እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ
ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።
ጽማቝ ሓበሬታ
- ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
- እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
- ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
- ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
- ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
- ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።
ቀጥታዊ ሸፈነ
ምስጢር ፎብያ፡ ስለምንታይ ካብ ዘይጐድኡና ፍጥረታት ንርዕድ?
ምስፍሕፋሕ ሰፈራታት እስራኤል ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ብርቱዕ ኵነነ ስዒብሉ
እስራኤል ኣብቲ ስትራተጅያዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽራ ዝርከብ ምዕራባዊ ገማግም፡ ኣስታት 1,200 ናይ ሰፈራ ኣባይቲ ንምህናጽ ዘውጽኣቶ ናይ ጨረታ ትልሚ፡ ብዓበይቲ ሓይልታት ምዕራብ ብርቱዕ ኵነነ የጋጥሞ ኣሎ።
ዓባይ ብሪጣንያ፡ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ኢጣልያን ካናዳን ኣብ ዘውጽአኦ ሓባራዊ መግለጺ፡ እቲ ውሳነ "ተቐባልነት ዘይብሉ" ምዃኑ ብምግላጽ፡ እስራኤል ነቲ ትልሚ ብቕጽበት ክትስሕቦ ኣተሓሳሲበን።
ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕጊ ኵሉ ዓይነት ምስፍሕፋሕ ሰፈራታት ዘይሕጋዊ ኰይኑ፡ እስራኤል ብሰንኪ ዝጸንሓ ኣህጉራዊ ጸቕጢ፡ ኣብቲ ንምብራቓዊ ኢዮሩሳሌም ዘዳውብ ዞባ E1 ንዓሰርተታት ዓመታት ካብ ህንጸት ተቘጢባ ነይራ እያ።
ብዙሓት መሻርኽቲ እስራኤልን ፍልስጤማውያንን፡ እዚ ስጕምቲ እዚ ነቲ ክልተ ሃገራት ናይ ምምስራት ተስፋ ብርቱዕ ጽልዋ ከም ዘሕድረሉ ይማጐቱ።
እዚ ህንጸት ንምዕራባዊ ገማግም ኣብ ክልተ ብምኽፋል፡ ንምብራቓዊ ኢዮሩሳሌም ካብቲ ካልእ ክፍሊ መሬት ፍልስጤም ከም እትነጸል ዝገብር እዩ።
"ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ብሰንኪ ብዝሒ ዓመጽ ሰፈርቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባትን ኣብ ቍጠባ ፍልስጤም ተነቢሩ ዘሎ ከቢድ ቀይድታትን፡ ርኡይ ዘይምርግጋእ ኣብ ዘለዎ እዋን፡ እዚ ውሳነ እዚ ዝያዳ ዘሻቕል እዩ፡" ክብል እቲ ብሓሙስ ዝወጽአ መግለጺ ኤውሮጳውያን መሻርኽትን ካናዳን ኣስፊሩ።
ወሲኹ እውን እቲ ትልሚ ካብ ሰላም ዘርሕቕ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንኣህጉራዊ ተቐባልነት እስራኤል እውን ዝያዳ ዝጐድእ ምዃኑ ገሊጹ።
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራትን ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ በልጁምን ብወገኖም፡ እቲ ኣብ ዞባ E1 ዝካየድ ህንጸት ንቐጻልነት ዘለዋ ሃገረ ፍልስጤም "ህላወኣዊ ስግኣት" ከም ዝፈጥር ኣጠንቂቖም ኣለዉ።
ደቡብ ሱዳን 'ኣብ ደንደስ ገደል'፡ ኣብ መንጎ ተስፋ መረጻን ስግኣት ዳግማይ ውግእን
ምስሕሓብ መጻብቦ ሆርሙዝ ንመትረብ ፓናማ ብኸመይ መድረኽ ግጭት ሓያላት ሃገራት ገይሩዎ?
ግዳያት መጥቃዕቲ ድሮን ከተማ መቐለ እንታይ ይብሉ?
ኣብ ሕክምና መንሽሮ ዝተራእየ ሓድሽ ዓወት፡ ንውልቀ ሰባት ብፍሉይ ዝዳሎ ክታበት ተፈቲኑ
ምስጢራት 'ጕድለታት' ንዩክለሳዊ መደብ ኤል ዳባ ግብጺ፡ ንምንታይ የዛርብ ኣሎ?
