እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ
ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።
ጽማቝ ሓበሬታ
- ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
- እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
- ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
- ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
- ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
- ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።
ቀጥታዊ ሸፈነ
ኣስመራ፡ ሚኒስተር ትምህርቲ ኤርትራ ዝነበረ ሰመረ ርእሶም ዓሪፉ
ውድብ ኢሕኣፓ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ትግራይ ዘውፀኦ መግለፂ
ኣመሪካ፡ ኣብ ኲናት ኢራን ኣስታት 37.5 ቢልዮን ዶላር ከም ዘውጽአት ተገሊጹ
ኣመሪካ፡ ኣብቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ምስ ኢራን ዝተኻየደ ኲናት ክሳብ ሕጂ ኣስታት 37.5 ቢልዮን ዶላር ከም ዘውጽአት ሚኒስተር ምክልኻል ፒት ሄግሰት ገሊጹ።
ሄግሰት ንሰኔት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣባላት ባይቶ ንፔንታጎን ተወሳኺ 87 ቢልዮን ዶላር ከጽድቕ ሓቲቱ።
ካብዚ እቲ 67 ቢልዮን ዶላር ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንዝካየድ ስርሒታት ዝዓለመ ምዃኑ እውን ሓቢሩ።
ጌትሰት መብርሂ ኣብ ዝህበሉ ዝነበረ እዋን እቲ መስርሕ፡ ኣንጻር ጸረ ኲናት ብዝዀኑ ሰባት ብዙሕ ግዜ ዘረብኡ ከቋርጽ ተገዲዱ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ተጻብኦታት ዳግማይ ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ ሄግሰት ኣብ ካፒቶል ሂል ንፈለማ እዋን እዩ ተራእዩ።
ሰለስተ ወተሃደራት ኣመሪካ ኣብቲ ዞባ ብኢራን ከም ዝተቐትሉ ይፍለጥ።
ዋይት ሃውስ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ንኮንግረስ ኣብ ዝቕጽል ባጀት ዓመት ንፔንታጎን 1.5 ትሪልዮን ዶላር ክወሃቦ ሓቲቱ ነይሩ።
ኣመሪካ፡ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ኢራን ትፍጽሞ ዘላ መጥቃዕቲ 11 መዓልታት ኣቝጺሩ ኣሎ።
ኢራን ሕነ ንምፍዳይ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከቡ መሻርኽታን ናይ ገዛእ ርእሳ መጥቃዕቲ ክትፍጽም ጸኒሓ እያ።
ጸሓፊ ምክልኻል ኣመሪካ፡ ኣብቲ ብሰሉስ ዝሃቦ መብርሂ፡ "ኣብ ሓደገኛ ዓለም ኢና እንነብር ዘለና" ብምባል እዚ ድማ ተባዕን ቅልጡፍን ስጉምቲ ከም ዝሓትት ተዛሪቡ።
