ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ
ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።
ጽማቝ ሓበሬታ
- ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
- እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
- ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
- ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
- ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
- ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።
ቀጥታዊ ሸፈነ
ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራን ግብጽን ዘሎ ወጥሪ ክሃድእ ጸዊዑ
ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራን ግብጽን እናበኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ ብዓቢይ ሻቕሎት ይከታተሎ ምህላዉ ብምግላጽ፡ ሰለስተአን ኣባል ሃገራት ዝለዓለ ዓቕሊ ክገብራን ነቲ ዞባ ናብ ዝገደደ ቅልውላው ዘእቱ ስጕምቲታት ካብ ምውሳድ ክሕየባን ኣጥቢቑ ጸዊዑ።
እቲ ኮምሽን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሰለስተአን ሃገራት ነቲ ዘሎ ወጥሪ ዘጋድድን ዞባዊ ቍጠባውን ፖለቲካውን ምርጋእ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕን ዝዀነ ዓይነት ተግባራት ወይ መግለጺታት ካብ ምሃብ ክቝጠባ ኣተሓሳሲቡ።
ኣብ መንጎአን ዘሎ መስመራት ርክብ ቀጻሊ ኰይኑ ክጸንሕ ኣገዳሲ ምዃኑ ዘስመረ እቲ ኮምሽን፡ እተን ሃገራት ንፍልልያተን ብመሰረት መትከላት መስራቲ ውዕል ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ብዝተለምዱ ዲፕሎማስያዊ መስመራትን ሰላማዊ ዘተን ክፍትሓኦ ተማሕጺኑ።
እዚ ጻውዒት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝመጽእ ዘሎ፡ ኣዲስ ኣበባ ምስ ኣስመራን ካይሮን ዝጸንሓ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ ውጥረት ኣብ ዝበጽሓሉ ዘሎ ወሳኒ እዋን እዩ።
ኢትዮጵያ ዲፕሎማሰኛታት ኤርትራ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓት ካብታ ሃገር ክወጹ ኣዚዛ
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ዲፕሎማሰኛታት ኤርትራ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ካብታ ሃገር ክወጹ ተኣዚዞም።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ሎሚ 01 ጥቀምቲ 2026 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብሰንኪ "ተግባራት ተጻብኦ ኤርትራ" ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራ ዘሎ ኤምባሲኡ ክዕጾ ከምዝወሰነ ኣፍሊጡ።
"እቲ ሚኒስትሪ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ዓሰርተ ዲፕሎማሰኛታት ኤርትራ 'ፐርሶና ናን ግራታ' [ኣፍልጦን ሓለዋን ዝተነፍጐም ውልቀሰባት] ምዃኖም" ኣዊጁ ከምዘሎ ገሊጹ።
እቶም ብስም ዘይተጠቕሱ ዲፕሎማሰኛታት "ውዕል ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ቬና ብምጥሓስ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ቀጥታዊ ሓደጋ ኣብ ዘስዕብ ንጥፈታት ብምስታፎም" ክወጹ ከምዝተወሰነ'ዩ እቲ መግለጺ ይጠቅስ።
"እዞም ዲፕሎማሰኛታት ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ካብ ኢትዮጵያ ክወጹ ተኣዚዞም ኣለዉ" ድማ ይብል።

ምንጪ ስእሊ, Etv
ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዝጸንሓ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ምሉእ ብምሉእ ከምዝበተኸት ኣፍሊጣ
ኤርትራ ነቲ ኢትዮጵያ ዝወሰደቶ ዲፕሎማሰኛታት ናይ ምስጓግ ስጉምቲ ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ ምስ ኣዲስ ኣበባ ዝጸንሓ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ምሉእ ብምሉእ ክትበትኮ ከምዝወሰነት ኣፍሊጣ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ብሓሙስ 01 ጥቀምቲ 2026 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብሰንኪ "ተግባራት ተጻብኦ ኤርትራ" ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራ ዘሎ ኤምባሲኡ ከምዝዕጾ ብምግላጽ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ 10 ዲፕሎማሰኛታት ኤርትራ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓት ክወጹ ከምዝኣዘዘ ኣፍሊጡ ነይሩ።
ኣስመራ ብወገና፡ ኣማስያኣ ኣብ ዝሃበቶ ግብረመልሲ፡ ነቲ "ተጻባኢ" ዝበለቶ ውሳነ ኢትዮጵያ ብምቃፍ፡ ኣዲስ ኣበባ ንዕጡቓት ኤርትራውያን ተቓወምቲ ብምዕጣቕ ኣብ ኤርትራ "ውሽጣዊ ግጭት ብምስዋር ናይ ስርዓት ለውጢ" ክትፈጥር ትፍትን ከምዘላ ከሲሳ።

