ስዊዘርላንድ፡ ኤርትራውያን 'ናይ ጣዕሳ ፎርም' ከይፈረሙ መንበሪ ፍቓድ ከመልክቱ ፈቒዳ

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኣብ ስዊዘርላንድ ብግዝያዊ ናይ ዕቝባ ፍቓድ (ፐርሚ ኤፍ) ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ስሩዕ ናይ መንበሪ ፍቓድ (ፐርሚ ቢ) ንምምልካት ካብ ኤምባሲ ሃገሮም ሰነዳት ናይ ምቕራብ ወይ "ናይ ጣዕሳ ፎርም" ናይ ምፍራም ግዴታ ከም ዘብቅዐ፡ 'ታይምስ ኦፍ ስዊዘርላንድ' ዝርከብአን ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

እዚ ንኣስታት 2,000 ኤርትራውያን ተጠቀምቲ ዝገብር ለውጢ ኣሰራርሓ፡ ኣብ ውሳነ ፈደራላዊ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ስዊዘርላንድ ዝተመርኰሰ ምዃኑ፡ ቤትጽሕፈት ጉዳያት ስደተኛታት እታ ሃገር (SEM) ንጋዜጣ 'ኤን.ዘድ.ዘድ ኣም ሶንታግ' ኣረጋጊጹ።

ዳይረክተር እቲ ቤትጽሕፈት ቪንቸንዞ ማስዮሊ ነዚ ሓድሽ መምርሒ ብደብዳበ ንኮሚቴ ፖሊሲ ሃገራዊ ባይቶ እታ ሃገር ብወግዒ ኣፍሊጡ እዩ።

ፈደራላዊ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ስዊዘርላንድ ነዚ ውሳነ ኣብ ሕዳር 2025 ዘሕለፎ እኳ እንተዀነ፡ ቤትጽሕፈት ጉዳያት ስደተኛታት ነቲ ብይን ናብ ናይ ካንቶናት (ምምሕዳራት) መምርሒ ቀይሩ ኣብ ግብሪ ንኸውዕሎ ግና ምሉእ ዓመት ወሲድሉ።

ብመሰረት እዚ ሓድሽ ስጕምቲ፡ እቶም ኣቐዲሞም ናብ ኤምባሲ ኤርትራ ክኸዱ ዝተነግሮም ኤርትራውያን፡ ሕጂ ብቐጥታ ናብ ናይ ከባቢኦም ቤትጽሕፈት ስደተኛታት ከመልክቱ ይኽእሉ።

'ናይ ጣዕሳ ፎርምን' ክትዕ 2% ግብርን እንታይ እዩ?

እቲ መሰረታዊ ሕጋዊ ክትዕ ኣብቲ ኤምባሲ ኤርትራ ካብ ዜጋታት ዝሓቶ "ናይ ጣዕሳ ፎርም" ዘተኰረ እዩ።

ካብ ኤርትራ ብዘይ ፍቓድ ዝወጽኡ ዜጋታት (ብፍላይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ገዲፎም ዝተሰዱ) ዝዀነ ቆንስላዊ ሰነድ ንምርካብ፡ ካብ ሃገር ምውጻኦም ዘይሕጋዊ ምዃኑ ኣሚኖም ዝወሃቦም መቕጻዕቲ ክቕበሉ ኣብ ዘገድድ ቅጥዒ ክፍርሙ ይሕተቱ።

ብተወሳኺ፡ እቲ ኤምባሲ 2% ካብ ኣታዊኦም ግብሪ ዳያስፖራ ክኸፍሉ ከም ቅድመ-ዅነት የቐምጥ እዩ፤ እዚ ኣሰራርሓ ድማ ኣብ ስዊዘርላንድን ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳን ንዓመታት ዓቢ ሕጋውን ፖለቲካውን ክትዕ ዘልዓለ ጉዳይ ኰይኑ ጸኒሑ እዩ።

ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ስዊዘርላንድ ኣብ ብይኑ፡ ሓደ ዕቝባ ዝሓተተ ሰብ ስሩዕ መንበሪ ፍቓድ ንምምልካት ናብቲ ደያኑ ስዊዘርላንድ ብሕጊ ክቕበልዎ ዘይክእሉ ቅድመ-ዅነታት ዘቐምጥ ኤምባሲ ክኸይድ ምግዳድ ቅቡል ከም ዘይኰነ ወሲኑ።

መንግስቲ ኤርትራ ብወገኑ፡ ነዚ ቆንስላዊ ቅጥዕታትን ክፍሊት 2% ግብርን ከም ልዑላዊ መሰልን ሕጋዊ ግዴታ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ዜጋታትን ገይሩ እዩ ዝገልጾ።

ፍልልይ 'ፐርሚ ኤፍ'ን 'ፐርሚ ቢ'ን ኣብ መዓልታዊ ህይወት

እዚ ለውጢ ነቶም ንዓመታት ናብ ኤምባሲ ከይዶም ናይ ጣዕሳ ፎርም ምፍራም ብምሕሳሞም ኣብ ግዝያዊ ፍቓድ ተዓጽዮም ዝጸንሑ ኤርትራውያን ኣብ ናይ ውህደት ጕዕዞኦም ዓቢ ትርጕም ኣለዎ።