ብ12 ግንቦት፡ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ፔንታጎን ኣመሪካ ኣብዚ ኲናት ዘውጽኣቶ ገንዘብ 29 ቢልዮን ዶላር ከም ዝኾነ ድሕሪ ምግላጹ፡ መንግስቲ ኣመሪካ ብዛዕባ ፋይናንሳዊ ወጻኢታት እቲ ኲናት ዝሃቦ ወግዓዊ ግምት ኣይነበረን።
ፔንታጎን ኣቐዲሙ ንኣባላት ባይቶ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ኲናት ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ንኣመሪካ ኣስታት 11.3 ቢልዮን ዶላር ከም ዝሓተታ ገሊጹ እዩ።
ቀዳማይ ምኒስተር ካናዳ ንሓድሽ ቀረጽ ኣመሪካ ተሪር ምላሽ ክትህብ ይሕተት
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ምስ ቀዳማይ ምኒስተር ካናዳ ማርክ ካርኒ ኣብ መዛዘሚ ጸወታ ዋንጫ ዓለም ብሓባር ተራእዮም ድሕሪ ሒደት ሰዓታት፡ ምምሕዳር ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለዩ ፍርያት ካናዳ ናይ 50% ቀረጽ (ታሪፍ) ከም ዝሰልዐ ኣዊጁ።
እዚ ብሃንደበት ዝመጽአ ቍጠባዊ ስጕምቲ፡ ኣብ መንጎ ክልተአን ሃገራት ንግዲ ንምቅልጣፍ ዝግበር ዘሎ ናይ ናጻ ንግዲ ስምምዕ (USMCA) ንምሕዳስ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ዝያዳ ንምጽላው ዝዓለመ ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።
ኣመሪካ ነዚ ስጕምቲ ዝወሰደትሉ ምኽንያት፡ ካናዳ ንፍርያት መካይን፡ ጸባን ኣልኮልን ኣመሪካ ብማዕረ ኣይተተኣናግድን እያ ብዝብል ክሲ እዩ።
እዚ ሓድሽ ቀረጽ ካብ 19 ነሓሰ ጀሚሩ ተግባራዊ ዝኸውን ኰይኑ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ማርክ ካርኒ ተሪር ምላሽ ክህብ ወይ ድማ ነቲ ኵነታት ብትዕግስቲ ክከታተሎ ኣብ ዝብል ከቢድ ምርጫ ወዲቑ ይርከብ።
ኣብ ካናዳ ዝተገብረ ናይ ህዝቢ ርእይቶ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ መብዛሕትኦም ዜጋታት ንምምሕዳር ትራምፕ ከም ዘይኣምኑን ካርኒ ንጸቕጥታት ኣመሪካ ኢዱ ክህብ ከም ዘይደልዩን ይገልጹ።
ገለ መራሕቲ ክፍለ-ሃገራት ካናዳ እውን መንግስቶም ብርቱዕ ምላሽ ክህብ ይጽውዑ ኣለዉ።
ካርኒ ብወገኑ፡ "ካብ ሕማቕ ስምምዕ ዘይምስምማዕ ይሓይሽ" ዝብል መርገጺ ብምሓዝ፡ ኵለን ኣማራጺታት ይምርምር ከም ዘሎ ኣፍሊጡ።
እዚ ቍጠባዊ ውጥረት፡ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ንዝርከብ ስትራተጅያዊ ንግዲ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ዘይምርግጋእ ከም ዘሰጋገሮ ይግለጽ ኣሎ።
ፕረዚደንት ዘለንስኪ ንላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ዩክረይን ካብ ስልጣኑ ኣልዩ
ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ንላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት እታ ሃገር ኦሌክሳንድር ሲርስኪ ካብ ሓላፍነቱ ከም ዘልገሶ ተገሊጹ።
እዚ ስጕምቲ ዝተወስደ፡ እቲ ህቡብ ዝነበረ ምኒስተር ምክልኻል ሚካይሎ ፌዶሮቭ ካብ ስልጣኑ ምስ ተኣልየ፡ ንተኸታተልቲ መዓልታት ዝቐጸለ ናይ ጐደና ተቓውሞታት ስዒቡ እዩ።
እቲ ኣብ መንጎ ወተደራዊ ኣዛዚ ሲርስኪን ምኒስተር ምክልኻል ነበር ፌዶሮቭን ዝነበረ ዘይምስምማዕ፡ ንዩክረይን ኣብ ፖለቲካዊ ውጥረት ኣእትዩዋ ጸኒሑ እዩ።
ፌዶሮቭ (ወዲ 35 ዓመት)፡ ንሰራዊት እታ ሃገር ብተክኖሎጅን ብምውጋድ ብልሽውናን ንምሕዳስ ብዝገበሮ ጻዕሪ ልዑል ናእዳ ዝረክብ ዘሎ ኰይኑ፡ ሲርስኪ (ወዲ 60 ዓመት) ግን "ናይ ሶቭየት ዘመን" ኣሰራርሓ እዩ ዝኽተል ብዝብል ክንቀፍ ጸኒሑ እዩ።
ኣብ ክንዲ ሲርስኪ፡ እቲ ብተዋጋኣይነቱን ተቐባልነቱን ዝፍለጥ ወዲ 43 ዓመት ጀነራል ሚካይሎ ድራፓቲ ተተኪኡ ኣሎ። ድራፓቲ ሓላፍነቱ ብተወፋይነት ከም ዝስከም ቃል ዝኣተወ ኰይኑ፡ ፌዶሮቭ’ውን ንምሻም ድራፓቲ "ክንጸግ ዘይክእል ናይ ለውጢ ድምጺ" ክብል መጒሱዎ ኣሎ።
ፕረዚደንት ዘለንስኪ ንሲርስኪ፡ ብፍላይ ኣብ መጀመርታ ወራር ሩስያ ንርእሰ ከተማ ኪቭ ንምክልኻል ንዝተጻወቶ ተራ ምስጋና ኣቕሪብሉ።
ብተወሳኺ ንፌዶሮቭ "ግቡእ ናይ ስልጣን ቦታ" ከም ዘቕረበሉ እኳ እንተ ገለጸ፡ ፌዶሮቭ ነቲ ዕድመ ምቕባሉ ግን ገና ኣይተሓበረን።
እዚ ናይ ኣዘዝቲ ምልውዋጥ፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ዩክረይን ተፈጢሩ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞ ንምህዳእን ሓድሽ ወታደራዊ ስትራተጅያዊ ስጕምቲ ንምውሳድን ዝዓለመ እዩ።
ዋንጫ ዓለም 2026፡ ብገንዘብ ዝኸሰቡን ዝኸሰሩን
ሓደሽ ጸብጻብ ናህሪ ዋጋታት ኢትዮጵያ እንታይ የመልክት?
ኢትዮጵያ፡ ፖሊስ ኣብ ቀይዲ ዘእተዎም 17 'ሓደገኛታት' ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ሰባት
ካብ ሆርሙዝ ናብ ባብ ኤል-መንደብ፡ ጸቕጢ ቀይሕ ባሕሪ ንዓለም እንታይ ክሳራ ከስዕብ እዩ?
የመን፡ ሑቲ ክልተ ዓበይቲ መራኽብ ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ ብቀይሕ ባሕሪ ከይሓልፋ ዓጊቱ
ካብ ስዑዲ ዓረብ ነዳዲ ዝጸዓና ክልተ ዓበይቲ መራኽብ፡ ካብ ዕጡቓት ሑቲ የመን ብሰንኪ ዝበፅሐን መጠንቀቕታ፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ መንገደን ክቕይራ ከምዝተገደዳ ተገሊፁ።
እተን ነዳዲ ናብ ቻይናን ህንድን ዝጸዓና መራኽብ፡ ሑቲ ኣብ ልዕሊ ስዑዲ ዓረብ እገዳ ድሕሪ ምንባሩ እየን ናብ መበጊሰአን ተመሊሰን።
ስዑዲ ዓረብ ከም ጸላኢ እትርእዮም መሓዛ ኢራን ዝኾኑ ዕጡቓት ሑቲ፡ ናብ ወደባት ስዑዲ ዓረብ ወይ ካብ ወደባት ስዑዲ ዝብገስ ዝዀነ መራኽብ ዒላማ ከም ዝገብሩ ኣጠንቂቖም ኣለዉ።
