ኤርትራውያን ስደተኛታት ብኸመይ ናብ ሃገራት ባልቲክ ኤውሮጳ ይበጽሑ ኣለዉ?

ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሉትወንያ
Published
ንባብ: 6 ደቓይቕ

ፖለቲካዊ ድሕነትን ቍጠባዊ ርግኣትን ዝደልዩ ስደተኛታት፡ ካብ መበቆል ዓዶም ተበጊሶም፡ ናብታ እፎይ ዝብሉላን ብተስፋ ዝሕደሱላን ሃገር ንምብጻሕ፡ ህይወት ብዝሓትት፡ ኣዝዩ መሪርን ጽንኩርን ጕዕዞን መከራን ከምዝሓልፉ ንታሪኽ ስደተኛታት ዘጽንዑ ተመራመርትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ከምኡ ድማ ውጻእ መዓት ኰይኖም ጕዕዞኦምን ተመኵሮኦምን ዝሰነዱ ውሑዳት ስደተኛታት ጸሓፍቲ፡ ኣዘንትዮም ኣለው።

መስመራት ጕዕዞ ስደት ዝተፈላለዩ እኳ እንተኾኑ፡ ኣብቲ ጕዕዞ ዘጋጥም በደላት ግን ካብ ንሓድሕዱ ዝኸፍእ እዩ። እቲ መስመር፡ ኣካላት ደቂ ሰባት ዝጒይሑሉ፡ ስደተኛታት ከም እንስሳ ኣብ ክፉት ጨረታ ዝሽየጡሉ፡ ኣብ ክልቲኦ ጾታታት ጾታዊ ዓመጽ ዝፍጸመሉ፡ ካብ ፈቐድኡ ንዝተጨውዩ ንምድሓን ዓሰርተታት ኣሽሓት ዶላራት መበጆ ዝሕተተሉ ሓደገኛ ጕዕዞ እዩ።

ግን ሞትን ጥፍኣትን ስቓይን ከርተትን እናሰነዮ እውን ገና ኣብ ሃገሮም ዘይጠዓሞም ሰባት ድሕነትን ተስፋን ንኽረኽቡ ብቐጻሊ ከካብ ሃገሮም ንስደት ይውሕዙ ኣለው።

ኣብዚ ቀረባ ግዝያት ዝተፈላለያ መርበባት ሓበሬታ ኤርትራውያን ዝርከቡዎም ዜጋታት ኣፍሪቃ ናብ ሃገራት ባልቲክ ኤውሮጳ ይኣተው ከምዘለው ይጽብጽባ ኣለዋ። እዞም ስደተኛታት ግን በየን ኣቢሎም እዮም ተጓዒዞም? ብኸመይ'ከ ናብ ሃገራት ባልቲክ ኤውሮጳ ይኣትው ኣለው? እዚ ዓንቀጽ እዚ ክድህስሶ እዩ።

ዝተፈላለየ ጸብጻባት ከም ዝሕብሩዎ ሓያሎ ዜጋታት ምብራቕን ቀርኒ ኣፍሪቃን ካብ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሱዳንን ሶማልን ማእከላይ ምብራቕን: ብቤላሩስን ላቲቭያን ኣቢሎም ናብ ሰሜን ኤውሮጳ ይውሕዙ ኣለው።

እቶም ሰባት ብርክት ዝበለ ገንዘብ ከፊሎም፡ ገሊኦም ብማህደረ ትምህርቲ፡ ገሊኦም ከኣ ብናይ ስራሕ ቪዛ፡ ፈለማ ናብ ሩስያ ወይ ቤላሩስ፡ ካብኡ ናብ ላቲቭያ፡ ሊትወንያ ወይ ከኣ ፖላንድ ከምዝሰግሩ፡ ብድሕሪኡ ብፊንላድን ሽወደንን ኣቢሎም ናብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ከምዝሰግሩ ይንገር።

