ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
  • እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
  • ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
  • ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
  • ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
  • ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ደደቢት-ኣዲስኣበባ-መቐለ፡ ጕዕዞ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ካበይ ናበይ?

  2. ሱዳን፡ ንዕጡቓት ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ትድግፍ ኣላ ንዝብል ክሲ ነጺጋቶ

    ሱዳን፡ ንመንግስቲ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ንዝቃወሙ ዕጡቓት ጕጅለታት ትድግፍ ኣላ ተባሂሉ ብኢትዮጵያ ዝቐረበላ ክሲ "መሰረት ዘይብሉን ፖለቲካዊ ድራኸ ዘለዎን" ብምባል ትማሊ ብጽኑዕ ነጺጋቶ።

    ብተወሳኺ፡ ሱዳን ነቲ ኣዲስ ኣበባ ንዕጡቕ ሓይሊ ዳዕመ-ሰሪዕ ትድግፍ ከም ዘላ እተቕርቦ ዘላ ክሲ ዳግም ኣሐዲሳቶ።

    ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣዛዚ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ብ23 መስከረም ዝሃቦ ርእይቶ፡ "ንሱዳን ናብቲ ንኢትዮጵያ ሸሚሙዋ ዘሎ ውሽጣዊ ግጭታት ንምስሓብ ዝዓለመ ቅሉዕ ፈተነ" ምዃኑ ገሊጹ።

    እቲ ምኒስትሪ ወሲኹ፡ ፖሊሲ ወጻኢ ሱዳን ኣብ ምኽባር ልዑላውነት ሃገራት፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ካልኦት ሃገራት ኢድ ዘይምትእትታው፡ ምኽባር ኣህጉራዊ ሕግን ኣብ መትከላት ሰናይ ጕርብትናን ዝተሰረተ ምዃኑ ኣረዲኡ።

    እቲ ምኒስትሪ፡ ኢትዮጵያ ንሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ቀጻሊ ቀጥታዊ ደገፍ ትህብ ኣላ ዝብል ክሱ ዳግም ኣሐዲሱ።

    ኢትዮጵያ ንዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ደገፍን ስልጠናን ከም ዝሃበት፡ መርየታ ኣንጻር ሱዳን ንዝካየድ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ክውዕል ከም ዘፍቀደትን ካብ ግዝኣታ ድሮናት ክውንጨፉ ባይታ ከም ዘጣጥሐትን ዘረጋግጽ "ሰነዳዊ ሓበሬታን ርጉጽ መርትዖን" ከም ዘለዎ’ውን እቲ ምኒስትሪ ኣፍሊጡ።

    ኢትዮጵያ ብወገና፡ ንሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ትድግፍ ኣላ ንዝብል ክሲ ኣቐዲማ ነጺጋቶ ነይራ እያ።ፍ

  3. ኣባላት ባይቶ ኣመሪካ፡ ማርኮ ሩብዮ ኣብ ትግራይ ዘሎ ወጥሪ ንምህዳእ ስጕምቲ ክወስድ ጸዊዖም

    ኣብ ክልል ትግራይን ኣብ ዘዳውቡ ከባቢታት ዓፋርን ኣምሓራን ዳግማይ ውግእ ምውልዑ ስዒቡ፡ ሽዱሽተ ኣባላት ባይቶ ኣመሪካ፡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ማርኮ ሩብዮ ነቲ እናበኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ ንምህዳእ ህጹጽ ስጕምቲ ክወስድ ጸዊዖም።

    እታ ላዕለወይቲ ኣባል ኮሚተ ርክባት ወጻኢ ዝዀነት ጂን ሻሂንን ላዕለዋይ ኣባል ንኡስ ኮሚተ ኣፍሪቃን ፖሊሲ ጥዕናን ኮሪ ቡከርን ሓዊሱ ኣባላት ባይቶ ክሪስ ኩንስ፡ ጀፍ መርክሊ፡ ክሪስ ቫን ሆለን ከምኡ’ውን ቲም ኬይን፡ ሰኑይ 28 መስከረም 2026 ኣብ ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካልእ ውግእ ከይውላዕ ማሕበረሰብ ዓለም ነቶም ተጻባእቲ ወገናት ናብ ዘተን ሽምግልናን ክምለሱ ጸቕጢ ክገብር ኣተሓሳሲቦም ኣለዉ።