እተን ናብ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ዘምርሓ ዝነበራ ክልተ መራኽብ፡ ካብ ሑቲ መጠንቀቕታ ምስ በፅሐን፡ ናብ ካናል ሱዌዝ ገጸን እየን ተመሊሰን።
ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣመሪካን ኢራንን፡ ቅልውላው ዓለማዊ ዋጋ ነዳዲ ዘስዓበ ኾይኑ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝረአ ዘሎ ስግኣት ነቲ ቅልውላው ዝያዳ ከየጋድዶ ሻቕሎት ፈጢሩ ኣሎ።
ካብተን ሑቲ ክምለሳ ዝኣዘዘን መራኽብ፡ ትማሊ ሰኑይ ካብ ሓደ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከብ ወደብ ስዑዲ ዓረብ-ያንቡ ተበጊሳ ናብ ቻይና እተምርሕ ዝነበረት ክልተ ሚልዮን በርሚል ነዳዲ ዝጸዓነት ዓባይ ታንከር ነዳዲ- ሺ ሎንግ ያንግ- ትርከበን።
ሑቲ ምስ ኲናት ቓዛ ብዝተሓሓዝ ምስ ኣሜሪካን እስራኤልን ርክብ ኣለወን ዝብለን ብቀይሕ ባሕሪ ዝሓልፋ መራኽብ ዒላማ ክገብር ከምዝፀንሐ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ገለ ካብተን መራኽብ ከም ዝጠሓላ’ውን ይዝከር።
ኤርትራዊ ምሁርን ደያብ ኣኽራንን ዶ/ር ናይዝጊ ኣብ 92 ዕድመኦም ዓሪፎም
ኣርባዕተ ደቁ ብመጥቃዕቲ እስራኤል ዝተቐትሉዎ ኸሊል ኣል-ሓያ ላዕለዋይ መራሒ ሓማስ ተሰዪሙ
ፍልስጤማዊ ዕጡቕ ጕጅለ ሓማስ፡ ንኸሊል ኣል-ሓያ ሓድሽ ላዕለዋይ መራሒኡ ገይሩ ከም ዝመረጸ ኣፍሊጡ። ነቲ ብጥቅምቲ 2024 ብሰራዊት እስራኤል ዝተቐትለ ያሕያ ሲንዋር ዝተክእ ድማ እዩ።
ኣል-ሓያ፡ ሓደ ካብቶም ድሕሪ እቲ ምስ እስራኤል ዝተኻየደ ኲናት ዝያዳ ተሰማዕነት ዘጥረዩ ናይቲ ጕጅለ "ጽኑዓት" ተባሂሎም ዝጽውዑ መራሕቲ ኰይኑ፡ ናይቲ ጕጅለ ቀንዲ ተዛታያይ ብምዃን ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ኣብ ዝተኻየደ ዘተ ክመርሕ ጸኒሑ።
ብመስከረም 2025 ኣብ ዶሓ ካብ ዝተፈጸመ ናይ እስራኤል መጥቃዕቲ ኣየር ዝደሓነ ኰይኑ፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ግና ብሰንኪ እስራኤል ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ኣርባዕተ ደቁ ተቐቲሎምዎ እዮም።
እስራኤል ነቶም መራሕቲ ሓማስ ንምቕታል ስጕምቲ ዝወሰደት፡ ነቲ ናይ 7 ጥቅምቲ 2023 መጥቃዕቲ ዝወደቡ እዮም ብምባል እያ።
እቲ መረጻ ኣብ መንጎ ኣል-ሓያን እቲ ንነዊሕ እዋን መራሒ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ሓማስ ዝነበረ ኻሊድ መሽዓልን ዝተገብረ ውድድር እዩ ነይሩ።
ኣብቲ ቀዳማይ ዙር መረጻ መሽዓል ዝለዓለ ድምጺ እኳ እንተ ረኸበ፡ ነቲ ብሕጊ ሓማስ ዘድሊ 36 ድምጺ ግና ክረክብ ኣይከኣለን። ኣብቲ ካልኣይ ዙር ግና ኣል-ሓያ ንመሽዓል ብምስዓር ክዕወት ክኢሉ።