ውህሉል ሃገራዊ ዕዳ ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ 10 ዓመት ብዕጽፊ ብምውሳኽ ልዕሊ 40 ትሪልዮን ዶላር በጺሑ
ውህሉል ሃገራዊ ዕዳ ኣመሪካ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዕቑድ ብዕጽፊ ብምውሳኽ ልዕሊ 40 ትሪልዮን ዶላር ከምዝበጸሐ ዝወጽኡ ጸብጻባት ሓቢሮም።
እዚ እታ ሃገር ኣብ እዋን ዶናልድ ትራምፕን ጆ ባይደንን ኣዝዩ ብዙሕ ማል ከምዘህለኸት ዘርኢ’ዩ።
ኣብ 2016 ውህሉል ሃገራዊ ዕዳ ኣመሪካ ትሕቲ 20 ትሪልዮን ዶላር ምንባሩ ይዝከር።
ቤትጽሕፈት ኮንግረስ ባጀት ኣመሪካ ሓፈሻዊ ልቓሕ እታ ሃገር ኣብ መወዳእታ ዓመት 2026፡ 39.6 ትሪልዮን ዶላር ክበጽሕ ምዃኑ ኣተንቢሁ ነይሩ።
ቤትጽሕፈት ኮንግረስ ባጀት ኣመሪካ፡ ውህሉል ዕዳ ኣመሪካ ኣብ 2036 ናብ ኣስታት 64 ትሪልዮን ዶላር ክድይብ ትጽቢት ከምዘሎ’ዩ ዝገልጽ ዘሎ።
መንግስቲ ፈደራል ንሕጽረት ባጀቱ ንምሽፋን ዝያዳ ገንዘብ ኣብ ዘውጽኣሉ ዘሎ እዋን፡ ተጠቀምቲ ዝለዓለ መጠን ወለድን ዋጋታት ንብረትን ኣጋጢምዎም ኣሎ።
እዚ ኣመሪካ ኣዘቕቢብዋ ዘሎ 40.05 ትሪልዮን ዶላር ዕዳ ብመሰረት 18 ነሓሰ ዝወጽአ ጸብጻብ ዝተረኸበ ኰይኑ፡ ኣብ ትሕቲ ክልተ ፕረዚደንታት [እዋን ጆ ባይደንን ዶናልድ ትራምፕን] ንዘሎ መጠን ልቓሕ ኣመሪካ ዘጕልሕ እዩ።
ሩስያ ኣብ ርእሰ ከተማ ዩክረይን መጠነ ሰፊሕ መጥቓዕቲ ብምፍጻም ብውህዱ ሓሙሽተ ሰባት ቐቲላ
ሩስያ ናብ ሎሚ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ኣብ ኪቭ ርእሰ-ከተማ ዩክረይንን ከባቢ እታ ከተማን ናይ ሚሳይላት መጥቃዕቲ ብምፍጻም ብውሕዱ ሓሙሽተ ሰባት ከምዝቐተለት ተገሊጹ።
እቲ ደብዳብ ኣብ ሓያለ መንበሪ ኣባይትን ሓደ ዓቢ መኻዚኖን ከምዝተፈጸመን ብውሕዱ 23 መጉዳእቲ ከምዝበጽሖም ዩክረይን ገሊጻ።
ሰብ መዚ እታ ሃገር፡ ብፍርስራስ ዝተጸቐጡ ሰባት ከይህልዉ ንምርግጋጽ ብቝልጡፍ ናይ ተፍትሽ ስራሓት ክካየድ ትእዛዝ ሂቦም ኣለዉ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሩማንያ ኣብቲ ብሰሜናዊ ሸነኽ ምስ ዩክረይን ዘዳውባ፡ ሓንቲ ድሮን ናብ ክሊ ኣየራ ድሕሪ ምእታዋ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ናይ መጠንቀቕታ ድምጺ ከምዝተሰምዐ ገሊጻ።
ምኒስትሪ ምክልኻል ሩማንያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሓሙስ ንግሆ “ሓንቲ ድሮን ንክሊ ኣየር ሮማንያ ብምጥሓስ ካብ ከተማ ጋላቲ ንሸነኽ ምብራቕ 13 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ክትበርር ተራእያ” ኢሉ።
እታ ድሮን ኣብ ሓደ ሰብ ዘይነብሮ ከባቢ ብምዕላብ ንኡስ ባርዕ’ኳ እንተ ፈጠረት፡ እቲ ባርዕ ቀልጢፉ ከምዝጠፈአ እቲ ምኒስትሪ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።
ምስጢር እርጋን፡ ወዲ-ሰብ ንኣማኢት ዓመታት ክነብር ይኽእል ድዩ?