    እዚ ጻውዒት ዝቐረበ፡ ምምሕዳር ትራምፕ ብመሰረት ፈጻሚ ትእዛዝ 14046 ኣንቢርዎ ዝነበረ እገዳ ካብ ዘብቅዕ ሰሙን ኣብ ዘይመልእ እዋን እዩ።

    እቶም ኣባላት ባይቶ፡ "ኣብ ኢትዮጵያ እናተበላሸወ ብዝኸይድ ዘሎ ኵነታት ጸጥታ ኣዝዩ ኣሰንቢዱና ኣሎ፡" ድሕሪ ምባል፡ እቲ ኣብ ክልላት ትግራይ፡ ኦሮምያን ዓፋርን ዝተባርዐ ግጭት፡ ነቲ ብሽምግልና ሕብረት ኣፍሪቃን ብጽኑዕ ደገፍ ኣመሪካን ንውግእ 2020–2022 ደው ዘበለ ስምምዕ ሰላም የፍርሶ ከም ዘሎ ኣጠንቂቖም።

    ምምሕዳር ትራምፕ ነቲ እገዳ ምሕዳጉ ድማ ነቶም ተሓታትነት ዘይብሎም ተጻባእቲ ዘተባብዕን ንግዳያት ድማ ፍትሒ ዝኸልእን ስጕምቲ ምዃኑ ነቒፎምዎ።

    ብተወሳኺ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ብሓገዝ ኣመሪካ ንተመዛበልቲ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ናይ መግቢ ረድኤት ዘመላልሳ ዝነበራ ቃፍላያት ብሰራዊት ኢትዮጵያ ብመጥቃዕቲ ድሮን ከም ዝተሃርማ ዝጠቐሱ እቶም ኣባላት ባይቶ፡ በዚ ምኽንያት ድማ ሓያሎ ካብቲ ህጹጽ ረድኤት ከም ዝዓነወን ንተጸበይቲ ሓገዝ ዝቐርብ ዝነበረ ኣገዳሲ ቀረብ ከም ዝተቛረጸን ሓቢሮም።

    ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮምያን ድሮናት ብሰፊሑ ምጥቃሙ "ኣዝዩ ዘተሓሳስብ" ምዃኑ ብምግላጽ ድማ እዚ ስጕምቲ’ዚ ሰብኣዊ ኵነታት ካብ ምብኣስን ነቲ ውግእ ካብ ምግፋሕን ሓሊፉ ዝፈጥሮ ረብሓ ከም ዘየሎ ገሊጾም።

    ብተመሳሳሊ፡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ንግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ብምዕንቃፍ፡ ብግዝያዊ ምምሕዳር ዝተመዘዙ ሓለፍቲ ብምእላይ፡ ዕጥቂ ንምፍታሕ ብምእባይን ንሰለማውያን ብግዲ ብምዕጣቕን ቃሉ ከም ዘየኽበረ ኣመልኪቶም።

    "ኣብዚ ድሮ ተነቃፊ ኰይኑ ዘሎ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካልእ ውግእ ምውላዕ ከቢድ ሓደጋ ኣለዎ፡" ዝበሉ እቶም ኣባላት ባይቶ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድን መሪሕነት ህወሓትን ወጥሪ ንምህዳእ ህጹጽ ስጕምቲ ክወስዱ ጸዊዖም።

    ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ማርኮ ሩብዮን ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካን፡ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ መሪሕነት ህወሓትን ምስኦም ዝተሓባበሩ ዕጡቓት ጕጅለታትን ብቐጥታ ብምርኻብ፡ እቲ ሓድሽ ውግእ ደው ክብልን ኵሎም ወገናት ናብ ዘተ ብህጹጽ ንኽምለሱን ኣድላዪ ዲፕሎማስያዊ ስጕምቲ ክወስዱ ተላብዮም ኣለዉ።

  4. ብኵራት ተጻወትቲ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ቻምፕዮና ዓለምን መቕጻዕትን - ጉዳይ ቪዛኸ?

