እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
  • እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
  • ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
  • ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
  • ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
  • ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ንመላእ ሽወደንን ኤርትራውያንን ዘሰንበደ ቅትለትን ማእሰርቲ ጥርጡራትን

  2. ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ግጭት ንኸይህሉ ኣመሪካ ክትሕግዝ ተላብያ

    ኤርትራ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዳግማይ ግጭት ንኸይፍጠር፡ ኣመሪካን ካልኦት ጸለውቲ ሃገራትን ክሕግዛ ጸዊዓ።

    ብዛዕባ መርገጺ ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪን ንልኡላውነት ኤርትራ ዘለዋ ስግኣትታ'ውን ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን ኣመሪካ ተዛሪባ።

    ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሶፍያ ተስፋማርያም ምስ ቀዋሚ ወኪል ኣመሪካ ኣብቲ ውድብ ማይክ ዋልትዝን ወኪል ምሕደራን ጽገናን ኣመሪካ ጀፍሪ ባርቶስን ብዛዕባ’ቲ ዞባዊ ኩነታት ኣብ ዝተዘረራበትሉ እዋን እዩ ነቲ ምሕጽንታ ኣቕሪባ።

    እታ ኤርትራዊት ዲፕሎማሰኛ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኤክስ ኣብ ዝዘርገሓቶ መግለጺ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባንቅልውላው ኣሎ ዝብል ሓሳብ ብምንጻግ፡ መሪሕነት ኢትዮጵያ ንመሬታዊ ሓድነት ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ኣእትዩ፡ ንጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ውሽጣዊ ጸገማት ንምህዳም ይጥቀመሉ ኣሎ ክትብል ከሲሳ።

    ንሳ፡ ጽልዋ ዘለወን ሃገራት ሓድሽ ኲናት ከይውላዕ ንምክልኻል ብሓላፍነታውን ብንጥፈትን ክዋስኣ ጸዊዓ፣ ንመሪሕነት ኢትዮጵያ ከተባብዕ ዝኽእል መግለጺታትከይወስዳ'ውን ኣጠንቂቓ።

    እታ ኣምባሳደር ብተወሳኺ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃን ኣብ ናይ ሕቡራት ሃገራት ቁጠባዊ ኮሚሽን ኣፍሪቃን ዝነበሩ ወከልቲ ኤርትራ ብምስጓጓ፡ ከምኡ’ውን ምብታኽ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ኣልዒላ ተዛሪባ።

    ኣብ መንጎ እተን ጎረባብቲ ሃገራት ዝጸንሐ ዝምድና እናኣንቆልቆለ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን'ዩ እቲ ርክብ ተኻይዱ።

    ኢትዮጵያ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኤምባሲኣ ዓጽያ፡ ን10 ኤርትራውያን ዲፕሎማሰኛታት ብ1 ጥቅምቲ፡ ሃገራዊ ድሕነትኣ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ምንቅስቓሳት ገይሮም ብምባል ምብራራ ይዝከር።

    ኤርትራ ነቲ ኢትዮጵያ ዝወሰደቶ ዲፕሎማሰኛታት ናይ ምስጓግ ስጉምቲ ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ፡ ምስ ኣዲስ ኣበባ ዝጸንሓ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ምሉእ ብምሉእ በቲኻ። ኢትዮጵያ ንኤርትራ ንዕጡቓት ተቓወምቲ ሓይልታት ትድግፍ ምህላዋ ትኸስስ። ኣስመራ ነዚ ክሲ ብትሪ ትነጽጎ።

    ዲፕሎማሰኛታት ኣመሪካ ንሻቕሎት ኤርትራ ብኸመይ ምላሽ ከምዝሃቡ ካብ መግለጺ ወ/ሮ ተስፋማርያም ንጹር ኣይኮነን።

    ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት፡ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ እቲ ኣብ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ወተሃደራዊ ወጥሪ ናብ ኲናት እንተኣምሪሑ ኣመና ክሰፍሕ ከምዝኽእል ብምጥንቃቕ መራሕቲ ግትኣት ክገብሩ ኣተሓሳሲቡ።

