እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
  • እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
  • ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
  • ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
  • ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
  • ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ኣማኻሪ ትራምፕ፡ እቲ ኣብ ካይሮ ዘካየዶ ርክባት 'ጸረ-ኢትዮጵያ' ከም ዘይኰነ ገሊጹ

  2. ስዑድያ ካብ ኲናት ኣመሪካን ኢራንን ንምርሓቕ ኣብ እትፍትነሉ ዘጋጥማ ዘሎ ፈተነ

  3. ንሓፍቲ ሚስ ወርልድ ኢትዮጵያ ብምቕታል ዝተጠርጠሩ ብገበኖም ተኣሚኖም

  4. ኣብ ሽወደን ብዛዕባ 'ዝጠፍኡ' ኣስታት 20 ኢትዮጵያውያን ስፖርተኛታት ፈደረሽን እንታይ ኢሉ?

  5. ኤርትራ - ኢትዮጵያ፡ ስእነት መኣዛዊ መግቢ ፍሉይ ቈላሕታ ከም ዝደሊ ተገሊጹ

  6. ኢራን፡ ኣመሪካን ስዑዲ ዓረብን ኣብ ዒራቕ ንዝፈፀመኦ መጥቃዕቲ ኰኒና

    ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢራን፡ ኣብ ዒራቕ ዝካየድ ዘሎ ሓባራዊ መጥቃዕቲ ኣመሪካን ስዑዲ ዓረብን፡ ብትሪ ከምእትኹንን ኣፍሊጣ።

    እቲ ምኒሰትሪ፡ እዚ ሓድሽ መጥቃዕቲ፡ ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ግጭት፡ ንምግዳድን ንምስፋሕን ዝዓለመ እዩ ክብል’ውን ከሲሱ።

    ኢራን ነተን ክልተ ሃገራት “ርኩሳን” ብምባል ዝዀነነት ኮይና፡ እቲ ስጉምቲ ንመትከላት ሕቡራት ሃገራት ዝጥሕስ ምዃኑ'ውን ሓቢራ።

    ኣመሪካን ስዑድያን፡ ኣብ ዒራቕ ንዝርከቡ ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት፡ ዒላማ ይገብሩ ከምዘለዉ እዮም ዝገልፁ።

  7. ሓሪሽ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንኣስታት ኣርብዓ ዓመታት ተራእዩ ከም ዘይፈልጥ ተገሊፁ

    ሓሪሽ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ሓደ እዋን መለለዪን ጽባቐን ግርማ ሞገስን ካብ ዝነበሩ እንስሳታት ሓደ ምንባሩ ይጥቀስ።

    ንኣስታት 40 ዓመታት ዓመታት ኣብ ዕቃበን ምርምርን እንስሳ ዘገዳም ዝሰርሐ በዓል ሞያ፡ እቲ እንስሳ ኣብ ሓደ እዋን ሃብቲ ብሄራዊ ፓርክ ኦሞ ከምዝነበረ መስኪሩ ኣሎ።

    ብተወሳኺ፡ ኣብ ዝርዝር ናይቶም ኣብ መስራቲ ሰነድ ናይቲ ፓርክ 'ሓለዋ ዝግበረሎም" ኣጥበውቲ እንስሳ ዘገዳም ኣብ ዝብል- ተመዝጊቡ ይርከብ።

    ይኹን እምበር ኣብ ኢትዮጵያ ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓሰርተታት ዓመታት ሓሪሽ ተራእዩ ከምዘይፈልጥ መፅናዕቲታት የመልክቱ።

    ኣብ በዓል መዚ ልምዓትን ዕቃበን እንስሳ ዘገዳም ኢትዮጵያ ተመራማሪ ዶክተር ፋኑኤል ከበደ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሓሪሽ ንመወዳእታ ግዜ ቅድሚ 44 ዓመት "ኢልባ" ኣብ ዝተባህለ ኣብ ሃገራዊ ፓርክ ኦሞ ከምዝተራእየ ሓቢሩ።

  8. ጋና: ብሞት እቲ ዝነውሐ ሰብኣይ ትሓዝን ዘላ ሃገር

  9. ጃፓን፡ ብዝሒ ምውታት ምንቅጥቃጥ ምድሪ 13 ኣብ ዝበጽሓሉ ስርሓት ህይወት ኣድሕን ይቕጽል ኣሎ

    ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ጃፓን ብዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ክሳብ ሕጂ ሸሞንተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ኣብ ሓደ ማእከል ዕዳጋ ብዘጋጠመ ምድርማስ ተጸቒጦም ዘለዉ ሰባት ንምውጻእ ጻዕርታት ይግበር ከም ዘሎ ሰብመዚ እታ ሃገር ኣፍሊጦም።