ግን ብዙሓት ካብኣቶም ኣብ ዶባት እተን ዝሰግሩለን ሃገራት ከቢድ ግፍዕን በደልን እዩ ዘጋጥሞም። ብ21 ጥቅምቲ 2025 ንኣብነት፡ ክልተ ኤርትራውያን ሬሳ ወዲ 29 ዓመት ብጻዮም ተሰኪሞም ኣብ ዶብ ቤላሩስን ላቲቭያን ከምዝተረኽቡ ኮሚተ መርመራ ቤላሩስ ምሕባሩ ይዝከር።

እቶም ኤርትራውያን ኣብ ላቲቭያ ምስ በጽሑ ዩኒፎርም ብዝለበሱ ሰባት ተሌፎናቶም ተሰባቢሩ፡ ብሓይሊ ናብ ሚኒባስ ከእትውዎም ኤለክትሪካዊ ጨረርታ ዘመሓላልፍ መሳርሒ ምስ ተጠቕሙ ብጻዮም ወዲቑ ምንቅስቓስ ምስ ኣቋረጸ፡ ተሰኪሞምዎ ናብ ቤላሩስ ክሰግሩ ከም ዘገደድዎም እቲ ሽዑ ዝወጽአ ዜና የረድእ።

ፖሊስ ናጻ መርመራ ከምዘካይድ እኳ እንተሓበረ ክሳብ ሕጂ ብግልጺ ዝተረጋገጸ ውጽኢት የለን፡ ድሕሪኡ ድማ ሃለዋት ናይቶም ክልተ ብህይወት ዝተረፉ እውን ኣይተፈልጠን። እዚ ፍጻመ እዚ፡ ሰባት ንዶብ ቤላሩስን ላቲቭያን ክሰግሩ እንከለው እንታይ ዓይነት ሓደጋታት ከምዘጋጥሞም ዘርኢ እዩ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን እውን ኣብ ፊንላንድ ሓሙሽተ ኤርትራውያን ኣብ መኪና ተሓቢኦም ከም ዝተረኸቡ ጸብጻባት ሓቢሮም ኣለው። ብ6 መስከረም ሓለውቲ ዶብ ፊንላንድ፡ ካብ ታሊን ብጃልባ መጺኦም ኣብ ወደብ ሀልሲንኪ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ መኪና ተሓቢኦም ዝነበሩ ሓሙሽተ ኤርትራውያንን ሓደ ሞሮካውን ከምዝረኸቡ "ይለ" ዝተበሃለ ፊንላንዳዊ ህዝባዊ ፈነወ ሓቢሩ።

እቶም ሰበስልጣን ነቲ ናይ ወጻኢ ዜግነት ዘለዎ መራሒ መኪና፡ ስደተኛታት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ፊንላንድ ንምእታው ፈቲኑ ብዝብል ጥርጣረ ኣብ ቀይዲ ኣእትዮምዎ ኣለው። እቶም ሰብ መዚ፡ እዚ ጉዳይ ኣካል ናይቲ ብቤላሩስ ገይሮም ናብ ካልእ ሃገራት ኤውሮጳ ዝጓዓዙሉ ሰፊሕ መስመር ምዃኑ እዮም ዝገልጹ።

ብሃገራት ባልቲክ ዝግበር ዘይሕጋዊ ፍልሰት
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዋትስኣፕ ቻነል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ መስከረም 2025 ሓደ ኤርትራዊ ስደተኛ ቅድሚ ናብ ፖላንድ ምእታዉ ካብ ኤርትራ ብዱባይ ድሓር ብቤላሩስ ኣቢሉ ከም ዝተጓዕዘ ናብ ጀርመን ኣትዩ ሕቶ ዑቕባኡ ክረአ ኣብ ዘካየዶ ሕጋዊ ሰነድ ሰፊሩ ይርከብ።