እዚ ዓወት’ዚ፡ እቲ ሓማስ ብዘይ ውሕስነት ናይ ገዛእ ርእሱ መንግስቲ ምምስራት፡ ኣጽዋሩ ንኸይፈትሕ ሒዝዎ ዘሎ ጽኑዕ መርገጺ ዘርኢ እዩ።
ሓማስ ብሰንኪ እቲ ኲናት ዝለዓለ መሪሕነቱ ዝሰኣነን ትሕተ-ቕርጹ ዝዓነወን ኰይኑ፡ ኣብቲ ዝኸፈአ እዋን ታሪኹ ይርከብ።
እቲ ጕጅለ፡ ኣጽዋሩ ንምፍታሕ ብኣመሪካ ዝቐርበሉ ዘሎ ጸቕጢ፡ ብዘይ ገለ ፖለቲካዊ ውሕስነት ፍልስጤማዊት ሃገር ተቐባልነት ከም ዘይብሉ ይገልጽ።
ቀዳማይ ምኒስተር ኣንዲ በርናም ናብራ ንምቅላል ዝኸውን ሓገዝ ክእውጅ እዩ
ሓድሽ ቀዳማይ ምኒስተር ብሪጣንያ ኣንዲ በርናም፡ ሎሚ ሰሉስ ምስ ካቢኑ ንፈለማ እዋን ኣብ ዝእከበሉ፡ ነቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ቍጠባዊ ቅልውላው ናብራ ንምቅላል ዝሕግዝ ስጕምቲ ከም ዝእውጅ ተገሊጹ።
በርናም ነቲ ኣብ ቍጠባዊ ጸቕጢ ዝርከብ ህዝቢ "መተንፈሲ" ዝኸውን ሓገዝ ክገብር ቃል ዝኣተወ ኰይኑ፡ ነዚ ንምኽፋል ዝውዕል ባጀት እውን ሎሚ ዝርዝሩ ክገልጽ እዩ።
እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ንጆን ሂሊ (ቻንስለር)፡ ኤድ ሚሊባንድ (ጉዳያት ወጻኢ)፡ ኣንጀላ ራይነር (ሰክረታርያት)ን ዌስ ስትሪቲንግ (ምክልኻል)ን ዝርከቡዎም ቀንዲ ኣባላት ካቢኑ ሰይሙ ኣሎ።
በርናም ኣብ ውሽጢ 40 ዓመት ዘይተርኣየ ዓቢ ፖለቲካዊ ለውጢ ከም ዘምጽእን ን10 ዓመት ዝጸንሕ "ሓድሽ ትልሚ ብሪጣንያ" ከም ዘውጽእን ገሊጹ እዩ።
ይዅን’ምበር፡ መራሕቲ ተቓወምቲ ሰልፍታት ነቲ ትልሚ ንጹር ከም ዘይኰነ ብምግላጽ ይነቕፉዎ ኣለዉ።
መራሒት ዓቃባዊ ሰልፊ ኬሚ ባደኖክ፡ በርናም ንጹር ትልሚ የብሉን ክትብል ከላ፡ መራሒ ጽገና ናይጀል ፋራጅ ድማ ከምዚ ዝበለ ዓቢ ለውጢ ንምግባር ህዝባዊ ውክልና ንምርካብ መረጻ ክጽዋዕ ከም ዝግባእ ገሊጹ።
ብደገፍ ጉዳያት ወጻኢ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪን ሓላፊት ኮምሽን ኤውሮጳ ኡርሱላ ቮን ደር ሌየንን ምስቲ ሓድሽ ቀዳማይ ምኒስትሪ ተዘራሪቦም ኣለዉ።
ትራምፕ ብዛዕባ ጸጥታ መጻብቦ ሆርሙዝን ንግድን ከም ዝተዘራረበ ክገልጽ ከሎ፡ ዘለንስኪ ድማ ንዩክረይን ዝግበር ደገፍ ቀጻሊ ምዃኑ ከም ዝተረጋገጸሉ ኣፍሊጡ።
ካብ ኡጋንዳ ክሳብ ኣመሪካ፡ ኣብ ኲናት ሩስያ ዝሞቱ ወጻእተኛታት
ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ሓደስቲ መጥቃዕቲ ኣየር ፈጺማ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ሓያል ግብረ-መልሲ ክህብ ምዃኑ ኣጠንቂቑ
ወተሃደራት ኣመሪካ፡ ኢራን ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ዘለዋ ናይ መጥቃዕቲ ዓቕሚ ንምድኻም፡ ንዓስራይ ተኸታታሊት ለይቲ ዝቐጸለ ሓድሽ መጥቃዕቲ ኣየር ፈጺሞም።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ እዚ ስጕምቲ እዚ ነቶም ኣብዚ ቐረባ እዋን ኣብ ዮርዳኖስን ዒራቕን ዝተቐትሉ ሰለስተ ወተሃደራት ኣመሪካ ንምፍዳይ ዝተወሰደ ኰይኑ፡ ኢራን "ከቢድ መጥቃዕቲ" ከም ዝወረዳ ገሊጹ።