    እቲ ብኣቈጻጽራ እቲ ሰዓት 4፡27 ድሕሪ ቀትሪ ዘጋጠመ 7.1 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቓጥ ምድሪ፡ ኣብ ከባቢታት ደሴት ክያንሹ’ያ ተኸሲቱ።

    ብሰንኪ እዚ ድማ ልዕሊ 150,000 ሰባት ናብ ውሑስ ቦታ ክግዕዙ ተነጊርዎም ኣሎ።

    ብሰንኪ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ሓያለ ጽርግያታታን ኣባይትን ክዓኑ እንከሎ፡ ኣገልግሎት ኤለትሪክ እቲ ከባቢ ምሉእ ንምሉእ ተቛሪጹ ኣሎ።

    ቀዳመይቲ ምኒሰተር እታ ሃገር ሳና ታኪቺ’ውን ነበርቲ እቲ ከባቢ ናብ ውሑስ ቦታ ክግዕዙ ተማሕጺና።

    ናብቲ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዘጋጠመሉ ቦታ ዝቐረበ መዓርፎ ነፈርቲ ሃኔዳ ልዕሊ 40 ዝኸውን ውሽጣውን ዓለምለኻውን በረራታት ደው ከብል ተገዲዱ ኣሎ።

  10. ትግራይ፡ ብሰንኪ ሓያል በረድ ውላዶም ዝሰኣኑን ሕርሻኦም ዝዓነወን ሓረስቶት እንታይ ይብሉ?

  11. ኢትዮጵያውያን ኣንስቲ፡ ንማህረምቲ ሰብኡተን 'ምኽንያታዊ እዩ' ይብላ

  12. ኤርትራ፡ ንመምርሒ ባጤራ ዝሰዓበ ሻቕሎትን ቅልውላውን ዕዳጋታት

  13. 50 ሽሕ ፓውንድ ዶ ሓደ ሚልዮን ፓውንድ ዘዐውት ዕጫ ምመረፅኩም?

  14. ስነፍልጠት ሸለል ኢሉዎ ዝጸንሐ ብርቱዕ ደም-ጽግያት፡ 'ተራ ጸገም ጥራይ ኣይኰነን'

  15. ኢትዮጵያ ኣብ ዓንኬል ግጭት፡ ስለምንታይ እዩ ሰላማዊ ዘተ ንባህሊ ውግእ ክስዕሮ ዘይከኣለ?

  16. ትግራይ፡ ኣብ ሰብን ዘራእትን ጕድኣት ዘውረደ ሻብዓይ መዓልቱ ዘቝፀረ ኵምራ በረድ

  17. ኣብ ኲናት ኢራን 18 ወተሃደራት ኣሜሪካ ክሞቱ እንከለዉ ልዕሊ 600 ቆሲሎም

    ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ክካየድ ካብ ዝእዝዝ ንደሓር፡ 18 ወተሃደራት ኣመሪካ ከምዝሞቱን ብውሕዱ 624 ከምዝቖሰሉን ፔንታጎን ጸብጺቡ።

    ካብቶም ጉድኣት ዝበፅሖም እቶም 417 ምስ ስርሒት ‘ኤፒክ ፉሪ’ ዝተኣሳሰሩ ክኾኑ ከለዉ፡ 207 ድማ ኣብ “ስርሒታት ወጻኢ ሃገራት” ዝተሳተፉ እዮም።

    ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፔንታጎን ኣብ ኲናት ኢራን ካብ ዝተቐትሉ ኣርባዕተ ኣባላቱ ሓዊሱ፡ ኣብቲ ኲናት ዝተቐትሉን ዝቖሰሉን ብዝሒ ዝርዝር ኣመሓይሹ ኣሎ።