ኣብ ምብራቓዊ ኤውሮጳ ዝገበሮ ጕዕዞ ቀሊል ከምዘይኮነ ኣብቲ ሕጋዊ ሰነዱ ተመዝጊቡ እዩ። ብመሰረት ኣብ ውሳነ ቤት ፍርዲ ጀርመን ዝተመዝገበ ጸብጻቡ፡ መጀመርታ ካብ ቤላሩስ ናብ ላቲቭያ ክሰግር ፈቲኑ ግን ኣይተዓወተን። ብድሕሪኡ ናብ ጀርመን ገጹ ቅድሚ ምቕጻሉ፡ ብሓገዝ ኣሰጋገርቲ ካብ ቤላሩስ ብመሬት ናብ ፖላንድ ኣትዩ።

ኣብ መስከረም 2025 ሰበስልጣን ጉምሩክ ጀርመን ኣብ ሽለስቪግ-ሆልሽታይን ኣብ ዝርከብ መዕረፊ ኣውቶቡስ ረኺቦሞ። ብፖለቲካዊ ምኽንያት ካብ ኤርትራ ሃዲሙ፡ ኣብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ከገልግል ከምዝተገደደን ን18 ኣዋርሕ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዘሕለፈን ብምግላጽ ዑቕባ ክሓትት ከምዝደሊ ንሰበስልጣን ሓቢሩ።

ሰበስልጣን ጀርመን ግን ንጽባሒቱ ናብ ፖላንድ ብምምላስ ንኽልተ ዓመት ናብ ጀርመን ከይምለስ እገዳ ኣንቢሮምሉ።

ብድሕሪኡ ኣብ ፖላንድ ኣብ ዝርከብ 'ማእከል ወጻእተኛታት' ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ተኣሲሩ። ንሱ፡ ኣብ መጋቢት 2026 ድሕሪ ምፍታሑ፡ ዳግማይ ናብ ጀርመን ክኣቱ ፈቲኑ፡ ኣብዚ ግዜ'ዚ ምስ ካልኦት ሰለስተ ኤርትራውያን ኣብ መኪና ተሰቒሉ እንከሎ ብሰበስልጣን ጀርመን ተታሒዙ ናብ ፖላንድ መሊሶምዎ።

እቲ ሰብኣይ ድሒሩ ነቲ ውሳነ ኣብ ምምሕዳራዊ ቤት ፍርዲ በርሊን ብምቅዋም፡ ንፖሊስ ጀርመን ዑቕባ ክሓትት ከም ዝደሊ ከም ዝነገሮ ተማጒቱ። እቲ ቤት ፍርዲ ብ22 ግንቦት 2026 ኣብ ዝሃቦ ውሳነ፡ ሰበስልጣን ጀርመን ናብታ ሃገር ክኣቱ ክፈቕዱሉን ወሲኑ።

እቲ ጉዳይ ብሳሕቲ ዝተሰነደ ጸብጻብ ናይ ሓደ ኤርትራዊ ስደተኛ ብቤላሩስን ፖላንድን ኣቢሉ ናብ ጀርመን ገጹ ዝገበሮ ጕዕዞ ዘቕርብ ኰይኑ፡ ሓተትቲ ዑቕባ ኣብ መንጎ ሃገራት ኤውሮጳ ክጎዓዙ ከለዉ ከጋጥሞም ዝኽእል ሕጋዊ ጸገማት ዘጉልሕ እዩ።

ኣብ ኢስቶንያ ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን

ኣብ ፖላንድ ዝርከብ መዳጎኒ ስደተኛታት

ብ19 ጥቅምቲ ህዝባዊ ፈነወ ኢስቶንያ ኢኣርኣር ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ኣብ 2026፡ 43 ኤርትራውያንን ዝርከቡዎም ካብ 48 ሃገራት ዝመጹ 542 ስደተኛታት ኣብ ዶባት እታ ሃገር ተታሒዞም ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተው ኣቃሊሓ። ካብኣቶም 111 ሶማላውያን፡ 45 ዜጋታት ሱዳናውያን፡ 43 ኢትዮጵያውያንን ምዃኖም እውን ሓቢራ።

ቦርድ ፖሊስን ሓለዋ ዶባትን ኢስቶንያ ብወገኑ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ 388 ብዘይ ሕጊ ዶብ ክሰግሩ ዝፈተኑ ወጻእተኛታት ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወ ሓቢሩ።