  5. ኣብ ኮረም፡ ኣላማጣን ሽረን ዝተሓከሙ ውጉኣት ቍጽሮም 720 ከም ዝበጽሐ ተገሊጹ

  6. ህንጻ ተለቪዥን ትግራይ ምሉእ ብምሉእ ከምዝዓነወ ዋና ኣካያዲ እቲ ትካል ገሊጹ

    ኣባዲ ገ/ስላሴ

    መደበር ተለቪዥን ትግራይ "ምሉእ ንምሉእ" ከምዝዓነወ ዋና ኣካያዲ ናይቲ ትካል ኣፍሊጡ።

    ኣይተ ኣባዲ ገ/ስላሴ ሎሚ ኣማስያኡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ መቐለ ዝርከብ መደበር ዜና ከቢድ ዕንወት ከምዝወረደ ጠቒሱ።

    "እቲ ትካል ምሉእ ንምሉእ ዓንዩ እዩ ምባል ይክኣል'ዩ. . .ዝበጽሐ ማተሪያላዊ ዕንወት ብጣዕሚ ገዚፍ እዩ።

    "ፈነወና'ውን ሎምመዓንቲ ካብ ካልእ ቦታ፡ ካብ ካልእ ስትድዮ፡ ብውሱን ማቴሪያልያት ክሳብ ንጅምር ንልዕሊ 24 ሰዓት ፈነወ ደው ኣቢልና ጸኒሕና ኢና" ኢሉ።

    እንተኾነ ኣብ ሰብ ዝወረደ ከምዘየለ ግን እቲ ዋና ኣካያዲ ሓቢሩ'ሎ።

    "በቲ ደብዳብ ሰብኣዊ ክሳራ ኣይበጽሓናን፡ ምኽንያቱ እቲ ጆኖሳይዳዊ ኣገዛዝኣ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ክእግድ እንከሎ ንተለቪዥን ትግራይ ኣብቲ ትካል ደብዳብ ክፍጽም ከምዝኽእል ንግምት ስለዝነበርና" ጥንቃቐ ከምዝተገብረ ኣብቲ ተለቪዥን ትግራይ ብመገዲ ፌስቡክ ዘውጽኦ ቪድዮ ተዛሪቡ።

    መደበር ተለቪዥን ትግራይ ትማሊ ሰንበት 27 መስከረም ብድሮን ከም ዝተሃረመ ጸብጻባት ሓቢሮም ምንባሮም ይዝከር።

  7. 'ትካል ተለቪዥን ትግራይ ምሉእ ብምሉእ ብደብዳብ ዓንዩ' -ዋና ኣካያዲ ስራሕ

  8. ኣባላት ጸጥታ ፌደራልን ሕብረት ኣፍሪቃን ዝርከብዎም ሰባት ብደገፍ ቀይሕ መስቀል ካብ ትግራይ ወጺኦም

    ብናይ ቀይሕ መስቀል ፒክ-ኣፕ መኪና ዝተመርሐ ቃፍላይ ኣውቶቡሳት

    ዓለምለኻዊ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል፡ ወከልቲ ሕብረት ኣፍሪቃን ኣባላት ፖሊስ ፌደራልን ዝርከብዎም ልዕሊ 150 ሰባት ካብ ክልል ትግራይ ከምዘውጽአ ኣፍሊጡ።

    እቶም ብቃፍላይ ኣውቶቡሳት ካብ መቐለ ናብታ ርእሰከተማ ክልል ዓፋር ዝኾነት ሰመራ ዝኣተዉ 161 ሰባት፡ ሰብመዚ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ቤተሰቦምን፡ ኣባላት ጸጥታ ሲቪል ኣቬሺንን ንተግባራውነት ስምምዕ ፕሪቶሪያ ንምክትታል ዝተመደቡ ወከልቲ ሕብረት ኣፍሪቃን ዝርከብዎም እዮም።

    "ካብ ሞንጎ ዘጓዓዓዞም ኣባላት ፌዴራል ፖሊስ ኢትዮጵያን ስድራኦምን፣ ሰራሕተኛታት መንገዲ አየር ኢትዮጵያን ስድራኦምን፣ ሰራሕተኛታት ድሕንነት ሲቪል አቪዬሽንን፣ ተዓዘብቲ ሕብረት ኣፍሪካን ኣባላት ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያን ይርከብዎም" ይብል እቲ መግለጺ።

    "ከም ዘይሻራውን ናጻ መንጐኛን ኩሎም ዝምልከቶም ሰብመዚ ብዘቕረብዎ ጠለብን ውሳነን" ነቲ ዕማም ከምዝፈጸመ'ዩ እቲ ማሕበር ገሊጹ ዘሎ።

