እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤርትራ፡ ዛንታ እተን ማሕበራዊ ዕንቅፋታት ሰጊረን ኣሰር ዘንበራ ካብ ፈላሞት ኣደታት
ታሪኽ መብዛሕትኡ እዋን ኣብ ገድልን ውዕሎን ደቂ-ተባዕትዮ ጥራይ ብምትኳር፡ ንተራን ኣበርክቶን ደቀንስትዮ ሸለል ክብሎ ይርአ እዩ።
ኤርትራውያን ብዛዕባ ታሪኾም ክዝክሩ ከለዉ፡ እቶም ብብዝሒ ዝዝከሩ ዛንታታት ናይቶም ኣብ ህዝባዊ ህይወት ዝነበሩ ፖለቲካውያን መራሕቲ፡ ሃይማኖታውያን ሰባትን ደቂ-ተባዕትዮን እዮም።
እንተዀነ፡ ኣብ ውሽጢ ኣርካይቫት ምስዮን፡ ሰነዳት ኣብያተ-ክርስትያንን ብሕታዊ ተዘክሮታትን ፋሕ ኢሎም ዝርከቡ፡ እጃመን ንማሕበረሰበን ኣብ ምቕራጽን ንመጻኢ ወለዶታት ዕድላት ኣብ ምስፋሕን ዓቢ ኣበርክቶ ዝነበረን ዛንታታት ደቂ-ኣንስትዮ ኣሎ።
ካብ መንጎአን ድማ፡ ሓንቲ ካብተን ቀዳሞት መሃርቲ ኤርትራ ዝነበረት ጸሃይቱ ንኣምን፡ ከምኡ'ውን ትምህርትን እምነትን ንምርካብ ዝገበረቶ ጻዕሪ ነቲ ናይቲ እዋን'ቲ ማሕበራዊ ትጽቢታት ዝፈታተነ መድህን ሕመድ ይርከባአን።
እዘን ክልተ ኣደታት ብሓያል ቈራጽነተን፡ ንስንክልና፡ ንግዱድ መርዓን ንማሕበራዊ ተነጽሎን ብምስዓር፡ ኣብ ህይወት ኣሽሓት ዜጋታት ዘይሃስስ ኣሰር ኣንቢረን ሓሊፈን እየን።
መምህር ጸሃይቱ ንኣምን፡ እተን ዓበይቲ ብድሆታት ዝሰገራ ፈላሚት መምህር
ኣብ መጀመርታ 1960ታት፡ ኤርትራ ድሕሪ ምፍራስ ፈደረሽን ኣብ ትሕቲ ምሉእ ምምሕዳር ኢትዮጵያ ኣብ ዝኣተወትሉ ህውከት ዝመልኦ እዋን፡ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ወንጌላዊት ቤተ-ክርስትያን (ገዛ-ከኒሻ) ሓንቲ ብሉጽ ኣሰር ዘንበራ መምህር ነበራ።
ሓደ ካብ ተምሃሮአን ዝነበረ ኣቶ ዳዊት መስፍን፡ ብ1963 ኣብ መበል 6 ወይ 7 ዕድመኡ ኣብ "መላመዲ ክፍሊ - ሀ" (ኣዚሎ) ዝነበሮ ተመኵሮ ክዝክር እንከሎ፡ "መምህር ጸሃይቱ ንኣምን ምሉእ ህይወተን ንመምህርነት ብምውፋይ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ተምሃሮ ኣብ በለዛ፡ ገሽናሽምን ኣስመራን ዘፍረያ ዓባይ መምህር ነበራ" ይብል።
