ብምጽናት ዓሌት ገበነኛ ኮይኑ ዝተረኽበ 'ሓራዲ ቦዝንያ' ሞይቱ
ብምጽናት ዓሌት ንሕልፈት ተፈሪዱ ዝነበረ ቦስንያዊ-ሰርብ ኣዛዚ ሰራዊት ነበር ኣብ ማእሰርቲ ሞይቱ።
እቲ "ሓራዲ ቦዝንያ" ዝብል ቅጽል ዝተዋህቦ ወዲ 84 ዓመት ጀነራል ራትኮ ምላዲች ኣብታ ዩጐስላቪያ ተባሂላ ትፍለጥ ዝነበረት ምብራቕ ኣውሮጳዊት ሃገር፡ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ሰዓብቲ እስላም ቦዝንያውያን ዝፈጸሞ ጃምላዊ ቅትለታት ንዓመታት ክህደን ድሕሪ ምጽናሕ'ዩ ኣብ 2017 ተፈሪዱ።
ንሱ ዝመርሖም ዝነበረ ሓይልታት ቦዝንያ-ሰርብ ብኣሽሓት ዝቚጸሩ ሰባት ክቕትሉ እንከለዉ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትዮ ዘስካሕክሕ ጾታዊ ዓመጽ ከምዝፈጸሙ ይፍለጥ።
ምላዲች ኣብ ሄግ (ነዘርላንድስ) ኣብ ዝርከብ ቤትማእሰርቲ ሕቡራት ሃገራት'ዩ ካብዛ ዓለም ብሞት ተሰናቢቱ ዘሎ።
እቲ ንዩጎስላቭያ ናብ ሓያሎ ሃገራት ዝጐዛዘየ ኲናት ብምትእትታው ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ድሕሪ ምህድኡ፡ ተሰዊሩ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ 2011 ኣብ ሓደ ደንበ ተሓቢኡ ጸኒሑ።
እቲ ሓይልታቱ ዝፈጸምዎ ግፍዒ ድሕሪ'ቲ ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም ብሰራዊት ሂትለር ዝተፈጸመ፡ እቲ ዝኸፍአ ምዃኑ ይንገር።