ምንጪ ስእሊ, Fitsum Arega/Twitter
ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዝጸንሓ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ምሉእ ብምሉእ ከምዝበተኸት ኣፍሊጣ
ኢትዮጵያ ዲፕሎማሰኛታት ኤርትራ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓት ካብታ ሃገር ክወጹ ኣዚዛ
ኣዲስ ኣበባ፡ ነትጕታት ክስማዕ ከም ዝሓደረ ምንጭታት ቢቢሲ ሓቢሮም
ሓይሊ ሰላም ትግራይ ንኤርትራ ይኸስስ፡ ኤርትራ'ውን ምላሽ ሂባ
ናይጀርያዊ ቢልዮነር ኣሊኮ ዳንጎቴ ኣብ ኬንያ ህንጸት መጻረዪ ነዳዲ ኣጀሚሩ
ኣፍኮን፡ ንሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ከቢድ ስዕረት ዘሰከመ ግጥም

ምንጪ ስእሊ, Eritrean National Football Federation
ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ መጻረዪ ዋንጫ ኣፍሪቃ 'ኣፍኮን 2027' ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ዘካየደቶ ጸወታ ከቢድ ስዕረት ኣጋጢምዋ።
ብሰንኪ ዘይብቕዓት ስታድዮማታ ናብ ካይሮ ግብጺ ተጓዒዛ ኣንጻር ኣንጻር ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተጻወተት ሃገራዊ ጋንታ ኤርትራ 5-0 ተሳዒራ።
ደቡብ ኣፍሪቃ ዳርጋ ንመላእ እቲ ጸወታ ተቖጻጺራ ሓያል መጥቃዕቲ ብምግባር ኣብ ምድባ ንኻልኣይ ግዜ ተኸታታሊ ዓወት ኣመዝጊባ'ላ።
እዚ ስዕረት፡ ኤርትራ ኣብ መኽፈቲ መጻረዪ ጸወታ ኣብ ናይሮቢ ኣንጻር ኬንያ 1ብ1 ድሕሪ ምፍልላያ፡ ካብ ክልተ ጸወታታት ሓንቲ ነጥቢ ጥራይ ሒዛ ኣላ። ዝቕጽል ጸወታኣ ኣንጻር ጊኒ ኣብ ርእሰከተማ ኮናክሪ ክኸውን እዩ።
እታ ብኣግማል ቀይሕ ባሕሪ ትፍለጥ ጋንታ ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት ኣብ ፈለማ ናይዚ ዓመት ናብ ዓለምለኻዊ ውድድራት ምምላሳ ንደገፍታ ተስፋ ኣስኒቓ ምጽንሓ ይፍለጥ።
ብሓላፊ ህግደፍ ዝምራሕ ልኡኽ ኤርትራ ምስ ሰበስልጣን ግብጺ ተዘራሪቡ

ምንጪ ስእሊ, Yemane Gebremeskel
ብሓላፊ ቊጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ግብጺ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ።
እቲ ብሓጐስ ገብረሂወት ዝምራሕ ጉጅለ ንሚኒስተር ንግዲ ኤርትራ ነስረዲን መሓመድ ሰላሕ ዘጠቓለለ'ዩ።
እቲ ኣብ ካይሮ ዝርከብ ልኡኽ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ባድር ዓብደልዓጢ ብምርኻብ ብዛዕባ "ክልተኣዊን ዞባዊን ጉዳያት" ከምዝተዘራረበ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ሓቢሩ።
ክልቲኦም ሰበስልጣን ኤርትራ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ናብ ርእሰከተማ ሪያድ ብምብጻሕ ምስ ሰበስልጣን ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ተዘራሪቦም ምንባሮም ይዝከር።
ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተፈጢሩ ዝጸንሐ ወጥሪ ኣብ ዝዓርገሉ ዘሎ እዋን'ዮም ክልቲኦም ሰበስልጣን ነዚ ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ምንቅስቓሳት ዘካይዱ ዘለዉ።
ኣስመራ ምስ ሪያድን ግብጽን ጥቡቕ ዝምድና ከምዘለዋ ይንገር።