    "ምስ ኩሎም ተሳተፍቲ ጎንፂ ብቐፃልነት ብምዝርራብ ኩነታት ንሓደጋ ተቓላዕቲ (vulnerable) ዝኾኑ ሰባት ብዝምልከት ኩሎም ተሳተፍቲ ጎንፂ ንኸምዚ ዓይነት ስራሕ እንተተሰማሚዖም ሓላፍነቱ ንምውፃእ ድልው እዩ" ክብል'ውን ቃል ኣትዩ።

    ብሰንኪ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መንጐ ብህወሓት ዝምርሑ ሓይልታት ትግራይን ፈደራላዊ መንግስቲን ተወሊዑ ዘሎ ሓድሽ ግጭት ናብ ትግራይ ዝግበር በረራታት ተቛሪጹ ከምዘሎን፡ እቶም ሓይልታት ነተን ኣብቲ ክልል ዝርከባ መዓርፎ ነፈርቲ መቐለ፡ ኣክሱምን ሽረን ኣብት ምቊጽጻሮም ከምዘ እተውዎ ይፍለጥ።

  9. ካብን ናብን ኮምቦልቻን ላሊበላን ዝግበር በረራታት ኣየር ኣቋሪጹ

    መዓርፎ ነፈርቲ ላሊበላ

    ናብን ካብን ኮምቦልቻን ላሊበላን ዝግበር በረራታት ኣየር ከምዘቋረጸ ነበርቲ እተን ከተማታት ሓቢሮም።

    ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ዝተቛረጸ ናብ ታሪኻዊት ከተማ ላሊበላ ዝግበር ዝነበረ በረራታት ክሳብ ሎሚ ናብ ንቡር ከምዘይተመልሰ ምንጭታት ንቢቢሲ ሓቢሮም።

    ነበርቲ ኮምቦልቻ ከምዝበልዎ'ውን፡ ኣብታ ከተማ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ተዓጽዩ ኣሎ። ዛጊት ነቲ ኲነታት ዝምልከት በቲ ናብታ ከተማ በረራታት ዘካየድ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝተዋህበ ዝኾነ ሓበሬታ የለን።

    ቢቢሲ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ ዝተወከሰሉ "ኣብ ማሕበራዊ ገጻትና ሓበሬታ ክንህብ ኢና" ካብ ምባል ሓሊፉ ንጹር ሓበሬታ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ'ሎ።

  10. ናብ ኮምቦልቻን ላሊበላን ዝግበሩ በረራታት ከምዝተቛረጹ ነበርቲ ገሊጾም

  11. ኢትዮጵያ ንስምምዕ ኣስመራ ከምዝጠሓሰት ኤርትራ ከሲሳ

    ኢሳይያስ ኣፍወርቂን ኣቢይ ኣሕመድን ኣብ እዋን ምውቕ ምሕዝነቶም እናሰሓቚ
    መግለጺ ስእሊ, ኣብ መንጐ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂን እቲ ቀዳማይ ሚኒስተርን ጥቡቕን ምውቕን ዝምድና ውሃ ዘበለን ተስፋ ዝፈጠረን እዩ ነይሩ

    ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ኣስመራ ዝተፈረመ "ስምምዕ ሰላምን መሕዝነትን" ክልቲአን ሃገራት ከምዝጠሓሰት ኤርትራ ከሲሳ።

    ሚኒስተር ዜና እታ ሃገር ሎሚ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና "ነቲ ካብ ቊጽጽሩ ወጻኢ ዝኾነ ታኼላን ባዕሉ ዝፈጠሮ ግጭታትን ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ብምጽጋዕ ይኸስስ ኣሎ" ክብል ወቒሱ።

    "ኣብ 2023 ንዓለምለኻዊ ሕጊን ንቀንዲ መትከላት ናይቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ኣብ 2018 ኣብ ኣስመራ ዝተፈረመ ስምምዕ ምሕዝነትን ምትሕብባርን ብቕሉዕ ብምጥሓስ. . .'ልኡላዊ ኣፍደገ ባሕሪ' ንምርካብ ብወግዒ ጐስጓስ ፈሊሙ" ይብል ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል።

    ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብቲ ዓመት ንፓርላማ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኢትዮጵያ ንግዳዊን ዋንነታዊን ኣፍደገ ኣፍደገ ባሕሪ ከምዝግብኣ ምግላጹ ብወገን ኤርትራ ሓያል ተቓውሞ ከምዘስዓበ ይፍለጥ። ዝተፈላለዩ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ብፍላይ ብቀይሕ ባሕሪ ኣፍደገ ክውንኑ ምድላዮም ንልኡላውነታ ዘስግእ "ኣዋጅ ኲናት'ዩ" ክትብል ኣስመራ ብተደጋጋሚ ክትኩንኖ ጸኒሓ እያ።