    ማርኮ ሩብዮ ኣብ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ምንቅስቓስ ሰራዊት ከምዘሎ ዝገልጽ ጸብጻባት ዓሚቝ ስክፍታ ከምዝፈጠረሉ ብምግላጽ፡ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዶባት ወተሃደራተን ብምጽጋዕ ናብ ኲናት ናይ ምእታው ተኽእሎአን ከምዘዕብዮ ኣጠንቂቑ።

    ኣብ ዝሓለፈ ሰሙ'ንውን ልኡላዊ ዶባት ሃገራት ኣብቲ ዞባ ክኽበር ተማሕጺኑ ነይሩ'ዩ።

    "ኵለን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ንልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ጐረባብተን ከኽብራን ዶብ ካብ ምስጋር ክሕየባን ከም ዘለወን እቲ ጸሓፊ ኣስሚሩ፡" ይብል እቲ ካብ ዋሽንግተን ዝወጽአ ሓጺር መግለጺ።

    እቲ ብዂናትን ውግእን ዝሕመስ ዘሎ ዞባ "ተወሳኺ ግጭት ክጻወር" ከም ዘይክእል'ውን ኣመሪካ ኣተሓሳሲባ'ላ።

  3. 'ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ልዕሊ 800 መካይን ሒዙ ናብ ኤርትራ ሃዲሙ' ብርጋዴር ጀነራል ገብረእግዚኣብሄር በየነ

    ኣብ ትሕቲ ብዓል ሓደራ ምምሕዳር ትግራይ ከም ሓላፊ ጸጥታ፣ ሰላምን ድሕንነትን ኮይኑ ዝተሾመ ብርጋዴር ጀነራል ገብረእግዚኣብሄር በየነ (ወዲ ኣንጥሩ) ‘’ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ልዕሊ 800 ናይ ትግራይ ዝኾና መካይን ሒዙ ናብ ኤርትራ ሃዲሙ’’ ክብል ከሲሱ።

    ብ/ጀነራል ገብረእግዚኣብሄር ምስቶም ዕጥቂ ፈቲሖም ናብ ዳግመ ምጥያስ ክኣትዉ ዝወሰኑ ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ነበር ኣብ መቐለ ዘካየዶ ኣኼባ እዩ ነዚ ዝበለ።

    ንጉጅለ ህወሓት 'ምሉእ ተኣማንነቱ ንሻብያ (ስርዓት ኤርትራ) ኣረኪቡ፡ ንባዕሉ ደው ክብል ዘይክእል ሓይሊ' ክብል ገሊጽዎ።

    ብተወሳኺ ደገፍቲ’ቲ ጉጅለ ንነበርቲ ከደናግሩ እኳ እንተፈተኑ፡ ሕጂ ግን ሓቀኛ ባህርያቱ ምሉእ ብምሉእ ከምዝተቓልዐ ኣመልኪቱ።

    ህዝቢ ይኹን እቶም ወተሃደራት ነቲ ጉጅለ ከምዘይቅበልዎን ንህወሓት ኢሎም ህይወቶም ክስውኡ ድሌት ከምዘይብሎምን ኣብሪሁ።

    መራሕቲ ህወሓት፡ ናብ ኤርትራ ዝሰገረ ወተሃደራዊ ዝዀነ ፖለቲካዊ ኣመራርሓ ትግራይ ከምዘየለ እዮም ዝገልጹ።

    እቲ ብ/ጀነራል ግን 'ኣዕናዊ ሓይሊ' ክብል ዝገለጾ ጉጅለ መሪሕነት ህወሓት ብኸፊል ተደምሲሱን ዝተረፈ ድማ ተበታቲኑን ምህላዉ ብምሕባር ዝተረፉ ዕጥቆም እንተዘይፈቲሖም ክህደኑን ክውገዱን ምዃኖም ኣጠንቂቑ።