    መረዳእታ ሚኒስትሪ ምክልኻል፡ ክሳብ ዝሓለፈ ሰሉስ፡ ኣብ ወፍሪ ኢራን 18 ተቐቲሎም 482 ድማ ቆሲሎም ዝብል ነይሩ።

    ድሕሪኡ ዝተገብረ ምምሕየዓሽ ግን ቁጽሪ ዝሞቱ ብኣርባዕተ ብምንካይ ጠቕላላ ቁጽሪ ዝሞቱ ናብ 14 ኣውሪዱዎ።

    እቲ ለውጢ ቁጽሪ ጉድኣትን ሞትን፡ ብዘይ ዝኾነ መብርሂ ዝተገብረ ብምዃኑ፡ ሌተናል ኮሎኔል ሰራዊት ነበር ቤን ሆጅስ “ስእነት ግሉፅነት” ክብል ተነቒፉ።

    ወሃቢ ቃል ፔንታጎን ሾን ፓርነል ነቲ ኣብ ብዝሒ ሞት፡ ዝተገብረ ለውጢ “ግዝያዊ ጸገም መረዳእታ” ክብል ገሊጽዎ።

    እቲ ቅድሚ ሕጂ ዘይነበረ “ስርሒታት ሃገራት ወፃኢ” ዝብል ክፋል፡ ካብ ትማሊ ሰንበት ጀሚሩ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ክፍሊ ምክልኻል ከምዝተዘርግሐ ዘ ኣሶሴይትድ ፕረስ ጸብጺቡ።

    እቲ ክፍሊ ኣብ ቀረባ እዋን ዝሞቱ ኣርባዕተ ሰባትን ዝቘሰሉ 207ን ይዝርዝር።

    እቶም ጉዱኣት ኣብ እዋን ኲናት ኢራን ድዮም ኣይኮኑን ንጹር ኣይኮነን።

  18. ኣመሪካን ኢራንን መጥቃዕቲ ደው ምባለን ስዒቡ ዋጋ ነዳዲ ጐዲሉ

    ዘይተጻረየ ነዳዲ፡ ብሓደ ግዜ ልዕሊ 9 ሚእታዊት ዝነከየ ኮይኑ ዋጋ ሓደ በርሚል ናብ ትሕቲ 88 ወሪዱ።

    እዚ ምንካይ ዋጋ፡ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡ "ንዝርርባት ገለ ቦታ" ንምሃብ፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝፍጸም ዝነበረ መጥቃዕቲ ንኻልኣይ ተኸታታሊ ምሸት ደው ከምዝበለ ድሕሪ ምግላጹ'ዩ።

    ወሃቢ ቃል ሰራዊት ኢራን ትማሊ ሰንበት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ቴህራን ግብረ መልሲ ንምሃብ ኣብቲ ዞባ ዝፍጸም ዝነበረ "ሕነ ምፍዳይ" መጥቃዕቲ ደው ከምዘበለት ሓቢሩ።

    ምጅማር ኲናት ኢራን፡ እቲ ግጭት ነቲ መብዛሕትኡ ግዜ ኣስታት 20 ሚእታዊት ካብ ነዳድን ፈሳሲ ተፈጥሮኣዊ ጋዝን ዓለም ዝስከም ቁልፊ መስመር መራኽብ መጻብቦ ሆርሙዝ ብኣድማዒ መንገዲ ክዕጾ ስለዝገበረ፡ ዋጋ ነዳዲ ብሓያል ወሰኽ ኣበጊሱ ነይሩ።

    ኢራንን ኣመሪካን ኣብ ወርሒ ሰነ ወተሃደራዊ ግጭት ደው ንምባልን ​​ነቲ መጻብቦ ዳግማይ ንምኽፋትን ስምምዕ ምስ ፈረማ፡ ዋጋ ነዳዲ ናብቲ ቅድሚ ኲናት ዝነበረ ደረጃ ኣስታት 70 ዶላር ንሓደ በርሚል ተመሊሱ ከምዝነበረ ይዝከር።

    ይኹን እምበር፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ዝፈረሰ ውዕል ምቁራጽ ተኹሲ ስዒቡ፡ ኣብ ልዕሊ ዓለማዊ ቀረብ ጸዓት ዝነበረ ስግኣት ዳግማይ ኣበጊሱ፡ ዋጋ ነዳዲ ዳግማይ ክብርኽ ገይሩ ነይሩ።

  19. ዝማዕበለ ዩራንየም እንታይ'ዩ፡ ስምምዕ ኑክሊየር ኣመሪካን ስዑድያንከ ንምንታይ ኣካታዒ ኰይኑ?

  20. ብዛዕባ እቲ ካብ ጽንብል ናብ ሓዘን ዝተቐየረ መጥቃዕቲ በርሊን እንታይ ንፈልጥ?