ምንጪ ስእሊ, Yemane Gebremeskel
ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል ከምዝበሎ፡ ምስ ሚኒስተር መጓዓዝያ ግብጺ ሌ/ጀነራል ካምል ኣል-ዋዚርን ተራኺቦም ነይሮም።
"ክልቲኦም ወገናት ክሳብ ሕጂ ኣብቲ ጽላታትን ካልእ ዓውድታት ክልተዊ ምትሕግጋዛትን ንዝተበጽሐ ገስጋስ ብምግምጋም፡ ብዛዕባ ዝቕጽል ስጉምቲ ሓሳብ ተለዋዊጦም" ይብል ሚኒስተር ዜና ኤርትራ።
እንተኾነ ብዛዕባ'ቲ ተጨቢጡ ዝበሎ ዓወታት ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጉንቦት፡ ኤርትራን ግብጽን ኣብ ኣስመራ፡ ሓባራዊ መስመራት መራኽብ ንምምዕባልን ምትእስሳር ወደባት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንምሕያልን፡ ወግዓዊ ስምምዕ ምትሕብባር መጓዓዝያ ባሕሪ ፈሪመን ምንባረን ይዝከር።
ቅድሚኡ'ውን ኣብ ወርሒ ምያዝያ፡ ሓላፊ ቍጠባዊ ጉዳያት ህግደፍን ሚኒስተር ንግዲ ኤርትራን ናብ ካይሮ ብምኻድ ምስ ግብጻውያን ምኒስተራት ወጻኢ፡ ወፍሪ፡ ንግዲን ኢንዱስትሪን፡ መጓዓዝያ፡ ኤለክትሪሲቲን ጸዓትን፡ ሕርሻን መሬትን ካልኦት ሰብመዚ ሰፊሕ ዝርርባት ኣካይዱ ነይሩ'ዩ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ምብራር ከምዝተኸልከለ ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, NISS
ኤጀንሲ ሃገራዊ ስለያን ጸጥታን ኢትዮጵያ፡ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ንዘይተወሰነ ግዜ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ንምብራር ፍቓድ ከምዘይህብ ኣፍሊጡ።
ሎሚ 30 መስከረም 2026 ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ኣብ ዝዀነ ከባቢን ካብ ዝዀነ ብራኸን ዝብገሳን ዝነፍራን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብምልላይ፡ ብምዕጋትን ኣብ ዘድሊ ቦታ ብምዕላብን፡ ከምኡ’ውን ልክዕ ኣቀማምጣ ናይቶም ኣብረርቲ ብምልላይን ብምእሳርን ሕጋዊ ስጉምቲ ክውሰድ’ዩ” ክብል ኣጠንቂቑ።
"ከምቲ ልሙድ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ዝንቀሳቐሱ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲን ካልኦት ተመሳሰልቲ ዝነፍሩ ነገራትን ዝከታተል ዝተዋደደ ፀረ ሰብ ኣልቦ ቴክኖሎጂ ብምጥቃም ክትትልን ቁፅፅርን ይካየድ ኣሎ" ክብል ወሲኹ ሓቢሩ።
እቲ ትካል፡ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኩናት ዳግማይ ኣብ ዝጋደደሉ እዋን እዩ ነዚ መግለጺ ዝህብ ዘሎ።
ብተወሳኺ "ምስ ዝምልከቶም ወገናት ብምትሕብባር፡ ድሕነት መራሕቲ፡ ቁልፊ ትሕተ-ቅርጽን ሃገራዊ ፍጻሜታትን ናይ ምሕላው ሓላፍነቱ ንምፍጻም" ንዘይተወሰነ እዋን ክጸንሕ እዩ ዝበሎ እገዳ በረራ ከም ዘተግብረ ገሊጹ።
ኣቕራቢ ዜና ዝነበረ ጋዜጠኛ ዘውዲ ንግስነት ደፊኡ