    ኣዲስ ኣበባ፡" ወተሃደራዊ መዓስከር ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንምእንጋድ ከምዝተሓባበረትን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሱዳን ኢዳ ተእቱ ከምዘላ'ውን እቲ ኤርትራዊ ብዓልስልጣን ኣሚቱ። ኢትዮጵያን ኢማራትን ቅድሚ ሕጂ ንዝቐረበለን ተመሳሳሊ ክሲታት ከምዝነጸግኦ ይዝከር።

    መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ ንህወሓት ዝርከቦም ዕጡቓት ተቓወምቱ ብምድጋፍ ዘይምርግጋእ ይፈጥር ኣሎ ዝብል ወቐሳ ከስምዕ ጸኒሑ'ዩ።

    እቲ ኣብ ክረምቲ 2018 ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራን ጂዳን (ስዑዲ ዓረብ) ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም፡ ዓለምለኻዊ ኣቓልቦ ዝረኸበን ንኣቢይ ኣሕመድ ሽልማት ኖበል ሰላም ክወሃብ ምኽንያት ዝኾነን'ዩ።

    "ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝጸንሐ ኩነተ-ኲናት ኣኽቲሙ፡ ሓድሽ መዋእል ሰላምን ምሕዝነትን ክጅምር" ካብ ቀንዲ መትከላት ናይቲ ስምምዕ ምንባሩ ይዝከር።

    ድሕሪ'ቲ ስምምዕ ኣብ መንጐ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂን እቲ ቀዳማይ ሚኒስተርን ዝነበረ ጥቡቕን ምውቕን ዝምድና ውሃ ዘበለን ተስፋ ዝፈጠረን እዩ ነይሩ።

    እንተኾነ ክልቲኦም መራሒ ፈለማ ብሓባር ኣንጻር ህወሓት ብምስላፍ ናብቲ "ዝኸፍአ" ዝተባህሉሉን ህይወት ኣማኢት ኣሽሓት ዝቐዘፈን ኲናት ትግራይ ኣትዮም። ሕጂ ድማ ናብ ዝኸፍአ ምትፍናን ብምእታው ናብ ካልእ ደማዊ ኲናት ክኣትዉ ከምዝኽእሉ ይእምቱን ይካሰሱን ኣለዉ።

  12. ኣብ ልዕሊ ተለቪዥን ትግራይ ዝወረደ መጥቃዕቲ ድሮን ወተሃደራዊ ምዕባለታትን

    መደበር ተለቪዥን ትግራይ ትማሊ ሰንበት 27 መስከረም ብድሮን ከም ዝተሃረመን ዕጡቓት ድማ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣንጻር ሓይልታት መንግስቲ ይገጥሙ ከም ዘለዉን ኤ-ኤፍ-ፒ ገሊጹ።

    ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መንጎ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ፈደራላዊ መንግስትን ከቢድ ግጭት ዳግማይ ብምጅማሩ፡ ነቲ ኣስታት 600,000 ሰባት ዝሞትሉ ተባሂሉ ዝግመት ናይ 2020-2022 ኲናት ሓድሕድ "ዳግማይ ክምለስ ይኽእል እዩ" ዝብል ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።

    ህወሓት ኣብቲ ክልል ዝርከቡ መዓርፎ ነፈርቲ ተቘጻጺሩ ናብ ጐረባብቲ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን መጥቃዕቲ ከም ዝኸፈተን ብምግላጽ፡ ኣንጻር መንግስቲ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ "ናይ ምክልኻል ኲናት" የካይድ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ።

    ዋና ቤት ጽሕፈት ትግራይ ቲቪ፡ ሰንበት ከባቢ ሰዓት 9:00 ቅድሚ-ቐትሪ (ብኣቈጻጽራ ናይቲ ከባቢ) ብድሮን ተሃሪሙ። እዚ መደበር ተለቪዥን ከም "ቀንዲ ማዕከን ዜና" ናይቲ ክልል ኰይኑ፡ እዞም ዕጡቓት ልፍንቲ ከም ዝመስረቱ ዝኣወጅሉ ብመንገዱ እዩ ነይሩ።

    ሓደ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ጋዜጠኛ እቲ ትካል ንኤጀንሲ ዜና ፈረንሳ ክዛረብ ከሎ፡ "ኣብ ካልእ ቦታ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድሮን ዝተፈጥረ ብርቱዕ ድምጺ ሰሚዕና፡ ካብቲ ህንጻ ሃዲምና፡" ኢሉ።

  13. ኢትዮጵያ፡ ሕብረት ሓይልታት ጥምረታት ክዕወት ይኽእል'ዶ?