    ቤትምኽሪ ምኒስተራት ኢትዮጵያ፡ ንክልል ትግራይ ንዝቕጽል ሽዱሽተ ኣዋርሕ ብላዕለዋይነት ዘመሓድር ፈደራላዊ 'ሞግዚት ምምሕዳር' ከም ዘቘመ ይፍለጥ።

    መንግስቲኢትዮጵያ ነዚ ስጕምቲ ዝወሰደሉ ምኽንያት ከብርህ እንከሎ፡ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዝነበረ ግጭት ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ንምፍታሕ ዝተገብረ ጻዕሪ "ብሰንኪ ዕንቅፋት ህወሓት" ፍሽለት ስለ ዘጋጠሞ ምዃኑ ኣረዲኡ።

  4. ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ጥምረት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከምዘምከነ ኣፍሊጡ

    እቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ጥምረት፡ ኣብ ዞባ መዲናን ካልኦት ካባቢታት ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ሓዊሱ ዝተወንጨፋ ሓሙሽተ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከምዘምከነ ገሊጹ።

    ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ኣብ የመን ከተማ ታይዝ ዝገደደ ሰብኣዊ ቅልውላው ከምዘሎ ኣጠንቂቑ። ኢራን ድማ ኣብ መንጎ ሪያድን ጉጅለ ሑቲን ንምሽምጋል ዝወሰደቶ ተበግሶ ምላሽ ከምዘይረኸበት ገሊጻ።

    እዚ ምዕባለታት ኣብዚ ወርሒ ብኢራን ዝድገፍ ጉጅለ ሑቲ ኣብ ልዕሊ ስዑዲ ዓረብ ዝፍጽሞ ዘሎ መጥቃዕቲ እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን እዩ።

    ጉጅለ ሑቲ ብ10 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ሪያድ ብዘፈጸሞ መጥቃዕቲ 13 ሰባት ከምዝተቐትሉን ልዕሊ 300 ከምዝቖሰሉን ይፍለጥ።

  5. ሶማልያ፡ ጠንቂ ሞት 7 ሰባት ዝዀነ ክትዕ ኣቦነት

  6. ሱዳን፡ ልዕሊ 300 ዝቐተለ መጥቃዕቲ ድሮን

  7. ሌተናንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ብኸመይን ብናይመን ሓገዝን ኣምሊጡ?

  8. ሓይልታት ትግራይ ስለምንታይ ብቐሊሉ ተደፊኦም? ካብ በረኻታት ትግራይ ዝረኸብናዮ ምላሽ

  9. ትግራይ፡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልቲ ናብ ስራሖም ክምለሱ ጻውዒት ቀሪቡ

    ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ብፌደራል መንግስቲ ዝተመዘዘ ሞግዚት ምምሕዳር ክልል ትግራይ፡ ሰራሕተኛታት ክልላዊ መንግስቲ ካብ ሎሚ ጀሚሮም ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልታት ናብ ስራሖም ክምለሱ ጸዊዑ።

    ኣርባዕተ ኣባላት ዝሓቖፈ ፈጻሚ ኣካል መቐለ፡ ሎሚ 10 ጥቅምቲ 2019 (ግ) ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ እዩ ሰራሕተኛታታት ናብ ቦታኦም ክምለሱ ተላብዩ።

    "ዝኾነ [ሰራሕተኛ] ኣብ ውሽጢ እቲ ዝተገለፀ ሰለስተ መዓልታት ሪፖርት እንተዘይገይሩ ብውልቁ ተሓታቲ ክኸውን እዩ" ክብል እቲ ሓድሽ ምምሕዳር ኣጠንቂቑ ኣሎ።

    ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቤት ፅሕፈት ዝርከቡ ኣተሓባበርቲ ምሕደራ ዓቕሚ ሰብ እውን፡ ናብ ትካላቶም ተመሊሶም ሪፖርት ዝገብሩ ሰራሕተኛታት ክምዝግቡ መምርሒ ተዋሂብዎም ኣሎ።

