እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሱዳን፡ ምእሳር ኣሕመድ ሃሩንን ኣብ ኮርዶፋን ዝጽዕጽዕ ዘሎ ውግእን እንታይ የመልክት?
ኣብ ደቡባዊ ዞባታት ሱዳን ኣብ መንጎ ሰራዊትን ዳዕመ-ሰሪዕን ዝካየድ ዘሎ ደማዊ ውግእ እናሓየለ ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ እዋን፡ ሰበ-ስልጣን እታ ሃገር ንመራሒ ናይቲ ናይ ቀደም ገዛኢ ሰልፊ ዝነበረ 'ናሽናል ኮንግረስ ፓርቲ' (NCP) ኣሕመድ ሃሩን ብሃንደበት ኣሲሮሞ።
እዚ ተርእዮ፡ ኣብ ውግእ ሱዳን ወተሃደራውን ፖለቲካውን ምዕባለታት ኣብ ሓደ ተኣሳሲሮም ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ይሰጋገሩ ከም ዘለዉ ዘመልክት ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።
ማዕከን ዜና 'ኡልትራ ሱዳን' ከም ዝሓበሮ፡ ሃሩን ኣብ ሓደ ናይ ከባቢ መራኸቢ-ብዙሓን፡ ማለት ኣብ መደብ 'ሱዳን ፖድካስት' ቀሪቡ ርእይቶ ድሕሪ ምሃቡ፡ ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰዓታት እዮም ሰበ-ስልጣን ኣሲሮሞ።
እቲ ነዊሕ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣል-በሽር ብህዝባዊ ናዕቢ ኣብ ምያዝያ 2019 ካብ ስልጣን ድሕሪ ምውራዱ፡ ሃሩን ኣብ ኣደባባይ ዝገበሮ ናይ መጀመርታ ቃለ-መሕትት እዩ።
እቲ ሰልፊ፡ ሰበ-ስልጣን ነቲ ግዝያዊ መራሒ 'ናሽናል ኮንግረስ ፓርቲ' ዝዀነ ሃሩን ኣሲሮም "ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ከም ዝወሰድዎ" ዝሓበረ ኰይኑ፡ ሓላፊ እቲ ሰልፊ ኢብራሂም ኣል-ሲዲቕ`ውን ተወሳኺ ዝርዝር ከይሃበ ምእሳሩ ኣረጋጊጹ ኣሎ።
ብገበናት ኲናት ዳርፉር ብዓለምለኻዊ ቤትፍርዲ ገበን ብጽኑዕ ዝድለ ኣሕመድ ሃሩን፡ ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት ኣል-በሽር ተኣሲሩ እኳ እንተ ነበረ፡ ኣብ ምያዝያ 2023 ኣብታ ሃገር ውግእ ምስ ተወልዐ ግን ካብ ቤት-ማእሰርቲ ኮበር ወጺኡ።
ተንተንቲ ከም ዝሕብርዎ፡ እዚ ናይ ሕጂ ምእሳር ተራ ፍጻመ ኣይኰነን።
ዕጡቕ ጕጅለ ዳዕመ-ሰሪዕ፡ ንሰራዊት ሱዳን መሳርሒ ናይቶም ናይ ቀደም እስላማውያን ገይሩ ክኸሶ ጸኒሑ እዩ።
ብምኽንያት'ዚ፡ ምእሳር ሃሩን፡ ሰራዊት ሱዳን ካብቲ ዝነበረ ገዛኢ ስርዓት ርሕቀቱ ዝሓለወ ምዃኑ ንዓለምለኻዊ ማሕበረሰብን ህዝቡን ንምርዳእ ዝወሰዶ ስጕምቲ ተገይሩ ይርአ ኣሎ።
