ኣብ ኔፓል ብውሕዱ 275 ህንዳውያን ደሃዮም ጠፊኦም ኣለዉ
ኣብ ኔፓል ብውሕዱ 275 ህንዳውያን ዜጋታት ክሳብ ሕጂ ደሃዮም ጠፊኡ ከምዘሎ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ህንዲ ኣፍሊጡ። ካልኦት 128 መበቆል ህንዲ ዝኾኑ ሰባት እውን ደሃዮም ኣይተረኽበን ዘሎ።
እቲ ምኒስትሪ፡ 403 ዜጋታት ህንዲ ካብ ቻይና ናብ ኔፓል ከም ዝሰገሩ፡ ካልኦት 500 ድማ ኣብ ቻይና ኣብ ውሑስ ኵነታት ከምዘለዉ ሓቢሩ። ብድምር ክሳብ ሕጂ 149 ሰባት ድሒኖም ኣለው።
ህንዲ፡ ኣብ ኔፓል ንዝካየድ ስርሒታት ህይወት ኣድሕን እውን ደገፍ ኣሐይላ ኣላ። 19 ኣባላት ዝሓቘፈ ፍሉይ ፎረንሲክ ጕጅለ ኣብ ካትማንዱ ስራሕ ጀሚሩ፡ ኣብ ምልላይ ግዳያት ይሕግዝ ኣሎ።