ብ3 ሕዳር ፖሊስ ኢስቶንያ ካብ ሓምለ ጀሚሩ ዳርጋ 400 ስደተኛታት ኣብታ ሃገር ከምዝተረኽቡ ገሊጹ።

በረራታት፡ ባቡራትን ጃልባታትን ዝጥቀም መርበብ ምስግጋር ደቂ ሰባት

ኣብ ነሓሰ፡ ሓለዋ ዶባት ፊንላንድ፡ ኣብ መንጎ ታሕሳስ 2025ን ሚያዝያ 2026ን ልዕሊ 40 ስደተኛታት ናብ ፊንላንድ ንምንቅስቓስ ወዲቡ ተባሂሉ ኣብ ዝተጠርጠረ ዓለምለኻዊ መርበብ ገበነኛታት መባእታዊ መርመራ ከምዝዛዘመ ኣፍሊጡ ነይሩ።

መርመርቲ፡ እቶም ስደተኛታትን ጥርጡራት ኣባላት እቲ መርበብን ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ከምዝመጹ ገሊጾም። ምሉእ ዝርዝር ናይቶም ኣብዚ ጉዳይ ዝተሳተፉ ዜጋታት ግን ኣይዘርግሑን።

እቲ መርበብ ብኸመይ ኣገባብ መስመራቱ ከም ዝቐየረ እቲ መርመራ ኣረጋጊጹ።

ኣብ መጀመርታ ስደተኛታት ካብ ርእሰ ከተማ ላቲቭያ ሪጋ ናብ ፊንላንድ ብናይ ኣየር ባልቲክ በረራታት ከምዝተበገሱ ይግለጽ።

ካብ ጥሪ 2026 ጀሚሩ እቲ መርበብ ዝተፈለየ መስመር ክጥቀም ከምዝጀመረ ይንገር። ስደተኛታት ካብ ላቲቭያ ናብ ታሊን ብባቡር ተጓዒዞም፡ ድሕሪኡ ብጃልባ ባሕሪ ባልቲክ ሰጊሮም ናብ ሀልሲንኪ ይኸዱ።

ገሊኦም ኣብ ወደባት ታሊን ወይ ሀልሲንኪ ተዓጊቶም። ካልኦት ድማ ናብ ፊንላንድ ክበጽሑ ብምኽኣሎም ብሃፓራንዳ ኣቢሎም ናብ ሽወደን ገጾም ኣቕኒዖም።

ኣብዚ መስመር ዘሎ ሓደጋታት ምስ ኣሰጋገርትን ሓደጋታት ምስግጋርን ጥራይ ዝተኣሳሰር ኣይኮነን። ስደተኛታት እውን ኣብ ዶባት ዓመጽን ግፍዒ ኣተሓሕዛን ከምዝተፈጸሞም ይሕብሩ።

ተራ ሩስያን ቤላሩስን

እዚ መስመር እዚ፡ ኣካል ናይቲ ንሩስያ፡ ቤላሩስን ምብራቓዊ ዶባት ሕብረት ኤውሮጳን ዘሳትፍ ሰፊሕ ምንቅስቓስ ስደት እዩ።

ሰበስልጣን ኢስቶንያ ኣቐዲሞም፡ ገሊኦም ስደተኛታት ናብ ቤላሩስ ቅድሚ ምብጽሖም ብሩስያ ኣቢሎም ተጓዞም ናብ ላቲቭያ፡ ሊትወንያ ወይ ፖላንድ ክሰግሩ ይፍትኑ ከምዘለዉ ገሊጾም ነይሮም።

ሰብመዚ ላቲቭያ፡ ቤላሩስ ከም ኣካል ናይቲ ኣንጻር ሕብረት ኤውሮጳ ዝካየድ ዘሎ ስርሒት ዝገልጽዎ ዘይስሩዕ ስደት ከም እተመቻችእ ይኸሱ። ቤላሩስ ግን ቅድሚ ሕጂ እውን ተመሳሳሊ ክስታት ነጺጋቶ እያ።