እዚ ስጕምቲ፡ መንግስቲ ሱዳን ንሃሩን ናብ ዓለምለኻዊ ቤትፍርዲ ገበን ኣሕሊፉ ንምሃብ ድሉው ድዩ ኣይኰነን ዝብል ሕቶታት እውን ኣልዒሉ ይርከብ።
እዚ ፖለቲካዊ ምዕባለ ኣብ ዝተርኣየሉ፡ ኣብ ዓውደ-ውግእ`ውን ኣብ ምዕራብ ኮርዶፋን ጽዕጹዕ ውግእ ይካየድ ኣሎ።
ሰራዊት ሱዳን ነዊሕ ርሕቀት እትጓዓዝ ድሮን ዳዕመ-ሰሪዕ ከም ዘውደቐ፡ ኣብ ፓሪስ ዝመደበሩ ማዕከን ዜና 'ሱዳን ትሪቡን' ሓቢሩ፤ ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ኣብ ኮርዶፋን ዝወደቐት ሳልሰይቲ ድሮን ኰይና ኣላ።
እቲ ማዕከን ዜና ንወተሃደራዊ ምንጭታት ብምጥቃስ ከም ዝሓበሮ፡ ሰራዊት ሱዳንን መሻርኽቱ 'ሓባራዊ ሓይሊ'ን፡ ካብ ከተማ ኣል-ኹዋይ ኣስታት 55 ኪሎሜተር ብሸነኽ ሰሜን ኣብ እትርከብ ኣቡ ሚናይቂርን ጥቓ ከተማ ኡም ኩራይዲምን ብርቱዕ ውግእ ኣካይዶም እዮም።
ወሃቢ-ቓል እቲ ሓባራዊ ሓይሊ፡ ሰራዊቶም ኣብ ምሉእ ምዕራብ ኮርዶፋን ሰፊሕ ናይ ምጽራግ ስርሒት የካይድ ከም ዘሎ ገሊጹ።
እቲ ሰራዊት ኣብ ሰሜን ኮርዶፋን ንሓያሎ ከተማታት ዳግማይ ዝተቘጻጸረ ኰይኑ፡ ኣብ ምዕራብ ኮርዶፋን ነታ ኣብ ጥቓ ኣል-ኹዋይ እትርከብ ስትራተጅያዊት ከባቢ እያል ባኪትን ካልኦት ብዓሰርተታት ዝቝጸራ ዓድታትን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሩ ኣእትዩ ኣሎ።
ወተሃደራዊ ተንተንቲ ከም ዝገለጽዎ፡ ሰራዊት ሱዳን ናብ ምዕራብ ዘካይዶ ዘሎ ገስጋስ፡ ነቲ ዕጡቕ ጕጅለ ካብ ዞባ ኮርዶፋን ምሉእ ብምሉእ ጸሪጉ ብምውጻእ፡ ናብቲ ብዓቢዩ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ዳዕመ-ሰሪዕ ዝርከብ ጐረቤት ምዕራባዊ ዞባ ዳርፉር ንምግስጋስ ዝዓለመ ስጕምቲ እዩ።
ይዅን`ምበር፡ እዚ ወተሃደራዊ ገስጋስ ነቲ ድሮ ተኸሲቱ ዘሎ ሰብኣውን ቍጠባውን ቅልውላው ዝያዳ ከየጋድዶ ኵሉ ወገን ስግኣቱ ይገልጽ ኣሎ።
ኣብ ዞባታት ኮርዶፋንን ዳርፉርን ብሰንኪ ዝቕጽል ዘሎ ውግእ፡ ሚልዮናት ሰላማውያን ዜጋታት ተመዛቢሎም ኣብ ከቢድ ጥሜትን ሕጽረት ረድኤትን ይርከቡ።
እዚ ውግእ ናብ ወሰናስን ዶብ ዳርፉር ምስ ዝሰጋገስ ከኣ ኣብ ልዕሊ ጐረባብቲ ሃገራት ከም ጫድን ማእከላይ ኣፍሪቃን ዘስዕቦ ናይ ስደተኛታትን ጸጥታን ቅልውላው ኣዝዩ ዕዙዝ ክኸውን እዩ።
ኣብ መንጎ ክልተኦም ተነሓናሕቲ ሓይልታት ዛጊት ዝተበጽሐ ናይ ምቍራጽ ተዅሲ ስምምዕ የሎን።
ሰራዊት ሱዳን ኣብ ዓውደ-ውግእ ዘመዝግቦ ዘሎ ስትራተጅያዊ ዓወታትን ነቶም ናይ ቀደም መራሕቲ ስርዓት ኣል-በሽር ካብ ፖለቲካ ናይ ምእላይ ስጕምቱን ኣብታ ሃገር ሓድሽ ናይ ሓይሊ ሚዛን ይፈጥር ከም ዘሎ ዘመልክት እዩ።