እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ
ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።
ጽማቝ ሓበሬታ
- ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
- እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
- ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
- ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
- ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
- ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።
ቀጥታዊ ሸፈነ
ሰራዊት ሱዳን ስትራተጅያዊ መስመር ቀረብ ዳዕመ-ሰሪዕ ከም ዝበተኸ ኣፍሊጡ
ህንዲ፡ ምኒስተር ትምህርቲ ካብ ስልጣን ድሕሪ ምልቃቝ፡ ህዝባዊ ተቓውሞ 'ድዱዕ' ደው ኢሉ
ምኒስተር ትምህርቲ ዳርመንድራ ፕራድሃን፡ ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምልቃቑ፡ ንሓሙሽተ ሰሙን ዝቐጸለ ሰፊሕ ተቓውሞ ህንዲ ድዱዕ -'ኮክርች'- ደው ኢሉ።
እቲ ሲጄፒ ብዝብል ኣሕፅሮተ ቃል፡ ኣብ ብማሕበራዊ ሚድያ ዝውደብ ምንቅስቓስ፡ ነቲ ካብ ስልጣን ምቃቕ ስጉምቲ ኣመልኪቱ፡ ‘ዓወት ንዲሞክራስያዊ' ዝበሎ ዀይኑ፡ ኣሽሓት ደገፍቲ ኣብ ርእሰ ከተማ’ታ ሃገር- ደልሂ- ዝርከብ ቀንዲ ናይ ተቓውሞ ቦታ ዝኾነ ጃንታር ማንታር ይፅምብሉ ኣለዉ።
እቲ ብ ብሰብሰርሖ-ብልሒ ዝተፈጥረ ናይ ኦንላይን ወፍሪ- ሲጄፒ፡ ናይ ብሓቂ ትካላዊ ሰልፊ ዘይኮነስ፡ መናእእሰይ እታ ሃገር ቍጠዐኦምን ሕርቃኖምን ዘንፀባርቕሉ ፍኑው መድረኽ ህዝባዊ ተቓውሞ እዩ።
እቲ ተቓውሞ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ናሬንድራ ሞዲ ዝረአ ዘሎ መግለጺ ዝሓየለ ህዝባዊ ቁጥዐ ኰይኑ ኣሎ።
ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ናብ ባይቶ ዝጓዓዙ ሰልፈኛታት ዝወሰዶ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ስዒቡ ድማ፡ ብዓሰርተታት ዝቑፀሩ ሰባት ኣለካላዊ ጉድኣት ዝበፅሖም ኰይኑ፡ እቲ ተቓውሞ ዝገደደ ናህሪ ወሲዅ ነይሩ።
ፕራድሃን፡ ኣብ ኤክስ ካብ ስልጣኑ ከምዝለቐቐ ብቋንቋ ሂንዲ ኣብ ዘፍለጠሉ ጽሑፍ፡ "ባህጊ፣ ሕልምን ትፅቢታትን መንእሰያት ከምዘኽብር" ብምግላፅ ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት "ብዝነበረ ፍጻመታት" ዝተሰመዖ ሓዘን ኣስፊሩ።
ዜና ምልቃቕ ስልጣን ፕራድሃን ኣብ ዝተበሰረሉ እዋን፡ ስምዒታዊ ዝኾነ ኣቢጂት ዲፕከ ዝተባህለ መስራቲ ሲጄፒ፡ ኣብቲ ኣብ ጃንታር ማንታር ዝነበረ መድረኽ "ገይርናዮ" ክብል ዓው ኢሉ ድምፁ ኣስሚዑ።