  14. የመን፡ ምብጻሕ ቢቢሲ ናብ ቅድመ ግንባር ከተማ ታዕዝ

  15. ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ብጃምላዊ መጥቃዕቲ 27 ሳበት ተቐቲሎም

    ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብጃምላዊ መጥቃዕቲ ሳበት ተቐቲሎም

    ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት፡ ብዝተፈጸመ ክልተ ጃምላዊ - ተኹሲ 27 ሰባት ተቐቲሎም።

    ገሊኦም ትማሊ ቀዳም ምሸት ኣብ ጥቓ ከተማ ጆሃንስበርግ ኣብ ዝርከብ እንዳ መስተ፡ ካልኦት ድማ፡ ኣብ ጥቓ ከተማ ኬፕታውን ኣብ ዝርከብ እንዳ መዝናነዪ፡ ሰንበት ኣጋ ምሸት እዮም ተቐቲሎም።

    8 ዕጡቓት፡ ኣብ ጥቓ ጆሃንስበርግ ፡ ኣብ ሓደ እንዳ መስተ ኣብ ልዕለ ኣብ ደገ ኮፍ ኢሎም ዝነበሩ ሰባት ተኹሲ ከፊቶም፤ ካብኡ ድማ ናብ ውሽጢ ኣትዮም ብምቕፃል፡ ብድምር 17 ሰባት ቀቲሎም፡ ንካልኦት 15 ድማ ኣቑሲሎም።

    ክልተ ተሽከርከርቲ እውን ብሓዊ ኣቃጺሎም።

    ኣብቲ ጃምላዊ መጥቃዕቲ 13 ደቂ ተባዕትዮን ኣርባዕተ ደቂ ኣንስትዮን ከምዝተቐትሉ ፖሊስ ይሕብር።

    ብተመሳሳሊ፡ ሎሚ ሰንበት ንጐሆ ድማ፡ ኣብ ኬፕታውን ኣብ ሓደ መዝናነዪ ስፍራ፡ ብዝተኸፍተ ጃምላዊ ተኹሲ፡ ዓሰረተ ሰባት ህይወቶም እንትስእኑ፡ ካልኦት 11 ሰባት ድማ ጉድኣት በፂሑዎም።

    እቶመ ሓሙሽተ ሰባት ሽዑንሽዑ ክሞቱ እንከለዉ፡ ሓሙሽተ ድማ ኣብ ሆስፒታል ከምዝሞቱ ፀብፃብ ፖሊስ የመልክት።

    ምስ ክልቲኡ መጥቃዕቲ ብዝተኣሳሰር ዛጊድ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ጥርጡር የለን፤ ፖሊስ ድራኸ ናይ ክልቲኡ ጃምላዊ ተኹሲ ኣይፈለጠን።

    ደቡብ ኣፍሪቃ ሓንቲ ካብተን ዝለዓለ መጠን ቅትለት ዝፍፀመለን ሃገራት እያ።

  16. ቲክቶክ፡ ንሐንቲ ክፍለ ግዝኣት ኣመሪካ ልዕሊ 100 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ክኸፍል'ዩ

    ቲክቶክ

    ቲክቶክ: ኣብ ልዕሊ ህጻናት ምስ ዘብፀሖ ጉድኣት ብዝተኣሳሰር፡ ንሓንቲ ግዝኣት ኣመሪካ- ኣላባማ፡ ልዕሊ 100 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ክኸፍል ተስማሚዑ።

    ቲክቶክን ንዕኡ ዘመሓድር ትካል ባይትዳንስን፡ ንክፍለ ግዝኣት ኣላባማ ልዕሊ 100 ሚልዮን ዶላር ክኸፍሉን ኣብታ ግዝኣት ንዝርከቡ ህጻናት ኣጠቓቕማኡ ንምድራት ስጉምትታት ክወስዱን ተሰማሚዖም።