ፈይስቡክን ኢንስታግራምን ኣወለፍቲ ድዮም? ኩባንያ ሜታ ኣብ ቤት ፍርዲ ተማጒቱ
ካብ ስልጣኑ ዝተኣለየ ሚኒስተር ምክልኻል ዩክረይን፡ ሃገራዊ መረፃ ክካየድ ፀዊዑ
እቲ ዕዙዝ ስም ዘለዎ ሚኒስተር ምክልኻል ዩክረይን- ነበር ፡ ሚካይሎ ፌዶሮቭ፡ ኣብ እዋን ኲናት ሃገራዊ መረፃ ክካየድ ምፅውዑ ስንባደ ፈጢሩ።
እዚ ፃውዒት፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ካብ እትፍፅም፡ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመትን ፈረቓን፡ ንፕረዚደንትነት ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ዝዓበየ ብድሆ ኮይኑ ተሰሚዑ ኣሎ።
ወዲ 35 ዓመት ፌዶሮቭ፡ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዩቱብ ኣብ ዝዘርግሖ ቪድዮ፡ "ዲሞክራሲ ብሩስያ ጅሆ ክተሓዝ የብሉን" ዝበለ ኮይኑ፡ ዩክረይን ‘ናጻ ሃገር ኤውሮጳ ኮይና ክትቅጽል’ ትቃለስ ከምዘላ ገሊጹ።
እቲ ኲናት ኣብ 2022 ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ ዩክረይን ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ኣዋጅ እትርከብ ኰይና፡ መስርሕ መረፃ ተቛሪፁ ፀኒሑ ኣሎ።
ፌዶሮቭ፡ ኣብቲ ቪድዮ ንዘለንስኪ ብስሙ’ኳ እንተዘይጠቐሰ፡ ካብ ዝሽወም ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ እዩ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ካብ ሓላፍነቱ ብዘይተጸበዮ መንገዲ ተኣልዩ ዘሎ።
እቲ ውሳነ ድማ፡ ኣብ መላእ'ታ ሃገር ተቓውሞታት ኣስዒቡ ይርከብ።
ዘለንስኪ ነቲ ካብ ፌዶሮቭ ዝተውሃበ ርእይቶ ዛጊድ ምላሽ ኣይሃበሉን።
ይኹን እምበር፡ ሓደ ምንጪ ካብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ኣብ ማእከል ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ኰይናካ፡ መረፃ ክተካየድ ምሕሳብ ዘይመስል ነገር እዩ" ኢሉ።
ኣመሪካ፡ እስራኤል ኣብ ወተሃደራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ሶርያ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ኮኒና
ኣመሪካ፡ እስራኤል ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ሶርያ ግዝኣት ኢድሊብ ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ኮኒና።
ኣመሪካ ነቲ መጥቃዕቲ እስራኤል ብምኹናን "ዘየድሊ ግጭት ዘጋድድ" ብምባል እያ ነቲ ስጉምቲ ተቓዊማ።
ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ሶርያን ዒራቕን ቶም ባራክ፡ ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኩሎም ወገናት ካብ ወተሃደራዊ ግጭት ንላዕሊ ንዘተ ቀዳምነት ክህቡ ኣተሓሳሲቡ።
ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሶርያ ኣቐዲሙ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ መደበር ኣየር ኢድሊብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ "ዘይምኽንያታዊ" ክብል ኮኒንዎ።
እቲ መጥቃዕቲ ኣብ መስመር መልዐሊ ነፋሪት፡ ጽገናን መኽዘንን ናይቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዕንወት ኣውሪዱ።