    ኣብ ትግራይ ዳግም ኲናት ካብ ዝውላዕ ንነጀው ንብዙሓት ከባቢታት ትግራይ ዝተቘፃፀረ መንግስቲ ፈደራል፡ ንዝቕፅሉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ንትግራይ ዝመርሕ ሞግዚት ምምሕዳር ከም ዘጣየሸ ብዓርቢ 06 ጥቅምቲ 2019 (ግ) እዩ ዕላዊ ገይሩ።

    እዚ ስጕምቲ፡ ኣብቲ ክልል ጸጥታን ምርግጋእን ንምፍጣርን ንቐጻሊ መረጻ ባይታ ንምጥጣሕን ዝዓለመ ምዃኑ መንግስቲ ይገልጽ።

    “እቶም ተኣጊዶም ዝጸንሑ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ክቕጽሉ ምርግጋጽ” ሓደ ሓላፍነት ናይቲ ምምሕዳር እዩ።

    ብህወሓት ዝምራሕ ካብ ስልጣን ተኣልዩ ዘሎ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፡ ነቲ ብመንግስቲ ፈደራል ኢትዮጵያ ብግዝያውነት ዝተመዘዘ ሓድሽ ምምሕዳር "ሕጋውነት ኰነ ተፈጻምነት የብሉን" ክብል ብ6 ጥቅምቲ 2019 (ግ) ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ እዩ።

    እቲ መግለፂ፡ እቲ ብፈደራል ዝተሰየመ "ምምሕዳር በዓል ሓደራ" ንትግራይ ናይ ምምሕዳር ብቕዓት ኰነ ስልጣን ከም ዘይብሉ ብምግላጽ፡ ምስዚ ሓድሽ ኣካል ዝተሓባበር ዝዀነ ትካል "ሓላፍነት ክወስድ እዩ" ክብል ከምዘጠንቀቐ ይዝከር።

  10. ዓባይ ብሪጣንያ ንስዑዲ ዓረብ ንምድጋፍ ነፈርቲ ውግእ ከተዋፍር’ያ

    ዓባይ ብሪጣንያ ነታ ግዳይ መጥቃዕቲ የመናውያን ዕጡቓት ሑቲ ትኸውን ዘላ ስዑዲ ዓረብ ንምድጋፍ 'ታይፉን' ዝተበሃላ ነፈርቲ ኲናት ሓይሊ ኣየር እታ ሃገር ከተዋፍር ምዃና ኣፍሊጣ።

    እቲ ናይ ምክልኻል ተልእኾ፡ ንከተማታትን ትሕተ-ቅርጽን ስዑዲ ዓረብ ኣንጻር መጥቃዕቲ ኣየር ንምክልኻል ክሕግዝ እዩ።

    እዚ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣንዲ በርንሃም ተቐባልነት ዝረኸበ ስጉምቲ ዝውሰድ ዘሎ፡ እቲ ብኢራን ዝድገፍ ጉጅለ ኣብ ርእሰ ከተማ ስዑዲ ዓረብ ዝኾነት ሪያድ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ገማግም ባሕሪ እታ ሃገር ኣብ ዝርከቡ ናይ ጸዓት ቦታታት መጥቃዕትታት ድሕሪ ምፍጻሙ’ዩ።

    ሚኒስተር ምክልኻል ዌስ ስትሪቲንግ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ዝሃቦ ጽሑፋዊ መግለጺ፡ "እዘን ነፈርቲ ኣብ ምክልኻል ኣበርክቶ ክገብራ እምበር፡ ኣብ ልዕሊ ሑቲ መጥቃዕቲ ኣይክፍጽማንን እየን" ኢሉ።

