ኢትዮጵያ፡ ኣብ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ብዘጋጠመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 52 ሰባት ተቐቲሎም

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኣብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝርከብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ፡ ዕጡቓት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 52 ሰባት ከም ዝተቐተሉ ሰበስልጣን እቲ ክልል ኣፍሊጦም።

ፖሊስ እቲ ክልል ከም ዝገለጾ፡ እዚ መጥቃዕቲ ሓሙስ ኣንጊሁ ኣብ ዞባ ኣሶሳ፡ ኣብ ወረዳ ቡልዲግሉ ኣብ እትርከብ ጣብያ (ቀበሌ) ዳሊቲ፡ ምስ ዶብ ክልል ኦሮምያ ኣብ ዘዋስን ከባቢ እዩ ኣጋጢሙ።

ኮምሽነር ፖሊስ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ኣቶ እድሪስ መሓመድ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓጺር መግለጺ፡ እቲ መጥቃዕቲ ብኣቈጻጽራ እቲ ኸባቢ ኣስታት ሰዓት 05:00 (11፡00 ቅ.ቐ) ከም ዘጋጠመን፡ ነዚ መጥቃዕቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ "ሸኔ" ኢሉ ዝጽውዖ ዕጡቕ ጕጅለ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ከም ዝፈጸሞን ገሊጹ።

ኣቶ እድሪስ፡ ካብቶም ዝተቐተሉ 21 ሰላማውያን ሰባት፡ 31 ድማ ኣባላት ሓይልታት ጸጥታ እቲ ክልል ምዃኖም ኣረዲኡ።

"እቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሃንደበት እዮም መጺኦም፣ ከቢድ ዕንወት እውን ኣውሪዶም" ብምባል ንቢቢሲ ዝገለጸ ኣቶ እድሪስ፡ እቲ ከባቢ ምስቶም ኣብ ጥቓ ዶብ ኦሮምያ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ጕጅለታት ብዝተኣሳሰር ንነዊሕ እዋን ናይ ጸጥታ ጸገም ከጋጥሞ ከም ዝጸንሐ ወሲኹ ሓቢሩ።

ዛጊት ዝዀነ ጕጅለ ሓላፍነት ናይዚ መጥቃዕቲ ኣይወሰደን፤ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ እውን ነዚ ክሲ ምላሽ ኣይሃበን። ቢቢሲ ንወሃብ-ቃል እቲ ጕጅለ ምላሽ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይሰለጠን።

ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ፡ ኣብቲ ከባቢ ኣጋጢሙ ንዝበሃል ተመሳሳሊ መጥቃዕትታት ቅድሚ ሕጂ ተሳታፍነቱ ክነጽግ ጸኒሑ እዩ።

"ንመሰል ኦሮሞ እቃለስ ኣለኹ" ዝብል እዚ ጕጅለ፡ ኣብ 2021 ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ከም ሽበራዊ ውድብ ተበዪኑ እኳ እንተ ነበረ፡ ዳሕራይ ግን መስርሕ ሰላም ንምምችቻእ ኣብ ዝተገብረ ጻዕሪ፡ ኣባላት ባይቶ ንገሊኡ ምስቲ ፍርዲ ዝተኣሳሰር ቀይድታት ኣልዒሎምዎ እዮም።

ብኻልእ ወገን፡ ተቓዋሚ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ፡ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ኣብቲ ከባቢ መንግስቲ ብዝድግፎም ሓይልታት ሰላማውያን ሰባት ከም ዝተቐተሉ ከሲሱ ኣሎ።

ወሃብ-ቃል ኦነግ ለሚ ገመቹ ኣብ ፌስቡክ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፡ ኣብ ዳሊቲ ልዕሊ 43 ኦሮሞ ዝዀኑ ሰላማውያን ሰባት ብሓይልታት ጸጥታ እቲ ክልል ከም ዝተቐተሉ ገሊጹ። እቶም ግዳያት "ንሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ትድግፉ ኢኹም" ተባሂሎም ዒላማ ከም ዝተገብሩ ክሲ ኣቕሪቡ።

ቢቢሲ ነቲ ሰበ-ስልጣን እቲ ክልል ዘቕረብዎ ጸብጻብ መጥቃዕቲ ይኹን፡ ኦነግ ዘቕረቦ ክሲ ብነጻ ወገን ከረጋግጽ ኣይከኣለን።

ኣብቲ ከባቢ ብሰንኪ ዘሎ ጸገም መራኸቢታትን ተበጻሕነትን፡ ንነበርትን መሰኻኽር ዓይንን ንምርካብ ዝተገብረ ጻዕሪ ውጽኢታዊ ኣይኰነን።

እቲ ሰበስልጣን እቲ ክልል ዝገለጽዎ ፍጻመን እቲ ኦነግ ዘቕረቦ ጸብጻብ ቅትለትን፡ ንሓደ ፍጻመ ዘመልክት ድዩ ወይስ ዝተፈላለየ ፍጻመታት እዩ ዝብል እውን ንጹር ኣይኰነን።

እዚ ኵነታት ዘጋጥም ዘሎ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ኢትዮጵያ ጸጥታዊ ብድሆታት ቀጺሉ ኣብ ዘለወሉ እዋን እዩ። ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ መንጎ ዕጡቓት ጕጅለታትን ሓይልታት መንግስትን ብዘጋጠመ ግጭታት፡ ኣማኢት ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ቍጽሮም ኣዝዩ ብዙሕ ዝዀነ ሰላማውያን ሰባት ድማ ተመዛቢሎም እዮም።

እዚ ኣብ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዘጋጠመ ቅትለት ዝፍጸም ዘሎ፡ ኣብ ክልል ኦሮምያ ወረዳ ሮቤ ብዕጡቓት ጕጅለታት ብዘጋጠመ ካልእ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 38 ሰባት ኣብ ዝተቐተሉላ መዓልቲ እዩ።

ቤንሻንጉል ጉሙዝ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብብሄራዊ ወጥሪ፡ ብምትህልላኽ መሬትን ጸጋታትን፡ ከምኡ'ውን ብህላወ ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ተዋሳእቲ ዝድፋእ ተደጋጋሚ ግጭት ዘጋጥመላ ክልል እያ።

ኣብ ነሓሰ፡ ኣብ ከተማ ጊልገል በለስ ኣብ ጥቓ መዋፈሪ ኣውቶቡሳት ዕጡቓት ተዅሲ ብምኽፋቶም ብውሕዱ 18 ሰላማውያን ሰባት ተቐቲሎም እዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሕዳር ድማ፡ ኣብ ወረዳ ቡለን ብዘጋጠመ ካልእ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 40 ሰባት ከም ዝተቐተሉ ተጸብጺቡ እዩ።

እዚ ሕጂ ዝወጽእ ዘሎ ጸብጻባት፡ መንግስቲ ነቲ ዞባ ንምርግጋእ ጻዕርታት እኳ እንተ ገበረ፡ ማሕበረሰባት ምዕራባዊ ክፋል ኢትዮጵያ ግን ብቐጻሊ ናይ ጸጥታ ስግኣት የጋጥሞም ከም ዘሎ ዘርኢ እዩ።