ኣብ ጥቅምቲ ዝተዘርግሐ ብኤልቲቪስ ዲ ፋክቶ ብዝብል ዝጽዋዕ ናይ ላቲቭያ ህዝባዊ ፈነወ ዝተዘርግሐ መርመራ፡ ስደተኛታት ብኸመይ ብሩስያ ኣቢሎም ናብ ቤላሩስ ከምዝጓዓዙን ኣብ ጥቓ ዶብ ላቲቭያ ኣብ ዝርከባ መዓስከራት ከምዝጽበዩን የመልክት።

ሓደ ዓቃቢ ሕጊ ላቲቭያ ነቲ መደብ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ጕዕዞ ኣስታት 5000 ዶላር ክውድእ ከምዝኽእልን፡ ሓድሓደ ግዜ ድማ ብክሪፕቶካረንሲ ከምዝኽፈልን ገሊጹ።

እቲ መርመራ፡ ዩኒፎርም ዝለበሱ ሰባት እቶም ስደተኛታት ነቲ መሳገሪ ገንዘብ ከፊሎም ድዮም ኣይከፈሉን ኢሎም የረጋግጹ እዮም ዝብል ክስታት'ውን ጸብጺቡ። እቶም ዘይከፈሉ ዝተበሃሉ ኣብ ዶባት ምፍርራሕ ወይ ጸቕጢ የጋጥሞም።

ሰብመዚ ላቲቭያ፡ ስጕምትታት ጸጥታ እናሓየለ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ኣስገርቲ ስደተኛታት ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ዝያዳ ይእክቡ ከምዘለዉን፡ ሓድሓደ ግዜ ድማ ካብ ዶብ 20 ክሳብ 30 ኪሎ ሜተር ርሒቖም ከምዝርከቡን ይገልጹ።

እቶም መስመራት ናብ ኢስቶንያ፡ ፊንላንድን ሽወደንን ገጾም ዘምርሑ እዮም።

ንኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ብምሕጋዝ ዝተኸሰሰ ኤርትራዊ

ዶብ በላሩዝን ፖላንድን
መግለጺ ስእሊ, ዶብ ፖላንድን ቤላሩስን

ኣብ ሊትወንያ ዝተራእየ ፍሉይ ጉዳይ እውን ኣብ መላእ እቲ ዞባ ተሳትፎ ርክብ ዘለዎም ሰባት ዘርኢ እዩ።

ኣብ ሰነ 2026፡ ኣኽበርቲ ሕጊ ሊትወንያ፡ ክልተ ኢትዮጵያውያን ደቀንስትዮ ናብ ምዕራብ ኤውሮጳ ገጸን ክንቀሳቐሳ ወዲቡ ናይ ዝተባህለ ክሲ ወዲ 26 ዓመት ኤርትራዊ ኣቕሪቦም።

እተን ደቂ ኣንስትዮ፡ ካብ ቤላሩስ ብዘይስሩዕ መንገዲ ናብ ላቲቭያ ዝኣተዋ ኮይነን ድሒረን ካብ ሪጋ ናብ ዋርሶ ኣብ እትጓዓዝ ዝነበረት ኣውቶቡስ እየን ተረኺበን።

ናይ ግሪኽ መንበሪ ፍቓድን ንኤርትራውያን ዜጋታት ዝተዋህበ ናይ ስደተኛታት መገሻ ሰነዳትን ሒዘን እኳ እንተነበራ፡ መርመርቲ ግን እቲ ሰነዳት ናተን ከምዘይኮነ ኣረጋጊጾም።

ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ሓንቲ ካብተን ደቂ ኣንስትዮ ምስቲ ኤርትራዊ ሰብኣይ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ርክብ ከምዝነበራን፡ ኣብ ተሌፎና ድማ 550 ፓውንድ ዝተፈጸመ ክፍሊት ከምዝተረኽበን ሓቢሮም።