    ወተሃደራዊ ኣማኸርቲን፡ ናይ መጓዓዝያ ነፈርቲን ክትሰድድ ምዃና'ውን ለንደን ሓቢራ'ላ።

    ሑቲ ምስቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝድገፍ ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ዘለዎ መንግስቲ የመን ኣብ ኲናት ሓድሕድ ተሸሚሙ ይርከብ።

    እቲ ጉጅለ፡ ብ10ን 11ን ​​ጥቅምቲ ኣብ ሪያድ ኣብ ዝርከብ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ንጉስ ካሊድ ብዝፈጸሞ ክልተ መጥቃዕትታት፡ 14 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ልዕሊ 300 ድማ ከምዝቖሰሉ ይዝከር።

    ግብጺ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ተመሳሳሊ ደገፍ ነታ ንግስነት ክትህብ ምዃና ፕረዚደንት ዓብደል ፋታሕ ኣል-ሲሲ ኣፍሊጡ ነይሩ።

  11. ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ኬንያ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ

    ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ሎሚ ሰሉስ 20 ጥቅምቲ 2026 ኣብ ኬንያ ምብጻሕ የካይድ ከምዘሎ ቤት ጽሕፈቱ ኣፍሊጡ።

    እቲ ሎሚ ናብ ከተማ ኤልዶሬት ዝኣተወ ኣብይ ኣሕመድ ኣብታ ከተማ ኣብ ዝካየድ ሃገራዊ በዓል መዓልቲ ማሹጃ (መዓልቲ ሓርበኛታት) ንምስታፍ እዩ ናብታ ሃገር ኣትዩ።

    ኬንያ ናጽነት ካብ እትረክብ ንደሓር፡ 20 ጥቅምቲ ዝኽበር መዓልቲ ማሹጃ፡ ኣብ ናጽነት፡ ልኡላውነትን ልምዓትን እታ ሃገር ልዑል ኣበርክቶ ንዝገበሩ ጀጋኑ ዓመታዊ ዝጸንብል ዝግበረሉ እዩ።

    ሎምዘበን መዓልቲ ማሹጃ ብሃገር ደረጃ ኣብ ስታድዩም ኪፕቾጌ ኬይኖ ኤልዶሬት ንመበል 63 ግዜ እዩ ዝኽበር ዘሎ።

    ኣብይ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ ግዜ ናብ ኬንያ ክበጽሕ እዚ ንኻልኣይ ግዜ እዩ።

    ኣብ ላሙ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ምቕማጥ እምነ መሰረት ፕሮጀክት ነዳድን ፔትሮኬሚካልን ምብራቕ ኣፍሪቃ ንምስታፍ ብ20 መስከረም ኣብ ኬንያ ተረኺቡ ነይሩ።

  12. ቀ/ም ኣብይ ኣሕመድ ንኤርትራን ህወሓትን ዘመሓላለፎ መጠንቀቕታ

  13. ኣብ ስደት ዝነብር ነቓፊ ፕረዚደንት ሩዋንዳ ተሰይፉ ተረኺቡ

  14. ካብ ቤተ ክርስትያን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብቐጥታ ስብከት እናኣመሓላለፈ መስቀል ወዲቕዎ ዝሞተ ካህን