ምንጪ ስእሊ, Ngabo Amon/BBC
ኣብ ኡጋንዳ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ሃገራዊ መደበር ተለቪዥን ኣቕራቢ ዜናን ኣሰናዳእን ኰይኑ ዘገልገለ ኤድዋርድ ሩኪዲ ኪጃናንጎማ፡ ንጉስ ንግስነት ቶሮ ኰይኑ ዘውዲ ደፊኡ።
ሕጂ ንጉስ ኤድዋርድ ሩኪዲ ኪጃናንጎማ ንያቦንጎ ቀዳማዊ ተባሂሉ ዝተሰየመ እዚ ወዲ 56 ዓመት ጋዜጠኛ፡ ናብ ስልጣን ምድያቡ ኣብታ ሃገር ርሱን ክትዕ ስለ ዘለዓዓለ፡ ባዕሉ መዛረቢ መራኸቢታት ብዙሓን ኰይኑ ኣሎ።
ንግስነት ቶሮ፡ ኣብ ኡጋንዳ ብወግዒ ተፈላጥነት ካብ ዘለወን ኣርባዕተ ታሪኻውያን ንግስነታት ሓንቲ እያ።
እዛ ንግስነት ኣብ ዝሓለፉ 31 ዓመታት፡ ኣብ መበል ሳልሳይ ዓመቱ ናብ ስልጣን ብምምጻእ "ንኡስ (ቈልዓ) ንጉስ" ተባሂሉ ብዝፍለጥ ዝነበረ ንጉስ ኦዮ ትምራሕ ነይራ።
ኣብቲ እዋን’ቲ ኣብ ዓለም እቲ ዝነኣሰ ንጉስ ዝነበረ ኦዮ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ መበል 34 ዓመት ዕድመኡ ብሕማም መንሽሮ እዩ ዓሪፉ።
እቲ ካብ ፍርቂ ለይቲ ኣትሒዙ ዝጀመረ ስነ-ስርዓት ምድፋእ ዘውዲ፡ ብባህላዊ ልምድታት ዝተሰነየ ኰይኑ፡ ኪጃናንጎማ ናብቲ ወግዓዊ ቤተ-መንግስቲ ካሩዚይካ ናይ ኣስታት 4 ኪሎሜተር ጕዕዞ ብእግሩ ኣካይዱ።
ፑንትላንድ፡ ሸፋቱ ባሕሪ ሶማል ነታ ዝጨወይዋ መርከብ ነዳዲ ቅድሚ ምምላሳ ሓሙሽተ ሰራሕተኛታት ቀቲሎም
ሓይልታት ጸጥታ ፑንትላንድ ነታ ብሸፋቱ ባሕሪ ተጨውያ ዝነበረት መርከብ ነዳዲ 'ኤምቲ ሆነር 25' ንምድሓን ስጕምቲ ቅድሚ ምውሳዶም፡ እቶም ሸፋቱ ባሕሪ ንሓሙሽተ ሰራሕተኛታት እታ መርከብ ከም ዝቐተልዎም ምክትል ምኒስተር ዜና እቲ ዞባ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።
ምክትል ምኒስተር ቢለ ቃቦውሳደ፡ ሓይልታት ፑንትላንድ ነታ መርከብ ንምምላስ ኣብ ዝተንቀሳቐስሉ እዋን እቶም ሓሙሽተ ሰራሕተኛታት ድሮ ተቐቲሎም ምንባሮም ብምግላጽ፡ እቲ ቅትለት ብሰንኪ ኣብ መንጎ ሓይልታት ጸጥታን ሸፋቱ ባሕርን ዝተኻየደ ምልውዋጥ ተዅሲ ከም ዘይኰነ ኣረዲኡ።
ብመሰረት ሓበሬታ ሰበ-ስልጣን ፑንትላንድ፡ እቶም ዝተቐትሉ ሰለስተ ፓኪስታናውያን፡ ሓደ ህንዳውን ሓደ ዜጋ ሚያንማርን እዮም። ብተወሳኺ፡ ሰለስተ ፓኪስታናውያንን ሓደ ህንዳውን ዝርከብዎም ኣርባዕተ ሰራሕተኛታት ቈሲሎም ኣለዉ።
እቲ ስርሒት ከም ዝተዛዘመን እታ መርከብ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ቍጽጽር ሓይልታት መንግስቲ ከም ዘላን ዘመልከተ እቲ ምኒተር፡ 16 ሸፋቱ ባሕሪ ከም ዝተታሕዙን ዝሃደሙ ካልኦት ድማ ይድለዩ ከም ዘለዉን ሓቢሩ።
ቢለ ቃቦውሳደ፡ "ሓይልታት ጸጥታ ንገሊኦም ሸፋቱ ባሕሪ ንኽሃድሙ ሓጊዞም፡" ዝብል ክሲ፡ መሰረት ዘይብሉ ፕሮፓጋንዳ ብምባል ነጺግዎ።
18,500 በርሚል ነዳዲ ጽዒና ናብ ርእሰ-ኸተማ ሞቓዲሾ ትጓዓዝ ዝነበረት እዛ ብድምር 17 ሰራሕተኛታት ዝነበርዋ መርከብ፡ ኣብ ምያዝያ ብሽዱሽተ ዕጡቓት ኣብ ገማግም ባሕሪ ሶማል ተጨውያ ነይራ።

ኣላማጣ፡ ኣብ ልዕሊ ነበርቲን ከባቢኡን ብዛዕባ ዝበጸሐ ጉድኣት እንታይ ንፈልጥ?
ሱዳንን ስዑዲ ዓረብን፡ ኣብ ልዑላውነትን ጸጥታን ዘለወን ሓባራዊ ደገፍ ኣረጋጊጸን
ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ስለምንታይ ኣብ ቅድሚ ህዝባ ዘይትጻወት?
ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝምድናኦም ብኸመይ የዕብዩ ኣለዉ?
'ሕልሚ'ዩ ዝመስለኒ ዘሎ'- ዳግማይ ጸበባ ሒሳብ ባንኪ ዝተዓፀዎም ተጋሩ
ኢትዮጵያ፡ ግብጽን ሱዳንን ንዕጡቓት ተቓወምቲ ደጊፈን ንዝብል ክሲ ነጺገን
