'እወ ንሰላም፡ ኣይፋል ንኲናት፡ ዓቢ ሰላማዊ ሰልፊ ኤርትራውያን ኣብ ጀነቫ
ካብ መላእ ኣውሮጳ ዝመጹ ኤርትራውያን ዝተሳተፍዎ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ስዊዘርላንድ ተኻይዱ።
ኣብቲ ብዓርቢ ኣብ ከተማ ጀነቫ ዝተገብረ ሰልፊ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራን ካልኦት ሃገራትን ክኽበር ጻውዒት ቀሪቡ።
ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኢትዮጵያ ንናጽነትን ልኡላውነትን ንምግሃስ ተስምዖ ዘላ ምፍርራሕ ክኹንኖ'ውን ጻውዒት ቀሪቡ።
ወደብቲ ናይቲ ሰልፊ ከምዝበልዎ፡ መልእኽቶም ናብቲ ኣብታ ከተማ ዝርከብ ቤትጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ኣረኪቦም ኣለዉ።
"ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንናጽነት፡ ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ብንጹርን ብዘየማት መገዲን ክከላኸል ንጽውዕ" ይብል ገለ ካብ ትሕዝቶ እቲ ዝተረከበ ደብዳበ።
"መትከላት ቻርተር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዘይ ዝኾነ ቅድመኩነት ክኽበር" ብምጥላብ'ውን ንምፍርራሕ ኢትዮጵያ ክኹንን ተማሕጺኖም።
ኣብቲ ሰልፊ ገለ ወከልቲ ማሕበረሰባት ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ሶማልያን ተሳቲፎም ምንባሮም'ውን ጸብጻባት ሓቢሮም።
ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዘሎ ግጭታት ብመትከላት ሕቡራት ሃገራት ክፍትሑ እቶም ተሳተፍቲ ጸዊዖም ኣለዉ።
"እወ ንሰላም፡ ኣይፋል ንኲናት" ከምኡ'ውን "ቻርተር ሕቡራት ሃገራት ይከበር