    ጠበቓታት ቲክቶክን ግዝኣት ኣላባማን፡ ቅድሚ እቲ ኣብ ቤት ፍርዲ ዝካየድ ዝነበረ መስርሕ ፍርዲ ምክያዱ፡ ኣብዚ ስምምዕ በጺሖም ኣለዉ።

    ግዝኣት ኣላባማ፡ ቲክቶክ ንህጻናት ወልፊ ዘትሕዝ ኣፕ፡ ኮነ ኢሉ ከምዝፈጠረ ከሲሳ ነይራ።

    ኣብ ልዕሊ ካልኦት ማሕበራዊ ሚድያ ኣፕታት እውን ተመሳሳሊ ክሲ ቀሪቡ እዩ።

    ብመሰረት እቲ ስምምዕ፡ እቲ ኣፕ ካብ ፍርቂ ለይቲ ክሳብ ንጐሆ ሰዓት 6፡ ህፃናት ነቲ መተግበሪ ከይጥቀሙ ዝኽልክል መስርሕ ግብራዊ ክገብር እዩ።

    ወለዲ ን ‘ኣካውንት’ ደቆም ክከታተሉን፡ ክድርቱ ዘኽእሎም ቁጽጽር ንምግባር መስርሕ ክዝርግሕ እውን ተሰማሚዑ። እንተዀነ ቲክቶክ ዝኾነ በደል ከምዝፈጸመ ኣይኣመነን።

    እዚ ኣሰራርሓ፡ ንግዚኡ ኣብ ግዝኣትኣላባማ ዝተሓጽረ ኮይኑ፡ ቲክቶክምስ ሓንቲ ግዝኣት ኣመሪካዝበጽሖ ናይ መጀመርታ ስምምዕ እዩ።

    እዚ ንኣጠቓቕማ ህጻናት ኣብ ቲክቶክ ንምድራት ዝውሰድ ስጉምቲ ውጽኢታዊ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

  17. ኣከባብራ በዓል- መስቀል ኣብ ገለ ከባቢታት - ብስእሊ

  18. ኢራን: ምስ ኣመሪካ ዘሎ ጐንፂ: ፍታሕ ዝረክብ ብልዝብ ጥራይ ከምዝዀነ ኣፍሊጣ

    ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢራን ኣባስ ኣራግቺ

    ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢራን ኣባስ ኣራግቺ፡ እቲ ንማእኸላይ ምብራቕ ዝሕምስ ዘሎ፡ ምስ ኣመሪካ ዘሎ ግጭት፡ “ብልዝብ” ጥራሕ ክፍታሕ ከምዝኽእል ኣፍሊጡ።

    እቲ ምኒስተር ከምኡ ዝበለ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኢራን መጻብቦ ሆርሙዝ ንምኽፋት ዝሓንፀፀቶ ሓድሽ መደብ ምንፃጉ ስዒቡ እዩ።

    ትራምፕ ኣብ ዋይት ሃውስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እማመ ኢራን “ቅቡል ኣይኮነን” ኢሉ።

    ኣብ ውሽጢ 7 መዓልታት፡ መጻብቦ ሆርሙዝ ንምኽፋት ኣብ ስምምዕ ክብፃሕ ዝደልዩ ዘለዉ፡ “ሕሱም ይሰዓሩ” ከምዘለዉ ዘመልክት ምዃኑ ወሲኹ ተዛሪቡ።

    ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን፡ ኣብ ቴሌግራም ቻነሉ ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ፡ ቴህራን ካብ ዋሽንግተን “ዕላዊ መልሲ” ክሳብ እትረክብ ክትፅበ ምዃና ሓቢሩ።

    ኣራግቺ፡ ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ተጋራጫዊ መግለጺታት ከምዝሃበ ኣመልኪቱ።

    መጻብቦ ሆርሙዝ ንምኽፋት ዝቐረበ ቅድመ ኩነት፡ ምስቲ ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብ መንጎ ኢራንን ኣመሪካን ዝተፈረመ ሰነድ-ምርድዳእ ዝመሳሰል እዩ ተባሂሉ።

  19. ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር) ኮሚሽነር ኮሚሽን ኒዩክለር ኢነርጂ ኢትዮጵያ ኰይኑ ተሸይሙ

  20. ኢትዮጵያ፡ ዳግም ናብ ካልእ ሙሉእ-ኲናት ትህንደድ ኣላ ድያ?