በቲ መጥቃዕቲ ናይ ዝተጎዱኡ ሰባት ጸብጻብ ዛጊት የልቦን፡ እስራኤል ብወገና ርእይቶ ካብ ምሃብ ተቖጢባ ኣላ።
ጋንታ ደንደን ንመጻረዪ ግጥማት ሻምፕዮንስ ሊግ ደቂ-ኣንስትዮ ኣፍሪቃ ኪጋሊ ኣትያ
ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ምምሕዳር ትራምፕ ን5,000 ኢትዮጵያውያን ዝሃቦ ግዝያዊ ሓለዋ ከልዕሎ ፈቒዱ
ፍሉይ ህያብ መመረቕታ፡ ዓለም እተዛርብ ዘላ ጤል
'ንኣደይ ዘታለላ ሰብ ንምርካብ ኣህጉራት ሰጊረ ተጓዒዘ፡ ዝረኸብክዎ ግን ካልእ እዩ'
''ሃተፍተፍ ትራምፕ ብዛዕባ ወሽመጥ ሆርሙዝ: ኣብ ቀረባ ግዜ ከነዕርዮ ኢና’’-ኢራን
ዶናልድ ትራምፕ ንመጻብቦ ሆርሙዝ "ሓድሽ ግዛኣት ኣመሪካ ክገብሮ እየ" ምባሉ ሲዒቡ: ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ካዘም ጋሪባባዲ፡ " መህተፍተፊ" ክብል ጸሪፍዎ።
"ዶናልድ ትራምፕ ከምቲ ንወሽመጥ ፋርስ ብትኽክል ምጽሓፍ ዝተማህሮ፡ ብዛዕባ መጻብቦ ሆርሙዝ ዘለዎ ህልወሳ እውን ኣብ ቀረባ እዋን ከነዕርዮ ኢና" ክብል ጽሒፉ።
ትራምፕ ኣብቲ ትሩዝ ዝተባህለ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢትታ ገጹ ኣብ ዝለጠፎ ስእሊ፡ ንመጻብቦ ሆርሙዝ ከቢቡ፡ "ሓድሽ ግዝኣት ኣመሪካ" ክብል እዩ ጽሒፉ።
ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን እውን ደጊሙ ነዚ ልጥፎ እዚ ዘርጊሕዎ ኣሎ።
ብኻልእ ወገን ኣፈ ጉባኤ ፓርላማ ኢራን መሓመድ ባገር ጋሊባፍ: ኣመሪካ ነቲ ስምምዓት መዘክር ምርድዳእ እንተዘይተግቢራ መጻብቦ ሆርሙዝ ከምዘይክፈት ኣፍሊጡ።
ሑቲ የመን፡ ኣብ መጻረዪ ነዳዲ ሱዕዲ ዓረብ መጥቃዕቲ ድሮን ፈጺሞም
ሓይልታት ሑቲ የመን፡ ነቲ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ጂዛን ዝርከብ ዓቢ መሳለጥያ ነዳዲ ኣራምኮ ዳግማይ ብሰብ ኣልቦ ነፋሪት ከም ዘጥቅዑ ኣፍሊጦም።
ብሑቲ ዝመሓደር ማዕከን ዜና ሳባ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ እቲ መሳለጥያ ነዳዲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ስዑዲ ዓረብ ንክሊ ኣየር የመን ብምጥሓሳ ሕነ ንምፍዳይ ምዃኑ ሓቢሩ።
እቲ ማዕከን ዜና ንወተሃደራዊ ምንጪ ብምጥቃስ ከምዝሓበሮ፡ ሑቲ ንሓያሎ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብምውቃዕ ንመጻረዪ ነዳዲ ኣራምኮ ዒላማ ከምዝገበሩ ሓቢሩ።
እቲ ወተሃደራዊ ምንጪ ከምዝሓበሮ እቲ ስጉምቲ ፡ ‘ስዑዲ ዓረብ ንዝገበረቶ ጥሕሰት ክሊ ኣየር ግዝኣታት የመን ዝኾና ሳዓዳን ሓጃን ምላሽ እዩ’ ብምባል ገሊጹ።
መሓዙት ኢራን ዝኾኑ ሑቲ፡ ከም መልሰ ግብሪ ናይቲ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ልዕሊ ወደባት የመን ዘንበረቶ ናይ ምንቅስቃስ ማዓቀብ ፡ካብን ናብን ወደባት ስዑዲ ዓረብ ዝብገሳን ዝኣትዋን መራኽብ እገዳታት ኣንቢሮም ኣለዉ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብመጻብቦ ባብ ኤል-ማንዳብ ክሓልፋ ዝፈተና ሓያሎ ናይ ጽዕነት መራኽብ ንድሕሪት ክምለሳ ስለዝተገደዳ፡ ኣብ ምንቅስቓሰን ምዝንባዕ ፈጢሩ።
ብተውሳኺ ሑቲ፡ ትሕተ ቕርጺ ምውጻእን ምጽራይን ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ፡ ከምኡ’ውን ንመዕርፎ ነፈርቲ ዒላማ ብምግባር ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ኣካይዶም’ዮም።