እቲ ናይ ዓባይ ብሪጣንያ መንበሪ ፍቓድ ዝነበሮ ሰብኣይ፡ ነተን ደቂ ኣንስትዮ ነቲ ሰነዳት ንክረኽባን ጉዕዞአን ኣብ ምድላውን ሓጊዙወን ተባሂሉ ተኸሲሱ።

ኣብ ወርሒ ሓምለ፡ ቤት ፍርዲ ሊትዋንያ፡ ስግረ ዶብ ዘይሕጋዊ መጓዓዝያ ብምውዳብን መንነት ሰነዳት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ብምጥቃምን ብድምር ንሓደ ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪድዎ። እተን ክልተ ኢትዮጵያውያን ደቂ ኣንስትዮ፡ ንሓደ ዓመትን ሸሞንተ ኣዋርሕን ኣብ ናጽነተን እገዳታት ተገይሩለን።

እቲ ጉዳይ፡ ስደተኛታት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ዝርከቡ ርክባትን ኣሳለጥትን ብኸመይ ክምርኮሱን ሰነዳት መንነት ብኸመይ ክጥቀሙ ከም ዝኽእሉን ዘርኢ እዩ።

እዚ ግን፡ እቲ ሰብኣይ፡ ኣካል ናይቲ ኣብ ፊንላንድ ዝተመርመረ መርበብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ምንባሩ ዘረጋግጽ ኣይኮነን።

መልሲ ዘይረኸቡ ሕቶታት

ቍጽሪ ጉዳያት እቶም ስደተኛታት እናወሰኸ'ኳ እንተመጸ፡ ኣገደስቲ ሕቶታት ግን ዛጊት መልሲ ኣይረኸቡን።

ሰበ-ስልጣን ኢስቶንያ ኣሃዛት ዜግነት ዘውጽኡ እኳ እንተኾኑ፡ ክንደይ ኤርትራውያን ብቤላሩስን ላቲቭያን ኣቢሎም ከም ዝኣተዉ፡ ክንደይ ናብ ፊንላንድ ወይ ሽወደን ክጓዓዙ ከም ዝሓሰቡ፡ ወይ ድማ ክንደይ ኣብ ኢስቶንያ ዑቕባ ከም ዝሓተቱ ዘርኢ ዝርዝር ኣየቕረቡን።

ምርመራ ፊንላንድ፡ ተሳትፎ መርበብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዘረጋግጽ ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ሄልሲንኪ ሓሙሽተ ኤርትራውያን ኣብ መኪና ተሓቢኦም ምርካቦም ድማ፡ ዜጋታት ኤርትራውያን ነቲ ምትእስሳር ታሊንን ፊንላንድን ከምዝጥቀሙሉ ዘመልክት ቀጥታዊ መርትዖ እዩ።

ግን ክሳብ ሕጂ ነዚ መስመር ዝጥቀሙ ኤርትራውያን፡ መበገሲ ሃገራቶም፡ መገሻኦም ዝውድቡ ኣሰጋገርቲ ወይ ዝኸፍልዎ መጠን ገንዘብ ዝምልከት ሰፊሕ ህዝባዊ ጸብጻብ የለን።

ካብ ሃገሮም ክወጹ ወይ ኣብ ካልእ ቦታታት ኤውሮጳ ዝርከቡ ኣዝማዶም ክበጽሑ ንዝደልዩ ኤርትራውያን፡ ሃገራት ባልቲክ ካልእ መንገዲ ከቕርባ ይኽእላ እየን።

እቲ መርትዖታት ግን፡ ገበናዊ መርበባት፡ ዘይርጉጽ ምሕላፍ ዶባት፡ ምእሳርን ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ድማ ከቢድ ዓመጽን ሞትን የጋጥም ዝብል ክስታት ዘጠቓለለ ጉዕዞ'ውን የመልክት።

እቲ መስመር ኣብ ሰበስልጣን ኤውሮጳ ዝያዳ ትዅረት ይረክብ ኣሎ፤ ብዝሒን ኵነታትን ኤርትራውያን ንምዕቃን ግን ኣጸጋሚ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።