ ፖሊስ ድማብጎማ ጥይት ምላሽ ከምዝሃበ ማዕከናት ዜና ስጳኛ ሓቢረን።
ህዝባዊ ፈነወ ኣርቲቪኢ፡ ትሽዓተ ኣባላት ፖሊስ ከምዝቖሰሉን 5 ሰባት ድማ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉን ሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, EPA/Shuttershock