ኣስዒቡ እውን፡ "ንዓይን ንኻልኦት ኣስታት 40 ዝዀኑ መዛኖይን ፊደል ክንቈጽር ብምኽኣለን፡ 'መጀመርታ ጥበብ ፍርሃት እግዚኣብሄር እዩ' ዝብል ጭርሖ ቤት-ትምህርትና ኣብ ኣእምሮና ከም ዝሰርጽ ገይረን እየን" ክብል ይዝክር።
መምህር ጸሃይቱ ብጥብቂ ስነ-ስርዓተን ብቕጽዓተን ዝልለያ'ኳ እንተነበራ፡ ነቶም ብትምህርቲ ድሕሪት ዝተረፉ ተምሃሮ ግን ፍሉይ ኣቓልቦ ይህባኦም ነበራ። ዳዊት ከም ዝዝክሮ፡ ኣብ ቅድሚት ጥቓ ሰደቓአን ኣቐሚጠን ብተወፋይነት ይከታተላኦም ነይረን፤ ዋላ'ኳ እቲ ምክትታል ምስታ ካብ ኢደን ዘይትፍለ ዝነበረት ሓለንጊ ዘይነጻጸል እንተነበረ።
ካብ ተምሃሪት በለዛ ናብ መሪሕነት
ታሪኽ መምህር ጸሃይቱ ዝጅምር ኣብ መጀመርታ መበል 20 ክፍለ-ዘመን፡ ኣብቲ ሽወደናውያን ምስዮናውያን ኣብ በለዛ ዝኸፈትዎ ቤት ትምህርቲ እዩ። እቲ ፍሉጥ ምስዮናዊ ካርል ኒስትሮም ከም ዝሰነዶ፡ ብ1908 ኣብ በለዛ ካብ ዝነበራ ኣስታት 50 ተምሃሮ ሓንቲ ጸሃይቱ ንኣምን ነበረት።
ቀሺ እዝራ ገብረመድህን ኣብታ 'ከኒሻ' ዘርእስታ መጽሓፎም ከም ዝጠቐስዎ፡ እተን ኣብ ቤት ትምህርቲ በለዛ ዝምሃራ ዝነበራ ኣዋልድ ብሓፈሻ ኣብ ኣርባዕተ ምድብ ዝተመቓቐላ ነበራ፤
ብድኽነትን ብዝኽትምናን ዝተሃስያ፡ ደቂ ኣባላት እታ ቤተ-ክርስትያን፡ ምስዮን ብተግባር ንምንታይ ከም ዝዓዪ ንምርዳእ ተባሂሉ ብሜላ ዝተቐበልወን ደቂ ጐረባብቲ ስድራቤታት፡ ከም መምህር ጸሃይቱ ዝኣመሰላ ኣካለ-ስንክልና ዝነበረን ኣዋልድ።
እቲ ቀንዲ ረቛሒ ግን ዕድመ እተን ኣዋልድ ኣብ ከባቢ 10 ዓመት ምዃኑ እዩ ነይሩ። እዚ ድማ ነተን ኣዋልድ ካብቲ ሽዑ ዝነበረ ናይ ንእስነት ግዱድ መርዓ (ትሕቲ-ዕድመ መርዓ) ንምድሓን ዝተወስደ ስልቲ ነበረ።
ምስዮናዊት ብሪታ ኤድሉንድ ብ1912 ናብ በለዛ ኣብ ዝመጸትሉ እዋን፡ ጸሃይቱ ናይ ኣርባዕተ ዓመት ትምህርታ ወዲኣ ነበረት።
ብሪቱ እትበሃል መምህር ናብ ዓዲ-ወግሪ ምስ ተቐየረት ድማ፡ ጸሃይቱ ንግዜኡ ንኽትትክኣ ተመደበቶ'ሞ፡ ብኡ ኣቢላ ንልዕሊ 50 ዓመታት ዝዘለቐ ናይ መምህርነት ጕዕዞኣ ጀመረት።
ናይ ፈተና እዋን፡ 1935
መምህር ጸሃይቱ ኣብ ዘገልገላሉ እዋን፡ ኣብ በለዛን ከባቢኡን ዝነበረ ሰበኻ ናብ 20 ቍሸታት፡ 642 ምእመናንን 18 ኣብያተ-ትምህርትን ዓብዩ ነበረ።