  15. ኬንያዊ መራሒ ሓደ ጉጅለ እምነት ኣብ ሞት 190 ቆልዑ ገበነኛ ኮይኑ ተረኺቡ

    ሓደ መራሒ ሕሉፍ እምነት ዘለዎ ጉጅለ ዝኾነ ኬንያዊ፡ ብቕትለት ሓደ ብጹሕ ሰብ ዝርከቦም 191 ቆልዑ ገበነኛ ኾይኑ ተረኺቡ።

    ፖል ማከንዚ፡ እቶም ቆልዑ "ምስ ክርስቶስ ክራኸቡ" ምእንቲ ወለዶም ከጥምይዎም ብምእማን'ዩ ነቲ ገበን ፈጺምዎ።

    ትምህርቲ ውጉዝ ምዃኑን ዘመናዊ ሕክምና "ክፉእ" እዩ ብምባል'ውን ዝሰብኽ ዝነበረ'ዩ።

    ካልኦት 29 ብጾቱ ዝኾኑ መራሕቲ እቲ ጉጅለ'ውን ብቕትለት ናይቶም ግዳያት ገበነኛታት ኮይኖም ተረኺቦም ኣለዉ።

    ኩሎም ግን፡ ብሓይሊ ዝሞተ ሰብ ከምዘየለ ብምግላጽ ነቲ ገበን ከምዘይወዓልዎ'ዮም ዝምጉቱ።

    ሰዓብቱ "ኣፈኛ የሱስ" ምዃኑ ከምዝኣምኑ፡ ነቲ ፍርዲ ዝሃበት ዳኛ ዳያና ሞካቸ ገሊጻ።

    ሓደ ካብቶም ምስኡ ዝተኸሰሱን በቲ ገበን ተፈሪዶም ዘለዉን ከምዝበሎ፡ማከንዚ "ዝኾነ ነቲ ናይ ጾም መምርሒ ዝተቓወመ፡ ተቐላሊዑን ተሃሪሙን ናብ መንግስተ ሰማያት ክኣቱ ክግደድ" ምዃኑ የፈራርሖም ነይሩ።

    ኣብቲ እቶም ሰዓብቲ ዝነበርሉ ዱር ዝፍጸም ስነስርዓት ቀብሪ'ውን "መርዓ" ተባሂሉ ዝጽዋዕ ነይሩ። እቶም ግዳያት "ምስ የሱስ ከምዝተመርዓዉ'ዩ ዝጽንበል" ነይሩ ክትብል እታ ዳኛ ኣብቲ መጋባእያ ተዛሪባ።

    ኣብ 2023 ኣብ ቀረባ ዝተቐብረ ልዕሊ 400 ሬሳታት ድሕሪ ምርካቡ'ዩ እቲ መራሒ ናይቲ ጉጅለ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።

  16. ግብጺ ነታ ግዳይ መጥቃዕቲ ሑቲ ዝኾነት ስዑዲ ዓረብ ደገፍ ከምትህብ ኣፍሊጣ

    ግብጺ ነታ ግዳይ መጥቃዕቲ የመናውያን ዕጡቓት ሑቲ ትኸውን ዘላ ስዑዲ ዓረብ "ኣድላዪ" ዝኾነ ደገፍ ክትህብ ከምዝወሰነት ኣፍሊጣ።

    ምስታ ንግስነት ዘለዋ ምሕዝነት ደጊማ ዘረጋገጸት ካይሮ፡ "ሃገራዊ ጸጥታ ስዑዲ ካብ ናይ ግብጺን ዓረብን ሃገራዊ ጸጥታ ክንጸል ዘይክል ምትእስሳር" ከምዘለዎ ኣነጺራ።

    ፕረዚደንት ዓብደል ፋታሕ ኣል-ሲሲ ትማሊ 18 ጥቅምቲ ምስ "ቤትምኽሪ ሃገራዊ ምልኻል" እታ ሃገር ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ'ዩ ነቲ መርገጺ ወሲዱ ዘሎ።

    ኣብቲ ኣብ ቤተመንግስቲ ኣል-ኢቲሓድያ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ሚኒስተራት ምክልኻልን ጉዳያት ወጻኢን፡ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት፡ ከምኡ'ውን ኩሎም ላዕለዎት ኣዘዝቲ ክንፍታት ሓይልታት ግብጺ ተረኺቦም ነይሮም።

    "ናይታ ሓፍቲ ዝኾነት ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ጸጥታን ምርግጋእን፡ ከምኡ'ውን ጸጋታታ፡ ግዝኣታዊ ሓድነታን ቅዱስ እስላማዊ ቦታታትን ንምልኻል፡ ኩሉ ኣድላዪን ዝክኣልን ዓይነት ደገፍ" ንምሃብ እቲ ቤት ምኽሪ ከምዝወሰነ ኣፈኛ ፕረዚደንት ኣምባሳደር መሓመድ ኢል-ሸናዊ ሓቢሩ'ሎ።