ከም ግብረ-መልሲ፡ ፕረዚደንት ኢራን መስዑድ ፐዘሽኪያን ሃገሩ ምስ ኣመሪካ ኣብ "ምሉእ ብምሉእ ኲናት" ከም ዘላ ኣዊጁ።
ቴህራን ብወገና፡ ኣብቲ ስትራተጅያዊ መስመር ባሕሪ ኣብ ልዕሊ ክልተ ናይ ነዳዲ መራኽብ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመትን ኣብ ባሕሬንን ኵዌትን ዝርከቡ ወተሃደራዊ ትካላት ኣመሪካ ከም ዝወቐዐትን ገሊጻ።
ማእከላይ እዚ ወተሃደራት ኣመሪካ፡ እቲ መጥቃዕቲ ንወተሃደራዊ መአዘዚ ማእከላት፡ ናይ ሚሳይልን ድሮንን መተኰሲ ቦታታትን ስርዓተ ምክልኻል ኣየርን ዝዓለመ ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ምኒስትሪ ምክልኻል ኣመሪካ ድማ መንነት እቶም ኣብ ዮርዳኖስ ዝተቐትሉ ወተሃደራት ብወግዒ ይገልጽ ኣሎ።
በቲ ካልእ ወገን፡ ዮርዳኖስን ኵዌትን ካብ ኢራን ዝተተኰሱ ሚሳይላትን ድሮናትን ኣብ ሰማያተን ከም ዘፍሸላ ኣፍሊጠን ኣለዋ።
ኢራን ኣብ ልዕሊ መራኽብ ነዳዲ መጥቃዕቲ ፈጺመ ዝበለቶ ክሲ ግና ብኣመሪካ ተነጺጉ እዩ።
ውድቀት 'ኤል ማዮ' ዛምባዳ፡ ካብ ንግስነት ዕጸ-ፋርስ ናብ ዕድመ-ልክዕ ማእሰርቲ
ቀይሕ ባሕሪ፡ ሑቲ የመን ኣብ ልዕሊ ስዑዲ ዓረብ 'ናይ ባሕሪ እገዳ' ኣዊጁ
ኣንዲ በርናም ሓደስቲ ላዕለዎት ሚኒስተራት ክሸይም ጀሚሩ
ሰኑይ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ብምዃን ስልጣን ዝተረከበ ኣንዲ በርናም ኣባላት ካቢነ ክሸይም ጀሚሩ።
ድሮ እቲ ኣገዳሲ ስልጣን ሚኒስትሪ ፋይናንስ (ቻንስለር) ሚኒስተር ምክልኻል ንዝነበረ ጆን ሂሊ ተዋሂቡ ኣሎ። እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንስታርመር ብምቅዋም ካብ መዝነቱ ዝወረደ ሂሊ፡ ናብቲ ጥቓ 10 ጐደና ዳውኒን ዝርከብ 11 ዳውኒን ስትሪት ተባሂሉ ዝጽዋዕ ወሳኒ ቤትጽሕፈት ክኣቱ'ዩ።
ኣብ ሓደ እዋን መራሒ ሰልፊ ዕዮ ዝነበረ ኢድ ሚሊባንድ'ውን ጸሓፊ (ላዕለዋይ ሚኒስተር) ጉዳያት ወጻኢ ኮይኑ'ሎ።
ብዘይካ'ዚ፡ ጸሓፊት ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት ኮይና ከተገልግል ዝጸንሐት ሻባና ማሕሙድ ኣብ ቦታኣ ክትቅጽል ዳግማይ ተመዚዛ።
ሓያሎ ኣባላት ካቢነ ኪር ስታርመር ዝነበሩ ላዕለዎት ሚኒስተራት ግን፡ ዋላ'ኳ ገሊኦም ክቕጽሉ ድሌት እንተነበሮም ብሓደስቲ ተተኪኦም ኣለዉ። ሓደ ካብኦም እቲ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ጸሓፊ ክፍሊ ፍትሒን ኮይኑ ከገልግል ዝጸሐ ዴቪድ ላሚ እዩ።
ካልኦት ደገፍቱ ዝኾኑ ኣባላት ፓርላማ'ውን መዝነቶም ንምቕባል ካብን ናብን ዳውኒን ስትሪት ይኣትዉን ይወጹን ኣለዉ- መስርሕ ምቛም ካቢነ ሎሚ ለይቲ ኣብ ዝመጽእ መዓልታትን ክቕጽል'ዩ።
ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ፡ መራሕቲ ዓለም እንታይ በሉ?