ይኹን እምበር፡ እቲ ዝዓበየ ፈተና ብ1935 ጣልያን ንኢትዮጵያ ኣብ ዝወረረሉ እዋን ኣጋጠመ። ፋሺሽታዊ ምምሕዳር ጣልያን ንሽወደናውያን ምስዮናውያን ብጥርጣረ ስለ ዝረኣዮም፡ ካብ ኤርትራ ኣባረሮም። እቲ ሚስዮናውያን ዝሃነጽዎም ትካላት፡ ዘፍረይዎም መስርዓት ምእመናን፡ ክዳኸም ጀመረ።
ኣብቲ እዋን'ቲ፡ ኣቦይ ወልደኣብ ብዓቢ ሓላፍነት ከም ሓለቓ ቤት ትምህርቲ ወንጌላዊት ቤት-ትምህርቲ ኰይኖም ንኸገልግሉ ዝተመዘዙሉ ዘመን ነበረ። ኣደይ ጸሃይቱ ንኣምን ድማ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ'ቲ ይምህራ ነበራ። ቤት ትምህርቲ ወንጌላዊት ቤት-ትምህርቲ ብዓይነቱ ኰነ ዕብየቱ ኣብ ኤርትራ እቲ ዝዓበየን ዝበለጸን ቤት ትምህርቲ ነበረ።
ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያም ድማ፡ ብትእዛዝ ጣልያን ናብ ኣዲስ ኣበባ ክግዕዙ ተገደዱ።
ሽዑ ኣቦይ ወልድኣብ እቲ ዝነበሮም ሓላፍነት ንመም. ጸሃይቱ ኣረኪቦም ንኣዲስ ኣበባ ተጓዕዙ። እንተዀነ እቲ ስራሕ ስለ ዘይፈተዉዎ ብዙሕ ኣይጸንሑን፤ ሰብ-ኣስመራ ኸኣ ንክምለሱ ስለ ዝሓተቱዎም ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ተመልሱ።
እንተ መምህር ጸሃይቱ ግን እቲ ዓቢ ሓላፍነት ተሰኪመን ንወንጌላዊት ቤት ትምህርቲ (ገዛ ከኒሻ) ክሳዕ ኣቶ ወልደኣብ ዝምለሱ ብስርዓት ኣካየዳኦ። ንሰን ንስንክልና ይዅን ንደቂ-ኣንስትዮ ዝነበረ ማሕበራዊ ኣጠማምታ ብግብሪ ዝሰዓራ ተምሳል ጽንዓት ነበራ።
ኣደይ መድህን ሕመድ፡ ናብ ብርሃን ትምህርቲ
ካልእ ኣብ ታሪኽ ምስዮን ኤርትራ ብፍሉይ እትጥቀስ ፈላሚት ኣደ፡ ኣደይ መድህን ሕመድ (ናይ ቀደም ስመን ኣምና ሕመድ፡ 1878-1931) እየን።
ተመራማሪ ጉስታቭ ኣረን ኣብታ 'Evangelical Pioneers' ዘርእስታ መጽሓፉ ከም ዝሰነዶ፡ ኣደይ መድህን ካብ ዓዲ ተክልየስ ዝመበቈለን እየን ነይረን።
ብ1891 ኣብ ባጽዕ፡ ሕርጊጎን ገለብን ዘገልግሉ ንዝነበሩ ፓስተር ሮደን ዝተባህሉ ምስዮናዊ ተቘጺረን ምስራሕ ዝጀመራሉ ድራኸ ክልተ ነበረ፤ እቲ ሓደ፡ ንመርዓአን ዝኸውን ስልማት ንምዕዳግ ገንዘብ ምእካብ፡ ካልኣይ ድማ፡ "ምስዮናውያን መስተ ሰተይቲ እዮም" ተባሂሉ ብማሕበረሰበን ዝናፈስ ዝነበረ ወረ ብዓይነን ናይ ምርግጋጽ ድሌት ነበረ።