    ኣብዚ ቀረባ እዋን ሓይልታት ሑቲ ንመዓርፎ ነፈርቲ ርእሰከተማ ሪያድን ትካላት ነዳዲን ጋዝን ስዑዲ ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ብተደጋጋሚ ከካይዱ ምጽንሖም ይፍለጥ። ሓያለ ሰባት'ውን በቲ ብሚሳይላትን ድሮናትን ዝተፈጸመ ደብዳባት ከምዝተቐትሉ ይዝከር።

    ሪያድ ብወገና፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ዕጡቓት ንዓመታት ከተካይዶ ዝጸንሐት መጥቃዕቲ ኣየር ኣሐይላ ትቕጽሎ ከምዘላ ይግለጽ።

  17. ብዛዕባ ሹመኛታት ሞግዚት ምምሕዳር ትግራይ እንታይ ንፈልጥ?

  18. ኤርትራዊት ሓረስታይ ካብተን '100 ጀጋኑ ደቀንስትዮ' ተሰይማ

  19. ማርኮ ሩብዮ፡ ብዛዕባ ኤርትራ ኢትዮጵያን ዕጡቓት ሓይልታትን እንታይ ኢሉ?

  20. ኣብ ፈረንሳ ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞታት ናብ ጎነጽ ድሕሪ ምቕያሩ፡ ማክሮን ህድኣት ክሰፍን ጸዊዑ

    ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞታት ናብ ዕግርግር፡ ዘረፋን ምስ ፖሊስ ናብ ዝግበር ግጭትን ድሕሪ ምልዋጡ "ህድኣትን ስርዓትን" ክሰፍን ተማሕጺኑ። ካብ ቤተ-መንግስቲ ኤሊዘ ኮይኑ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ መንጎ እቶም ብሰንኪ ክብሪ ናብራ "ሕጋዊ ሕቶታት" ዘቕርቡ ዘለዉ ተቓወምትን ኣብ መንጎ እቶም ንጎነጽን ዕንወትን ተሓተቲ ዝዀኑ ኣካላትን ፍልልይ ከም ዘሎ ኣስሚሩሉ ኣሎ።

    ኣብ መላእ ሃገር ኣብ ዝተኻየደ ሰልፍታት ኣስታት 550,000 ሰባት ዝተሳተፉ ኰይኖም፡ ፖሊስ ድማ ኣስታት 2,400 ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣእትዩ። ማክሮን ኣብቲ ዕግርግር ኢድ ዘለዎም ኵሎም ናብ ፍርዲ ከም ዝቐርቡ ኣፍሊጡ።

    ኣብ ፓሪስ፡ ማርሰይ ከምኡ’ውን ኣብ ካልኦት ከተማታት ጎነጽ ዝተወለዐ ኰይኑ፡ መካይንን ህንጻታትን ሓዊ ተወሊዕዎምን ሰፊሕ ዘረፋታት ከም ዝተፈጸመን ተሓቢሩ። እቲ ግጭት ብሰንበት’ውን ኣብ ገለ ክፋላት ፓሪስን ሊዮንን ብዝነኣሰ ደረጃ ቀጺሉ ውዒሉ።

    ቀዳማይ ምኒስተር ፈረንሳ ሰባስትያን ሌኮርኑ ሰኑይ ህጹጽ ኣኼባ ካቢነ ከካይድ እዩ። እዚ ህውከት’ዚ ቅድሚ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ሚያዝያ ዝካየድ መረጻ ዘሎ ፖለቲካዊ ምትፍናን ዘዕሞቐ ኰይኑ፡ መራሕቲ ኣዝዮም ጸጋማውያንን የማናውያንን ፖለቲካዊ ሓይልታት ነንሓድሕዶም ንጎነጽ ተሓተቲ እናገበሩ ይወቓቐሱ ኣለዉ።