ኣብ ፈረንሳን ስጳኛን: ብሰንኪ ባርዕ ጫካ ልዕሊ 300 ሽሕ ሰባት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም
ኣብ ፈረንሳን ስጳኛን፡ ብሰንኪ ብርቱዕ ንፋስን ልዑል ሙቐትን ዝተልዓለ፡ ንመዓልታት ዝነድድ ዘሎ ባርዕ ጫካ፡ ልዕሊ 300 ሽሕ ሰባት ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉ ተገሊጹ።
ኣባላት መጥፋእቲ ሓዊ፡ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ፈረንሳ ዘጋጠመ ባርዕ ንምግታእ ይቃለሱ እኳ እንተሃለዉ፡ ሓያል ንፋስ ግን ነቲ ሃልሃልታ ናብ ካልእ ከተማ የፀግዖ ኣሎ።
ካልኦት 55 ሽሕ ሰባት ብቀዳም ካብቲ ቦታ ክወጹ ተኣዚዞም ኣለዉ።
ሰለዚ ድማ፡ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ግዝኣታት ጂሮንደን ላንደስን ጥራይ፡ ብዝሒ ዝተመዛበሉ ሰባት 250 ሽሕ በፂሑ ኣሎ።
ሓያል ንፋስን ደረቕ ኣየርን ነቲ ባርዕ ንምቁጽጻሩ ኣጸጋሚ ከምዝገበሮ ሰራሕተኛታት መጥፋእቲ ሓዊ ይገልጹ።
ፈረንሳ ነቲ ሓደጋ ንምቅላስ፡ ሰራዊታ ኣዋፊራ ኣላ።
ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን፡ እቲ ዝዓነወ ዳግማይ ክህነፅ ምዃኑን መንግስቱ ኣብ ጎኖም ደው ከምዝብልን ገሊፁ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ስጳኛ ፔድሮ ሳንቸዝ ብወገኑ፡ "ከቢድ እዋን" ምዃኑ ብምግላጽ፡ በቲ ባርዕ ሓዊ ሓደ ሰብ ከምዝሞተ ኣረጋጊፁ።
እቲ ኣብ 70ታት ዕድመ ዝርከብ ሰብኣይ፡ ኣብ መኪናኡ ውሽጢ ሞይቱ ብመጥፋእቲ ሓዊ ተረኺቡ።
ሚኒስተር ሃገራዊ ጉዳያት፡ ፈርናንዶ ግራንደ ማርላስካ፡ እቲ ኩነታት ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናኸፍአ ይኸይድ ኣሎ ብምባል፡ "ኩነታት ኣየር ኣይሕግዘናን ዘሎ" ክብል ኣመራሪሩ።
ብመሰረት ፀብፃብ እቲ ሚኒስተር፡ ነቲ ሓደጋ ስዒቡ፡ ኣስታት 60 ሽሕ ሰባት ካብ ዞባታት ማድሪድን ኣቪላን ስጳኛ ክመዛበሉ እንከለዉ፡ ኣስታት 28 ሽሕ ሰባት ግና ኣብ ዘለዉዎ ክፀንሑ ተዓጊቶም ይርከቡ።
ነበርቲ ብውሕዱ ካብ ሸሞንተ ከተማታት ግዝኣት ቶለዶ፡ ክወጹ ተኣዚዞም ኣለዉ፤ ንግዚኡ ትኽክለኛ ብዝሒ ህዝቢ ኣይተፈልጠን።
ካናዳ፡ ኤርትራውያን 'ተሳተፍቲ ናዕቢ' ቤት ፍርዲ ዝሃቦም ውሳነ እንታይ ይብል?
ፈጺሙ ቃንዛ ዘይስምዖም ሰባት፡ መርገም'ዶ በረኸት?
ክልል ኣምሓራ፡ ኣብ ገዳም ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ "ድሮን" ክልተ መነኮሳት ከምዝተቐተላ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኣረጋጊጻ
ሚነሶታ፡ ሰለስተ ሰባት ድሕሪ ምቕታሎም ሓደ ኢትዮጵያዊ ተኸሲሱ - ሰነዳትከ እንታይ ይብሉ?
ኡጓንዳውያን 'ጌቶ ኪድስ' ምስ ሻኪራ ኣብ ዋንጫ ዓለም፡ 'ንህይወትና ዝቐየረ ተመኵሮ'
መጥቃዕቲ ሑቲን ንዩክለሳዊ ውድድርን፡ ማእከላይ ምብራቕ ናበይ ገጹ?