እንዳ ፓስተር ሮደን ካብ መስተ ርሑቓት ምዃኖም ምስ ኣረጋገጻ ግን፡ እቲ ብዛዕባኦም ዝነበረ ኣሉታዊ ኣረኣእያ ተቐየረ።
ነዊሕ ከይጸንሓ ድማ ናብ እምነት ክርስትና ተጠምቃ። ማሕበረሰበን ዋላ'ኳ እንተ ተቓወሙወንን እንተ ኣፈራርሑወንን፡ "ኣነ ድሮ ስጋ ክርስትያን በሊዐ እየ" ብምባል ካብ ውሳነአን ንድሕሪት ከም ዘይብላ ኣረጋገጻ።
ንመሃይምነት ምስዓርን ምምስራት ሓዳርን
ኣደይ መድህን ኣብቲ እዋን'ቲ ዝነበረ ናይ ትምህርቲ ጸገማት ሰጊረን መሃይምነተን ኣጥፍኣ። ሽዑ ብቋንቋ ትግረ ተተርጒሙ ዝነበረ እንኮ መጽሓፍ ወንጌል ማርቆስ ጥራይ ብምንባሩ፡ ንዕኡ ብምጽናዕ ጀሚረን፡ ጸኒሐን ንዝተሓትሙ ካልኦት መጻሕፍቲ ሓድሽ ኪዳን ብዕምቈት ኣጽንዕኦም።
እዚ ጽንዓተን ኣብ ቤተሰበን እውን ዓቢ ጽልዋ ኣሕደረ። ንኣብነት፡ ወዲ ሓትነአን ፋይድ ዔትማን (ጸኒሑ ሳሙኤል ዔትማን ዝተባህለ) ንጡፍ ወንጌላዊ ክኸውን ከሎ፡ ንእሽቶ ሓብተን ጅምዓ (ማርያም) እውን ኣሰረን ሰዓበት።
ኣደይ መድህን ጸኒሐን ምስ ጴጥሮስ ረዚቕ ዝተባህለ፡ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝነበረ ቤት ማሕተም ዝሰርሕ ዝነበረ ሰብኣይ ተመርዓዋ።
ጴጥሮስ ብዘመን ማሕድያ ካብ ኮርዶፋን (ሱዳን) ሃዲሙ ናብ ባጽዕ ብምምጻእ ኣብ ትሕቲ ወንጌላዊ ሉንዳል ዝተማህረን ክርስትና ዝተቐበለን እዩ ነይሩ።
ኣብቲ እዋን'ቲ ካብ ሓደ እምነት ናብ ካልእ ምቕያር ቀሊል ኣይነበረን። ስድራቤታት ተቓውሞኦም ናብቲ ኣብ ከረን ዝነበረ ምምሕዳር ጣልያን የቕርቡ እኳ እንተነበሩ፡ እቲ ምምሕዳር ግን ኣንጻር ትምህርቲ ደው ስለ ዘይበለ፡ እተን ኣብ ምስዮን ዝነበራ ኣዋልድ ካብ ግዱድ መርዓ ኣምሊጠን ብሰላም ክመሃራ ዕድል ረኺበን እየን።
ዘይርሳዕ ውርሻ
ዛንታ መምህር ጸሃይቱ ንኣምንን ኣደይ መድህን ሕመድን፡ ውልቃዊ ታሪኽ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሓደ ዓቢ ምዕራፍ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ናይ ደቀንስትዮ ናይ ትምህርትን ማሕበራዊ ቃልስን መርኣያ እዩ።
እዘን ፈላሞት ኣደታት፡ ኣብቲ ድሩት ዝነበረ ናይ ትምህርቲ ዕድላት፡ ስንክልናን ባህላዊ ጸቕጥታትን ስዒረን፡ ንሓያሎ ወለዶታት መንገዲ ብርሃን ዝጸረጋ ኰይነን ብታሪኽ ይዝከራ።