እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ
ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።
ጽማቝ ሓበሬታ
- ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
- እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
- ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
- ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
- ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
- ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።
ቀጥታዊ ሸፈነ
ክልል ኣምሓራ፡ ሰለስተ ዓመታት መንጐ ሞትን ሕየትን
ብምዕራባዊ ዶብ ትግራይን ሱዳንን ዝተወልዐ ውግእን ምዕባለታቱን
ኣብ ውሽጢ ማህጸን እንከሎ መብጣሕቲ ዝተገበረሉ 'ተኣምረኛ' ናጽላ
ቀተልቲ ሳተላይት፡ ኣብ ህዋ ዝግበር ውግእ እንታይ ክመስል ይኽእል?
መርበብ ፎክስትሮት፡ ንእስራኤላውያን ንምጥቃዕ ብኢራን ተቘጺሩ ዝንቀሳቐስ ስካንዲናቭያዊ ጕጅለ ገበነኛታት
ዋሕዚ ስደተኛታት ሲውታ ስዒቡ ሕብረት ኤውሮጳ ህጹጽ ኣኼባ ጸዊዑ
ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ውግእ ከም ዝተላዕለ ተገሊጹ
እምባ 'ፒካክስ' (ኩ-ኤ ኮላንግ) እንታይ እዩ? ትራምፕኸ ስለምንታይ ክድብድቦ ይደሊ?
ኣብ ሸላታት ሞት ስዑዲ ዓረብ ተስፋ ዝቘረጹ ኢትዮጵያውያን ናብ ቢቢሲ ደዊሎም
ፊፋ፡ እቲ ንኢንፋንቲኖ ኣብ ጸቕጢ ዘውደቐ መደብ መሸጣ ብርኪ ዋንጫ ዓለም ፈሺሉ
ዋሕዚ ስደተኛታት ሲውታ፡ ንመንግስቲ ስጳኛ ዝፈጠሮ ዲፕሎማስያዊ ሕማም ርእሲ
ኤርትራዊ ኣትለት ተስፋይ ደሳለ ንሃገር ወኪሉ ካብ ምውድዳር ክሳብ ሊስትሮን ስደተኛን
ኣብ ሓደ መዓልቲ 49,000 ስደተኛታት ዝኣተውላ ከተማ
ሓማስ ዕጥቁ ክፈትሕ ተሰማሚዑ፡ ቓዛ ብሓድሽ መንግስቲ ፍልስጤም ክትመሓደር ድያ?
ኢትዮጵያን ስምምዕ ጥዕና ኣመሪካን፡ ስለምንታይ እዩ ሓያል ክትዕ ፈጢሩ?
ነዊሕ ዕድመ ዶ ምሉእ ጥዕና - ደቂ ተባዕትዮ ዶ ደቀንስትዮ ነዊሕን ብጥዕናን ይጸንሑ?
መጻወድያ 'ዘመናዊ ግልያነት'፡ ኢትዮጵያውያን ኣብ እስያ ግዳይ ሳይበራዊ ምትላል ይዀኑ
ሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ ኣብ ኩዌት ንዝርከብ መደበር ነፈርቲ ኣመሪካ ዒላማ ከምዝገበረ ኣፍሊጡ
እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ ሎሚ ሓሙስ ንግሆ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ኩዌት ዝርከብ መደበር ነፈርቲ- ኣመሪካ ዓሊ ኣልሳለም ከምዘጥቀዐ ገሊጹ።
እቲ መጥቃዕቲ፡ ክልተ ማእከል ሰብ ኣልቦ ነፈርቲን መኽዘን ነዳዲ ወተሃደራዊ ነፈርቲን ሄሊኮፕተራትን ከምዘዕነወ ዝተገልፀ ዀይኑ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ስዒቡ ሓያል ቃፀሎ ተራእዩ።
ይኹን እምበር ብዛዕባ መጥቃዕቲ ሓለዋ ሰውራን ዘስዓቦ ጉድኣትን ብዝምልከት ካብ ኩዌት ኰነ ካብ ሰበስልጣን ኣመሪካ ወይ ድማ ካብ ሳልሳይ ኣካል ዝተብሃለ ነገር የለን።
ክፍሊ ርክብ ህዝቢ ሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ እቲ መጥቃዕቲ "ስርሒት ናስር 2" ዝብል ኮድ ስም ከምዝተዋህቦን ንሓይልታት ኣመሪካ ምላሽ ከምዝኾነን ገሊጹ።
ኢራን ንወራርኣመሪካሕነ ንምፍዳይ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ዝርከቡ ወተሃደራዊ መዓስከራት ኣመሪካ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሚሳይላትን ከተካይድ ጸኒሓ ኣላ።
ኣብ ዮርዳኖስ፣ ኩዌትን ባሕረይንን ዝርከባ ወተሃደራዊ መደበራት ኣመሪካ ዝለዓለ ዕንወት ዘስዓበ መጥቃዕቲ ከምዝተፈፀመ ይንገር።
መራሒ ተቓዋሚ ኡጋንዳ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀልቡ ስሒቱ ወዲቝ
መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ኡጋንዳ ኪዛ ቤሲጄ፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀልቡ ስሒቱ ምስ ወደቐ ናብ ፅኑዕ-ክትትል ዝግበረሉ ሕክምና ከምዝተኣተወ በዓልቲ ቤቱ ገሊጻ።
ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሓላፊት ኤጀንሲ ኤችኣይቪ/ኤይድስ [ዩኤንኤድስ]፡ ዊኒ ቢያኒማ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኤክስ፡ ኣብ ዝዘርግሓቶ ጽሑፍ፡ “ቀልቡ ስሒቱ እዩ ወዲቑ፤ ክዛረብ ኣይክእልን፤ ንመነቓቕሒ መድሓኒት’ውን ምላሽ ኣይህብን” ይብል።
እዚ ወዲ 70 ዓመት ፖለቲከኛ ካብ ሕዳር 2024 ጀሚሩ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይርከብ።
እቲ ፖለቲከኛ መጋባእያ ቀልቡ ስሒቱ እንትወድቕ፡ ጠበቓታት መንግስቲ ንዕኡ ክውክሉ ክሽየሙ እንከለዉ ይቃወም ነይሩ። ብድሕሪኡ ብሓለውቲ ቤት ማእሰርቲ ናብ ሆስፒታል ተወሲዱ።
ነቲ ንነዊሕ እዋን ኣብ ስልጣን ዝፀንሐ ፕረዚደንት ዮወሪ ሙሰቨኒ፡ ኣርባዕተ ግዜ ንፕረዚደንትነት ዝተወዳደረ እዚ ፖለቲከኛ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ካብ ኬንያ ተጨውዩ እዩ ናብ ኡጋንዳ ተወሲዱ።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ፡ ምስ ሓጋዚኡ ኦቤይድ ሎታሌ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይርከቡ።
ክልቲኦም ብኽሕደት ሃገር እዮም ዝኽሰሱ።
ኣኽበርቲ ሕጊ፡ እቲ ፖለቲከኛን ሓጋዚኡን "መንግስቲ ፕረዚደንት ሙሰቨኒ ንምውዳቕ ውዲት ፈጺሞም" ክብሉ እዩ ከሲሶም። ንሳቶም ብወገኖም ነቲ ክሲ ኣይቕበሉዎን።
ክሕደት ሃገር ኣብ ኡጋንዳ ከቢድ ገበን ኮይኑ፡ ብሞት ዘቕጻዕ እዩ።