መራሕቲ ዓለም ብወገኖም ብዛዕባ'ቲ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ብምዃን ሎሚ ስልጣን ዝተረከበ ኣንዲ በርናም ርእይቶታቶም ይገልጹ ኣለዉ።
ንኪር ስታርም ዘለዎ ነቐፌታ ክገልጽ ዝጸንሐ ፕረዚደንት ኣመሪካ ነቲ ብዙሕ ዘይፈልጦ በርናም ከምዘድንቖ ኣሚቱ'ሎ።
ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ብፍላይ ኣብ ስኮትላንድ ሓጐስ ፈጢሩ ከምዘሎ ይጠቅስ።
"ህዝቢ ኣበርዲን፡ ስኮትላንድ፡ ኣብ ጐደናታት ወጺኡ ይስዕስዕ ኣሎ፣ ምኽንያቱ እቲ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኣንዲ በርናም፡ ነቲ ኣብ ባሕሪ ሰሜን ብምልኡ ዘሎ ነዳዲ ከምዝኸፍቶ ብምግላጹ" ይብል።
ክልቲኦም መራሕቲ ድሮ ብተለፎን ተዘራሪቦም ከምዘለዉ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ዳውኒን ስትሪት ሓቢሩ'ሎ።
ኣብ ከተማ ኣበርዲን ሜዳ ጐልፍ ዘለዎ ትራምፕ፡ ነቲ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ማያት ባሕሪ ሰሜን ተተኺሉ ዘሎ መመንጨፊ ንፋሳዊ ጸዓት ኣምሪሩ ክቃወሞን ኣብ ክንድኡ ኲዕታ ነዳዲ ክፍቀድን ክምሕጸን ምጽንሑ ይፍለጥ።
መራሒት ሕብረት ኣውሮጳ ፕረዚደንት ኡርሱላ ቮን ደር ለየን ብወገና፡ ነቲ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ዮናኣ ብምግላጽ፡ "ኣብ መንጐ ብሪጣንያን ሕብረት ኣውሮጳን ዘሎ ሽርክነት ንምሕያል" ቅሩባት ምዃኖም ገሊጻ።
ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑዌል ማክሮን'ውን፡ ምምጻእ በርናም ንዝምድና ለንደንን ፓሪስን "ሓድሽ ናህሪ" ዝፈጥር'ዩ ክብል ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ።
ዓወት ዝተመነየሉ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮለድሚር ዘለንስኪ ድማ ምስቲ ሓድሽ መንግስቲ ንምስራሕ ድሉው ከምዘሎ ኣመልኪቱ። ብሪጣንያ ሓንቲ ካብተን ገዚፍ ወተሃደራዊን ገንዘባዊን ሓገዝ ንኪቭ ክህባ ዝጸንሓ ሃገራት ምዕራብ እያ።