ግዝያዊ ናይ መንበሪ ፍቓድ (ፐርሚ ኤፍ)፡ ሓደ ሰብ ምሉእ ዕቝባ እኳ እንተ ዘይተዋህቦ፡ ናብ ሃገሩ ምምላሱ ሓደገኛ ወይ ዘይከኣል ምስ ዝኸውን ዝወሃብ ሕጋዊ ኰይኑ ተነቃፊ መሰላት ዘለዎ ደረጃ እዩ።

ወነንቲ 'ፐርሚ ኤፍ' ካብ ስዊዘርላንድ ወጻኢ ናይ ምጓዓዝ መሰል የብሎምን፤ ኣስራሕትን ኣካረይቲ ኣባይትን እውን ከም ግዝያውያን ስለ ዝርእይዎም፡ ቀዋሚ ስራሕ ንምርካብ፡ ገዛ ንምክራይን ቍጠባዊ ናጽነት ንምጕንጻፍን ከቢድ ህይወት እዮም ዘሕልፉ።

ብኣንጻሩ፡ ስሩዕ መንበሪ ፍቓድ (ፐርሚ ቢ) ኣብ ስራሕን ክራይ ኣባይትን ከም ንቡር መንበሪ ሰነድ ስለ ዝቝጸር፡ ንማሕበራውን ቍጠባውን ምውህሃድ ርሒብ ዕድል ይኸፍት።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገራት ሸንገን መሰል ምንቅስቓስ ዝህብ ኰይኑ፡ ንነዊሕ እዋን ናብ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ (ፐርሚ ሲ) ንምስግጋር'ውን ጐደና ዝኸፍት እዩ።

ይዅን'ምበር፡ ቤትጽሕፈት ጉዳያት ስደተኛታት፡ እዚ ውሳነ ንዅሉ መመልከቲ ብቐጥታ 'ፐርሚ ቢ' የውህብ ማለት ከም ዘይኰነ ኣስሚርሉ ኣሎ።

ካንቶናት ስዊዘርላንድ ሕጂ'ውን ናይ ነፍሲ ወከፍ ኣመልካቲ መንነት ብኻልእ መንገዲ ምርግጋጽ፡ ምውህሃድ ቋንቋን ቍጠባዊ ርእሰ-ምርኰሳን፡ ከምኡ'ውን ካብ ገበን ናጻ ምዃን መርሚረን እየን ዝውስና።

እቲ ዝተኣልየ ነገር፡ ብሰንኪ ዘይህላወ ሰነድ ኤምባሲ ኤርትራ ፋይል ከይክፈት ዝነበረ ዕንቅፋት ጥራይ እዩ።

እዚ ፍሉይ ሕድገት ነቶም ናይ ጣዕሳ ፎርም ክፍርሙ ዝሕተቱ ኤርትራውያን ጥራይ ዝምልከት ኰይኑ፡ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ኰነ ኣብ መስርሕ ምጥርናፍ ስድራቤታት ዘስዕቦ ጽልዋ የሎን።

ፖለቲካዊ ክትዕን ዘይተፈትሐ ሕቶ ምጥራዝን

እዚ ሓድሽ ኣሰራርሓ ኣብ ውሽጢ ፖለቲካ ስዊዘርላንድ ተቓውሞን ደገፍን ኣስዒቡ ኣሎ።

የማናዊ ሰልፊ ህዝቢ ስዊዘርላንድን (SVP) ማእከላይ-የማን ሰልፊ ሊበራል ደሞክራትን (FDP)፡ ብዘይ ሰነዳት ኤምባሲ መንነት ሓደ ሰብ ብርግጽ ንምፍላጥ ኣጸጋሚ እዩ ብምባል ነቲ ለውጢ ነቒፎሞ።

ሰልፊ ሊበራል ደሞክራት ኣስዒቡ፡ ሕጊ ኣብ ዘፍቅደሉ ኵነታት ስደተኛታት ናብ ኤርትራ ናይ ምምላስ መስርሕ ክጅመር ጸዊዑ።

ጸጋማዊ ሰልፊ ሶሻል ደሞክራት (SP) ግና ነቲ ለውጢ ከም እወታዊ ስጕምቲ ሞጒስዎ።

ምኒስተር ፍትሒ ስዊዘርላንድ ቤት ያንስ ነቲ ክትዕ ብዝምልከት ዝዀነ ወገን ካብ ምሓዝ ተቘጢቡ፡ "ቤትጽሕፈት ስደተኛታት ነቲ ናይ ቤትፍርዲ ውሳነ እዩ ተግባራዊ ዝገብር ዘሎ፡" ክብል ሓጺር ምላሽ ሂቡ።

ስዊዘርላንድ ካብተን ኣብ ኤውሮጳ ብዝሒ ኤርትራውያን ዕቝባ ሓተትቲ ዘለወን ሃገራት ሓንቲ ኰይና፡ ካብ 2016 ክሳዕ 2018 ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥራይ ንዕቝባ እኹል ምኽንያት ኣይኰነን ብምባል ፖሊሲኣ ኣትሪራ ነይራ እያ።

ይዅን'ምበር፡ መንግስቲ ኤርትራ ብግዲ ዝጥረዙ ዜጋታት ስለ ዘይቅበል፡ ስዊዘርላንድ ነቶም ዕቝባ ዝተነጽጉ ሰባት ክትመልሶም ዘይምኽኣላ ኣብ ፖለቲካ እታ ሃገር ንዓመታት ዘይተፈትሐ ናይ ዘተን ክትዕን ኣጀንዳ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።