ቢንያም ግርማይን እቲ ንኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ 'ዝተዓጽወ' ኣፍ ደገ ኤውሮጳን
ካብ ናይጀርያ ክሳብ ኤውሮጳ ንታሪኽ ጸዓት ዝቕይር መስመር
ሱዳን፡ ንኢትዮጵያ ሰደድ ኤለክትሪክ ብምቍራጻ ትኸሳ
ንዩክለሳዊ ጸዓት ስዑድያን 'ስምምዕ ኣብርሃምን'፡ ትራምፕ ዘቕረቦ ተሪር ቅድመ-ዅነት
ኣግማል ዓፋር'ኳ ክፃወሩዎ ዘይከኣሉ ሓያል ሙቐት
ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ቀይሕ ባሕሪ ዝፍፅምዎ መጥቃዕቲ ደው ክብሉ ሓቲቱ
ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ፡ ዕጡቓት ሑቲ የመን ኣብ ልዕሊ መራኽብ ቀይሕ ባሕሪ ዝፈፀምዎ መጥቃዕቲ ብምኹናን፡ “ብቕልጡፍ ደው ከብሉ” ጸዊዑ።
ብተወሳኺ ሑቲ፡ ነቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ልዕሊ ክልተ መራኽብ ነዳዲ ዘካየድዎ መጥቃዕቲ “ሓደገኛ ምዕባለ” ክብል ኮኒንዎ።
እቶም ብኢራን ዝድገፉ ሑቲ፡ ኣብ ልዕሊ እተን ነዳዲ ዝጽዕና መራኽብ ስዑዲ ዓረብ መጥቃዕቲ ዝፈፀመት እገዳ ምስ ኣወጁ እዩ።
እተን መራኽብ ብሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሚሳይላትን ከምዝተሃርማ ወሃቢ ቃል ወተሃደራዊ ሓይሊ እቶም ዕጡቓት ያህያ ሳረ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።
ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ መጥቃዕቲ “ብትሪ ይኹንኖ” ኢሉ ብምግላፅ፡ "እዚ ተግባራት ኣብ ዞባዊ ሰላምን ጸጥታን ከቢድ ጽልዋ ዘለዎ ሓደገኛ ምዕባለ'ዩ" ኢሉ።
ምስታ መራኽባ መጥቃዕቲ ዝበጽሐን ስዑዲ ዓረብ ምሕዝነቱ ዝገለጸ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ “ንጸጥታ፣ ልኡላውነትን ምርግጋእን” እታ ሃገር ዘለዎ ደገፍ ገሊጹ።
ኢራን ኣብ መሳለጥያታት ሲኣይኤ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ፡ ኢድ ሩስያ ከይህልዎ ጥርጣረታት ፈጢሩ
ኢራን ኣብ መሳለጥያታት ሲኣይኤ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ፡ ተሳትፎ ሩስያ ከይህልዎ ጥርጣረታት ፈጢሩ።
እቶም ስሞም ክግለጽ ዘይደለዩ ምንጭታት ሮይተርስ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ መሳለጥያታት ሲኣይኤ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ሩስያ ኢድ ኣለዋ ኢሎም ከምዘይደምደሙ ገሊጾም።
"ዒላማን ኣድማዕነትን" ናይቲ መጥቃዕቲ፡ ከምኡ'ውን ሩስያ ንኢራን ዝሃበቶ ሰፊሕ ቴክኒካዊ ደገፍ ግን ነቲ ጥርጣረ መበገሲ ክኸውን ይኽእል'ዩ።
ሮይተርስን ካልኦት ማዕከናት ዜናን፡ ሰበስልጣን ኣመሪካ፡ ኢራን ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ኣብ እትገብሮ መጥቃዕቲ፡ ሩስያ ቴክኒካዊ ደገፍ ትህቦ ምህላዋ ከም ዝፈልጡ ጸብጺበን።
ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ዝርከባ ክልተ ማእከላት ሲኣይኤ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመን ሮይተርስ ሓቢሩ።
እቲ ሓደ መሳለጥያ ኣብ ጥቓ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ሪያድ ዝርከብ ኮይኑ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ ምብራቓዊ ዒራቕ ይርከብ።
ካልኦት ዒላማ ዝዀና መሳለጥያታት ሲኣይኤ እንተለዋ፡ ምንጭታት ሮይተርስ ዝርዝር ሓበሬታ ክህቡ ኣይደለዩን።
ኣመሪካን ስዑድ ዓረብን ታሪኻዊ ስምምዕ ኑክሌር ተፈራሪመን
መጻብቦ ሆርሙዝ፡ ኣብ ቅድሚ መራሕቲ ኢራን ተገቲሮም ዘለዉ ሰለስተ ከበድቲ ኣማራጺታት
ኣብ ከተማታት ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ጽዑቕ ኣኼባታት እንታይ የመልክት?